Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፯/17 ጥቅምቲ ዝኽረ ብዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ/ Zkre Bealu Leqdus Estifanos

                 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

            ፲፯/17 ጥቅምቲ ዝኽረ ብዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ

   ኣስቲፋ እስጢፋኖስ ማለት ፋና ማለት እዩ። ሊቀ ዲያቆናት ቀዳሜ ሰማዕት ድማ ይበሃል። ቀዳሜ ሰማእት ምባሉ ጎይታ ንደቂ መዛምርቱ “ሑሩ ወመሀሩ ወስተ ኩሉ ኣጽናፈ ምድር” ኢልዎም ድሕሪ ምዕራጉ ንመጀመርያ ግዜ ብሰማእትነት ዝሞተ ንሱ ስለዝኾነ እዩ። እዚኸ ከመይ እዩ ምስ እንብል ሓዋርያት ዓመት ዝኣክል ኣብ ኢዮርሳሌም ክምህሩ ከለዉ እቲ ጉባኤ ሰፊሑ ደቀ መዛሙርቲ በዚሖም ስለ ዝነበሩ ንጸሎትን ንተልእኾ ወንጌልን ስለ ዘሸገሮም “ለተልእኮ ማዕድ” ሸውዓተ ዲያቆናት መረጹ። ካብዚኣቶም ብቀዳምነት ዝተመርጸ እስጢፋኖስ ክኸውን ከሎ ንኹሎም እቶም ሽዱሽተ ድማ ሓለቅኦም እዩ ነይሩ(ሊቀ ዲያቆናት)ገይሮም ሸይሞዎ (ግ.ሃዋ 6፡15)።

ብድሕሪዚ ጸጋ ሰማያዊ ሓይሊ ተዋሂብዎ ተጊሁ እና መሃረ ከሎ ኣይሁድ ክፉእ ንምግባር ስለ ዘይዓርፉ “ንእግዚኣብሔር ክጸርፍን ንሙሴ ከኣ ከቃልልን ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ንኦሪትውን ክስዕር ከሎ ርኢናዮ በሉ” ኢሎም ናብth መጋባኣያ ኣቕረብዎ። ሊቀ ካህናት ድማ ንምንታይ ከምዚ ገይርካ በሎ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ድማ “ኦ ጹንዓነ ክሳድ“፣ ንስኻትኩም ከምቲ ናይ ኣቦታትኩም ንመንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ትጸርፍዎ ኣለኹም። ካብ ነቢያት ኣቦታትኩም ዘይሰጎግዎ መን ኣሎ፧ ሕጂውን ንጎይታ ስለ ዝጸላእኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ንስኹም ኢኹም። ንኦሪትን ንሕግን ብኢድ መላኣኽቲ ተቀበልናዮ ትብሉ ኣለኹም እንተኾነ ኣይሓለኹሞን” በሎም። stifenንኽሕዝዎ ድማ ቀረቡ። “ወርኢኩ ርህወ ሰማይ እንዘ ይነብር ለኣብ ብየማኑ ወልደ እጓለ እመሕያው/ እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቀሚጡ እርኢ ኣለኹ” በሎም። እና ጎተቱ ድማ ካብታ ከተማ ኣውጽእዎ። “ኦ እግዝእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ተመጠዋ ለነፍስየ/ ኦ ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሰይ ተቐበላ” ድማ በለ። ክዳውንቶም ንጳውሎስ ሂቦም ድማ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ቀተልዎ። ንሱ ካብ ጎይታ ዝተማህሮ ምሕረት ስለዝነበረ ከም ዝጸልኡኒ ጽልኣዮም፡ ከም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም ከይበለ “እግዚኦ ስረይ ሎሙ ዘንተ ሓጥያቶሙ ወኢትረሲ ቦሙ ጌጋየ/ ኦ ጎይታይ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም” እናበለ ድማ ዓረፈ (ግ.ሃዋ ምዕራፍ 6 , ግ.ሃዋ ምዕራፍ 7)። ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ንዝበደሉና ከም ቅዱስ እስቲፋኖስ ምእንትኦም ክንጽሊ ደኣ እምበር ሕነ ክንፈዲ ኢልና  ኣብ ልዕሊኦም ክፉእ ሃሳብ ክንሕእስብ የብልናን። ቅዱስ እግዚኣብሔር ንኹላትና ከም ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ  ይቕረ ዝብል ልቢ ይዓድለና ኣሜን!

   በረኸትን ጸጋን ቅዱስ እስጢፋኖስ የካፍለና ኣሜን!

           ስብሃት ለእግዚኣብሔር

          ወለወላዲቱ ድንግል

           ወለመስቀሉ ክቡር

              ኣሜን!

 

Sorry, comments are closed for this post.