Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፰/18 ሕዳር ዕረፍቲ ሓዋርያ ፍሊጶስ/ november 18, THE DEATH OF THE APOSTLE PHILIP

             

              በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!

        ፲፰/18 ሕዳር ዕረፍቲ ሓዋርያ ፍሊጶስ

    ፊሊፖስፍሊጶስ ማለት ስዉር ቦታ፡ ፈታዊ ኣሕዋት ማለት እዩ። ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት፡ ሃገረ ስብከቱ ኣፍራቅያ እዩ።  ነገዱ ድማ ካብ ነገደ ዛብሎን እዩ። ቅዱስ  ሓዋርያ ፊልጶስ ኣብታ ዝበጽሓቶ ሃገረ ስብከቱ ምስከቱ ብዛዕባ ጎይታ ካብ ጽንሰቱ ክሳብ ዕርገቱ መሃሮም እዚ ነገር እዚ ግና ነቶን ህዝቢ ጋሻ ስለ ዝነበረ ተቓውሞታት ኣለዓዓለ። ብዘይካ እዚ’ውን ሕሙማት ይፍውስ ስለ ዝነበረ  ብዙሓት  ብትምህርትን ተኣምራትን ቅዱስ ፍሊጶስ ይኣምኑ ነበሩ። ሓደ ግዜ ምስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ከተማ ምስ በጽሑ ኤላውትሮስ ዝተባህለ ጋኔን ዝሓደሮ ረኸቦም እሞ ብስም እግዚኣብሔር ካብ ሕማሙ ፈዊሶም ሒዞም ናብ ከተማ ኣተዉ።  ኣብታ ከተማ ድማ ሓደ ዓቢ ዓንዲ ስለ ዝነበረ ነቲ ዝሓወየ ሰብ ኣብዚ ደይብካ መስክር በልዎ። እቲ ዓንዲ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝነበረ ክድይብ ኣይከኣለን እንተኾነ  እቲ ዓንዲ ብተኣምር ንታሕቲ ወረደ ፡ እቲ ዝሓወየ ኤለውንትሮስ ንብቲ ዓንዲ ደየበ እቲ ዓንዲ ድማ ናብ ዝነበሮ ንላዕሊ ተመልሰ። ኣብኡ ኮይኑ ክምስክር ከሎ፡ ምድሪ ተናወጸት፡ ብስምባደ ዝሞቱ እውን ኣይተሳእኑን። እቶም ዝተረፉ ድማ “ኣመነ በእምላክክሙ ይእዜሰ ኣድኅኑነ ከመ ኢንሙት” ብኣምላኽኩም ኣሚንና ስለዘለና ከይንመውት ኣድሕኑና በልዎም። ንሳቶም ድማ ምሂሮም ኣጥመቕዎም።

    በዚ ከኣ ነቲ ህዝቢ ካብ ገቢረ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር መለሶም።  በዚ ዝቐንኡ ነቢያት ሓሶትን ካህናት ጣኦትን ከኣ ” ነዚ ሰብ እዚ ቀልጢፍና እንተዘይቀቲልናዮ ኣየንብረናን እዩ” ኢሎም ካብ ንጉስ ፍቓድ ወሲዶም ንቑልቁል ሰቐልዎ። ነፍሱ ክሳብ እትሓልፍ ከኣ ብስቑሉ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ።  እዚ ከይ ኣኽሎም ድማ ከም እንደገና “እዚ ሰብ እዚ ስቕለት ጥራይ ኣይኣኽሎን እዩ ከነቓጽሎ ኣለና” ኢሎም ድማ ሓዊ ኣጎዱ።  እንተኾነ እግዚኣብሔር መልኣኹ ንስጋ ቅዱስ ሓዋርያ ፊልጶስ እናረኣይዎ ናብ እሶም ክበጽሕዎ ዘይክእሉ ቅዱስ ቦታ ወሰዶ። ነዚ ዝረኣዩ ሓዊ ዘንክሱ ዝነበሩ ይኹን ካልኦት ሰባት ኩሎም ከኣ “ብዘይካ ኣምላኽ ፊልጶስ ካልእ ኣምላኽ የልቦን” እና በሉ  ሓደ ከየተፈ ኩሎም ኣመኑ።  ምስ ኣመኑ ድማ ንስጋ ፊልጶስ ክህቦም ኩሎም ብሓባር ናብ እግዚኣብሔር ስለዝለመኑ እግዚኣብሔር ድማ ንስጋ ሓዋርያ ፊልጶስ ሃቦም። በቲ  ዝገበረሎም ውዕለታ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ድማ  ንስጋ ሓዋርያ ፊልጶስ ብኽብሪ ቀበርዎ።

                                   ሰላም ለፊልጶስ ጽዑረ ሥጋ በመቅሠፍት

                                 ወለኢላውትሮስ ርጉዝ በብልሐ ኲናት

                                 ምስለኣንትያ ይባኡ ኅበ ተርኅወ ገነት

                                ያሩጸኒ መዓዛሆሙ ወጼናሆሙ ዕረፍት

                                 ልዝ ሓዋርያ ወለዝ ሰማዕት።

  በረኸትን ኣማላድነት ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ፊልጶስ ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

                  ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                  ወለወላዲቱ ድንግል

                  ወለመስቀሉ ክቡር

                  ኣሜን!

 

 

Sorry, comments are closed for this post.