Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፲/10 ሓምለ ዕረፍቱ ለናትናኤል ሓዋርያ/10th JULY THE DEATH OF THE APOSTLE NATNAEL

                    በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

                       ፲/10 ሓምለ ዕረፍቱ ለናትናኤል ሓዋርያ

       ናት ናትናኤል ማለት ቀናኢ ለሕገ ኣምላኩ፡ ተንኮል ዘይብሉ ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ዳን፡ ሃገረ ስብከቱ ሰማርያ፡ ቁጽሩከኣካብ 12 ሓዋርያት እዩ።

     ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ ሃገረ ስብከቶም ክከዱ ዕጫ ምስገበሩ ንሓዋርያ ናትናኤል ናብ ሰማርያ በጽሖ። ሓዋርያ ናትናኤል ናብ ሃገረ ስብከቱ ቅድሚ ምኻዱ፡ ጎይታ “ድሕሪ ዕረፍቲ ይዕቆብ(ሓዊጎይታ ዝተሰምየ) ንኢየሩሳሌም ተመሊስካ ኤጲስ ቆጶስ ክትሽየም ኢኻ ። በቲ ንሱ ዘገልግሎ ድማ ከተገልግል ኢኻ” በሎ። ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ናብ ሰማርያ ኣትዩ ወንጌል ሰበኸ፡  እቶም ሰብ እታ ሃገር ድማ “እንታይ ዘይንፈልጦ ሓድሽ ትምህርቲ ኣምጺኡልና” ኢሎም ወቕዕዎ። ካብኣቶም ግና ውሑዳት ብትምህርቱ ኣመኑ። ንሱ በቲ ዝወቕዕዎ ከይሰንበደ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን ኣልጊቡ ወንጌል ሰበኸሎም፡ ከምዚ እናገበር እንከሎ ኣብ መንግኡ ወዲ እቲ ሊቀ ጉባኤ ሞተ እሞ ፡ “ወደይ ስለ ዝሞተ ኣተንስኣለይ” ክብል ናብ ሓዋርያ ናትናኤል መጽአ። ሓዋርያ ናትናኤል ድማ “ብዛዕባ ናይ ወድኻ ሞትሲ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክንልምነሉ ኢና ፡ እንተኮነ ግና ለሚንና ምስተንስአ በቲ ዘተንስኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ዶ ትኣምን ኢኻ” በሎ፧   እቲ ልቀ ጉባኤ ድማ “ጥራይ ንወደይ ዘተንስእ ኣምላኽ ይርከብ እምበር  ክኣምን እየ” በሎ።  ቅዱስ ናትናኤል ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ቆልዓ ኮይኒ ” እዞም ዘይኣምኑ መታን ብኣኻ ክኣምኑ ነዚ ቆልዓ እዚ እተንስኣዮ” ኢሉ ናብ ጎይታ ጸለየ እሞ  እቲ ቆልዓ ህያው ኮይኑ ተንስአ። ነዚ ድንቂ ተኣምር ዝረኣዩ ኩሎም ከኣ ኣሚኖም ተጠምቁ። ብድሕሪ እዚ ኣብቲ ቦታ ቤተክርስቲያን ሰሪሑ ከኣ ካህናትን ዲያቆናትን ሸመሎም  ብድሕሪኡ ከምቲ ጎይታ ኢልዎ ዝነበረ ያዕቆብ ስለዝሞተ ንሱ ኤጲስ ቆጶስ ኮይኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ተሸመ።  ብኤጲስ ቆጶስነት ንቡዝሕ ዓመታት ኣገልገለ ፡ ንብዙሓት ዘይኣመንቲ ከኣ ኣእመነን ኣጠመቐን፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት’ውን ሰርሐ።  በዚ ከኣ እምነት ክርስትና እናኣስፋሕፍሐ፡ እምነት ኣይሁድ ከኣ እናወደቐ ከደ። ነዚ ዝረኣዩ ከሓድያን ድማ ንሓዋርያ ናትናኤል ናብ እንድርያስ ዝተባሕለ ንጉስ  ኣቕሪቦም ከሰስዎ።  እቲ ንጉስ ድማ ንሓዋርያ ናትናኤል ምስ ርኣየ “ኣንታ ሰራዪ ነዛ ዓዲዶ ክትህውኻ መጺእኻ” ኢሉ ተቖጢዑኣዋረዶ።  ሽዑ  ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል “ይእዜሰ እፈቅድ እክዓው ደምየ በእንተ ስሙ ለኢየሱስ”ኢሉ ነቲ ንጉስ “ኣንታ ኣብዲ ኣእምሮ ዘይብሉ፡ እንታይ እዩ በደሉ ከይበልካስ ናይ ሞት ፍርዲ ክትፈርድ ተዳሊኻ” ኢሉ ኣብ ቅድሚ እቲ እኩብ ህዝቢ ኣዋረዶ። እቲ ጨካን ንጉስ  ድማ  “ሕጂ ካብ ቅድመይ ወሲድኩም፡ ገሪፍኩም፡ ናብ መስቀል ስቐልዎ”ኢሉ ንወታሃደራቱ ኣዘዘ፡  ንሳቶም ድማ ገሪፎም ሰቐልዎ። በዚ ከኣ ኣብ 106 ዓ. ም  ብዕለት  10 ሓምለ ኣብ መበል 120 ዓመቱ ሰማእትነት ተቐበለ።

   በረኸቱን ኣማላድነቱን ምስኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን!

                   ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                   ወለወላዲቱ ድንግል

                    ወለመስቀሉ ክቡር

                           ኣሜን   ! 

Sorry, comments are closed for this post.