Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፯/17 መስከረም በዓል መስቀል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

                                 መስቀል

                   “ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይምካሕን እየ”(ገላ6፡16)

     mesqe ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነቲ ንዘመናት ብማእሰር ሞት ተኣሲሩ ናብ ሲኦል ዝተደርበየ፡ እና ተሸቑረረ ዝነብር ዝነበረ፡ ኣፍ ደገ ገነት ዝተዓጽዎ ኣዳምን  ዘርኡን፡ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሖ፡ ዝተዓጽወ ገነት ክኸፍተሉ፡ ርጉም ብምዃን መርገምና ጸይሩ፡ ንዓለም ብምልኣ በጃ ብምዃን ኣምላኻዊ ፍቕሩ ኣብ መስቀል ገሊጹልና እዩ። በዚ ከኣ ሰይጣን ተሳዒሩ፡ደቂ ኣዳም ከኣ ሰላም ረኺብና በቲ ሰላምና ዝኾነ ኣምላኽ፡(ዘፍ 2፡24, ገላ 3፡13, ኤፌ 2፡13-16, ቆላ1፡20, ኢሳ 9፡6)

እንተኾነ ግን ካብ ክፍኣት ዘይዓርፉ ጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድን ሰዓብቶምን ክቡር መስቀል ናይ ኣምላኽና ተኣምራት ይገብር ስለ ዝረኣዩ ብቕንኢ ተላዒሎም ፡ስሙ ከይልዓል ፈጺሙ ድማ ክጠፍእ ተላዓሉ።ካብዚ ተበጊሶም እምበኣር ንኽቡር መስቀል ምስቲ ብየማንን ጸጋምን ናይ ጎይታ ዝተሰቕልሉ ክልተ መስቀል ገይሮም ቀበርዎ’ሞ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ከም ዝጉሕፍሉ ገበሩ።ከምዚ ኢሉ ንልዕሊ 200ዓመታት ቀጸለ።ካብ ብዝሒ ጓሓፍን ንውሓት ግዜን ዝተላዕለ ከኣ ምብራኹ ክንዲ ጎቦ ኮነ።

ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እምበኣር፡ኣብ ልዕሊ መስቀል ክርስቶስ ፍቕሪ ዝነበራ ንግስቲ ኢሌኒ ንወዳ ንጉስ ቆስጦንጥኖስ ሒዛ መስቀል ንምርካብ ጉዕዞ ናብ ኢዮሩሳሌም ጀመረት።ኢዮሩሳሌም ኣትያ ከኣንሓደ ዓቢ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ (ኪርያኮስ)  ሰብኣይ ረኸበት፡ማይን  መግብን  ከልኪላ ከኣ ከምዝጠሚ ገበረቶ ንሱ ከኣ ናብቲ ክቡር መስቀል ናይ ኣምልኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሕዋ ከደ።ነቲ መሎኮታዊ ደም ዝፈሰሰሉን መለኮታዊ ስጋ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቖርሰሉን  መስቀል ንምርካብ ከኣ መስከረም17 ኩዕታ ተጀመረ መጋቢት 10 ከኣ  ተወድአ።ኩዕታ ምስ ተወድአ ሰለስተ መስቀለ ተረኸበ።ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣምራት ይገብር፡ ምዉታን የተንስእ ስለ ዝነበረ፡ነቲ ዝተረኽበ ሰለስተ መስቀል ምዉት ኣምጺኦም ፈተንዎ እሞ ገባሬ ተኣምር ዝኾነ መስቀል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ነቲ ምዉት ኣተንስኦ። ክርስቲያን ኩላቶም ተሓጎሱ። ንኽቡር መስቀል ብግንባሮም ተደፊኦም ሰገድሉ፡ ቅዳሴ ሰሪዕም ከኣ ንኣምላኽ ኣመስገኑ ።

