Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲፱/19 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለአቡነ ሰይፈ ሚካኤል (1ይ ክፋል)/ 19 TKMTI EREFTU LEABUNE SIEFE MICHAEL (1st part)

                      በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!    

                ፲፱/19 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለአቡነ ሰይፈ ሚካኤል (1ይ ክፋል)

     abune siefe mikaiel  ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ካብ ኣቦኦም ዓምደ ሚካኤል ኣዴኦም ሂሩ ተማርያምን  ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ደርሰነይ (ዘርእሰናይ) ዝተባህለ ዓዲ ተወልዱ። ወለዶም  ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ፡ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ዝነብሩ ቅዱሳን ሰባት ነበሩ።  ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ቤት ኣቦኦም ብክንክን ዓብዮም ንዓቕመ ትምህርቲ ምስ በጽሑ፡ ወለዶም ብልሓትን ፍልጠትን ዝመልኦም ምዃኖም ኣስተውዓሉ። ስለዚ ኸኣ ኣቦኦም ናብ መምህር ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ወሲዶም፡ ጕዳይ ወዶም ኣረዲኦም ብመንፈሳዊ ጸጋ ክዓብዩሎምን ክመሃሩሎምን ከምዝደልዩን ድኅሪ ምግላጽ፡ ተጊሆም ክምህሩሎም ድማ ተማኅጸንዎም። እቶም መምህር ኸኣ እናተሓጐሱ ተቐቢሎም ኣብ ቤቶም ኣእተዉዎም። ካብ ቃል ትምህርቲ ኣትሒዙ ኸኣ መዝሙረ ዳዊት፡ መጻሕፍተ ነቢያትን ሓዋርያትን፡ ናይ ማኅሌታይ ያሬድ ትምህርቲ ብሉያትን ሓዲሳትን ኵሉ ኸኣ መሃርዎም። ኣቦና ብሩህ ልቦና ዝተዓደሉ ስለዝነበሩ ኸኣ ነቲ ዝተማህርዎ ትምህርቲ እናመቀሮም ቑልብ ቑልብ የብልዎ ነበሩ። ነቶም ዝተመሃርዎም መጻሕፍተ ብሉያትን መጻሕፍተ ሓዲሳትን ኸኣ ብትርጉም የኺድዎ ነበሩ። ነቶም መጻሕፍቲ እናገንጸሉ ብቓሎም ይትርጒምዎ ነበሩ።  ገና ተማሃራይ ከለዉ ኵልሳዕ ናይ ቅዱሳን ገድልን ዜናን ምስማዕ ይፈትዉን፡ ክሳብ ምሸት’ውን ምጻምን ምስጋድን ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስን የዘውትሩ ከምዝነበሩ ገድሎም ይገልጽ። ብትሕትና ኸኣ እግሪ ኣኅዋት ንምሕጻብ ይኹን ንዝኾነ ነገር ብትሕትና ንምምልላስ ትጉህ ከምዝነበሩ ይግለጽ። 

ማዕርገ ዲቁና ክሽየሙ ምስ ሓሳቡ ኸኣ ናብቶም ጳጳስ ወሰድዎም። ገና ሕጻን ከለዉ ኣቦኦም ናብቲ መምህር ቤተ ክርስቲያን ምስ መወሰድዎም እቶም መምህር ብግርማ ሞገሶም ከምዝተደንቑን ትንቢት ከምዝተዛረቡሎምን ሕጂውን እቶም ጳጳስ ገጽ ኣቦና ምስ ረኣዩ ተገረሙ። ካብ ኣዘራርብኦምን ጣዕሚ ቃላቶምን ድማ ፈተዉዎም። መዓርገ ዲቁና ሂቦም ኸኣ ኣፋነውዎም። ተመሊሶም ድማ ብትሕትና ኣብ ቤተ ክርስቲያኖም እናገልገሉ ንወለዶምን ኣኅዋቶምን እናተኣዘዙ ይቕመጡ ነበሩ። 

ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዋላ ኣሓ ከውፍሩ ከለዉ ንሶም ኣብ በረኻ ኮይኖም ኣብ በዓቲ ብምእታው ብዙኅ ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ነቲ ዝተዋህቦም ስንቂ ድማ ንድኻታት ብምሃብ ንሶም ብጾም ምሉእ መዓልቲ የሕልፍዎ ነበሩ። ስለቲ ጽቡቕ ግብሮምን ኣብነቶምን ኸኣ እቶም ዓበይቲ ካብ ልቦም ይምርቕዎም ነበሩ። ኣቦና ግና ነቲ ቃለ ወንጌል ከንብቡ ከለዉን “ካባይ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝፈቱ …” “ንሰብ ኵሉ ዓለም ረቢሑስ….” “መስቀለይ ኣልዒሉ ዘይስዕበኒ” ዝብሉ ቃላት ከስተንተንዎም ምስ ጀመሩ እቲ ናይ ምናኔ ሓሳባቶም እናኃየለ መጸ።                                                            

    ኣቦና ዝኣክል ትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር እናተምሃሩን እናፈልጡን በቲ ሓደ፡ ነፍስኻ ንእግዚአብሔር ፈሊኻ ስለ ጽድቂ ምስዳድን ብቅድስና ምንባርን ኸኣ በቲ ካልእ ኣብ ልቦናኦም ይመላለስ ስለዝነበረ፡ ነዚ ንምፍጻም ወትሩ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ይልምኑ ነበሩ። ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ ኣቦና ኣቡነ ሰይፈሚካኤል “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።” ንዝብል ቃል ወንጌል ንምፍጻም ሕቖኦም ተዓጢቖም ተላዕሉ። ካብ ቅድም ኣትሒዞም ዝብህግዎ ትእዛዝ ብምንባሩ ኸኣ ንዓለምን ኣብ ዓለምን ዘሎ ኵሉ ንድኅሪት ገዲፎም መስቀሉ ጸይሮም ኣብ በዓትታትን ገዳማት ዞሩ። ሓሳቦም ፍጹም መንፈሳዊ ስለዝነበረ ምናኔ ጥራይ ይረኣዮም ነበረ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ኸኣ ከምቲ ባዕሉ ዝመርሖም ንደቡብ ኣቢሎም ድኅሪ ምኻዶም ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣውራጃ ሽሬ፡ ቂርቆስ ዝስሙ ኣድያቦ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ በጽሑ። እዚኣ ገዳም ኸኣ ናይ ኣቡነ ኖላዊነ ኄር መካነ መቃብሮም እያ። ብስሞም’ውን ገዳም ኣቡነ ኖላዊነ ኄር ተባሂላውን እትጽዋዕ ገዳም እያ። ኣብቲ ገዳም ኸኣ ብጽቡቕ ተቐበልዎም። ንሶም ድማ እናተሓጐሱ ነቲ ዝተበገሱሉ ዕላማ መስቀል ንምፍጻም ህይወት ምንኵስናን ናብራ ምናኔን ብዝግባእ ካብቶም መነኮሳት ይመሃርዎ ነበሩ። ኣቦና ኸኣ ነቶም አበው መነኮሳት ብትግሃት እናረድኡ የገልግሉ ነበሩ። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ መነኮሳት ከኣ በቲ ትግሃት ዝመልኦን ሰናይ ኣገልግሎቶምን ተጋድሎኦምን ትሩፋቶምን ይድነቑ ነበሩ። ጾምን ጸሎትን ኸኣ የዘውትሩ ነበሩ። እቶም መነኮሳት’ውን ንኣቦና ብዝሃቦም ጸጋ ንእግዚአብሔር የመስግንዎ ነበሩ። ካብ ብዝሒ ገድሎምን ጽንዓቶምን ዝተላዕለ ኸኣ መልክዖም ከም በረድ ጻዕዳ ክሳብ ምዃን ይበጽሕ ነበረ። አቡነ ዕንቁብርሃን ከኣ ትሩፋት ገድሎም ምስ ረኣዩ ይደልዎ ኢሎም ልብሲ ምንኵስናን ኣስኬማ መላእክትን ኣልበስዎም። ኣቦና ድማ እቲ ረዚን ማዕርግ ምንኵስና ምስ ተቐበሉ ከኣ ብዝያዳ ነቲ ጾምን ጸሎትን ክውስኽሉ ተራእዩ። ብግልጺ ንሰይጣን ክሳዕ ዝስእርዎ ድማ ፍቕዲ ዘይብሉ ጽኑዕ ገድሊ ተጋደሉ። በዚ ዓይነት’ዚ ስራሕ ኸኣ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣቦኦም ዕንቁብርሃን ብዙሕ ዓመት ኣገልገሉ። 

