Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፭/15 ሓምለ ዕረፍቱ ለቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ/ St. Ephrem the Syrian

       ፲፭/15 ሓምለ ዕረፍቱ ለቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

     በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

st-ephrem.syrianቅዱስ ኤፍሬም ናይ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ንጽቢን ተማሃሪ ነበረ። ቅዱስ ያዕቆብ ከኣ ቁጽሩ ካብቶም ንኣርዮስ  ዝወገዘኡ 318ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ። ንኣርዮስ ኣውጊዞም ክሕደት ደምሲሶም  ሃይማኖት መሊሶም  ክምለሱ ከለዉ  ኣብቲ ዝኃደርዎ ቦታ  ቅዱስ ኤፍሬም ዓምዲ  ብርሃን ተተኺሉ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ብሕልሚ ይርኢ፡ “ትርኢቱ ከም ዝገለጽካለይ መን ምዃኑ ግለጸልይ ”  ኢሉ  ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዘመልከተ  ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ  ባስልዮስ በዓል ቂሳርያ ኢዩ፡ ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓንዲ ኢዩ። ብስብከቱ ልቢ ደቂ ሰብ ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኢዩ እሞ፡ ንቅዱስ ኤፍሬም  ደግነቱን መንፈሳውነቱን ብራእይ ዝተገልጸሉ  ምዃኑ ነገሮ።

ቅዱስ ባስልዮስ’ውን ቁጽሩ ምስቶም 318ን ኣቦታት ሊቃውንቲ ኢዩ ግን ብእርጋን  ወይ ብሕማም ምኽንያት ተሪፉ ወይ ከኣ በጺሑ ተመሊሱ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ቅዱስ ኤፍሬም በዚ  ስለ ዘይዓገበ ንቅዱስ ባስልዮስ ብዓይኑ ክርእዮ ደለየ እሞ ንመምህሩ ኣብ ቦትኡ ኣብጺሑ  ስለ ሰለስተ ነገር ይኸይድ፡

1) ምስ  ከምዚ ዝበሎ ኣቦ ምዝርራብ  መንፈሳዊ ምስጢር ይርከብ ኢዩ።

2) ብእዝኒ ዝሰማዕካዮ ብዓይኒ ርኢኻ ምርግጋጽ ስለ ዝግባእ

3) እቲ ራእይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ሰይጣን ኣታሊሉኒ፧ ብማለት ንቂሳርያ ከደ።

ግናኽ ቅዱስ ኤፍሬም ከይዱ ንቅዱስ ባስልዮስ  ከምቲ ዝረኣዮ  ኮይኑ ኣይረኸቦን ፡ንሱስ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ  ኣብ ወርቂ ኣትራንስ ወንጌል ወርቅ ዘርጊሑ ዘንጸባርቕ ካባ ደሪቡ ጽሩይ መጠምጠምያ  ርእሱ ተወናኒሱ ሃሪ ዝመትኃዚኡ ግሩም ዝኾነ ወርቃዊ ጭራ ሒዙ ንምእመናን ክምህር ረኣዮ።

በዚ ድማ “ወታሐዘቦ ልቡ ለኤፍሬም ከመ ሥጋዊ ውእቱ እስመ ምሥጢራት ይትከሠታ ለትሑታን ውስተ ምይንት ነፍስ ኢትኃድር ጥበብ ”  ከምዝብል ምሳሌ 11፡2 ንመንፈስ ቅዱስ 2 ግብሪ ዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ወይስ ተታሊለ እየ እና በለ ብሕልንኡ ከደይብን ከውርድን ከሎ 4 ነገራት ይርኢ

1)ቅዱስ ባስልዮስ ቃል ኣምላኽ ክሰብኽ ከሎ ካብ ኣፉ ከም ነፀብራቕ እሳት እና ወጸ ነቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ልቦም ኣትዩ ክወሃሃዶም  ይርኢ

2) ርግቢ ኣብ ርእሱ ክትዓልብ ከላ ይርኢ

3)ተሐዋስያን(ዝምቢ) ኣብ ክዳኑ እንተ ዓለቡ ተቓጺሎም ከም ቆጽሊ ክረግፉ ይርኢ እዚ ድማ ለካዊነ እሳት በጺሑ ስለ ዝነበረ እዩ።

