Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፭/15 ጥሪ ዕረፍቱ ለቅዱስ ቂርቆስ ሰማዕት

፲፭/15 ጥሪ ዕረፍቱ ለቅዱስ ቂርቆስ ሰማእት

ቅዱስ ቂርቆስን ቅድስት ኢየሉጣን ብምሕረት እግዚኣብሔርን ብረድኤት ቅዱስ ገብርኤልን ካብ እሳት ሓውን፡ ካብ ፍሉሕ ማይን ድሕሪ ምድሓኖም እለእስክንድሮስ ነቲ መከራ ፈሪሖም ክምለሱ እዮም ኢሉ ብሞቑሕ ሰንሰለት ኣሲሩ፡ ብሽንካር ሸንኪሩ ከሳቅዮም ጸንሐ። ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ስቓይ ኣብ ልዕሊኦም ፈጺሙ ምዃን ምስ ኣበዮ ኢዶምን እግሮምን ኣሲሩ ኣብ ዕጽው ቤት ኣቐመጦም።ጎይታ ድማ ጽንዓቶምን መከራኦምን ርእዩ ካብቲ መከራኦም ምእንቲ ከዕርፎም ብመንፍቀ ለሊት ተገሊጹ “ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ቂርቆስ/ሰላም ንዓኻ ይኹን ኦ ፍቁረይ ቂርቆስ ጽንዓት መከራኻን ብዝሒ ትዕግስትኻን ርእየ ከዕርፈካ መጺአ ኣለኹ” በሎ።ቂርቆስ ድማ “ዘመጠነዝ ገድለ ተጋዲልየ

ምንተኑ ትዔስየኒ/ብሕጻንነተይ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ተጋዲለ’የሞ እቲ ትህበንስ እንታይ እዩ” በሎ። ጎይታ ድማ “ኣዕስየከ ዘሀሎ ውሰተ ልብከ” ኣብ ልብኻ ዘሎ ኩሉ ክህበካ እየ በሎ። ንሱ ድማ “ብስመይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተሃነጸሉ፡ ብስመይ ማየ ጸሎት ኣብ ዘለዎ ቦታ፥ ጥሜት፡ ሕማም ናይ ሰብ፡ ህልቂት ናይ ከብቲ፡ ስእነት ማይን እኽልን ኣይኹን” በለ። ጎይታ ድማ “ይኹነልካ” በሎ። “ኢትቅብር ስጋየ በዲበ ምድር/ ስጋይ’ውን ኣብ ምድሪ

ኣይቀበር” በለ። ብሓቂ እብለካ ኣለኹ “ኣልቦ ዘይፈደፍደከ ዘእንበለ መንበረ መንግስትየ ወማርያም ወላዲትየ ወዮሓንስ መጥመቅየ” ብዘይካ መንበረ መንግስተይ፣ ብዘይካ ማርያም ወላዲተይ ከምኡውን ብዘይካ ዮሓንስ መጥመቕ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝበልጸካ የለን። “ወዓዲ ከመ ኢይስማን ስጋከ ዲበ ሰረገላ ኤልያስ ኣነብረከ/ስጋኻ ንኸይፈርስ ድማ ኣብ ሰረገላ ኤልያስ ከንብሮ እየ” ኢሉ ተስፋ ሃቦ። ምስ ወግሐ እለእስክንድሮስ ኣብ መንበረ መንግስቱ ተቐሚጡ ካብ ዘለዎ ኣጸዊዑ ኣምጺኡ “ቦኑ ዘተሄረወከ” ዝኾነ ዝሓሰብካዮ ነገር ኣሎ ድዩ፡ ናብ ኣማልኽትና ስገድ በሎ። ቂርቆስ ድማ “ኣይከውንን’ዩ ኣይሰግድን እየ” በሎ። ነቲ ተሓዚ ሰይፊ ጸዊዑ ድማ ኣሰየፎ። ጎይታ ከኣ ንነፍሱ ብመካነ ዕረፍቲ፡ ንስጋኡ ድማ ወሲዱ ኣብ ሰረገላ ኤልያስ ኣንበሮ። ንኣዲኡ ቅድስቲ ኢየሉጣ’ውን ንጽባሒቱ ብሰይፊ ሰየፍዋ ብሰማእትነት ድማ ዓረፈት።

በረከትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ቂርቆስን ናይ ኣዲኡ ኢየልጣን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.