Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፰/8 መስከረም ዕረፍቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ/ 8th September The Death of Moses The Prophet

                            በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

         ፰/8 መስከረም ዕረፍቲ ሊቀ ነያት ሙሴ / 8th September The Death of Moses The Prophet

       moses (1)ሙሴ ማለት ካብ ማይ ዝወጸ፡ኣብ ማይ ዝተረኽበ ማለት እዩ።ትውልዱ ካብ ነገደ ሌዊ፡ኣቦኡ እምበረም፡ኣዲኡ ዩካብድ ይበሃሉ።ዝተወለደሉ ቦታ ግብጺ እዩ። እስራኤላውያን ወዲ እንተወሊዶም ክቐትልዎም ብፎርኦን ትእዛዝ ተዋሂቦም ክሳብ ሙሴ ዝዉለድ ሸውዓተ ወርሒ ኣቑጺሮም ነበሩ(ኩፋ 32፡24)። ሙሴ ምስተወለደ “ለዝንቱ ሕጻን ይከድኖ ሞገስ እምንዕሉ” ከምዝበሃል፡ኣብ ገጹ ብርሃን ተሳኢሉ ነበረ። “ዓቀብተ መወልዳን ፎሓ፡ሲፓራ ለዝሰ ዘፈጠሮ ይቅትሎ” እተን መሕረስቲ  ፎሓን ሲፓራን ዝተባህላ ግርምኡን ብርሃኑን ርኤን ነዝስ እቲ ዝፈጠሮ ይቅተሎ ኢለን ገደፍኦ። ኣዲኡ ዩካብድ ንሰለስተ ወርሒ ሓቢኣቶ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሳንዱቕ ጌራ ኣብ ገምገም ሩባ ኣቐመጠቶ።ለይቲ ለይቲ እንዳኸደት ድማ ተጥብዎ ነበረት።ብመዓልቲ ድማ ሓብቱ ማርያም ትሕልዎ ነበረት። ኣብ ሻውዓይ መዓልቱ ተርሙት ጓል ፎርዖን ኣገልገልታ ኣኸቲላ ክትሕጸብ ናብቲ ሩባ ምስወረደት ብኽያት ህጻን ሰምዐት።ነቲሳንዱቅ ከፊታ ድማ ኣውጻኣቶ። “እማይ ዘኣዉጻእኩዎ” ብምባል ሙሴ በለቶ።ሓብቱ ማርያም ብማዕዶ ኮይና ትዕዘብ ስለዝነበረት፡ ኣጥብያ ተዕብየለይ እንተዝረክብሲ ክዳውንታን፡ ቀለባን እንዳሃብኩ መንበርክዋ ነይረ ክትብል ከላ ሰምዓታ። ቀሪባ ድማ ከምጽኣልኪ በለታ። ተርሙት እውን ኣምጽእለይ በለታ። ማርያም ድማ ነዲኣ ኣምጽኣትላ። እንዳኣጥበውኪ የዕብይለይ ኢላ ዘድልያ ኩሉ ሃበታ፡ኣዲኡ ዩካብድ ድማ ብሞግዚትነት የዕበየቶ( 2፡1-10 , ኩፋ 32፡20-24  እብ 11፡23)።

     ሙሴ ምስ ዓበየ ተርሙት ወደይ ኢዩ ኢላ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተወቶ። ሙሴ ግን ወዲ ጓልፎርዖን ተባሂሉ ብሓጎስን ብደስታን ካብ ምንባር ምስ እስራኤላውያን የሕዋቱ መከራ ምቕባል መሪጹ፡ “ፎርዖን ኣባሓጎኻ፡ተርሙት ኣዴኻ”ክብልዎ ኸለዉ፡ “ወዶም ኣይኮንኩን”ይብል ነበረ። “በተኣምኖ ልሂቆ ሙሴ ክህደ ከመኢይበልዎ ወልደ ወለተ ፎርዖን” ሙሴ ምስ ዓበየ ወዲ ጓል ፎርዖን ከይብሃል ብእምነት ዓበየ(እብ 11፡24)

    ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ናብ ቦታ ሕርሻ ወጸ። ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ክብድሎ ምስረኣየ፡ቀቲሉ ኣብ ሑጻ ቐበሮ።ብኻልእ ግዜ ናብ ቦታ ሕርሻ ምስ ከደ ድማ ክልተ እስራኤላውያን ክበኣሱ ጸንሕዎ። “የሕዋት ከለኹም ከመይ ኢልኩም ትበኣሱ ኣለኹም”ምስ በሎም፡ ሓደ ካብኦም “ንስኻ ኣብ ልዕሌና ፈራዲ ዝገበረካ መን እዩ፡ዶ’ዋላስ ከምቲ ግብጻዊ ነቲ ዝቐተልካዮ ክትቀትለና ስለዝደለኻ ኢኻ”ኢሉ መለሰሉ። ሙሴ ዝገበሮ ከምዝተፈለጠ ምስ ተረድአሃዲሙ ናብ ምድያም ብምኻድ ንሲፓራ ጓል ዩቶር ተመርዕዩ ኣብኡ ተቐመጠ።

    5432933256_81cea2383f_z መሴ ኣብ ጉስነት ከሎ ኣብ እምባ ኮሬብ ሓመልማል ገረብ ምስ ሓዊ፥ሓዊ ድማ ምስ ሓመልማል ተወሃሂዱ፥ ሓመልማል ነቲ ሓዊ ከየጥፈኦ፥ ሓዊ ድማ ንሓመልማል ገረብ ከየቃጸሎ ረኣየ። ነተን ኣባጊዑ ኣብ ዝፈረሰ ቀጽሪ ዓጽዩ ነቲ ዝረኣዮ ክርእዮ ከደ። “ሙሴ ሙሴ ፍታሕ ቶታነ ኣሳእኒከ እስመ ዘትከይዳ ምድር ቅድስት ይእቲ/ እዛ ቦታ እዚኣ ቅድስቲ ኢያ እሞ ሳኣንኻካብ እግርኻኣውጽእ”ዝብል ድምጺ ሰምዐ። እዚ ድማ ናብታ ቅድስቲ ዝኾነት ቤተክርስቲያ ምስ ጫማና ክንኣቱ ከምዘይብልና ክምህረና ስለዝደለየ እዩ። ኮሬብ(ደብረሲና) ናይ ቤተክርስቲያን ምሳሌ ኣዩ። “ርእየ ርኢኩ ሕማሞሙ ለሕዝብየ ወሰማዕኩ ገዓሮሙ ወወረድኩ ከመ ኣድህኖሙ” ጸበባን ስቓይን ናይ ህዝበይ ሰሚዔ እየ አሞ ንህዝበይ ከድሕኖም ወረድኩ—-(ዘዳ 3፡7-10 ግብ.ሓዋ 7፡34)።ነታ ብዓልቲ ተኣምር ዝኾነት በትሪ ሂቡ ድማ ናብ ፎርኦን ሰደዶ።ፎርኦን ንሙሴ ክሰምዖ ስለዘይከኣለ ትሽዓተ ግዜ መቅዘፍትን ተኣምርን፡መበል ዓስራይ ሞት ቦኽሪ ግብጻውያን፡ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ስጥመት ግብጻውያን ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ቀጺዑ፡ ንእስራኤላውያን ባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ ኣሳገሮም(ዘዳ 1፡28-29)።

    ብድሕሪ እዚ ኣሮንን ሖርን ሓለውቲ ህዝቢ ገይሩ፡ንእያሱ ሒዙ ደብረሲና ደየበ። ሽዱሽተ መዓልቲ ቃልንቃል ድሕሪ ምዝርራቦም፥ሰላሳን ኣርባዕተን መዓልቲ ድማ ክጽሕፎ ዘለዎ እንዳነገሮ ኣርብዓ መዓልቲ ገበረ።እስራኤላውያን ድማ ንኣሮን “ግብር ለነ ኣማልክት እለ ይሓዉሩ ቅድሜነ ወይጸብዑ ጸረነ/ ሙሴ ኣበይ ከምዝኸደ ስለዘይንፈልጥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ስርሓልና”ኢሎም ንኣሮን ተዛረብዎ።ኣሮን ድማ እዞም ህዝቢ ቁጡዓት እዮም እምቢ እንተኢለዮም ክበኣሱኒ ኢዮም ኢሉ ወርቅኹምን ብሩርኩምን ሃቡኒ ብምባል ሰርሓሎም።

