Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳፩/21 ነሓሰ ዕረፍቱ ለአቡነ አብራንዮስ (ኣቦና)/21 August the Death Of St. Abranius(ABONA) (2ይን መወዳእታን ክፋል)

    ፳፩/21 ነሓሰ ዕረፍቱ ለአቡነ አብራንዮስ (ኣቦና)/21 August  the Death Of St. Abranius(ABONA)(2ይን መወዳእታን ክፋል)

          በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

              ኣቡነ ኣብራንዮስ ዘሕለፍዎ ተጋድሎ

    virgin-mary55-pics-1115ምስቲ ኵሉ ብቕዓቶም ኸኣ ምንኵስናኦም ብዝያዳ እናጽንዑን እናበርትዑን ብገድልን ብትሩፋትን ኸኣ እናዓበዩን መጹ። ኣብ ልዕሊ ገድሊ ገድሊ፡ ኣብ ልዕሊ ትግሃት ትግሃት እናወሰኹ ንሸውዓተ ዓመት ብጀካ ኣባ ኤዎስጣቴዎስ ዝተባህለ ረድኢ ካልእ ከይረኣዮም ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ጸሓይን ወርኅን ከይረኣዩ ድኅሪ ምጽናሕ ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ግና ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ብምምጻእ ናብ ትግራይ ክኸዱ ስለዝነገሮም ብሰረገላ ተጻዒኖም ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከብ መደባይ ወይውን በአተ ሐሞ እግዚእ መጽኡ። ምስቶም ኣረጋውያን መነኮሳት ኸኣ ብፍቕርን ብርድእናን ክቕመጡ ጀመሩ። እንደገና እግዚአብሔር ባዕሉ “እዚኣ ሃገር ክፍልኻ ኣይኮነትን” ብምባል ተንሲኦም ናብ ኤርትራ ማለት ምድረ ሰራየን ሓማሴንን ክሰግሩ ነገሮም። ኣብኡ ኸኣ ምስ ዓበይቲ ሽማግሌታት ምስ ዝኾኑ መነኮሳት ንቝሩብ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሕ ናብ ኤርትራ ነቐሉ። እቶም መነኮሳት ኣኅዋት ከም ሰብ ዘይኮነ ከም መልኣኽ ገይሮም የፍቕርዎም ስለዝነበሩ ብብኽያት ተፋነዉዎም። ካብ ትግራይ ኸኣ ናብ ኤርትራ ሰገሩ። ብመጀመርታ ኸኣ ኣብ ጥቓ መረብ ኣብ ዓይላ ጕንደት ኣብ ዘሎ ገዳም በጽሑ።

ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ድማ እዚ እውን ቦታኻ ኣይኮነን በሎም።  ካብኡ ኸኣ ምድረ በዳ (ምናልባሽውን ጋሽ ገጾም) ኣቢሎም ምስ ከዱ ብዙኃት ሓራምዝ ረኸቡ። ገድልን መከራን ምስ በዝኆም ኣብቲ ሓርማዝ ዝሓልፋሉ ሩባ ምእንቲ ክርገጹ እሞ ክሞቱን ከዕርፉን ኣብ መገዶም ስጥሕ ኢሎም ወደቑ። እቲ መልኣኽ ግና ክትንሥኡ ገንሖምን ካብቶም ሓራምዝ ከኣ ኣናገፎምን። ቅዱስ ሚካኤል ድማ ዕረፍቶም ገና ምዃኑን ብጸሎቶም ዝድኅኑ ከምዘለዉ ሓበሮም። ንሶም ግና ካብቲ ዘለኽዎ መከራሲ ዕረፍቲ ይሕሸኒ ኢሎም ብምምላሶም እቲ መልኣኽ “ተንሥእ መሬታዊ” ብምባል ኣብ የማናይ እግሮም ተንከፎም እሞ ቖሰለት። በታ ኣብ እግሮም ንዝነበረት ቍስሊ ሕጻብ፡ ዝሕጸባን ዝሰትያን መካናት ከኣ ይወልዳ ነበራ። ኣቦና ኸኣ ፈቓዱ ይኹን ኢሎም ድማ ተንሥኡ።  ኣብ ኵሉ እናተዘዋወሩ ኸኣ ትምህርቲ እናሃቡ ተኣምራት ይፍጽሙ ነበሩ። ካብኡ ኸኣ ተላዒሎም ናብ ገዳም ኣቡነ ብፁዕ አምላክ ጽልማ ከዱ። ብኽብሪ ድማ ተቐበልዎም። ኣብኡ ኸኣ ቍሩብ ድኅሪ ምጽናሕ ኸኣ ናብ ደብረ ቢዘን ክነቕሉ ተኣዘዙ። ብዙኅ ተኣምራት እናገበሩን ወንጌል እናመሃሩን ደብረ ኮዳዱ እንዳ ኣቡነ ብፁዕ ኣምላኽ ገዲፎም ኣብ ደመና ተጻዒኖም ደብረ ቢዘን ኣተዉ። ኣብዚ ገዳም ከለዉ ድማ ብጾምን ብጸሎትን ብተጋድሎ ጸንሑ። ኣብኡ ከለዉ ካብ ዝፈጸምዎ ኸኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ከለዉ፡ ሰማንያ ኣግማል ኣብ ነፍስ ወከፈን ሰማንያ ኣጋንንቲ ዝጸዓና ንቅዱሳን ክጻብኣ ክመጻ ከለዋ ርእዮም ገጾም ብትእምርተ መስቀል ብምምዕታብ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፆሩ ይጒየዩ ጸላእቱ እም ቅድመ ገጹ” ኢሎም ምስ ጸለዩ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ተሰዊረን ነፊጸን ናብ ሓደ ጸድፊ ኣተዋ። ከምቲ ጐይታ ነቶም ኣጋንንትን ሓሳማታትን ጌርጌሴኖን ዝገበሮም ማለት እዩ። ንሸውዓተ ወርሒ ዝኣክል ብዓቢይ ተጋድሎ ከኣ ኣብኡ ተቐመጡ። ብድኅሪኡ’ውን እግዚአብሔር ንሃገርና ክዞርዋን ወንጌል እናመሃሩ ኸኣ ክባርኽዋን ስለ ዝኣዘዞም ናብ ጽልማ ሰልዳይት (ሰለ ዳዊት) ብምኻድ ገዳም መሥሪቶም ሥርዓት ሠሪዖም ማኅበር ኣቚሞም መንፈሳዊ ገድሊ ክጋደሉ ጀመሩ። ብዙኃንን ብዙኃትን ሰዓብትን ኣርድእትን ኸኣ ክገብሩ ጀመሩ።  በቲ ኣብ ኣቡነ ብፁዕ አምላክ ዝረኣይዎ ሰብ ዝጀመረ ምትእኽኻብ ብዙኃን ናብኦም ክመጹን ማኅበር ክኣትዉን ጀመሩ።  ኣቦና ኸኣ ሥርዓተ ምንኵስና እናመሃሩ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብረ ምናኔን ጸኒዖም ክጓዓዙ ነቶም ኣርድእቶም ይላበዉዎም ነበሩ። ብዙኅ መንፈሳዊ ምኽሪ ብቀጻሊ ይመኽርዎም ነበሩ። ከምዚ እናገበሩ ካብ ዝተቐመጡለንን ብዙሕ ተኣምራት ካብ ዝፈጸሙለንን ዓድታት ኸኣ እታ ሓንቲ ዓዲ ሰልዳይት እያ።  ኣብኡ ካብቲ ዝገበርዎ ተኣምራት ኸኣ ንሓደ ካብ ኣባርዳእ ዝመጽእ ሰብኣይ ገና ከይተቐለቀለ ከምዚ ዓይነት ሰብ ይመጽእ ኣሎ ብምባል ድኅሪ ምዝራቦም ልክዕ ከምቲ ዝበልዎ እቲ ሰብኣይ መጺኡ ኣብኦም መንኰሰ። ሓንቲ ንእሽቶይ ጓል’ውን ካብ ማዕዶ መረብ መጺኣ ብኢዶም መንኲሳ። ይኹን እምበር ስድርኣ መጺኦም ብኃይሊ ወሰድዋ። ኣቦና በዚ ነገር ጸሎት ምስ ገበሩ ሩባታት ዓዲ ነጸፉ፤ እቶም ስድራ’ውን ብሕማም ብድብድን ተላገብን ተጠቕዑ። ሽዑ እቶም ስድራ ከይፈተዉ በቲ ግብሮም ተጣዒሶም ነታ መነኮሳይት መለስዋ። ብጸሎቶም ድማ ነቲ ዝተኣዘዘ ቍጥዐ ኣህድእዎ። ኵሉ ድማ ከም ቀደሙ ኮነ። 

