Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲ /10 ጥሪ ጾመ ጋሃድ

       በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!                        

                             ፲ /10 ጥሪ ጾመ ጋሃድ

    ገሃድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ንጾም፡ ስርዓትን መደብን ኣውጺኣ ኣብ ዓመት ሸውዓተ (7) ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ከም ዝህልዉ ገይራ። ዝኾነ ይኹን ክርስቲያን ነዞም ኣጽዋማት እዚኦም ክጾሞም ከም ዝግብኦ ትእዝዝ። እዞም ኣጽዋማት እዚኣቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ 1.   ዓቢይ ጾም 2.ጾመ ስብከት (ነቢያት)  3. ጾመ  ሓዋርያት   4.    ጾመ ፍልሰታ   5. ጾመ ድሕነት (ሮቡዕን ዓርብን) 6.ጾመ ነነዌ 7.ጾመ ገሃድ፦

    ሎሚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንርእዮ ብዛዕባ ጾመ ጋሃድ እዩ። ገሃድ ዝብል ቃል ትርጉሙ ምርኣይ ወይ ምግላጽ ማለት እዩ። እዚ ዕለት እዚ ነዚ ስያመ እዚ ዝተዋህበ ቅድሚ ዓለም ካብ ኣቦ ብዘይ ኣደ ዝተወልደ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ 5500 ዓመት ምስ ተፈጸመ፡ በዓለመ ስጋ፡ በዓለመ ነፍስን ዘለዉ ነፍሳት ስጉኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ምእንቲ ከድሕኖም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ተወሊዱ ሕጊ መጽሓፋዊ ሕጊ ጠባያዊ እናፈጸመ ዓበየ፡ እቲ ዘመን ዘይቁጸረሉ ስጋ ብምውህሃድ ዘመን እናተቆጾረሉ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ከይዱ ብኢድ ዮሓንስ ብማይ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ክብሩን፡ ጎይትነቱን ዝገለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ሎሚ’ውን ታቦታት ኣብ ርባታት ወሪዶም ምሕዳሮም ጎይታ ካብ ገሊላ ናብ ርባ ዮርዳኖስ ምኻዱ ንምዝካር እዩ።

ብተወሳኺ ገሃድ ናይ ረቡዕን ዓርብን ለውጢ እዩበዓለ ጥምቀት ሮቡዕ እንተድኣ ውዒሉ ሰሉስ፡ በዓለ ጥምቀት ዓርቢ እንተድኣ ውዒሉ ናብ ሓሙስ ተለዊጡ ክሳብ ዕርገተ መስዋዕት፡ ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ይጽወም።  ስለምንታይ ምስ ዝበሃል፥ ካብቶም ዓበይቲ 9 በዓላት ብሰንበተ ክርስቲያንን ብዘመነ ትንሳኤን ምጻም፣ ምሕዛን ኣይግባእን እዩ። ፍዳ ዘምጽእ ስለዝኾነ።ምጻምን፡ ምሕዛንንስ ፍዳ የምጽእ’ዩ ምስ ዝብሉ ኣየምጽእን እዩ። እንተኾነ እዞም ዕለታት (በዓላት) እዚኣቶም ግና ብጾምን፡ ብድኻምን ዘይኮነስ ብመንፈሳዊ ደስታ ከነኽብሮም ዝግባእ ዕለታተ ፍስሃ እዮም። “ወዘስ ይጸውም በዕለተ እሑድ ዘውእቱ ዕለተ ትንሳኤ ሓጥእ ወእቱ ወይደልዎ ኩነኔ ወከማሁ ዘይገብር በመዋዕለ ሃምሳ ዘይሃዝን በዕለተ በዓለት ዘእግዚእነ ዘይደሉ ለነ ፈስሓ መንፈሳዊ ቦሙ ወኣኮ ሓዘን”ከም ዝብል (ፈትሃ ነገስት ዓንቀጽ 19)።

 ጾምና ንነፍስና መቐደሲ ንሓጢኣትና መደሰሲ ይግበረልና ኣሜን!!!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

 ኣሜን!!!

Sorry, comments are closed for this post.