Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፯/7 ጥሪ በዓለ ቅድስት ስላሴ/ QDST SLASIE

          

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

         ፯/7 ጥሪ በዓለ ቅድስት ስላሴ

Untitled-1ስላሴ ዝብል ሰለሰ-ሰለስተ ገበረ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ ሰለስተ፡ ሰለስትነት ማለት ክኸውን ከሎ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ምስጢር ግና ሓደን ሰለስተን ሓድነትን ሰለስትነትን ተባሂሉ ይትርጎም። ሰለስትነቶም ብስም፡ ብኣካል፡ ብግብሪ ክኸውን ከሎ፡ ሓድነቶም ድማ ብባህሪ ብህልውና፡ ብመለኮት፡ ብስልጣንን ብፍቓድን እዩ።

 . ናይ ስም ሰለስትነት  ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። “ወእንዘ ታጠም ቅዎሙ በሉ በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ከም ዝብል (ማቴ 28፡19)።

 . ናይ ኣካላት ሰለስትነት፥ ንኣብ ፍጹም ኣካል ፍጹም ገጽ፡ ንወልድ ፍጹም ኣካል ፍጹም ገጽ፡ ንመንፈስ ቅዱስ  ድማ ፍጹም ኣካል ፍጹም ገጽ ኣለዎ (ሃይ. ኣበው ዘኣሉ)።

 ኣካል፥  ማለት ካብ ጸጉሪ ርእሲ ክሳብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ እዩ። ገጽ ፊት እዩ። መልክዕ ካብ ጸጉሪ ርእሱ ክሳብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ እዩ። ኣካል ከም ዘለዎም ክሕብር ከሎ ነቢይ ዳዊት “እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚኣብሔር ህበ ጻድቃኑ ወእዝኑሂ ሓበ ስእለቶም ገጹ ለእግዚኣብሔር ህበ እለ ይገብር እኩየ”ዮድ እዳዊከ ገብራኒ ወለሓኳኒ”ይብል (መዝ 34፡15 , መዝ 118፡73)። ነቢይ ኢሳያስ’ውን “ሰማይኒ መንበርየ ወምድርኒ መከየደ እገርየ”ኢሉ እዩ (ኢሳ 66፡1)። ንኣብርሃም ኣብ ኣፍደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ከሎ እግዚኣብሔር ኣብተን ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ተገልጸሉ። ንዮሓንስ ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ተገሊጾምሉ እዮም (ዘፍ 18፡1-4 , ማቴ 3፡17)

 ሐ. ናይ ግብሪ ሰለስትነት፥  ኣብ ወላድን ኣስራጽን እዩ። ወልድ ተውላዲ እዩ መንፈስ ቅዱስ ድማ  ሰራጺ እዩ። ኣብ ምውላድን ምስራጽን እንምር ከም ወልድን መንፈስ ቅዱስ ኣይውለድን ኣይሰረጽን፡ ወልድውን ይውለድ እምበር ከም ኣብ ኣይወልድን ኣየስርጽን፡ ከም መንፈስ ቅዱስውን ኣይሰርጽን፣ መንፈስ ቅዱስ’ውን ይሰርጽ እምበር ከም ኣብ ኣይወልድን ኣየስርጽን፡ ከም ወልድውን ኣይውለድን (ሃይ.ኣበው ዘቴዎ)። እዚ ግብሮምዚ ዕጹብ ዕጹብ ተባሂሉ ብዕጹብ ይወሰን እምበር ብኣእምሮ ኣይምርመርን እዩ። “ልደተ ወልድ ወጸአተ መንፈስ ቅዱስ እምኅበ ኢይትነገር ኣላ ይትነከር” ከም ዝብል (ሃይ. ኣበ. ዘዲዮ.)።