     ኣቦና ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመት ትሑት ኣገልግሎትን ርድእናን፡ እግዚአብሔር ብዘመልከቶም ካብ ኣቦኦም ዕንቁብርሃን ተባሪኾም ኣብ ከባቢ ሩባ ተከዘ ናብ ዝርከብ ገዳም ዋልድባ ከዱ። ኣብዚ ጽኑዕን ዓቢይን ገዳም ኣትዮም ድማ ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ቅዱሳን ቡራኬ ተቐቢሎም፡ ንዝያዳ ተጋድሎ ምንኵስና ከኣ ካብዚኦም ኣቦታት ክመሃሩ ድሌቶም ኮነ። ኣብኡ ከኣ ነቲ ጽኑዕ ትምህርቲ ምንኵስና እናተምሃሩ ፍጹም ንዓታቶም መሰሉ። ቆጽልን ሱር ዖምን (ቋርፍን) እምበር እኽሊ ኣይለኽፉን ነበሩ። ስርዓት ናይዚ ጽኑዕ ገዳም’ውን ከምኡ ነበረ። ጸጋ ዲበ ጸጋ እናወሰኹ ኸኣ ከዱ። ድኅሪ ዝተወሰነ ጊዜ ኸኣ እቶም ናይ ዋልድባ ቅዱሳን ንኣቦና ሰይፈሚካኤል ጸዊዖም “ክቡር ሓውና ክፍልኻ ምድረ ሓማሴን እያ እሞ ናብኣ ኪድ” በልዎም። ንሶም ድማ ቃል ናይቶም ቅዱሳን ኣቦታት ኣኽቢሮም ናብ ወገሪቖ (ሊባን) መጹ። ንሳ ኸኣ ዝተቐደሰት ገዳሞምን መካነ መቃብር ናይ ኣቦኦም ተክለሃይማኖትን እያ። ኣብኣ ኸኣ ኣበምኔትን መምህርን ኮይኖም ከምኡውን ምስቲ መፍቀሬ ትሕትናን ጽምዋን ዝኾነ ገርሂ ሓዎም ኣባ ሕርያቆስ ከም ስርዓት ጳኵሚስን አርሳንዮስን ዝተሓርየ ናይ ሓድነት ሕጊ ምንኩስና ሰርዑ። እቲ ገድሎም’ውን “ወተፈውሰት ምድረ ሐማሴን በምጽአቱ ለብፁዐዊ ሰይፈሚካኤል” (ብምምጻእ ንኡድ ክቡር ዝኾነ ሰይፈሚካኤል ሓማሴን ደሓነት) ይብል። እዚኦም ክልተ ቅዱሳን ከኣ ብፍጹም ፍቕሪ ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ። ብሓባር ድማ ኣብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍአ) ናብ ዝርከቡ ኣሕዋቶም መነኮሳት ብምኻድ ብቃለ እግዚአብሔር የዕልሉ ነበሩ። ዕለት ዕለት ከኣ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኾምን ሰብን ብጸጋን ብሞገስን ይመላለሱ ነበሩ። ናይ ለዋሃቶምን ናይ ትሩፋቶምን ወረ ከኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ኵሉ ተሰምዐ፤ ከም ሓዋርያት ድማ ናይ ስሉስ ቅዱስ ርቱዕ ሃይማኖት ኣብ ምሉእ ምድሪ ሓማሴን (ማእከላይ ክፋል ኤርትራ) እናተዘዋወሩ ይሰብኩን ይምህሩን ነበሩ። ብድሕሪኡ ከኣ ኣቦና አቡነ ሰይፈ ሚካኤል በቲ ካብ ኣቦታቶም ርቱዓነ ሃይማኖት ዝተማሃርዎን ዝግለጸሎም ዝነበረ መንፈሳዊ ጸጋ፡ ቃል እግዚአብሔር እናምሃሩ ካብ ምድሪ ሓማሴን ናብ ምድሪ ዓንሰባ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ይፍጽሙ ነበሩ። ካብ ምድረ ዓንሰባ እውን ተበጊሶም ወንጌል እናሰበኩን ቃለ ሃይማኖት እናመሃሩን ኣብ ኵሉ ምድረ መታሕት (ጋሽ ባርካ) በጽሑ። እቲ መንፈሳዊ ትምህርቶም ከኣ ናብ ኵሉ ምድረ ቦጎስ ኣብ ኵሉ በረኻ ክሳዕ ዝስማዕ ኮነ። ብለዋሃትን መንፈሳዊ ሓይሊ ብምርኣይን ምድረ ቦጎስን ሓባብን ኣስገደን ከምኡውን ክሳብ ወሰን ሰቲትን ኖባን (ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ዶብ ሱዳንን) ትምህርቶም ክሳዕ ዝመልእ ኮነ። ብሕዝቢ ድማ ዓቢይ ተፈታውነትን ተቐባልነትን ረኸቡ። 