4) ስሙ ከይፈለጠ ሃገሩ ከይጠየቐ፡ ኤፍሬም ሶርያዊ ኤፍሬም ለብሐዊ  ኣብ  ኩርናዕ  ቤተ ክርስቲያን ቆይሙ ይጽልየልኩም ኣሎ’ሞ ጸውዕለይ ኢሉ ብኣስተርጓሚ  የዘራርቦ።

ቅዱስ ኤፍሬም  ግና  ብትርጁማን ምዝርራብ ስለ ዘየዕገቦ “ኣቦይ ጸሊ እሞ ቋንቋኻ ንዓይ ቋንቋይ ድማ ንዓኻ  ክግለጸልና” በሎ። ጸልዩ ድማ ከምቲ ዝደለዮ ኮነሉ። ማለት ቋንቋ ቅዱስ ባስልዮስ ጽርኢ(ግሪኽ)ንቅዱስ ኤፍሬም፡ቋንቋ ቅዱስ ኤፍሬም(ሱርስት) ንቅዱስ ባስልዮስ ተገሊጽሎም ከዕልሉ ሓደሩ።

መዓርገ ሲመት ቅዱስ ኤፍሬም

ቅዱስ ኤፍሬም ቅድሚ ምስ ቅዱስ ባስልዮስ ምርኻቡ ዝነብሮ ማዕርገ ሲመት ኣይተፈልጠን፡ ግና ቅዱስ ባስልዮስ  ካብቲ ዝጸንሖ ደረጃ ማዕርግ  ወሲኹ ካብቲ ናቱ ሃገረ ስብከት ሂቡ  ንምእመናን መሃር ኢሉ ኣዘዞ።

ቅዱስ ባስልዮስ ዝለበሶ  ክቡር ልብሲ ስለ ክብረ ወንጌል እዩ እምበር ልብሱስ ወጮ(ማቕ) ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ካህናት ምእንቲ ክብረ ስጋኡን ደሙን ስለ ክብረ ወንጌልን ክብሉ፡ ወርቂ ኣኽሊል ናይ ክብሪ ልብሰ ግርማ ለቢሶም ከም እንርእዮም ማለት ኢዩ።

ቅዱስ  ኤፍሬም ኣብቲ ዝተዋህቦ ሃገረ ስብከት  ወንጌል እና መሃረ ክቕመጥ ከሎ፡  ሓንቲ ካብ ደቂ ነገስታት ዝኾነት ሰበይቲ  ዝገበረቶ ሓጢኣት እና ጸሓፈት ተቐምጦ ነበረት ንምንታይ እንተ በልና ንምንጋር ትሓፍር (ትፈርሕ) ስለ ዝነብረት ኣዝዩ ከኣ ሰለ ዝበዝሐ ይብል፡ ሓደ መዓልቲ  ነቲ ዝተጻሕፈ ሓጢኣት ጠቕሊላ ንቅዱስ ባስልዮስ  “ኣቦየ ኣብዚ  ዘሎ ኩሉ ይደምሰሰልኪ በለኒ” በሎቶም። “ይፈሓቖልኪ” ድማ በለ። በዚ ከኣ ገንጺላ እንተረኣየት ኩሉ ተፋሒቑ ከብቅዕ ሓንቲ ከይተደምሰሰት  ተሪፋ ርእያ ንሳ ዘፅዕ ዕብየት ለነጊረ’ውን ይብላ፡ ንምንግባራ ኾነ ንምዝራባ እተጨንቕ  ኢያ፡ “ኣቦይ እዚኣኸ”  በለቶ። ንሱ ድማ “እዚስ ንቅዱስ ኤፍሬም ድኣ እንተተኻእሎ ሕተትዮ እምበር ንዓይስ ኣይከኣለንን” በላ። ዘይካኣሎ ኮይኑ ኣይኮነን ግን  ኲሎም ቅዱሳን ልምዶም  ክብሪ ርእሶም  ካብ ምግላጽ ናይ ብጻዮም ክብሪ ክግለጽ ስለ ዝደልዩ።