ሓደ ይስሓቕ ዝተባህለ ሳምራዊ ግና ምስ ካልኦት ሳምራውያን ኮይኑ “ንምንታይ ንኾንቱ ተድኽሙ፡ ንምንታይከ ንዕንጸይቲ መስቀል ትሰግዱ “እና በለ ንክርስቲያን ኣባጨወሎም። ቀጺሉ እቲ ሳምራዊ፡ ኣብቲ ቦታ ሕማቕ፡ መሪር ማይ ነበረ እሞ፡”ሃይማኖትኩም ቅንዕትን  ርትዕትን እንተኾይና፡ ነዚ መሪር ማይ ናብ ጥዑም ማይ ክትቅይሮ እያ። ናይ መስቀል ሓይሊ ከኣ እንተ ኣርኢኹምኒ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምን እየ “እና በለ ናይ ላግጺ ቃላት ኣስምዐ። እዚ ክብል ከሎ ኣውዶኪስ ዝስሙ ጻድቕ ካህን ሰምዖ እሞ፡ መንፈሳዊ ቅንኢ ተሰምዖ፡ ቀሪቡ ከኣ ተወከሶ። ብድሕርዚ እቲ ካህን መስቀል ሒዙ ነቲ ማይ እና ባረኸ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ እቲ መሪርን ዘይጥዕሙን ማይ ካኣ ኣዝዩ ጥዑም ዝስተ ማይ ኮነ። እቶም ሕዝቢ ድማ ንሳቶምን እንስስኦም ሓቢሮም ሰተዩ። ኣብቲ ቦታ ከኣ ቤተክርስቲያን ሃነጹ። እታ ማይ ንክርስቲያን ጥዕምቲ ንዘይኣምኑ ግና መራር ነበረት እሞ ይስሓቕ ሳምራዊ ክሰቲ ኢሉ ነቲ ማይ ምስ ጠዓሞ ኣዝዩ መሪርን ዘይጥዑምን ኮይኑ ረኸቦ እሞ ኣዝዩ   ብልቡ እና ጓሃየ ብክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ኢዮሩሳሌም ብዝነበረ ኤጲስ ቆጶስ ከይዱ  ተጠሚቑ ከኣ ክርስቲያን ኮነ። በረኸት መስቀል ምስ ኩላትና ይኹን! ኣሜን።

ብድሕሪ እዚ ንግስቲ ኢሌኒ ንኽቡር መስቀል ምርካባ፡ ሰይጣን ካልኣይ ግዜ  መስቀል ክጠፍኣሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ካልእ መገዲ ደለየ። ሓደ ግዜ ካብ መኳንንቲ ንጉስ ፋርስ ናብ ኢዮሩሳሌም መጺኡ ናብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኣተወ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ክቡር መስቀል ዓቢ ብርሃን ደሚቑ ክበርህ ረኣየ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ከኣ ነቲ መስቀል ክሕዞ ደለየ። እንተኾነ ሓዊ(እሳት) ካብቲ መስቀል ወጺኡ  ኢዱ ኣሕረሮ፡ እቶም ክርስቲያን ከኣ “ስራሕ መስቀል ዓቢ እዩ፡ ክርስቲያን ዘይኮነ ሰብ ከኣ ክሕዞ ኣይግባእን እዩ “በልዎ። ንሱ ከኣ ክልተ ዲያቆናት ኣሰኪሙ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ወስዶ። ኣብ ቅድሚ መንበሪ ገዝኡ ዓሚቕ ጉድጓድ ኣዂዒቶም ብድሕሪዚ ነቲ ክቡር መስቀል ናይ ጎይታ ኣብቲ ጉድጓድ ቀበርዎ። እቶም ክልተ ዲያቆናት መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ ምእንቲ ከይሕብሩ ከኣ ቀተሎም። እዚ ክገብር ከሎ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ካህናት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ  ኣብ ቤት እቲ መኮነን ኮይና  ብመስኮት ትዕዘብ ነበረት።

እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ናይ ሮም ንጉስ ሕርቃል እዚ ሰምዐ እሞ፡ መስቀል ካብ ኢድ ፋርሳውያን ንምምላስ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  መጸ። እታ ኣቐዲማ መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ እትዕዘብ ዝነበረት እስራኤላዊት ጓል ኣንስተይቲ ንንጉስ ሕርቃል ሓበረቶ፡ ናብቲ ቦታ ከኣ መሪሓቶ ከደት። ንጉስ ሕርቃል ንኽቡር መስቀል ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ቦታ ኲዒቱ ኣውጽኦ፡ ኣዝዩ ድማ ደስ በሎ፡ ክርስቲያን  ብምልኡ ድማ ጠፊኡ ዝነበረ መስቀል ብምርካቡ ተሓጎሰ። ንጉስ ሕርቃል ካኣ ነቲ ዝተረኽበ ክቡር መስቀል ብልብሲ መንግስቲ ጠቕለሎ። ዕለቱ  10 መጋቢት 614 እዩ። በረኸት መስቀል ምስ ኩላትና ይኹን!ኣሜን።

