Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፬/14 ነሓሰ ዕረፍቱ ለኣቡነ ብሩክ/ 14th August The Death Of St. Abune Bruk

                         በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

      ፲፬/14 ነሓሰ ዕረፍቱ ለኣቡነ ብሩክ/  14th August The Death Of St. Abune Bruk
Abune Bruk 
አቡነ ብሩክ ብእግዚአብሔር ብሩክ ተባሂሎም ዝተጸውዑ፡ ቅዱስ ኣቦ እዮም። አቡነ ብሩክ ካብ ነገደ ሴም ኮይኖም ትውልዲ ሃገሮም ድማ ሮም እዩ።   ኣቦኦም ቴዮቅሪጦስ ኣዲኦም ድማ ሚሊዳማ ይበሃሉ። ኣቦና ሓረገ ትውልዶም ካብ ቤት ነገስታት እዩ። እዞም ክልተ ሰብ ቃልኪዳን ልክዕ ከም ናይ ኣቦና አብርሃም ንሳራን መፍቀርቲ ኣምላኽ ነበሩ። ምስቲ ኵሉ ዝነበሮም ሃብቲ ግና ውላድ ብምስኣኖም ኣዝዮም ይኃዝኑን ይጽልዩን ነበሩ። ሩኅሩኅ ዝኾነ ጐይታ ነቲ ጸሎቶም ሰሚዑ ንቅዱስ ሚካኤል ንቅድስት ሚሊዳማ ውላድ ከም እትረክብን ኸብስራ ለኣኾ። ቅድስት ሚሊዳማ እርግና ኣጥቕዒዋ ስለ ዝነበረት ነቲ መልኣኽ እዝስ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፤ ምኽንያቱ ልማድ ኣንስቲ ካብ ዝሓድገኒ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ በለቶ። ንሱ ኸኣ ንእግዚአብሔር እንታይ ይሰኣኖ ኰይኑ ምስ በላ ግና ሕራይ ይኹነለይ በለት።

ኣቦና አቡነ ብሩክ ብፍቓድ እግዚአብሔር፡ ልክዕ ከም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዕለተ ጽንሰታ 7 ነሓሰ ተጸኒሶም ኣብ ዕለተ ልደታ ማለት ባሕቲ ግንቦት ተወልዱ።  ናይ ዞም ኣቦ ፍሉይ ዝገብሮ ኸኣ ጽንሰቶምን ልደቶምን ምስ ጽንሰትን ልደትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምግጣሙ ጥራይ ዘይኮ ዕለተ ዕረፍቶም’ውን እንተኾነ ምስ ዕለተ ቐብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ሓደ ምዃኑ እዩ።

ብርግጽ ብዙኃት ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ምስ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘለዎም ልዑል ፍቕሪ ዕረፍቶም ኣብቲ መዓልቲ ዕረፍታ ወይውን ዘሎናዮ እዋን ቀብራ ንፍልሰትኣን ክኾነሎም ይጽልዩን፤ ይልምኑን እዮም፤ ክኾነሎም ድማ ንርኢ ኢና። ናይ ኣቦና ግና ብፍሉይ ኣብ ኵሉ ምስቲ ዕለታት በዓል ቅድስት ድንግል ሰሚሩ ንረኽቦ ኢና። 

