Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፫/3 መስከረም ዕረፍቱ ለአቡነ አንበስ

                                          ፫/3 መስከረም ዕረፍቱ ለአቡነ አንበስ

               በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ።

      %e1%88%9d%e1%88%9d%e1%88%9d%e1%88%9d ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብዙኅ መንፈሳዊ ገድሊ ዝፈጸሙ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ኣቡነ ኣንበስ እዮም።  ኣቡነ ኣንበስ ኣቦኦም ዜነብ ኣዲኦም ከኣ ዜነባዊት ይበሃሉ። ኣቡነ ኣንበስ  ኣብ ሮም ዝተወልዱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ሎሚ  3/፫ መስከረም  ከኣ  ዕለት ዕረፍቶም እዩ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ምስ ወለዱ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምስ ዓበዩ ቃል ወንጌል ብግብሪ ንምፍጻም “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እዮም” ዚብል ማቴ. ፭፣፲/5፣10 ቃል እግዚኣብሔር ተመሪሑ ከም ኵሎም ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኤርትራ ተበገሰ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዚጠቕሶ፣ ኣቦኡን ኣዲኡን ገዲፉ ፣ ምስ ብጾቱ ኣብ ምድረ ኤርትራ ኪረግጽ ከሎ፣ ካብ ኵሎም ብጾቱ ዚነኣሰ ብምንባሩ ብድኻም ተሰኒፉ ተረፈ እሞ ብጾቱውን ገዲፎምዎ ኸዱ። እንተኾነ ግና ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ፣ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፣ የናግፎም ኸኣ” መዝ. ፴፬፣፯/34፣7 ዚበሎ ፣ ንኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣብ ምድረ በዳን ዘይፈልጦ ሃገርን ረዳእን ኃይልን ብምዃን ኣብ ኵሉ ጒዕዞኡ ከም በቕሊ ኮይኑ ዚውጥሖን ዚእዘዞን ኣንበሳ ተዋህቦ። ድኅር’ዚ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ናብ “በለሳ” ዝተባህለ ከባቢ ጸሮና ኣትዩ ተቐመጠ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዚተገልጸ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ነበረ። ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ንብጾቱ ምስ ኣርከቦም ግና እቶም ምስኡ ዚተበገሱ ቅዱሳን ብምንታይ ደኣ መጺእኻ፧ “ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ከም ዝመጽአ ገለጸሎም እሞ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ስሙ “ኣቡነ ኣንበስ” ኢሎም ሰመይዎ። ኣቡነ ኣንበስ ኣብ በለሳ ጥራይ ኣይተቐመጠን፣ “ክሳድ እምባ” ኣብ ዚበሃል ዓዲ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዚርከብ ከባቢ 10 ኪሎ ሜትር ንወገን ምብራቕ ኣብዚ ሎሚ ብስሙ ዚጽዋዕ ዘሎ ዓቢይ ደብሪ መጺኡ ተቐመጠ። እዚ ቦታ እዚ ቤት ጸሎቱን ኣምልኾኡን ዚፍጸምሉ ቦታ ነበረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ”ዕራግ” ዝበሃል ቦታ ናይ ኣቡነ ኣንበስ ዝጽልዩሉ ፍሉይ ቦታ ከምዝነበሮም እዮም ኣቦታትና በኣፈ ታሪክ ዝነግሩና ካብ ስሙ ከም እንርደኦ ዕራግ ማለት ‘ዓርገ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ካብ ዝተሓተ ቦታ ናብ ዝለዓለ ቦታ ሓፍ ምባል’ዩ። እዚ ዕራግ ዝብል ቦታ ድማ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ጸሎቶም ናብ ኣምላክ ዘዕርጉሉ ፍለይ ቦታ’ ስለ ዝነበረ በዚ ዕራግ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ይጻዋዕ ኣሎ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ፣ ድኅር’ዚ ውን ናብ “ሓዘሎ” ዚበሃል ስፍራ ተጓዒዞም እዮም፣ ኣብኡ ምስ ኣቡነ ሳሙኤልን ኣቡነ ብንያምን ዚተባህሉ ቅዱሳን ኣቦታት ተራኸቡ እሞ፣ ሠለስቲኦም ብሓደ ኾይኖም ይጽልዩ ነበሩ። እዞም ሠለስተ ኣቦታት፣ በረኸትን ቅድስናን ንምርካብ ብሓደ ኮይኖም ናብ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ፣ ኣብቲ ቦታ ዚነበሩ ኣናብስ እንስሳታት ኪበልዑ፣ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፣ ነቶም ናይቶም ሠለስተ ቅዱሳን ኣናብስ በልዕዎም። ኣቡነ ኣንበስን ኣቡነ ብንያምን ኣቡነ ሳሙኤልን ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፣ “እዞም ኣናብስትኻ እንበር ነዞም ኣናብስትና በሊዖምዎም” በልዎ። ሽዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቶም ኣናብስቲ “ስለምንታይ ንኣኻትኩም ዘይተኣዘዘ ትበልዑ፧ “ ኢሉ ገንሖም እሞ፣ እቶም ኣናብስቱ ድማ፣ ነቶም ዚበልዕዎም ኣናብስቲ ተፍእዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፣ ነቲ በድኒ ናይቶም ኣናብስቲ ባሪኹ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ንዋናታቶም ሃቦም (ገድለ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ)። ካብዚ ቐጺሉ ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ናብ “ግዔን” ዚተባህለ ቦታ ኸደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ እንስሳታት ናይ’ቲ ከባቢ፣ ኣብ ሕርሻን ግርሁን እናኣተዉ ጒድኣት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት የውርዱ ነበሩ።