  Slide 1ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ከባቢታት ኣብ ጐጃም ይኹን ደኣ እምበር ብፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ናብ ኤርትራ ክመጹን ሓዋርያዊ ስራሕ ከበርክቱን ክኢሎም እዮም። ኣብኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊን ማእከላዊን ዞባታት እናተንቀሳቐሱ ስብከተወንጌል ኣካይዶምን ኣስፊሖምን እዮም። ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ ማለት ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ምብጻሕን ዝተፈላለየ ተኣምራት ምፍጻምን ብትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ዓዲ ሰልዳይት መጺኦም ተቐሚጦም ነይሮም። ኣብኡ እንከለዉ ኸኣ “ቦታይ ኣርእየኒ” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ምስ ጸለዩ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገልጸትሎም እሞ ኣብ ደብረ ጥሉል ዓምደብርሃን ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ተተኺሉ ረኣዩ።  ኣዴና ኸኣ በል እዛ እትርእያ ዘለኻ እያ ቦታኻ በለቶም። ከም ገዳመ አስቄጥስ ከም ገዳመቆሮንቶስ ከምገዳም ዋሊ ገይረ ባሪኸያ ቀዲሰያ ኣሎኹ በለቶም። ሽዑ ዘርአብሩክ ዝተባህለ መኰንን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን ሰሪሑ ምስ ፈጸመ አቡነአብራንዮስ ነቶም ደቆም መነኮሳትን መነኮሳይያትን በቦትኦም ፈላልዮም ስርዓት ገበሩሎም። ክሳብ ሕጂ’ውን ንጸሎትን ቅዳሴን ኣብ ቤተክርስቲያን እንተዘይኮይኑ ናይ መነኮሳትን መነኮሳይያትን ሰፈር በበይኑ እዩ። ናብዚ ገዳም ድማ ብዙኃን እናመጹ ከም ከዋክብቲ ሰማይ ከሰርግዉዎ ጀመሩ። ወረ ኣቦና ኸኣ ኣብ ኵሉ ይስማዕ ስለ ዝነበረ ናብኦም እናመጹ ዝምንኵሱ በዚኆም። እቲ ገዳም’ውን ደልደለ። እቲ ገዳም፡ ገዳም ደብረጥሉል አቡነ አብራንዮስ ተባህለ። መብዛሕትኡ እዋን ግን በቲ ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ዝፈጸምዎ ተኣምር  “እንዳቦና” ተባሂሉ  እዩ ይጽዋዕ። ኣብ ስብከተ ወንጌልን ገድሊ ምንኵስናን ከለዉ ኣቦና ብዙኅ ፈተናን ተጻብኦን ይገጥሞም ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር ንኵሉ በቲ ስሙር ጸሎቶምን መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ብዝገብርዎ ተኣምራታዊ ስርሖምን ይሰግርዎ ነበሩ። ኣቦና ስለታ ርትዕቲ ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ካብ ዝተፈተንዎ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሖም እዋን ከምዝነበረ ገድሎምን ታሪኻዊ ጽሑፋትን ዝገልጽዎ እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ እዋን ንጉስ ተክለሃይማኖት ዝተባህለ ንጉሰ ኢትዮጵያ፡ በቲ ጊዜ እቲ ሩባ ሰጊሩ ንገዛኢ ሰራየ ንዝነበረ ዮሓንስ (አቤቶ ማሞ) ንኣቦናን ንመምህራነ ሕጊ መነኮሳት ደብረ መርቆሬዎስን (ደብረ ድማኅ) ዝኾኑ አባ ላእከ ወልድን አባ መሥዋዕተ ጽዮንን አባ መፍቀሬ ክርስቶስን ከምኡውን ኃረየ ሰባኪን ኣሲሩ ክሰደሉ ኣዘዞ።