    ኣቦና ካብ ቤት ነገሥታት እኳ እንተኾኑ ምርጭኦም ወዲ ንጉስ ተባሂሎም ኣብ ምድሪ ክኸብሩ ዘይኮነስ፡ ገና ካብ ሕጻንነቶም ብምናኔ ነቲ ሰማያዊ ንጉስ እግዚአብሔር ምግልጋል እዩ ነይሩ። ኣቦና ብብስራት ሊቀመልአክ ምውላዶም ጥራይ ዘይኮነሲ ኵሉ እቲ ኣተዓባብይኦም ብቅድስናን ተኣምራትን ዝተመልአ እዩ። ምስ ተወልዱ ኣብ መበል ኃሙሻይ መዓልቶም ምስጋና ንአብ፡ ምስጋና ንወልድ፡ ምስጋና ንመንፈስቅዱስ፡ ሓደ ኣምላኽ፡ ምስጋና ንቅድስት ድንግል ማርያም ንግስት፡ ከምኡውን ምስጋና ንዕጸ መድኃኒት ዝኾነ መስቀል ክርስቶስ፡ካብ ከርሲ ኣደይ ንዘውጽኣንን ብርሃንን ዘርኣየንን ኢሎም ኣመስገኑ። ስርዓተ ጥምቀት ክፍጽመሎም ከሎ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ኣሜን እናበሉ ነቲ ድጋም ይቕበልዎ ነበሩ። ዓምደ ሚካኤል ዝብል ስም ጥምቀት ከኣ ተዋህቦም። ድኅሪ ጥምቀቶም ድማ ዓረበ ረቡዕ ጡብ ኣዴኦም ኣይጠብዉን ነበሩ። ወትሩ ኸኣ ምስጋና እግዚአብሔር ካብ ኣፎም ኣይፍለዮምን ነበረ። 

ኣብ መበል 3ይ ዓመቶም ኸኣ ትምህርቲ ክመሃሩን ምስጢረ መጻሕፍቲ ቅዱሳት ክፈልጡን ስድርኦም ናብ መምህር ወሰድዎም። እግዚአብሔር ስለ ዝገለጸሎም ድማ ቐልጢፎም መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተማህሩ። ንኵሉ ካብ ስድራ ዝረኽብዎ ዝነበሩ መግቦምን ክዳኖምን ኸኣ ንነዳያን እናመጽወቱ፡ ንሶም ግና ካብ መምህሮም ከይተፈልዩ እናተምሃሩ ብጾምን ብጸሎትን ተጊሆም ይነብሩ ነበሩ።

ገና ወዲ 5 ዓመት ከለዉ ስድርኦም መርዓ ወዶም ክርእዩ ተሓንጥዮም ሓንቲ ጓል ክቡራት ካብ ወገን ነገስታት ዝኾነት ገና ናጽላ ከላ ኣሕጸይዎም። ምስ ጐበዙ ድኅሪ 12 ዓመት ኸኣ ከነመርዕዎም ኢሎም ድማ ሓሰቡ። እንተኾነ ግና ፍቓዶ ምስ ለዘይኮነ ካብ’ዚ ነገር እዚ ከውጸኣንስ ብጸሎት ሓግዙኒ ኢሎም ንመምህሮም ተላበዉዎም። ንሶም’ውን ብትግሃት ይጽልዩ ነበሩ።

ሽዑ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ኣምላኽ ተኣዚዙ ብምምጻእ ካብዚ ሃገር እዚ ተንሲእካ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ናብ አብሳዲን ናብ ኤዎስጣቴዎስን ንዓናይ። ኣብኡ ናይ ብዙኃን ኣቦ ክትከውን ኢኻ። ብኣኻ ዝድኅና ነፍሳት ፍቕዲ የብለንን” በሎም። ንሶም’ውን ንሰብ ከይነገሩ ፍርቂ ለይቲ ዋላሓደ ከይረኣዮም፤ ካብቲ ኵሉ ክብሪ መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ንብረት ከየልዓሉ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ወጹ። ክንደይ ባሕር ንምድርን ሰጊሮም ድማ ናብ ኤርትራ ደብረ ማርያም  (ዞባደቡብ) መጽኡ። 