ከምኡ’ውን ነታ ተነሳሒት ሰበይቲ ፡ላዕልን ታሕትን ብምባል እንተደኸመት  ጻማ ስለ ዝኾና እቲ እትደኽሞ ከኣ ኣብ ቆኖና ኣትዩ ንስሓ ስለ ዝቑጸረላ  በዚ ናብ ቅዱስ ኤፍሬም ክትከይድ ነገራ። ከይዳ ድማ “ይፈሓቖልኪ” በለኒ በለቶ እሞ ንሱ ከኣ ልክዕ ከምታ ቅዱስ ባስልዮስ ዝበላ ቃል   ትሕትና “እዚስ ቅዱስ ባስልዮስ ሊቀ ጳጳሳት ድኣ እንተተኻእሎ እምበር ኣነስ  ኣይከኣልኩን በላ”፡ ዘይከኣሎ ኮይኑ ኣይኮነን ከምቲ ቅድም ዝተባህለ ድማ  ነታ ተነሳሒት ሰበይቲ ኣብ ቆኖና ተቖጺሩ ጻም ድኻማ ክትረከብ ሓጢኣታ ክሕደገላ ማለት እዩ።

ዕረፍቲ ቅዱስ ባስልዮስ

እታ ተነሳሒት ሰበይቲ ቅድሚ ናብ ቅዱስ ባስልዮስ ምምላሳ ቅዱስ ኤፍሬም ከምዚ ይብላ “ኬድኪ ግና ከምቲ ዝሓደግክዮ ብሕይወት ስጋ ኣይክትረኽብዮን ኢኺ  ዓሪፉ ሬስኡ ተሰኪሞም ናብ መቓብር  ክወስድዎ ክትረኽብዮ ኢኺ’ሞ ከይተጠራጠርኪ ኣብታ ሬስኡ ኣቐምጥያ እሞ ሓጢኣትኪ ክሕደገልኪ ኢዩ” ኢሉ ኣእሚኑ ኣፋነዋ፡ ከይዳ ከኣ ከምቲ ዝበላ ኮይኑ ጸንሓ። ንሳ ከኣ ከምታ ቅዱስ ኤፍሬም ዝበላ ገበረት። በዚ ድማ  ሓጢኣታ ተደምሰሰላ። እዚ ድማ ካህናት ብሕይወተ ስጋ ከልዉን ምስ ሞቱን ሓጢኣት ከም ዘስተርዩ የርድኣና (ዮሃ20፡23)።

ሕያውነት ቅዱስ ኤፍሬም

ቅዱስ ኤፍሬም ተማሃሪ ቅዱስ ያዕቆብ በዓል ነጽቢን ከም ዝነበረ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

ስምዖን ዘዓምድ መማህርቱን ብጻዩን ስለ ዝኾነ  ክበጽሖ ናብ ቅዱስ ኤፍሬም  መጺኡ ከሎ ፡ቅዱስ ኤፍሬም  ክምህር ከሎ “ሰላም ለኪ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል” እና በለ ክዛረብ ሰሚዑ “ኦ! እግዝእትየ ዝብል ካበይ ኣምጺእካዮ፧” መምህርና ኣይነገረናን በሎ። ነጊሩና እባ ኣይንገረናን ብዝብል  ተኸራኺሮም ይመስከር ይመስከር ኢሎም ናብ መቓብሩ ከይዶም እንተረኣዩ 10 ኣጻብዑ ከም ድሙቕ ሽምዓ እና ኣብርሃ ተንሲኡ “በሕይወትየ እብለኪ ”ሰላም ለኪ ኦ! ቅድስት ድንግል ከመ ስምዖን ዘዕምድ ወድኅረ ሞትየሰ ኩሎሙ ኣዕጽምትየ ይብሉኪ ወይዌድሱኪ ሰላም ለኪ ኦ! እግዝእትየ ቅድስት ድንግል ከመ ኤፍሬም  ሶርያዊ” ኢሉ መስከረ። በዚ ድማ ሕያውነት ቅዱስ ኤፍሬም ተገልጸ። ከመይ መምህሩ ድኅሪ ሞቱ  ዝብሎ ፈሊጡ ምምስጋን ማለት ኢዩ። ሶርያዊ ብሃገሩ ዝበሎ እዚ ኢዩ።

