Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳፩/21 ነሓሰ ዕረፍቱ ለአቡነ አብራንዮስ (ኣቦና)/ 21 August the Death Of St.Abranious(ABONA) (1ይ ክፋል)

     ፳፩/21 ነሓሰ ዕረፍቱ ለአቡነ አብራንዮስ (ኣቦና) /21 August the Death Of St.Abranious(ABONA)  (1ይ ክፋል)

                                                    ታሪኽ ኣቡነ ኣብራንዮስ

  a4 tarik gedamatna ኣብራንዮስ ማለት ‘አብራ’ ማለት ኣብርሃ(ብርሃን) ማለት ክኸውን ከሎ፡  ‘ዮስ’  ማለት ከኣ ፀሓይ ማለት እዩ። ስለዚ ትርጉም ስሞም ብርሃን ፀሓይ – ብርሃን ዓለም ማለት እዩ።  ኣቡነ ኣብራንዮስ ካብ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ ብሃይማኖቶም ጽኑዓት ካብ ዝነበሩን ስድራ እዮም ተወሊዶም። ኣቦኦም ወልደ ክርስቶስ ኣዴኦም ከኣ ወለተ ትንሳኤ  ይበሃሉ። እዞም ስድራ ገለ ካብቲ ሰናይ ግብርታቶም ከኣ ንዝጠመዩ ምብላዕ፡ ንዝዓረቑ ምኽዳን ንድኻታት ምምጽዋት ምንባሩ ብፍሉይ ይግለጽ። ትውልዶም ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ምብራቕ ጎጃም ከባቢ እነብሴ (ካናት) ኣብ ዝተባህለ ዓዲ እዩ። “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ ውስተ ሃገረ ጐጃም እምአድያመ ‘እነብሴ’ እንተ ይብልዎ ካናት ዘስሙ ወልደ ክርስቶስ፡ ወስሙ ብእሲቱ ወለተ ትንሳኤ” ከምዝብል እቲ ገድሎም።

  ወለዲ ኣቡነ ኣብራንዮስ ዋላ እኳ ብፍቕርን ብሃብትን ዝተጸገዉን፡ እግዚአብሔር ክልተ ኣዋልድ ባሪኹ ዝሃቦምን እኳ እንተነበረ፡ ምስቲ ኵሉ ሃብቶም’ውን ካብኡ ንላዕሊ ክወልዱ ይብህጉ እንተነበሩ ውላድ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ኸኣ ነተን ክልተ ኣዋልድ ደቆም ኃው ዝኾነን ፈቓድ እግዚአብሔር ዝፍጽም ውላድ ክህቦም ናብ ፈቖዶ ገዳማት ብምኻድ ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩን ንነዳያን ከኣ ይምጽውቱን ነበሩ።ብዝያዳ ኸኣ ኣዲኦም ወለተ ትንሳኤ ናብ ገዳማትን ኣረጋውያን መነኮሳትን እናኸዳ ጸሎቶም ይምኅጸና ነበራ እሞ፡ ብቝዓት ባሕታውያን ወዲ ከምዝወልዳ ይነግርወን ነበሩ። እቲ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ንቅዱስ ሚካኤል ልኢኹ ንእግዚኣብሔር ዘስምር ወዲ ከም ዝወልዳ ኣበሰረን።  ወላዲት ኣቦና ዝኾና ወለተትንሣኤ’ውን ከምቲ ዝተበሰረኦ ንኣቦና ጸኒሰን። ይኹን ደኣ እምበር ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ንሰማዒኡ ይኹን ንነጋሪኡ ዕፁብ ዝኾነ ሓደ ፍሉይ ተኣምራት ክፍጸም ጀመረ። እዚ ኸኣ እቲ ልሙድ ወርሓት ጥንሲ እኳ እንተሓለፈ ኣቦና ካብ ማኅፀን ኣዲኦም ክወጹ(ክውለዱ) ፈቓዶም ስለዘይነበረ ካብቲ ንቡር ጊዜ ኣዝዮም ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ደንጒዮም። ሓደ  ክልተ ሠለስተ … ዓመት እናበለ ኸኣ እቲ መዋዕል ጥንሶም ዓመታት ክፍቐድ ጀመረ። ኣብቲ ዘመን እቲ ሓጸይ ሱስንዮስ ዝተባህለ ንጉስ ኣብ ዘመን ወራር መሓመድ ግራኝ ንኣቦኡ ክሕግዙ ንዝመጹ ወተሃደራት ፓርቱጋል ተጸጊዖም ምስ ዝኣተዉ ‘ሰበኽቲ’ ካቶሊካውያን ተመሓዝዩ ስለ ብዙኅ ‘ረብሓታት’ ሃይማኖቱ ናብ ካቶሊኽ ዝቐየረሉን ንሕዝብ’ውን እምነቱን ስርዓቱን ክቕይር የግድድ ዝነበረሉ ዘመን ኸኣ ነበረ። ነዚ ከተግብር ኸኣ ግዱድ ኣዋጃት ኣወጀ። ብዙኃን በብወገኖም ብፍላይ ከኣ ብካህናትን መነኮሳትን ዝተመርሑ ገባራት ሓረስቶስ ወልድ ዋሕድ እትብል ጥንታዊ ሃይማኖት ኣቦታትና ኣይንልውጥን ብምባል ትእዛዙ ስለዝነጸግዎ መከራ ኣጽኒዑሎም። ምኽሪ ዓበይቲ ምስማዕ ኣብዩ ኸኣ ብዙኃን ስለ ሃይማኖቶም ዝተሰዱሉን ሰማእትነት ዝተቐበሉሉን እዩ ነይሩ።