       ምንኵስናን ተጋድሎን 
ኣቦና ቅድሚ ምምንኳሶም ይኹን ድኅሪ ምንኵስ ናብ ኵሉ መንፈሳዊ ገድሊ ዝተፈልጡ ነበሩ። እዞም ጻድቕ ኣቦ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ኣምላከ ቅዱሳን ስለ ዝኃረዮም፡ ወዲ 7 ዓመት ምስኰኑ እዮም ማዕርገ ዲቁና ዝተቐበሉ። ድኅሪ 5 ዓመት ኸኣ ክምንኵሱ ድሌቶም ስለ ዝነበረ ሽዑ ንአቡነኤዎስጣቴዎስ ኣመንኵሰኒ እንተበልዎም ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ዝኣዘዘካ ናብ ኣብሳዲ ወደይ ኪድ ደኣ ብኢዱ ኢኻ እምበር ብኢደይ ኣይኮንካን ትምንኵስ በልዎም። ብኃባር ኸኣ ሰብዓ ናብ እትብሃል ከባቢ ዓረዛ ከዱ። ኣብ 22 ዓመት ዕድሚኦም ኸኣ ማዕርገ ክህነት ተቐበሉ። ኣብ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ ዘደብረ ማርያም 40 ዓመት ብርድእናን ገበዝነትን ምስ ኣገልገሉ ኣብ 82 ዓመት ዕድሜ ኦም ብዘመን ሰይፈ አርእድ ናብዛ ብልምላሜ ጽብቕቲ ጻድቓን ካብ ርሑቕ ርእዮም ሰላም ዝብልዋን ማየ ሕይወት ዝርከባ ማኅደረ ንጹሓን ጻድቃን ዝኾነት ገዳም ደብረኮል (መራጒዝ) ኣተዉ። ብዘመነ ንጉስ ዳዊት ቤተክርስቲያን ኣሕኒጾም፤ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣእትዮም ማኅበር ሰርዑ። ብዘርአ ያዕቆብ ድማ ብጳጳስ ኣባ ሚካኤል ብኣዋጅ ተገደመ። ኣብዚ ገዳም ድማ ብጽኑዕ ብሕትውናን ተጋድሎን 63 ዓመት ከም ዝጸንሑኸኣ ይፍለጥ።
መስራቲ ገዳም ደብረ ኮል ዝኾኑ አቡነ ብሩክ ኣብዚ ቦታ ዘኅለፍዎ መንፈሳዊ ገድልን ዝፈጸምዎ ተኣምራትን ተቖጺሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋ ዘፈልፈልዎ ማያት ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ማየ ጸሎት ኮይኑ ድማ ብደዌን ካልእን ዝተተሓዙ ምእመናን ክፈወሱሉ ይርከቡ ኣለዉ። ንኣብነት ሽንድቡሉቕ፡ ሕምብርቲ፡ (ዞባ ማእከል) ክጥቀሱ ይከኣል።
ቅዱስ ኣቦና  ኣቡነ ብሩክ አቡነ አብሳዲ ዝሃብዎም ክልተ ናይ ኣውሊዕ መቖሚያ ነበረኦም እሞ እታ ሓንቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ይምርኮሱላ፡ እታ ሓንቲ ድማ ዝዛወሩላን ንሕሙማት’ውን እትፍውስ ዝነበረት እያ። ሓደ እዋን ኣብ ዓዲ ሕምብርቲ ከይዶም ንሕዝቢ ወንጌል ሰቢኾም ምስ ወድኡ ክኸዱ ምስ ተበገሱ እታ ሒዞማ ዝነበሩ መቖሚያ ሱር ሰዲዳ ምምሓው ኣበየቶም። “ኦ ኣምላኸይ እንታይ እየ በዲለ፧” ኢሎም ናብ ፈጣሪኦም ሓተቱ። መልአከ እግዚአብሔር መጺኡ “ነቶም ዓዲ ረድኤት ክትኮኖም ግደፋ” በሎም። እታ መቖሚያ ጠጢዓ ዓባይ ኦም ብምዃን ኣብ ትሕቲኣ ማይ እናውሓዘት ክሳዕ ሎሚ ንሕሙማት እናፈወሰት ትርከብ ኣላ።

