Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፯/7ሓምለ ዓመታዊ ክብረ ብዓል ጻዕዳ እምባ ስላሴ/7th of July the Cellebration of Xaeda Embaslesie Monastery

                በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

               ፯/7ሓምለ ዓመታዊ ክብረ ብዓል ጻዕዳ እምባ ስላሴ

ሃገርና ኤርትራ ሓንቲ ካብተን  ብጥንታውያን  ገዳማትን ኣድባራትን ሃብታማት ዝኾና ውሑዳት ሃገራት እያ። ንሎሚ ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጣ ዝርከቡ ፍሉጣትን  ጥንታውያንን ዝኾኑ ሓደ ዝኾነ  ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴ ክንርኢ ኢና።

xxxxገዳም ጻዕዳ እምባ  ስላሴ ኣብ ዞባ  ዓንሰባ ጻዕዳ እምባ  ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ ኮይኑ ብኣቡነ ሰይፌ ሚካኤል ዝተባህሉ ኣቦ ዝተመስረተ ኢዩ። ናብ’ዚ ገዳም እዚ ንምብጻሕ ካብ ከተማ ከረን ተበጊስካ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ  ሩባታትን  ጎቦታትን ድሕሪ ምሕላፍ  ግምጃ ወርቅ  ኣብ ዝተባህለ  ኣብቲ እግሪ ገዳም ተመስሪቱ ዘሎ  ነዊሕ እምባ ትበጽሕ። ካብ ከረን ክሳዕ ግምጃ ወርቅ ብእግርኻ ካብ 4 ክሳዕ  5 ሰዓት ዝወስድ ኮይኑ ብድሕሪኡ ነቲ ተሪር ነዊሕ እምባ ብጥውይዋይ  መንገዲ እግሪ ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ተጓዒዝካ  ማዕደዋይ ዝተባህለ ቦታ  ትበጽሕ ።ጠቕላላ እምበኣር ካብ ከተማ ከረን ክሳዕ ጫፍ  ናይቲ ገዳም ካብ 6 ሰዓት ክሳዕ 6ን ፈረቓን ሰዓት ይወስድ።

ካብ ማዕደዋይ  ናብ ውሽጢ ገዳም ምስ ኣቕናዕካ ድማ ብዘይካ መርገጺ እግሪ ካልእ ስፍሓት ዘይብላ ብየማና ጸጋማ ኣዝዩ ነዊሕን ሽው  ዝበለ ጸድፊ ዘለዋ ብጭንቂ  እትስገር ጽንፈ ጽልመት ተባሂላ እትጽዋዕ ገደል ትርከብ፡ እዛ ንምስጋራ ጭንቂ ዝኾነት መንገዲ እቶም ዝለመድዋ ንዓኣቶም ከም ኩሉ መገድታት እያ። ኣብኡ ዝርከቡ ናይ ገዳም ኣቦታት ዝተፈላለየ ናውቲ ህንጻ  ይኹን ነቲ ገዳም ዘድሊ ቀረባት በዛ ኣዝያ  ጸባብ ዝኾነት መገዲ ከም ኣብ ሜዳ ዘለዉ እና ነጠሩ ይስግርዎ። ካብዚ ቀጺልና ደጌ ሰላም  ከምኡ እውን መገዲ ሰማይ  ዝበሃሉ ኣብቲ ናብቲ ገዳም ዘእቱ ዘሎ ጥውይዋይ መገዲ  ይርከቡ።ነዚ ኩሉ ሰጊርካ ኢኻ ከኣ ናብ’ቲ  ገዳም  ትኣቱ።

ናብዚ ገዳም እዚ  ንኽትኣቱን ንኽትበጽሕን ካብ ከተማ ከረን ተበጊስካ ነዚ ኩሉ ዓቐበትን ቁልቁለትን ሰጊርካ ንምብጻሕ ዓቢ ዝኾነ ትዕግስትን  መንፈሳዊ  ሓይልን ዝሓትት እዩ።

ከም ኩሎም ቅዱሳን ቦታታት፡ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብዚ እውን ኣዝዩ ድንቂ ዝኾነ ተኣምራት ሰሪሑን ኣሎ። ገለ ካብቶም ፍሉያትን ዓበይትን ተኣምራት ናይዚ ገዳም እዚ ንምጥቃስ  ኣብዚ ገዳም ካብ ዘልዉ ጥንታውያን ኣእዋም ክኣርጉ ከለዉ ወይ ንፋስ  ክሃርሞም ከሎ ንታሕቲ ክንዲ ዝጸድፉ ንላዕሊ ገጾም ጥራሕ እዮም ዝወድቁ።እዚ ተኣምር እዚ ብዛይካ ኣብዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ኣብ ካልእ ኣይተራእየን።

