Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፰/8 ግንቦት ጥንተ ዕርገቱ ለእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

          በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ascend4

 ዕለት 8 ግንቦት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝዓረገሉ ክቡር ዕለት እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንስኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ብስዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋ ታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ፡ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሳኤ ኣብ 40 መዓልቲ፤ ደብረ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ፤ ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብስጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምስጢርን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ 40 መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝልእኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኣውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ።

ክብረ ብዓል ዕርገት ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዕለት እዚ ክውዕል(ብድምቀት ክኽበር) እኳ  ዝግብኦ እንተነበረ፡ ብናይ ባሕሪ ሓሳብ ፍልልይ ግን ኢቲ  ክብረ ብዓል ካብዚ ዕለት እዚ ድሒሩ ብድምቀት ይበዓል። ዕርገት ዝውዕለሉ መዓልቲ ውን ካብ ሓሙስ ኣይወጽእን እዩ ማለት  ኩሉ ግዜ ሓሙስ እዩ ዝውዕል።

 ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ ኣብ ዝመጽእ ብሰፊሑ ከነቕርበልኩም ኢና!

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በረከት ዕርገቱ የካፍለና ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.