 በዚ ትእዛዝ እዚ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሞቕሑ። ኣብኡ ኮይኖም ድማ ብትግሃት ናብ ኣምላኾም ይጽልዩ ነበሩ። ቅዱስ መልኣኽ እናተገልጸ ድማ የጸናንዖም ነበረ። ክፉእ’ውን ከምዘይቀርቦምን ከምቲ ጸላእቶም ዝሓሰብዎ ዘይኮነሲ መረብ’ውን ከም ዘይሰግሩን ገለጸሎም። እቲ ማእሰርቲውን ንጽቡቖም (ንደቆም ምስክር ክኸውን) ምዃኑ ነገሮም። ኮይኑ ድማ ኣቦና በቲ ከባቢ ሕዝቢ ፍቱው ስለዝነበሩ እቶም ሕዝቢ ብፍላይ ሕዝቢ መራጒዝ ኣቦና ኣኅሊፍና ኣይንህብን፡ መረብ’ውን ኣይነስግሮምን ብምባል ተቓውሞ ኣለዓዓሉ። ኣቦና ስለ ተዋሕዶ ሃይማኖት በቶም ዓለውቲ ሃይማኖትን ፈተውቲ ስልጣኖምን መከራ ይበጽሖም ከምዘሎ ብዝተረድኡ ስሌኦም ክሳብ ሞት ክብጸሑ ነሕድሕዶም ማሕላ ገበሩ፡ ዝናገፉሉ ሜላ ድማ ሓሰቡን፡ ምኽሪ ድማ ገበሩን። ነቲ ምኽሪ ድማ ነቲ ገዛኢ ኣካፊሎሞ እኳ እንተነበሩን ነቲ ምኽሪ’ውን ሰሚርዎ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ምኽሪ ጸላእቶም ሰሚዑን ንንጉሰ ፈሪሁን  ሓሳቡ ስለዝቐየረሎም ዓቢ ባእስን ውግን ኣንጻር ገዛኢ ገበሩ። 30 ዝኾኑ ካብኣቶም ከኣ ኣብቲ ባእሲ ተቐትሉ። ኣቦና እዚ ነገር ብዝሰምዑ ሓዚኖም ትሕርምቲ ብምግባር ምብላዕን ምስታይን ኣበዩ። ኣርባዕተ ሱባኤ ምስ ወድኡ ኸኣ እቲ ክእሰሩ ዝኣዘዘ ንጉስ ተክለሃይማኖት ተቐዝፈ። ብኽብሪ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጹ። ቅድሚ ናብ ገዳሞም ምምላሶም ድማ ብዙኃን ቦታታት እናባረኹ ምስ ቅዱሳን እናተራኸቡ እግረ መገዶም ዑደት ኣካየዱ።

