Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፬/4 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለሓዋርያ እንድርያስ/ 4thDecember The Departure of St. Aposle Andrew

                           በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 

                             ፬/4 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለሓዋርያ እንድርያስ

    endryas2እንድርያስ ማለት  ጽኑዕ፡ ተባዕ ለመስቀል በኹረ ሓዋርያት ማለት እዩ።  ነገዱ ካብ ነገደ ሮቤል ኮይኑ ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት እዩ። ሃገረ ስብከቱ ድማ ልድያ እዩ። ሓዋርያ እንድርያስ ንሓዋርያ ጴጥሮስ ሓዉ እዩ። ሓደ ካብ 72 ኣርድእት ንዝኾነ ንፊልሞና ሒዙ ምስ ከደ ኣብ ቤት ጣኦት ኣተወ። ፊልሞና ዘያሚ ስለ ዝነበረ፡ ንድምጹ ዓው ብምባል “ኣማልክቲሆሙ ለኣሕዛብ ዘወርቅ ወዘብሩር ግብረ ኢደ እጓለ እመሕያው” ናይ ኣህዛብ ኣማልኽቲ ብወርቅብን ብብሩርን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም፡ እቶም ዘምልኽዎም ድማ ከምኣቶም እዮም እናበለ ክዝምር ከሎ ኣህዛብ ተኣከቡ’ሞ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምሂሩ ኣእመኖም። ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ድማ ኣጠመቖም። ብድሕሪ እዚ ድማ ንሕሙማት ብስም ክርስቶስ ኣህውዮም ናብተን ዘይበጽሕወን ቦታታት ክምህሩ ከዱ። ናብተን ዝተረፋ ቦታታት ምስ ከዱ ግን እቶም ሰብ እታ ሃገር እዚ ንኣማልኽትና ይጸርፍ ህዝብና ድማ ናብኡ ይስሕብ ኣሎ ኢሎም ተሓባቢሮም ብእማንን ብበትርን ደብዲቦም ክዳኑ ገፊፎም ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ኣዘርዎ። ክሳብ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ዝውሰነሉ ድማ ዕርቃኑ ገይሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። ንዕኡን ንእግዚኣብሔርን ድማ ክጸርፉ ጀመሩ። ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ንእግዚኣብሔር ምስ ጸረፉዎ ተቖጢዑ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ክበልዖም ጸለየ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንጸሎቱ ሰሚዑ ብሓዊ ገይሩ ኣጥፍኦም። ከም እንደገና ድማ ካልኦት ከሓድቲ ተላዕልዎ ንሱ’ውን ከምቲ ዝቐደመ ሓዊ ወሪዱ ክበልዖም ጸለየ። እንተኾነ ጎይታ ተገሊጹ “ምስቶም ከማኻ ዝበሉ ንዓይ ዘስሙሩኒ ናብ ገነት እትኣትወሉ ግዜ ስለ ዝበጽሐ ተጋድሎኻ ድማ ስለ ዝፈጸምካ ኣይትቆጣዕ ኢሉ ኣጸናንዖ።

 ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ድማ ናይ ሞት ጽዋዕ ንምቕባል እናተጸበየ ከሎ ንመዓት እምበር ንምሕረት ዘይለኣኹ ዓቀይቶት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ናብ መስቀል ሰቐልዎ። ነፍሱ ካብ ስጋኡ ክሳብ እትፍለ ከኣ ብዳርባ እምኒ ኣቑሰልዎ።  ነፍሱ ድማ  ብዕለት 4 ታሕሳስ ካብ ስጋኡ ተፈልየት። ብድሕሪ እዚ ምእመናን  ካብ መስቀል ኣውሪዶም ብኽብሪ ቀበርዎ።

  በረኸትን  ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

      ስብሃት ለእግዚኣብሔር

      ወወልድ ወመንፈስቅዱስ

      ኣሃዱ ኣምላክ

      ኣሜን!

 

 

Sorry, comments are closed for this post.