  ድድድ ኣቦና ከም መደብ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም፡ ብፍላይ እቶም ቀዳሞት ሰባኽያነ ወንጌል ሓንሳብ ምስ ሓለፍዎ ኣከታቲሎም ንዘይሰበኹሉ ከባቢታት ብምትኳር ካብ ከረን ክሳብ ዶብ ሱዳን ንዘሎ ከባቢታት ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ወንጌል የስፍሑ ነይሮም። እቶም ቀዳሞት መነኮሳት ሰባኽያነ ወንጌል ኤርትራ ዝኾኑ ከም እኒ ኣባ ሰላማ፡ ኣባ ዮሓኒ፡ ኣባ ሊባኖስ ነቲ ሰሜናዊ ምብራቕ፤ ምብራቓዊን ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ዝያዳ ክሰብኩ ከለዉ፡ ኣቦና ድማ ኣብቲ ዝተረፈ ኣተኲሮም ምስባኾም ክፍለጥ ይከኣል። እዚ ኸኣ ናይ ኣቦና ስብከት ንብምሉኡ ማእከላዊ፡ ምዕራባዊ ደቡባዊ ምዕራብ ከምኡውን ሰሜናዊ ምዕራብ ኤርትራ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ። 

 ኣቦና ኣብ ገዳም ጻዕዳ እምባ ድሕሪ ምእታዎም ከይተረፈ ንተማሃሮኦም እናለኣኹ፡ ንሶም’ውን ባዕሎም እናወጹ ኣብ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል ይቐላጠፉ ነበሩ። እዚ ከኣ ቃለ ወንጌል ክምህሩ ብኣምላኽ ትእዛዝ መጺዎም ስለዝነበረ እዩ። ንሶም ከኣ ንዝሓመሙ እናፈወሱ፤ ብትምህርቶም ሃይማኖት እናጽንዑ ኣብ ኵሉ ይዛዋወሩ ነበሩ። ብደቡብ ክሳብ ከባቢታት ዶብ ኢትዮጵያ ይኹን ብሰሜን ኸኣ ክሳብ ሃገረ ናግራን ይበጽሑ ከምዝነበሩ ኸኣ ገድሎም ኣስፊሑ ይገልጾ። እግረ መገዶም ኸኣ ኣብቲ ዘመን ተላዒሎምን ሰባት የጋግዩ ንዝነበሩን መናፍቓን መልሲ ይህብዎምን ንሕቶኦም ይመልሱሎምን ነበሩ። 

  በረኸቶም ረድኤቶምን ምስ ኵላትና ይኹን። ኣሜን

                                                                     ይቕጽል……..

                          ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                            ወለወላዲቱ ድንግል

                              ወለመስቀሉ ክቡር

                                ኣሜን!

Sorry, comments are closed for this post.