እምበኣር ዝኸበርኩም ህዝቢ እግዚኣብሔር መስቀል ኣብ ህይወትና ዓቢ ቦታ እዩ ዘለዎ። ከመይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋን ነፍስን  ብተዋህዶ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንጹህ ደሙን ክቡር ስጋኡን ኣብ መስቀል ኣፍሲሱን ቆሪሱን ናቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን  ሰብን ተፈጢሩ  ዝነበረ ጽልኢ  ከም ዝድምሰስን ክሳድና ኣቕኒዕና  ከም እንኸይድን ገይሩና እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “,,,,,,,,,,,ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ  መንደቕ  ብስጋኡ ብምፍራስ  ነቶምክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ,,,,,,,,,, ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፡ ነቶም ክልተ ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።(ኤፌ 2፡13-17)። ስለዚ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹህ ደሙን  ቅዱስ ስጋኡን  ዘኽበሮን ዝቐደሶን መስቀል  ንሕና”ውንዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ። ኩሉ ግዜ ከኣ ብዛዕባ መስቀል ክንሓስብ፡ ውዕለት ጎይታና ኣብ መስቀል እና ዘከርና ካብ ሓጢኣት ርሒቕና  ክነብር ይግባእ።

mesመስቀል ክበሃል ከሎ ከም ተራ ዘረባ ዝዝረበሉ፡ በዓሉ ድማ ከም ተራ በዓል ኣይኮነን። ሽሕ እኳ ከምቲ ቅዱስ  ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ንዘይ ኣምኑ ዕሽነት ኮይኑ እንተ ተራእዮም፡ ንዓና ንኣመንቲ ግና ሓይልና፡ ጽንዓትና፡ በጃና፡ መድሓኒት ንፍስና ስለ ዝኾነ፡ ድሕነትና ዝተፈጸመሉ፡ ናጽነትና ዝተኣወጀሉ ኣብ መስቀል ስለ ዝኾነ ዝግብኦ ክብርን ኣበዓዕላ  ስርዓትን ክንፍጽም ይግባእ። ብኣንጻሩ ናይ መስቀል በዓል ብጓይላን ዳንኬራን፡ ብባእስን ቅርሕንትን፡ ብስስዐን ስርቅን፡ ብስኽራንን ዝሙትን፡ ብሓፈሻ ብፍትወት ስጋ እንተ ኣሕሊፍናዮ፡ ኣብ መስቀል ዝተገብረ ናይ ድሕነት ስራሕ፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍሰሶ ደምን ዝቖረሶ ስጋን ብግብርና ኮንቱ ንገብሮ። ስለዚ በዓልና ንኣምላኽ ዘሐጉስ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ክንዲ ስጋዊ ስራሕ(ሓጢኣት)፡ መንፈሳዊ ስራሕ እና ሰራሕና እቲ ዓቢ ናይ መስቀልስራሕ እና ዘከርና ንንበር። ነቶም ተጠራጠርቲ እውን ብዛዕባ መስቀል ከመይ “ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርክኹም ሕጂ ከኣ እና ነባዕኹ ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእትኦም  ጥፍኣት  እዩ”(ፈሊ3፡18-19) ከም ዝበለ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ኣለዉ። ንሕና እውን ብቓልን ብግብርን መንነት መስቀል ክንፈልጥን ብተግባር ክነርእን ይግባእ።

ብሓፈሻ እምበኣር መስቀል ኣርማና፡ ዋልታና፡ ንሰይጣን እንስዕረሉ  ብደም ጎይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓዝጽበ እዩ እሞ  ፍቕሪ መስቀል ካብ ልብና፡ካብ ህይወትና ከይርሕቕ፡ቅዱስ እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልና!!! ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና። በረኸት መስቀል ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ንዘልኣለም ኣይፈለየና ። ኣሜን!!!(ተወሰኽቲ ጥቕስታት ብዛዕባ  መስቀል፥ ዘጽ17፡10-13,ገላ3፡13, 1ቆሮ1፡18, ኤፌ 2፡13-17, ቆላ 1፡24, ገላ6፡14, ፊላጵ3፡18-19)።

              ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

             ወለወላዲቱ ድንግል

           ወለመስቀሉ ክቡር

              ኣሜን!!!

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.