Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፪/12 ታሕሳስ ዕረፍቲ ኣባ ሳሙአል ዘዋልድባ/12th december the Departure of st. samuel zewaldaba

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

     ፲፪/12 ታሕሳስ ዕረፍቲ ኣባ ሳሙአል ዘዋልድባ

     abasamuel waldbaኣባ ሳሙአል ዘዋልድባ ኣቡኦም እስጢፋኖስ ኣዲኦም ድማ ኣመተማሪያም ይበሃሉ።  ዕድሚኦም ንመምህር ተዋሂቦም እናተማህሩ ዓበዩ። ድሒሮም ግና ስድራቤቶም ምስ ዓረፉ ደብረ መንኩል ናብ ዝበሃል ገዳም ኣትዮም ስርዓተ ምንኩስና እናኣጽንዑ ንኹሉ ንዓቢይ ኮነ ንንእሽቶ እና ተኣዘዙ ማይ ቀዲሖም እና ኣምጽኡ፡ ዕንጨይቲ እና ሰበሩ ብትሕርምቲ ክነብሩ ጀመሩ። ውዳሴ ከንቱ ክመጾም ምስ ጀመረ ተፈልዮም ብብሕትውና ንምንባር ንኽሃድሙ ወጺኦም ብምኻድ ተከዘ በጽሑ። እንተኾነ እቲ ሩባ መሊኡ ምስጋር ምስ ከልኦም ነቲ ማይ ብትእምርተ መስቀል ባረኽዎ እሞ ብሓደ ኢዶም መጽሓፍ ብሓደ ኢዶም ድማ መብራህቲ ሒዞም ብምእታው እቲ መብራህቲ ከይጠፍአ እቲ መጽሓፍ ድማ ከይተበላሸወ ሰገሩ። ዋልደባ ምስ በጽሑ ጎይታ “ኣብዚ ተቐመጥ” በሎም። ኣብኡ ድማ ገዳም ገዲሞም ስርዓተ ምንኩስና እናሃቡ ተቐመጡ።

ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያምን ካብ ተከዘ ናብዚ ዘምጽኡ ንሶም እዮም። እዚ እና ጸለዩ እናጸለዩ ክኸዱ ከለዉ እመትን ፈረቓን ዝኣክል ካብ መሬት ሓፍ ኢሎም ይርኣዩ ነበሩ።

  ሓደ መዓልቲ ነዚ ደጊሞም ነቲ ማይ ምስ ባረኽዎ ሕብስት ህይወት ኮይንሎም ምስ ደቀ መዛሙርቶም ተመጊቦም እዮም። “ሶበ ኣተቦ ለማይ ብቅዳሴኪ እንዘ ይጼሊ፡ ሕብስት ጽጌ ሃይማኖት ሳሙኤል ዘሐቅለ ዋሊ” ከም ዝበለ ደራሲ። ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ናይ ፍቕራ መግለጺ ጻዕዳ ዕጣንን ዕንቁን ሂባቶም እያ። ውዳሴይን ቅዳሴይን ሓደ ገይሩ ዝደገሞ ንስኻ ኣብ ዝኣተኻዮ መካነ ህይወት ከእትዎ እየ ኢላ ተስፋ ሃበቶ።

 ግዜ ዕረፍቶም ምስ በጽሐ ጎይታ ብስብሃት ኣእላፍ መላእኽቲ ተገሊጹ ብስምካ ዝተማሕጸኑ፡ ሰናይ ስራሕ ዝሰርሑ፡ ዜና ገድልኻ ዝጸሓፉ፡ ዘንበቡን ዝተማህሩን ዘስተምሃሩን ክሳዕ ዓሰርተ ትውልዲ ክምሕረልካ፡ ኣብዚ ቦታዚ ንዝነብሩ ደቅኻ’ውን ካብ ዕዳ፡ ካብ ፍዳ ክስውሮም እየ በለም። ንሶም ድማ ጥራይ ነዛ ቦታ እዚኣ ባርኸለይ ኢሎም ብምልማን በዚ ዕለት እዚ ብሰላም ዓረፉ

 በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባን ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

      ስብሃት ለእግዚኣብሔር

      ወለወላዲቱ ድንግል

       ወለምስቀሉ ክቡር

         ኣሜን!

 

Sorry, comments are closed for this post.