ኣብ ወላዲ፡ ወልድ ተወላዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ ስለ ዝተባሃለ ይበላለጹ ማለት ኣይኮነን። “ኢይልህቅ ኣብ እምወልዱ ወልድኒ ኢይልህቅ እመንፈስ ቅዱስ ወመንፈስ ቅዱስኒ ኢይንዕስ እምወልድ ወወልድኒ ኢይንዕስ እምኣቡሁ”ከም ዝበለ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም። ጎይታውን ማዕርነቶም ክገልጽ ከሎ “ኣነ ወኣብ ኣሓዱ ንሕነ”ኢሉ እዩ (ዮሓ 10፡30)። እዚ ማለት’ውን ሰለስተ ኣማልኽቲ ማለት ኣይኮነን እንታይ ድኣ ሓደ ኣምላኽ ይበሃሉ ድኣ እምበር። “ወመለኮትሰ ኣብ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ”፡ ከም ዝበለ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም። ንኣብነት ጸሓይ ከባብ እያ፡ ሙቀትን ብርሃን’ውን ኣለዋ ይኩን እምበር ሓንቲ ጸሓይ እምበር ሰለስተ ጸሓያት ኣይበሃልን እዩ፡ ከምኡ’ውን  ሓዊ ሙቐት ብራሃን ቅርጺ ኣለዎ፡ ይኹን እምበር ሓደ ሓዊ (ጓህሪ) እምበር ሰለስተ ሓዊ (ጓህሪ) ኣይበሃልን እዩ። ስለዚ እምበኣር ስላሴ ብኣካል ብግብሪ ብስም ሰለስተ እኳ እንተተባህሉ ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽት ኣይበሃሉን እዮም።

  painting-trinity-cc-lvovsky  ናይ ሓድነቶም ነገርከ ከመይ እዩ ምስ ዝብሉ ብባህርይ፡ ብህልውና፡ብመለኮት፡ ብስልጣን፡ ብፍቃድ ሓደ እዮም። ናይ ህልውና ሓድነቶም ኣብ ልቦም ኮይኖም ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብኣብ ይሓስቡ፡ ወልድ ቃሎም ኮይኑ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብወልድ ይዛረቡ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ እስትንፋሶም ኮይኑ ኣብን ወልድን ድማ ብእኡ ህያዋን ይኾኑ (የስተንፍሱ)። “ኣሓዱ ህላዌሆሙ ለስላሴ እንዘ ይሄልዉ በበኣካላቲሆሙ ወዕሩያን እሙንቱ በህልውና ኣብኒ ልቦም ለወልድ ለለመንፈስ ቅዱስ፡ ወልድኒ ቃሎሙ ለኣብ ወለመንፈስ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስኒ እስትንፋሶሙ ለኣብ ወለወልድ “ከም ዝብል (ሃይ. ኣበው ዝኣቡ)።

ቅድስት ዝብል ናይ ሰበይቲ ቅጽል ዝተቀጸለሎም ባህርያቶም ርእዩ እዩ። ወሉድ ካብ ባህርይ ኣዲኡ ከም ዝርከብ እዛ ዓለም እዚኣውን ካብ ባህርይ ስላሴ እያ ተረኺባ። ኣደ ንውላዳ ዘድልዮ ፈሊጣ ከምእትቕርበሉ፡ ስላሴውን ንኹሉ ፍጥረት ኩሉ ዘድልዮም ነገር ፈሊጦም ኩሉ ኣቀዲሞም የዳልዉዎን ይህብዎን እዮም(ማቴ 6፡32)። ሓንቲ ኣደ ውላዳ እንተደኣ ኣቐይምዋ ፈጺማ ከም ዘይትጸልኦ ስላሴውን ሰባት ሰሪቖም፡ መንዚሮም፣ ወላኳ እንተበደሉ ንስሓ ኣትዮም ቅኖናኦም ወሲዶም ምስ ዝልምንዎ ይቕረ ይብለሎም (ማቴ 6፡14)።

ነዚ ናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ከይተመሃሩ ስርየት ሓጢኣት ተስፋ መንግስተ ሰማያት ስለዘይርከብ ነዚ ምስጢር እዚ ዘፋለሱ፡ ፍዳ ክቕበሉ ምኻኖም ክኣምኑን ክፈልጡን ኣለዎም።

ስላሴ መን እዮም እንተድኣ ኢልና፡ ስላሴ ንዝርአን ዘይርአን ኩሉ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኦም ዝፈጠሩ፡ ሕማም ድኻም ዘይስምዖም ብሞት ዘይልወጡ፡ ገዛእቲ ፈጠርቲ እዮም። ስላሴ ዓለም ከይተፈጠረ ኣቀዲሙ ብባህሪኦም እናተመስገኑ ይነብሩ ነበሩ። ድሓር ግና ስሞም ንምቕዳስ፡ መንግስቶም ንምውራስ ሰብን መላእኽትን ፈጠሩ። ካልእ ግን ብኣንክሮን፡ ብተዘክሮ ንምግቢ ስጋ ንምግቢ ነፍስ እዮም ፈጢሮሞም።