          ዕረፍቶም

   ሃጸይ ዳዊት ንጉስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሩሉ፡ እኩያን ሰባት ኣቡነ ቡሩክ ናብ ዘለዉዎ “ደብረ ኮል” ከም ዝመጹ ስለ ዝተገልጸሎም ናብ ኣምላኾም ጸሎቶም የብጽሑ ነበሩ። እቶም ሓራዶ’ውን ከም ዝቕረቡ ብመንፈስ ምስ ረኣይዎም ካብቲ ዝነበርዎ ስዉር መካነ ጸሎት ወጺኦም እቶም ቀተልቶም ኣብ ዝርእይዎምን ዝጥዕሞምን ተቐሪቦም ጸንሕዎም። እቶም ኣኅዋቶም እንተ ኾኑ’ውን ኣኽሊል ሕይወት ይርኣዮም ስለዝነበረ ‘ኣነ እየ ዝቕድም’ ‘ኣነ’ባ’ ብምብህሃል ኣብዛ ዕለት እዚኣ ማለት 14 ነሓሰ ብሰማእትነት ዓረፉ። 

  ንአቡነ ቡሩከ አምላክ ብኲናት ጐድኖም ምስ ወግእዎም ጽሩይ ማይ ወጽአ፤ ነቲ ማይ’ቲ ከኣ ክሳዕ ሎሚ ማለት ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ሕሙማት እናፈወሰ ኣጋንንቲ እናወጽአ፡ ለምጻማት እናንጸሐ ዝተፈላለዩ ተኣምራት እና ገበረ ይርከብ ኣሎ። ቦትኡ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሙራደ ቃል “ደብረ ኮል” ይርከብ። ብኽረምቲ ኣይውስኽ፤ ብሓጋይ እንተኾነ’ውን ፍጹም ኣይንክን እዩ። ክሳዕ ምጽኣት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝጸንሕ ከኣ እቲ መጽሓፍ ገድሎም ይሕብር። 

  አቡነ ቡሩከ አምላክ ብህይወቶም ከለዉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጻዕዳ ፈረስ ሃቦም። ቅድሚ ምዕራፎም ድማ ዝክርኻ ዝገበረ ስም ካዝጽውዐ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዘጽሓፈ ንዝጽሕፍን፡ ብስምካ ንጥሙይ ዘብልዕ ጽሙእ ዘስቲ ንዕሩቕ ዝኸደን፡ ዕጣን ሽምዓ ጥዋፍ ስርናይ ወይኒ ዝህብ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ካብ ትግሃት ዘገልግል ዝሳለም፡ ንማየጸሎትካ ብእምነት ዝሕጸብ በዚ ጻዕዳ ፈረስ ካብ’ቲ ናይ ሓዊ ባሕሪ ከሳግሮ ቃል እኣትወልካ ኣሎኹ ዝብል ምሉእ ቃል ኪዳን ሃቦም።

ኣቦና ኣቡነ ብሩክ 63 ዓመት ኣብ ደብረ ኮል፡  62 ዓመት ድማ ኣብ ደብረ ማርያምን ቅድሚኡን ብጠቕላላ ኣብ 125 ዓመት ዕድሚኦም ብ 14 ነሓሰ ብክፉኣት ሰባት ተቐቲሎም ካብዛ መከራን ጸበባን ዝመልኣ ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍ መንግስተ ሰማያት ተሰጋገሩ። 

ኣብታ ዝተቐብሩላ ቦታ ብስሞም ቤተክርስቲያን ተሓኒጹ ታቦት ተቐርጸሎም። ካብ ውሽጢ መቃብሮም ማይ እናፈልፈለ ንዝተፈላለየ ሕማም ዘለዎም ሕሙማት ፈውሲ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብዙኃን ምእመናን’ውን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ነቲ ዝዓረፉሉ መቓብር ክሳለሙን ካብቲ ጸበሎም ክሰትዩን ካብ ርሑቕ ከባቢታት ከይተረፈ ናብዚ ገዳም ይውሕዙ እዮም።

   ናይ’ዞም ቅዱስ  ኣቦና ክብረ በዓል 18 መስከረም ምስ ናይ መንፈስ ኣቦኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ድማ ባሕቲ ግንቦት ዕለተ ልደቶምን፡  14 ነሓሰ ድማ ዕረፍቶም ብፍሉይ ይኽበር።

             ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስኵላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን !!! ኣሜን!!!    

                 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                   ወለወላዲቱ ድንግል

                  ወለመስቀሉ ክቡር

                      ኣሜን!!!  

 

Sorry, comments are closed for this post.