abune-anbes-bbእቶም ሕዝቢ ድማ፣ ከም ግብረ መልሲ ነቶም እኽሎም ዚበልዕሎም እንስሳታት የሃድንዎም ነበሩ። ነዚ ዚተዓዘቡ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ነቶም ሕዝብን ነቶም እንስሳታትን ቃል ኪዳን ኣተኣታተዎም፣ እቲ ቃል ኪዳን ከኣ “ናብ ዝሩእን ናብ ዘይተዓፅደን ከይኣትዉ፣ እቶም ሕዝቢ ከኣ ኣብ ዓፂድ ዚነጠበ ከይቅርሙን ሰንበት ኬኽብሩን” ነበረ። እንተኾነ ነዚ ቃል ኪዳን እዚ ሕዝቢ “ግዔን” ጠሓስዎ። ድኅር’ዚ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣንበሳኡ ሰዲዱ ነቶም ቃል ኪዳን ዚጠሓሱ ሕዝቢ ጥሪቶም ክበልዓሎም ኣዘዞ። ሕዝቢ ግዔን ድማ “እዚ ሰብኣይ እዚ ጥሪትናን ገንዘብናን ኪውድኣልና እዩ” ኢሎም ንኺቐትልዎ ተሰማምዑ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ብኢድ ሕዝቢ ግዔን ብሠለስተ መስከረም ኣብ ግዔን ብሰማዕትነት ዓረፈ። እንሆ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጽአ በረኸቱ ንምክፋል መዘከርታ ክብረ በዓሉ ብድምቀት ተብዕሎ ኣላ።

– ሰላም ለአንበስ በፍኖተ ፃማ ወሥራሕ፣

– ዘይጼዓን ዘልፈ ዲበ አንበሳ መፍርህ፣

– ለዘይጸድቅ ብእሲ እስከ ይገብእ ፍትሕ፣

– ማይ ኢያጥፍኦ ወርደተ ዝናም ብዙኅ፣

– ለአሠረ ደሙ ቀይሕ ዘሁሎ በኰኵሕ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ካብ ብሎጋት- ማእዶትን ቤት ሳይዳን ዝተወስደ ጽሑፍ

 

Sorry, comments are closed for this post.