 እዚ ንስጥሮስ ዝዘርኦ፡ ሊዮን ዘብቖሎ ብናይ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ ውግዘት ሰይፊ ዶብ ዝተገብረሉ ፍልልይ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ሱስንዮስ ክፍሪ እኳ ጀሚሩ እንተነበረ ብመርገም አበው፡  ብናይ እግዚአብሔር መቓጻዕቲ ቅድሚ ምምላሱ ብዙኅ ዕንወት እዩ ኣኸቲሉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ እዩ እምበኣር “ኣብ ዘመን እዚ ከሓዲ ንጉስ ኣይውለድን” ብምባል እቶም ካብ ማሕጸን ኣዲኦም ጀሚሮም ዝተኃርዩ ኣቦና፡ ክሳብ ስሱንዮስ ዝመውት፡ ዘመን ክሕደት ኣየርእየኒ ብምባል ን 7 ዓመትን 6 ወርሕን ዝኣልክል ኣብ ማህጸን ወላዲቶም ጸንሑ።  

ኣቦኦም ወልደ ክርስቶስ ግና እዚ ጒዳይ ስለዘተሓሳሰቦም፡ ንበዓልቲ ቃል ኪዳኖም ወለተ ትንሳኤ “እዚ ነገር’ዚ እንታይ እዩ ነገሩ” በልወን። ንሰን ግና “እግዚአብሔር ዝፈቐዶ ይግበር፡ ኵሉ ዝከኣሎ ንሱ እዩ ግና ባዕሉ ዝገብሮ ጥበብ ክሳዕ እንርኢ ብእምነት ልብና ነጽንዕ” በለኦም። ንሶም’ውን “እቲ ኣሚንክዮ ዘሎኺ ንሱ ኣየሕፍርኪ ዋጋኺውን ኣየጥፍኣልኪ” ድኅሪ ምባል ነቲ ዝገብርኦ ዝነበራ ምጽዋት ከይጕድላ ተላበውወን።