    ንጽባሒቱ እስራኤላውያን ክሰግድሉን ክስውኡሉን ከለዉ ጎይታ ተቆጢዑ ንሙሴ እስራኤላውያን በዲሎምኒ “ህድገኒ ኣጥስዩሙ በመዓትየ ወእሰይመከ ውስተ ህዝብ ክቡድ” ንዕኦም ከጥፍኦም እየ ንዓኻ ግን ኣብ ልዕሊ ካልእ ብዙሕ ህዝቢ ክሸመካ ኢየ በሎ። “ንዕኦም ተጥፍኦም እንተኾንካስ ንዓይ’ውን ኣጥፍኣኒ ኢሉ ለመነሎም። “እንከሰ ኣፍጥን ወሪደ ወወሪደከ ኮንን ሕዝበ” ኬድካ ነቶም ህሕቢ ገስጾም ኢሉ ጽላተ ኪዳን ሃቦ።ክወርድ ከሎ ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ ምስ በጽሔ እቶም ህዝቢ ጫዉጫዉ ክብሉ ሰምዖም። ንእያሱ ድማ እዚ ድሰምዖ ደለኹስ ናይ ምንታይ እዩ ሓተቶ። ኢያሱ ነቲ ነገር ስለዝፈለጦ፡ጣኦት ተኺሎም ንዕኡ ይሰግዱ ኣለዉ በሎ።ሙሴ ድማ እዝስ ወይኒ ሰትዮም ይዘሉን ይደርፉን ድኣ ከይኮኑ ድምጾም ናይ ብዙሕ ሰራዊት ኢዩ ድመስል በሎ (1መቃ 14፡15)።

  moses ኣብኡ ምስ በጽሔ እስራኤላውያን ጣኦት ሰሪሖም ክሰግዱ ምስ ርኣዮም ሰምበደን ተቆጥዐን። ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጽላት ናብቲ ጣኦት ደርበዮ፡እቲ ጣኦትን ጽላትን ድማ ተሰብረ። ነቲ ወርቂ ጥሒኑ ብማይ በጽቢጹ ነቲ ህዝቢ ኣስተዮ።ፍቕሪ ወርቂ ዝሓደሮም ድማ ለምጺ ወጾም ነዚ ምልክት እዚ ምስ ርኣየ ነቶም ህዝቢ በልዎም በሎም።ሰለስተ ሽሕ ድማ ተቐትሉ።በቲ ዝተሰብረ ጽላት ንእግዝኣብሔር ምስ ለመነ ነቲ ዝተሰብረ ዝመስል ኣምጽእ ስለዝበሎ ከምቲ ዝተባህሎ ገይሩ ናብቲ እምባ ደየበ(1መቃ 14፡11-18)።

    ሙሴ ብእግዝኣብሔር ካብ ዝተጸወዓሉ መዓልቲ ን570 ግዜ ቃል ብቃል ምስ እግዝኣብሔር ተዘራረበ።ኣብ ቅድሚ እግዝኣብሔር ዓቢ ክብሪ ስለዝነበሮ ሓደ መዓልቲ ገጽካ ኣርእየኒ በሎ።ጎይታ ድማ ንገጸይ ርእዩ ብሂወት ክነብር ዝኽእል ፍጡር የለን በሎ። ገጽካ ደይተርእየኒ እንተኾንካስ ዓርክኻን ፈታዊኻን ምዃነይ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል በሎ። “ገጽየሰ ኢያስተርኢ ለከ ውድሃረሰ ትሬኢ ገጽየ”። ንገጸይ ሕጂ ዘይኮነስ ብድሕረይ ኢኻ እትርእዮ በሎ። እዚ ማለት ድማ ካብ ድንግል ማርያም ብዘይዘርኢ ተወሊደ መስዋእቲ ኮይነ ኣብ ዝቐርበሉ ኣብ ደብረታቦር ኢኻ እትርእየኒ ማለቱ እዩ(ዘጽ 33፡17-23,  ዘሁ 12፡8)።ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት (40) መርሖም። ሰማያዊ መግቢ ማና እንዳተመገቡ ካብ ከውሒ ማይ ኣንዳኣስተየ ብጸጋ መርሖም። ሓደ መዓልቲ ሙቐት በርቲዕዎም ንሙሴን ኣሮንን ማይ ኣንዳበሉ ኣጨነቑዎም።ሙሴ ድማ ነቲ ከውሒ ብበትሩ ሃሪሙ ማይ ኣውጽኤ። ነቶም ህዝቢ ድማ እነሆ ማይ ኣውጺእናልኩም በልዎም።ቅድሚ እዚ ንእግዝኣብሔር ከየመስገኑ ኣይበልዑን ኣይሰትዩን ነበሩ።ሽዑ ግን ኩሎም ኣየመስገኑን። እግዝኣብሔር ድማ ንግብረይ ስለደይትኣምኑ ዲኹም ዘየመስገንኩም፡ ሓጥያት ስለዝገበርኩም ምድረ ርስት ኣይትኣትዉዋን ኢኹም በሎም(ዘሁ 20፡1-12)።በዚ ምኽንያት እዚ ምድረ ርስት ከይኣተዉ ኣሮን ኣብ ደብረ ሆር ሙሴ ድማ ኣብ ሞኣብ ዓረፉ(ዘሁ 20፡28)