ካልእ ተኣምር እውን ናይ ንስሪ ነገር እዩ። ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ንስሪ ይትረፍዶ ኣብ ቅድሚኡ ሞይቱ ዝጸንሖ እንሳስ ሰብ’ውን እንተኾነ ስጋ ሒዙ ክኸይድ እንተርእይዎ ከሕድጎ  እዩ ዝፍትን ዕድል እንተረኺቡ ከኣ መንጢልዎ ይኸይድ። ኣብዚ ገዳም እዚ ግን ዝኾነ እንስሳ እንተ ሞይቱ ክበልዕ ኢሉ ኣይቀርብን እዩ። ኣብዚ ገዳም እዚ ዘለዉ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት በዚ ዝተጠቕሰ ዝውሰኑ ኣይኮኑን። ኣብዚ ቦታ እዚ ተመን ነኺሱ ንሰብ ኣይቀትልን እዩ። እቲ ዝተነኽሰ ሰብ ልክዕ ጻጸ ከም ዝነኸሶ እዩ ዝኸውን እምበር ተመን ከም ዝነኸሶ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት 28፡3 ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዕንጸይቲ ተሰኪሙ ናብ  ሓዊ  ከእቱ ከሎ ኣብቲ ዕንጸይቲ ዝጸንሐ ተመን ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ከሎ ረኣይዎ እሞ ሕጂ ክወድቕ ኢዩ፡ክመውት ኢዩ እና በሉ  ገለ እኳ ዘይጎድኦ የዘኻኽረና።በዚ መሰረት ድማ ከምቲ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ማር 16፡17፡18/፲፮፡፲፯-፲፰  ጽሒፍዎ ዘሎ “ነቶም ዝኣምኑ እዚ ምልክት እዚ ክስዕቦም እዩ ብስመይ ኣጋንንቲ ከውጽኡ ብሓድሽ ቋንቋ ክዛረቡ ኣትማን ክሕዙ፡ ዝቐትል መስተ እንተሰተዩ ከኣ ኣይከጎድኦምን ኢዩ፡ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ከነብሩ  ንሳቶም እውን ክሓውዩ ኢዮም” ዝብል ቃል ኣብ ግዜና ኣብዚ ገዳም እዚ ይርአ ኣሎ።

ድድድከምኡ’ውን ኣብዚ ገዳም ዘሎ ዳዕሮ  ተጸሚቑ ካብ ወይኒ ዝጥዕም ስዋ ይስራሕ።ኣሚኑ ካብኡ ንዝሰቲ ድማ ፈወሲ ይኾኖ።ካብኡ ፍልይ ዘብሎ ከኣ ሓደ እዋን ክረምቲ እዩ ነይሩ  ዝናብ እና ዘነበ ከሎ ዝወረደ በርቂ ነቲ ከውሒ  ወቕዖ እሞ ኣብቲ ከውሒ ስእሊ ናይ ሃገረ ኤርትራ ምስኣሉ እዩ።እዚ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ከውሒ ዝርኤ እዩ።

እምበኣርከስ ኤርትራ ሃገርና ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ጥንታውያን ገዳማት ዝወነነት እያ።ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ነዚ ብኣእምሮ ክትሓዝ ዘይክኣል ብዓቐንን ብብዝሕን ፍሉይ ዝኾነ ታሪኽ ዝወነነት ከም ምዃና መጠን፡ሃገርና ኤርትራ  ማዕረ ከንደይ ዝኣክል ሃይማኖታዊ ታሪኽ ዝሓዘት ምዃና ግልጺ ዝገብረልና ኢዩ።ስለዚ ኩላትና ደቃ ድማ እዚ ሃብትናን ዋንነታን ዝኾነ ቅዱስ ታሪኽ ክንዕቅቦ   ሃይማኖታዊ ሓላፍነትና ኢዩ እሞ እግዚኣብሔር  ጸጋኡ ኣብዚሑ ቅዱስ ዝኾነ  ታሪኽና  ንምሕላው ያብቅዓና።ኣሜን።

ጻዕዳ እምባ ስላሴ እምበኣር ብዙሕ ሃይማኖታዊ ሃብቲ ዝሓዘ ብዙሓት ኣቦታት ለይቲ ቁሪ፡ቀትሪ ጸሓይ ከምኡ ከኣ ናይቲ ርጉም ዲያብሎስን ሰራዊቱን ተጻብኦ እና ሰዓሩ ስለ ዓለም ፡ስለ ሃገር ኣብ ጸሎት ዝተጸምዱ ፡ምሂሮም ናይ ሃይማኖት  ተካእቲ ዘፍርዩ፡ ቆጽሊን ቆሎን እና በልዑ  ንስጋኦም ብምድካም ናይ ነፍሲ ልዕልና  ዝሃርፉን ዝጽዕቱን ኣቦታት ዝወነን ቅዱስ ስፍራ ኢዩ።

ክብረበዓል ናይ ጻዕዳ እምባ ስላሴ ዓመት መጸ በዚ ዕለት እዚ ማለት በዓለ ቅድስት ስላሴን(፯/7 ሓምለ)  በዓለ ዕረፍቶም ናይ ኣቡነ ሰይፌ ሚካኤል ፲፱/19 ጥቅምትን ይኽበር።ካብ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ሃገር ብዝያዳ ከኣ መላእ ዞባ ዓንሰባ  ዝመጹ ነገዳያን እቲ ኣድካምን ነዊሕን ዝኾነ ጐዕዞ ሰጊሮም ኣብ’ዚ ቅዱስ ቦታ ይሳተፉ እዮም።ምስቲ ዝተገልጸ ተኣምራትን ኣቋውማን ቅርጺን መሬት ምስቲ ሃይማኖታዊ በረኸት ተደሚሩ ነጋድያን ብሓጎስን ብደስታን ንናብ ቤቶም ይምለሱ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸሎት እቶም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኮይኖም ንኣምላኽ ዘስምሩ ዘለዉን፡ተጋድልኦም ወዲኦም ዘዕረፉን ሰሚዑ ንኹላትና ጸጋኡ የብዝሓልና።ኣሜን!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ  ድንግል

ወለምስቀሉ ክቡር

Sorry, comments are closed for this post.