Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፰/18 ሓምለ ዕረፍቱ ለያዕቆብ ሓዋርያ( እኁኁ)

                      በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

                       ፲፰/18 ሓምለ ዕረፍቱ ለያዕቆብ ሓዋርያ( ሓዊ ጎይታ ዝተባህለ)

      jacob  ያዕቆብ ማለት ኣኅዜ ሰኮና ኣዕቃጺ( ኣሳናኻሊ) ማለት እዩ። ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌምን ኣውራጃታትን ኮይኑ፡ ቁጽሩ ከኣ ካብ 72 ኣርድእቲ እዩ።

ያዕቆብ ሓዊ ጎይታ ዝተባህለሉ ምኽንያት ብስጋ ንጎይታ መዋልድቱ ኮይኑ ዘይኮነስ ምስኡ ብሓደ ስለዝዓበዩን ዝምድና ስለዘለዎምን እዩ።  ሓዋርያ መበሊኡ ድማ  ወንጌል ስለ ዘስተምሃረ እዩ። ወዲ ዮሴፍ ጸራቢ ኮይኑ ሕሳስልደ እዩ፡ ንጹህ ድንግል ምዃኑ ድማ መጽሓፍ ይገልጽ።

 ቅዱሳን ሓዋርያት ወንጌል ከስተምህሩ ዕጫ ምስገበሩ ንያዕቆብ ኢየሩሳሌም ስለዝበጽሓቶ ናይ ቀደም ተንኮሎም ዘኪሩ፡ ንጎይታ “ካብ ንኣይሁድ ምስትምሃርሲ  ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ምምህር ምሓሸኒ” በሎ። ጎይታ ድማ “ናብታ ዕጫኻ  ዝበጽሓትካ ስቕ ኢልካ ኪድ እሞ ትምህርትኻ ተቐባልነት ክረክብ እዩ፡ ኣብኣ ድማ ኤጲስቆጶስ ክትሽየም ኢኻ፡ ዕረፍትኻ ውን ኣብኡ እዩ” ኢሉ ኣጸናንዖ።  ብድሕሪ እዚ ሓዋርያት ኣብ ደብረዘይቲ ተኣኪቦም ኣእዳዎም ዘርጊሖም  “ኣምላክ  ኣኅዜ ኩሉ ስምዓነ  ወኅቦ ኅይለ ለያዕቆብ”  ኢሎም ጸሎት ገይሮም ኤጲስቆጶስ ሸይሞም ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብጽሕዎ። ኣብኡ ድማ ወንጌል ክሰብኽ ጀመረ።  ሽዑ ጎይታ “ስለስመይ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም” ከምዝበሎም ጸላእቲ ተላዕልዎ ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ወጺኡ ከኣ ናብ ካልእ ገዓዘ። ክግዕዝ ከሎ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ረኸበ እሞ “ምስኻ  እንዶ ግዳ  ኣቀንየኒ” በሎ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ ፍቕደኛ ስለዝነብረ፡ ብሓደ ሓቢሮም ናብ ቤቱ እንዳኸዱ ከለዉ፡ ሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብኣይ ኣብ መንገዲ ተጉነፎም፡ እቲ ኣብቲ ሰብኣይ ዝነበረ ጋኔ “እንታይ ገይረ እየ ኣብ ዘለኽዎ ቦታ መጺእኻ ትህውኸኒ”  በሎ።  ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ገሰጾ እሞ እቲ ጋኒነ ካብቲ ሰብኣይ ከምትኪ በኒኑ  ወጽአ። እቲ ምስኡ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብኣይ ድማ ነዚ ተኣምር እዚ ርእዩ “በል ኣነሲ ተራ ሰብ መሲላካኒ ደኣ እየ እምበር፡ ከምዚ ዝተዓዘብኹካ ኣብ ቤተይ ክትኣቱ ብቕዓት የብለይን እንተኾነ እቲ  ክገብሮ ዝግብኣኒ ግዳ ንገረኒ” ኢሉ ብትሕትና ተንበርኪኹ ሰገደሉ።  ሓዋርያ ያቆብ ድማ ምስኻ ክኸይድ እየ ብምባል ምስኡ ናብ ቤቱ ኣትዩ ወንጌል ምሃሮ እሞ ምስኩሎም ስድራቤቱ ድማ ኣጠመቖም።  እምነት ናይቶም ዝተጠመቑ ርእዮም ድማ ብዙሓት ሰባት ሕሙማቶም ሒዞም ናብ ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ እንዳመጽኡ ተፈወሱ። ኣብቲ ዝኸዶ ቦታ ድማ ካህናትን ዲያቆናትን ገይሩ ሸይሙ ወንጌል ከምዝሰፍሕ ገበረ። ብድሕሪ እዚ ናብ ኢየሩሳለም ተመልሰ። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኣመንቲ ከኣ ምምጽኡ ሰሚዖም “እንቋዕ ብሰላም ተመለስካና” እንዳበሉ ንእግዚኣብሔር እንዳኣመስገኑ በጽሕዎ። ኣብኡ’ውን ንብዙሓ ሰባት ኣእሚኑን ኣጠሚቑን ብዙሕ ድንቂ ዝኾነ ተኣምራትን ገይሩ ብሽምግልና ብዕለት ፲፰/18 ሓምለ ኣብ መበል ፻፳/120 ዕድሚኡ ብሰላም ዓረፈ

                                    ሰላም ለያዕቆብ በኅበ ማርያም ዘተሓፅነ

                                    ዕጓለ ማውታ እምእሙ እምጣነ ውእቱኮነ

                                   ዝንቱ ጻድቅ እኅወ እግዚእነ

                                   ኢያብኣ ውስተ ኣፋሁ ወወይነ

                                  ወኢገበረ ሎቱ ክልኤተ ክዳነ።

             በረኸቱን ረድኤቱን ምስኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን! ኣሜን!  

                         ስብሓት ለእግዚኣብሔር

                          ወለወላዲቱ ድንግል

                           ወለምስቀሉ ክቡር

                              ኣሜን!

 

Sorry, comments are closed for this post.