  እዚ ተኣምር’ዚ መዛረቢ ጐረባብትን ዓድን ምዃኑ ኸኣ ኣይተረፈን። ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ሕጻን ዘይውለድ ብምባል ኸኣ ንኵሉ ኣስተንኪርዎ ነበረ። ጽንሲ ድዩ ሕማም ዝብል ዘረባ’ውን ኣብ ኵሉ ይስማዕ ነበረ። በዚ ነገር ዝተገረማ ሓዊ ክልምና ዝመጻ ጐረቤት “እግዝእትየ ዐቢይ ወግሩም ወልድ ሀሎ ውስተ ከርስኪ” (እምበይተይ ግሩምን ዓቢይን ወዲ ኣብ ከርስኺ ኣሎ) ክብላ ተዛረባ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ኸኣ ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ዘረባ እታ ጐረቤት ምስ ሰምዑባህ ኣየበሎምን፤ ኣፍ ኣውጺኦም ከኣ “ምንት ብየ ምስሌኪ ኦ ብእሲቶ መፍትው ለኪ ትንስኢ እሳተኪ ወትሑሪ ኀበ ግብርኪ” (ኣቲ ሰበይቲ ምሳይ እንታይ ኣሎኺ፧ ሓውኺ ለሚንኪ ናብ ስራሕኪ ዘይትኸዲ) ብምባል ነታ ሰበይቲ ዘምጽኣ ጌራ ክትኸይድ እምበር ነቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ መንክራት ከይትምርምር ገሰጽዋ። እታ ሰበይቲ በቲ ዝኾነ ነገር እናተገረመት “ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎስ ክንድ’ዚ ይዛረብ፡ እዝስ ኣብኡ ከሎ ኣሪጉ እዩ” ብምባል እዚኦምሲ “አቦና” እዮም በለቶም። እዚ ስም ኸኣ ካልኣይ መጸውዒ ገዳም አብራንዮስ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ዝበዘኀ ሕዝቢ’ውን ብዝያዳ ‘እንዳቦና’ ብዝብል ስም እዩ ነቲ ገዳም ዝፈልጦ። ብድሕሪ’ዚ ማለት እቲ ከሓዲ ንጉስ ድኅሪ ናይ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ጽንሰቶም ምስ ሞተ ኣቦና ተወልዱ። ወለዶምን ኣዝማዶምን ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ድኅሪ 40 መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ወሲዶም ኣጠመቕዎም። አብራንዮስ ዝብል ስም ከኣ ሃብዎ።

   ምንኵስናን መንፈሳዊ ተጋድሎን

  virgin-mary55-pics-1115 ንወለዶም ብትሕትናን ብስነ ስርዓትን እናተኣዘዙ ኸኣ ዓበዩ። ኣቦኦም ከኣ መጽሓፍ ክመሃሩሎም ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮኑ ናብ መምህር ወሰድዎም። ኵሉ ጥበብን ተግሳጽን ንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትርጓሜኦምን ኸኣ ተምሃሩ። ገና ተምሃራይ እንከለዉ ድማ  ነቲ መግቦም ንካልኦት ተምሃሮ እናሃቡ ብሕቡእ ይጾሙ ነበሩ። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ ድማ ንስድራኦም ገዲፎም ቦታ ጽድቂ ዝኾነ ገዳም ጥንታዊ ገዳም መርጡለ ማርያም(ጐጃም)ብምኻድ ድማ ብርድእና ብትግሃት ኣገልገሉ። ነቲ ትግሃቶም ዝረኣዩ አበምኔት ደብረ ሳን ዝነበሩ አባ ገብረኢየሱስ ድማኣብ መበል ፲፪ ዓመቶም ኣስኬማ ምንኩስና ኣልበስዎም።

ካብቲ ዝመንኮሱሉ ሰዓት ኣትሒዞም ገጽ ኣዝማዶም ከይረኣዩ ካብ ናብ ገዳም እናኸዱ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ንስጋኦም ኸኣ ብጾምን ብጸሎትን ኣድከምዎ። ብፍጹም ትሕትናን ፍቕርን ምስ ዓበይቲ ኣረጋውያንን ንኣሽቱ ሕጻናትን ይነብሩ ኸኣ ነበሩ።