ንዕረፍቶም ክልተ ዓመት ክተርፎ ከሎ ነቲ ቅድም ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ካብ ምድሪ ደምቢያ ኣትሒዙ ዝተኸተሎም አካለ ክርስቶስ ንዝተባህለ ተመሃራዮም “ቀዳማይ ወደይ መስቀለይን መንበረይን ሂበካ ኣሎኹ” በልዎ። አባ አካለ ክርስቶስ ኣሽንኳይዶ ብሕይወትኩም እንከሎኹም ብድሕሬኹም እንተኾነ’ውን ኣብ መንበርኩም ክቕመጥ ኣይደፍርን እየ በሎም። ትሕትና እዞም ኣቦታት ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ንሶም ግና “እዚ ብናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ ብናይ ጐይታ ቃል እዩ ዝብለካ ዘሎኹ” ምስ በልዎ ሕራይ በለ። ሽዑ ኣቡነ አብራንዮስ ንምሉኣት ማሕበር ኣኪቦም ብድሕሪኦም ንኣባ አካለ ክርስቶስ ከም ዝሾሙሎም ገለጹሎም። ደጊም እቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ዕድመ ከም ዝኣኸለ ኣፍለጥዎም። ኣብ መወዳእታ ጐይታ ምስ ቅድስት ኣዲኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲን ተዓጂቡ ብምምጻእ ከምቲ ንዅሎም ቅዱሳን ዝሃቦም ቃል ኪዳን ንኣቡነ ኣብራናዮስ’ውን ቃል ኪዳን ሃቦም። “ኦ ፍቁረይ ኣብራናዮስ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሃነጸ፡ ኣብ ገዳምካ ዝመንኮሰን፡ መጽሓፈ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘንበበን ኃጢኣቱ ክስረየሉ ኣብቲ ዘይሓልፍ መንግሥተይ’ውን ንዘለዓለም ከንብሮ እየ።” ዝብል ቃል ኪዳን ተዋህቦም። ጐይታ ባዕሉ’ውን ስለቲ ሓዋርያዊ ትግሃቶምን ሰማእትነቶምን ድንግልንኦምን ብቃሉ ሰለስተ ኽብሪ ሃቦም። ንእሽቶ ሕማም ኸኣ ሓሚሞም ብ 21 ነሓሰ ነፍሶም ካብ ስግኦም ተፈልየት። ነፍሶም ከኣ ብኢድ መላእኽቲ ብኽብሪ ናብቲ ናይ ዘለዓለም መሕደሪኣ ከደት። መቓብሮም ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን (እንዳ ኣቦና) ንበይኑ ቤተ ክርስቲያን (ቅድስት ማርያም) ተሰሪሑሉ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፤ ጥቓ እቲ መቓብሮም ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣቦና ደው ኢሎም ዝጽልዩሉ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ፤ ክልተ ኣእማን ኣለዋ። ነዘን ኣእማን ድማ ግብጻውያን ጳጳሳት ስለ ክብሪ ኣቦና ክብሉ ይሳለምወን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እዚ ኸኣ ዜና ገድሊ ኣቦና ካብ ሃገርናን ካብ ኢትዮጵያን ሓሊፉ ግብጺ በጺሑ ከምዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ።

                       ሰላም ለከ አብራንዮስ ፍጹም፡

                      ዘድብረ ልምላሜ ሥዩም፡

                     በረከተ ሰማይ ወምድር እስመ ተውህበከ ዮም፡

                   ባርከነ ለደቂቅከ በቡራኬ ብዙኅ ሰላም፡

                    ከመ ባረኮሙ ኖኅ ለያፌት ወሴም።

             በረኸትን ኣማላድነትን ኣይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣብራንዮስ ምስኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን !!!

                             ኣሜን!!!

                                  ስብሃል ለእግዚኣብሔር 

                                  ወለወላዲቱ ድንግል

                                  ወለመስቀሉ ክቡር

                                      ኣሜን!!

Sorry, comments are closed for this post.