ንሰብ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ፍጥረታት ኩሎም ኣዝዩ ክቡር ገበርዎ (መዝ 8፡6)። እቶም ናይ መጀመርያ ሰባት ኣዳምን ሄዋን ኣብ ገነት 7 ዓመትን ሓደ ወርሕን 17 መዓልትን ነበሩ ብዕጸ በለስ ምኽንያት ድማ ካብ ገነት ወጺኦም ኣብ ምድሪ ኤልዳ ተቀመጡ (ኩፋ 5፡6)። “ብዙሁ ወተባዘሁ ወምልእዋ ለምድር” ኢሊዎም ወሊዶም ተዋሊዶም በዝሑ። ካብኦም ዓስራይ ትውልዲ ኖህ ይበሃል። ኣብ ዘመን ኖህ ደቂ ሰባት ንምድሪ ብሓጢኣት ኣርከስዋ። ስላሴ ድማ ንኖህን ሸውዓተ ቤተ ሰቡን ኣትሪፎም ነቶም ካልኦት ዘርኢ ደቂ ሰባት ብማይ ኣይሂ ኣጥፈእዎም (ዘፍ 8፡15)። ካብ ማይ ኣይሂ ንድሓር ደቂ ኖህ ወሊዶም ተዋሊዶም በዝሑ። ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ሰፊሕ ዝኾነ ጎልጎል ረኺቦም ቅድሚ ምማትና ንስምና መጸውዒ ዝኸውን ግንቢ ንስራሕ ኢሎም መኸሩ’ሞ ዓቢ ግንቢ ሰርሑ። ሓለቅኦም ናምሩድ ይበሃል። ንሞት ዘምጹእልና ስላሴ እዮም ስለዚ ንዕኦም ወጊእና ንሞት ካባና ነርሕቅ በሎም። ስለዚ ኣብቲ ዝሰርሕዎ ግንቢ ኮይኖም ብኲናት ጌሮም ክውርውሩ ጀመሩ። ሰይጣን ድማ ካብ ደመና ብምትሃት ደም እናቀብአ ይልእከሎም ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ደም እና ርኣዩ ሕጂ ንኣብ ወጊእናዮ፡ ሕጂ ንወልድ ወጊእናዮ ክብሉ ጀመሩ። ስላሴ ዋላኳ ምሕረቶም ኣዝዩ ዝበዝሐ እንተኾነ፡ ነገር ግን ድያብሎስ ኣብቶም ሰባት ስለ ዝሰልጠነ “ንዑ ንረድ ወንክዐው ሕንጻሆሙ ወንዘርዝር ነገሮሙ ለከለዳውያን”ኢሎም ንቋንቋኦም ደባለቕዎ፡ ማይ ዝበሎ ጭቃ፣ ጭቃ ዝበሎ እምኒ ከም ዝዋሃሃቡ ኮኑ፡ በዚ ድማ ክረዳድኡ ዘይክእሉ ምስ ኮኑ ተበታተኑ። ብዘይ ምስትውዓል ዝሰርሕዎ ህንጻ ዓመጻ ንፋስ ጸራሪጉ ኣጥፈኦ (ዘፍ 11፡1-9)።

ኣብ ዘመነ ኣብርሃም’ውን ህዝቢ ሰዶምን ጎመራን ወዲ ምስ ወዲ ክሳብ ምትእትታው ዝበጽሕ ሓጢኣት ሰሪሖም ንእግዚኣብሔር በደሉ። ንኣብርሃም ወዲ ሓው ዝኾነ ሎጥ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። ምእንቲ ንዑኡ ከድሕንዎ እግዚኣብሔር ክልተ መላእኽቲ ልኢኹ ንሰዶምን ጎመራን ከጥፍአን እዩ ኢሉ ኣሎሞ ሰበይትኻን ደቅኻን ሒዝካ ናብ ዞዓር ኪድ። ክትከይድ ከለኻ ግና ንድሕሪት ከይትጥምት በልዎ። ንሱ ድማ ኣመስጊኑ ተንሲኡ ሰበይቱን ደቁን ሒዙ ካብታ ከተማ ወጸ። ሰዶምን ጎመራን ድማ ባሕሪ እሳት ኮና። ሰበይቲ ሎጥ ከኣ “እዋይ ዓደይ ኢላ ንድሕሪት ምስ ጠመተት ዓንዲ ጨው ኮይና ተረፈት (ዘፍ 19፡1-29)።

እዚ ዝተፈጸመ ብወርሒ ለካቲት በዚ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዚ ዕለት እዚ በዓለ ስላሴ ትዝክርን ተኽብርን።

 ናይ ስላሴ በረኸትን ምሕረትን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

       ስብሃት ለእግዚኣብሔር

       ወለወላዲቱ ድንግል

       ወለመስቀሉ ክቡር

           ኣሜን!

 

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.