    ዕረፍቲ ነቢይ ሙሴ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል። ናይ ሓሙሽተ ቃላት ትርጓሜ ጠፊኤነኦ ናብ መካነ ራእይ ከይዱ ከሎ “እግዚኦ ኣምሃልኩከ በዘነገርከኒ ስምከ ዘኢየኣምሮ ባዕድ ዘእንበለ ኣነ ወኣንተ ባሕቲትከ ከመትንግረኒ ዕለቶ ዘትነስኣ ለነፍስየ” ዝሞተላ ዕለት ንገረኒ ኢሉ ጸለየ።እግዝኣብሔር ድማ ብዕለተ ዓርቢ ክትመውት ኢኻ አሉ መለሰሉ። ሙሴ ድማ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ዓርቢ ዓርቢ ንነብሱ ብስሌን እንዳገነዘ ይጽበ ነበረ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ግን ዕለተ ዕረፍቱ ረሲዕዎ ክጽሊ ኢሉ ናብ ሓደ በሪኽ ቦታ ወጸ።መልኣከ ሞት መጽዩ ድማ ሰላም ሙሴ ወዲ እምበረም ኢሉ ጸውዖ።ሙሴ ድማ፡ ከምዚ ዝበለ ዘሰምብድ ድምጺ ሰሚዔ ኣይፈልጥን፡ መን ኢኻ ኢሉ ሓተቶ።ንነፍስኻ ካብ ስጋኻ ክፈልያ ትኣዚዘ ዝመጻእኩ መልኣከ ሞት ሱርያል ኢየ ኢሉ መለሰሉ። ሙሴ ብስምባደ ክዛረብ ኣይከኣለን፡ ብፍርሃት’ውን ኣንቀጥቀጠ። ብዘለዎ ሓይሊ ተጠቂሙ ክሳብ ጽባሕ ንጉሆ ንነፍሰይ ከይትወስዳ በቲ ዝለኣኸካ እግዝኣብሔር የምሕለካ ኣለኹ በሎ።እግዝኣብሔር ድማ ግደፎ በሎ።