ለብሐዊ ዝበሎ ድማ

  ቅዱስ ኤፍሬም ምንም እኳ መንፈሳውን  ኣቦ ምእመናን እንተኾነ ብዓል ኢደ ጥበብ ስለ ዝነበረ ካብ ጭቃ ከም ጣሳ፡ ብርለ፡ ብርጭቆ ዝመስል  ኣቓሑ ሰሪሑ እናሸጠ ናይ ዕለት መግቡን ናይ ዓመት ልብሱን  ኣትሪፉ ንድኻታት  ይምጽውቶ ነብረ። ክምጽውት ከሎ ድማ ኣዝዩ ስለ ዘፍቅራ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ኢዩ። “ምስጋናኣ ከም ሑፃ ባሕሪ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ በዚሑለይ እንተዝርኢ  ከም መግቢ ምተመገብክዎ ከም ልብሲ ከኣ ምተኸደንክዎ” እና በለ ይምነ ነበረ። ዝደለይዎ ምግላጽ ዝለመንዎ ምሃብ ዝኾነ ልዑል እግዚኣብሔር ልማንኡ  ሰሚዑ ገለጸሉ። በዚ ድማ ቁጽሩ ሽሕ ዝኣክል ድርሳናት ደሪሱ “ኣኃዝ እግዚኦ መዋግደ ጸጋከ” ክሳዕ ዝብል ኮነ። ዝጽልዮ ጸሎት እውን  ካብ ወንጌል ወሳድ ወርኅ ዝብል ኣውጺኡ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም መጠን ዕድሚኣ (64) ግዜ ይጽሊ ነበረ።

ምኽንያት ድርሰት ውዳሴ ማርያም

  ቅዱስ ኤፍሬም ከምዚ ኢሉ ክነብር ከሎ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ዕለተ ሰኑይ ንግሆ ፡ስርሑ ኣብታ ዝሰርሓላ ተቐሚጡ  ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ናብኡ መጸት፡ብርሃናዊ ምንጻፍ ተነጽፈ፡ብርሃናዊ ድባብ ተዘርግሐ ኣብ ልዕሊ እዚ ኮይና ድማ “ኦ! ፈታውየይ  ኤፍሬም ሰላም ንዓኻ ይኹን” ትብሎ።ንሱ ድማ ተዓጢቑ ኢድ ነሲኡ  ቆመ፡ “በል ኣመስግነኒ” ትብሎ። “ከምይ ገይረ ከመስግነኪ ይካኣለኒ ፧ ምድራውያን ጻድቃን; ሰማያውያን መላእክት፡ከመስጉኑኺ ዘይከኣሎምሲ ንዓይ ከምይ ገይሩ ይካኣለኒ” በላ።

ንሳ ድማ “በከመ አለበወከ መንፈስ ቅዱስ ተናገር/ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸልካ ተዛረብ”  በለቶ። ብዝተረታዕካዮ ምርታዕ ይበሃል።ንሳ ንጎይታ ክትጠንስ ከላ ነቲ መልኣኽ እዚኸ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ  ኢሉ ይኸውን ፧ ምስ  በለቶ  መንፈስ ቅዱስ ከጽልለኪ ሓይሊ ልዑል እውን ከጽልለኪ (ሉቃ1፡34-35) ኢዩ ኢልዋ ስለ ዝነበረ  ከምኡ በለቶ።ንሱ ድማ “ባርኽኒ” በላ።”በረኸት ወደይን ኣቡኡን መንፈስ ቅዱስን ኣባኻ ይኅደር” በለቶ ተባሪኹ ምስጋና ይጅምር (2ቆሮ13፡13)፡ ከመስግና ከሎ ከኣ ሓደ ተማሃሪ ቅኔ ቆጺሩ  ከም ዝቕነ ድርሰት ሓሲቡ ከም ዝጽሕፍ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብልሂ ተማሃሪ ንዘጽንዖ ቀለም ኣብ ቅድሚ መምህሩ ጸፍ ኣቢሉ  ከም ዘንብብ ከምኡ ኢዩ።

መልክዕ ድርሰት ውዳሴ ማርያም

1) ኣዴና  ቅድስት ድንግል ማርያም ንቅዱስ ኤፍሬም ውዳሴኣ ክተድርሶ ከላ ኣብ (7) ከፊላ ኢያ ኣድሪሳቶ።ምኽንያቱ ድማ ብሸውዓተ   ዕለታት ክትምስገን ፍቓዳ ስለ ዝኾነ ከምኡ’ውን እተን  ሸውዓተ  ዕለታት  ናታ ምሳሌ ስለ ዝኾና ኢዩ። ከመይ በታ ቀዳመይቲ ዕለት እሑድ(ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት) ትምሰል ፡በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሥርወ ፍጥረታት ተረኺቡ ኢዩ (ዘፍ1፡1-5)። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ  “ለዘኮነ ምኽንያተ ፍጥረት በህላዌሁ” ከም ዝብሎ ስርወ  ፍጥረታት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተርኽበ።

