Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፰/8 ጥሪ ዕረፍቱ ለሚልክያስ ነቢይ/ 8th January the death of prophet Malachi

         በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

፰/8 ጥሪ ዕረፍቱ ለሚልክያስ ነቢይ

prophet_malachiሚልክያስ ማለት መልኣክ፡ ሓዋርያ መልእኽተኛ ለት እዩ። ዝተወለደሉ ዘመን ድማ እስራኤላውያን ካብ ጽዋዌ  (ምርኮ) ምስ ተመለሱ ኣብ  ስፋድ ዝበሃል ቦታ እዩ። ትውልዱ ካብ ነገድ ኣሴር እዩ። ቁጽሩ ድማ ካብ 12 ደቂቀ ነቢያት እዩ። ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ  ፈታዊ እግዚኣብር ነበረ። ህዝቢ`ውን ሰናይ ኣካይድኡ ርእዮም ኣዝዮም ይፈትውዎን የኽብርዎን ነበሩ። ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ትንቢት ዝተዛረበን ንእስራኤል ዝመሃረን ነቢ ድማ እዩ። ነቢይ ሚልክያስ ካብ ጸሓፍቲ ነቢያት እቲ ናይ መወዳእታ ነቢይ እዩ። ድሕሪ ነቢይ ሃጌን ነቢይ ዘካርያስን ብነቢይነት ዘገልገለ ነቢይ እዩ።

በረከትን ጸጋን ናይ ነቢይ ሚልክያስ ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን! ኣሜን!

     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

    ወለወላዲቱ ድንግል

     ወለመስቀሉ ክቡር

          ኣሜን!

Sorry, comments are closed for this post.