     ካብቲ ዝነበሮ በሪኽ ቦታ ወሪዱ ናብ ኣዲኡ ብምኻድ፡ ጽባሕ ክመውት ኢየ እሞ ገለ እንተደንገጸለይ ጸልይለይ ኢሉ ተሰናቢትዋ ናብ ገዝኡ ከደ። ሰበይቱ ተኪዙን ገጹ ተለዊጡን ምስረኣየቶ “ምንተ ኮንከ ፍቁርየ፡መኑ ጸውዓከ ወመኑ ኣፍርሃከ” ሓወየ መን’ዩ ዝጸውዓካ መን’ዩኸ ዘሰምበደካ ኢላ ሓተተቶ። “መኑ ይጸውዓኒ ዘእንበለ እግዝኣብሔር ወመኑ ያፈርሓኒ ዘእንበለ ሞት” ብዘይካ እግዝኣብሔር መን ይጽውዓኒ ብዘይካ ሞት’ከ መን የፍርሃኒ ጽባሕ ክመውት ኢየ ኢሉ ነገራ። “ዘተናገረ ምስለ እግዝኣብሔር ይመውትኑ” ዓርኪ እግዝኣብሔር ምስ እግዝኣብሔር ዝዛረብ’ከ ይመውት ድዩ በለቶ። ስጋ ዝለበሰ ዘይመውት የለን ቅድሚ ሙማተይ ንደቀይ ጸውዕለይ በላ። ንደቁ ጸዊዓ ኣቦኹም ክመውት ኢዩ ድሕሪ ሕጂ ኣይክትርእይዎን ኢኹም በለቶም።ኣብ እግሩ ወዲቆም ድማ ክበኽዩ ጀመሩ። እቲ ዝነኣሰ ወዱ ኣልኣዛር ኣብ የማናይ ወገኑ ኮይኑ እንድሕር ሕጂ እቲ ዘኽበረና ከዋርደና እቲ ዝፈትወና ድማ ክጸልኣና ኢዩ እንዳበለ በኸየ። ሙሴ ድማ ምሰኡ በኸየ። እግዝኣብሔር ኣብ ደመና ኮይኑ “ምንት ያበክየከ” እንታይ የብከይካ ኣሎ ኢሉ ሓተቶ። ሓሞይ ዮቶር ሓወይ ኣሮን ሞይቶም እዮም ደቀይ ምስ መን ክገድፎም እየ ኢለ ይበኪ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ። ናብ ገምገም ባሕሪ ወሲዱ ድማ ነዚ ባሕሪ ህረሞ በሎ፡ምስ ሃረሞ ድማ ዓብይ እምኒ ወጸ። ነቲ እምኒ ድማ ህረሞ በሎ፡ ምስ ሃሮም ሓሰኻ “ይትባረክ እግዚኣብሔር ዘኢረስዓኒ” ስለዘይረስዓኒ እግዚኣብሔር ይመስገን እንዳበለ ከመስግን ርኣየ። ናብ ገዝኡ ተመሊሱ ኣይትሕዘኑ ኣጆኹም እግዝኣብሔር ኣለኩም ኢሉ ኣጸናንዖም።ሰበይቱ ብክሳዱ ደቁ ድማ ብርኩ ሒዞም በኽዮም ኣፋነዉዎ።

     ካብ ገዝኡ ወጺኡ እንዳኸደ ከሎ መልኣኽጢ ሰብ ተመሲልዕም መቓብር ክኹዕጡ ጸንኍዕ። እቶም መላእኽቲ ሚካኤልን ገብርኤልን እዮም(ይሁ1፡9)። እዚ ንመን ትኹዕትዎ ኣለኹም ኢሉ ሓተቶም። ንሓደ እግዝኣብሔር ዝፈትዎ ኢዩ ኢሎም መለስሉ።ሙሴ ድማ ሓገዞም፡ ኩዒቶም ምስወድኡ “እቲ ዝቅበር ድኣ ኣበይ ኣሎ”ኢሉ ሓተቶም። እቶም መላእኽቲ ድማ ንዕኡስ ከነምጽኦ ኢና ከይሓጽረና ከይጸበና ድኣ ፈሪሕና እምበር በልዎ። ዘይትልክዕዎ ድማ በሎም፡ክንዳኻ እዩ ዝኸውን እሞ ለክዓልና ምስ በልዎ ሙሴ የዋህን ርህሩህን ስለድኾነ ክዕቅነሎም ኢሉ ኣተወ። መልኣከ ሞት ኣብኡ ብምጽናሕ “ሰላም ለከ ሙሴ ወልደእምበረም”በሎ።ሙሴ ድማ ሰላምካስ ናባኻ ይመለስ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ንነፍሱ ካብ ስግኡ ፈልዩ ወሰዳ።ኣብኡ ድማ ቀቢረሞ ከዱ። “ወሞተ ሙሴ ቁልዔሁ ለኣግዝኣብሔር በምድረ ሞኣብ በቃለ እግዝኣብሔር ወቀበርዎ ውስተ ምድር ቅሩብ ቤተ ፌጎር ወኣልቦ ዘየኣምር መኑሂ መቃብሮ እስከ ዛቲ ዕለት” ሙሴ ኣብ በርኻ ሞኣብ ተቐብረ ንመቓብሩ ድማ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የለን(ዘዳ 345)። መቓብሩ ዘይተፈልጠሉ ምክንያት፡እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘውጽኣና መና ዘውረደልና ማይ ካብ ከውሒ ዘስተየና ሙሴ ኢዩ እንዳበሉ ነቲ ስግኡ ምእንቲ ከየምልኹ እዩ።

 

          በረኸት ሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ የካፍለና ኣሜን!

        ስብሃት ለእግዚኣብሔር

        ወለወላዲቱ ድንግል

        ወለመስቀሉ ክቡር

           ኣሜን!

 

 

Sorry, comments are closed for this post.