2) ብሰኑይ ትምሰል–ሰኑይ መዓልቲ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ መሊኡ ዝነበረ ማይ ኣብ ሠለስተ ከፊልዎ ይርከብ።ንሱ ድማ ሓደ ኢድ ንላዕሊ ሰቒልዎ ንሱ ሄኖስ  እዩ።ሓደ ኣብ ዙርያኡ ወሲንዎ ፡ሓደ ኢድ  ከኣ ቀጥ ኣቢሉ ማሕደር ብርሃን ገበሮ ።ንሱ ጠፈር ይበሃል።

ጠፈር ብቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብርሃን ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ይመስል፡እዚ ድኣ ናይ ጠፈር ምሳሌ ኮነት እምበር ናይ ዕለት ምሳሌ መዓስ ኮይና እንተበልና ሰኑይ ብቅድስት ድንግል ማርያም ጠፈር ከኣ ዝለበሶ ስጋ ፡ብርሃን ብጎይታ ይምሰል።

3) ብሰሉስ ትምሰል–  ሰሉስ ጎይታ “ለታብቁል  ምድር ሐመልማለ ሣዕር ዘይዘራእ በብዘርኡ ወበበዘመዱ  በበአርአያሁ ወበበአምሳሊሁ” ምስ በለ ብኢድ ዝእረዩ ኣታክልቲ ብማዕጺድ ዝዕጸዱ  ኣዝርእቲ ፡ብማኅጸ ዝቑረጹ ዕጸዋት ንሥጋውያን መግቢ ዝኾኑ ተረኽቡ(ዘፍ1፡11)

ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ መግቢ መንፈሳውያን ዝኾነ ጎይታ ተረኽበ።

4) ብሮቡዕ ትምሰል – ብሮቡዕ  ጎይታ ለይቁሙ ብርሃናት በገጸ ሰማይ ” ምስ በለ ንስጋውያን መግቢ ዝኾኑ ጸሓይ ፡ወርሒ ከዋኽብቲ  ተረኽቡ።ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ  መግቢ መንፈሳውያን ተረኽበ።

5)ብኃሙስ ትምሰል– ኃሙስ ጎይታ ለታውጽ ባሕር ዘቦ መንፈስ ሕይወት ” ምስ በለ  ብልቦም ዝስሓቡ ብእግሮም ዝዛወሩ፡ብኽንፎም ዝበሩ፡ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ዝኾኑ  ፍጥረታት ተረኽቡ።በሪሮም ዝኸዱ ኣለዉ ኣብቲ ባሕሪ ዝተርፉ ካኣ ኣለዉ፡እቶም በሪሮም ዝኸዱ ብዘይ ተጠመቑ፡እቶም ኣብኡ ዝተረፉ ብዝተጠመቑ ምእመናን ይምሰሉ። ግና “ወባረኮሙ ለክልኤሆሙ በአሐቲ በረኸት።ስለ ዝብል እቶም ብልቦም ዝሰሓቡ ዝበሎም ብሰብዓ ዓለም ፡እቶም ብእግሮም ዝዛወሩ ካብ ምግባረ ሰናይ ናብ ምግባረ ሰናይ  ዝኸዱ (ባሕታውያን) ይምሰሉ። እቶም ብኽንፎም ዝበሩ  ተመሥጦ ዘለዎም ብሰማዕታት ይምሰሉ።

6) ብዓርቢ ትምሰል– ዓርቢ መዓልቲ በኹሪ  ፍጥረት ኣቦና ኣዳም ተረኽበ።(ዘፍ1፡26)፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ዳግማይ ኣዳም ኢየሱስ ክርስቶስ  ተረኽበ(ማቴ 1፡1)

7) ብቀዳም (ሰንበት) ትምሰል– ዕለት ቀዳም ስጋዊ ዕረፍት ተረኽበ።” ወኣእዕረፈ ” ከም ዝብል  ኣምላኽ ነቲ ዝገበሮ ኩሉ ፈጺሙ  በታ ሻውዓይቲ  መዓልቲ ኣዕረፈ ይብል።ደኺምዎ ዘይኮነስ ንኽብሪ እታ ዕለት(ዘፍ2፡1-2)

ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዝህብ ጎይታ ተረኽበ ።(ማቴ11፡28)።  ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ በዚ ዕለት እዚ(ሓምለ 15) ዓረፈ።

        ጸለቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።

               ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

               ወለወላዲቱ ድንግል

               ወለመስቀሉ ክቡር

                   ኣሜን።

Sorry, comments are closed for this post.