ኣባ ገብረኢየሱስ ንኵሉ እቲ መንፈሳዊ ግብሮም ምስ ረኣዩ ዲቁና ክቕበሉ ነገርዎም። ንሶም ግና ኣይግባእንን በሉ። ኵሎም ማሕበር ከኣ ግድን በልዎም፤ ጸሎት ድማ ገበሩሎምን መረቕዎምን። መዓርገ ዲቁና ኸኣ ካብ ኣቡነ ሚካኤል ዝተባህሉ ጳጳስ ተቐበሉ። ቅድስናኦም ልዑል ስለዝነበረ ክቕድሱ ከለዉ ነቲ ሕብስቲ ብ‘ከዊነ ሕጻን’ ክሳብ ምርኣይ በጺሖም ነበሩ። ትሩፋቶምን ቅድስንኦምን ርእዮም እቶም ኣበውን ካልኦት መነኮሳትን የኽብርዎንም የፍቕርዎምን ነበሩ። ብትሕትናኦምን ርድእንኦምን ኣዝዮም ይሕጐሱሎም ነበሩ። እቶም ኣቦ’ውን ንዘለዎም ጸጋ ርእዮም ንስኻ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ኣገልግል ናብ ካልእ ስራሕ ከም ምውራድ ማይ፡ ዕንጨይቲ …  ኣይትኺድ ከኣ በልዎም። ሽዑ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ብቅንኣት “ንምንታይ ከማና ማይን ዕንጨይትን ዘየምጽእ” ኢሎም ኣዕዘምዘሙ። ንሶም ኸኣ ደሓን ኣቦይ ከምኣታቶም እናተለኣኽኩ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል እየ ኢሎም ንክልቲኡ ተልእኾ ይፍጽሙ ነበረ። ዕንጨይቲ ተሰኪሞም ክኸዱ ከለዉ እቲ ዕንጨይቲ ሽዱሽተ እመትን ስድርን (ዳርጋ 3 ሜትሮ ዝኣክል) ልዕሊ ርእሶም ክብ ኢሉ ማዕሪኦም ይኸይድ ነበረ። ንሶም’ውን ክልተ እመት ካብ መሬት ይለዓሉ ነበሩ። ማይ’ውን እንተኾነ ንብዙሕ መዓልትታት ከም ሰለል እናበለ ካብ ምድሪ ተላዒሉ ይኸይድ ነበረ፤ ማለት መሬት ከይተንከፈ ይኸይድ ነበረ። ንሶም ኸኣ እቲ ጾር ፈጺሙ ከይተሰምዖም ብኢዶም እናጣቕዑ ብእግሮም’ውን እናስረገጹ ብኣፎም መዝመረ ዳዊት እናዘመሩ ይኸዱ ነበሩ። ብድኅሪኡ እቶም ብማኅበር ሓድነት ዝናበሩ አባ ተጠምቀ መድኅን ዜና ኣቦና ምስ ሰምዑ፡ ረኸብዎምን ተሓጒሶም ኣብ ገዳም ቱፋላ ብፍቕርን ብሰላምን ክነብሩ ኸኣ ተረዳድኡ። ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ ኵሎም እቶም ኣሕዋት ንኣባ ተጠምቀ መድሕን እዚ ዘሎናዮ ቦታ ጥቃ ዓድታት ስለ ዝኾነ ከምቲ ሕጊ ምንኵስና ካብ ኣዝማድና ርሒቕና ገጽ ኣንስቲ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ከይድና ገዳም ንገድም በሉዎም፤ ከምኡ ድማ ገበሩ። ኣቦና አቡነ አብራንዮስ ኸኣ ኣብታ ገዳም ብርድእናን ብመጋቢነትን ብትግሃት የገልግሉ ነበሩ። ከም ኣብነት ዝስተ ማይ ዘመጽኡሉ ቦታ ግና ኣዝዩ ርሑቕን ዓቐበን ስለዝነበረ እቶም ካልኦት ኣኅዋት ክልተ ጊዜ ጥራይ ከምጽኡ ከለዉ ኣቡነ ኣብራንዮስ ግን ሸውዓተ ጊዜ የምጽኡ ነበሩ።

ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ ድማ ብፍቓድ ኣምላኽ ክህነት ካብ ኣቡነ ክርስቶዶሉ ተቐበሉ። ንኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኣተዉሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ልብሰ ተክህኖ ዘአሮን ተልብሶም እሞ ናብ ከዊነ እሳት ይልወጡ ነበሩ። ኣብ ሞንጎ ቅዳሴኦም’ውን ሰማይ ተኸፊቱ መንበረ ስላሴ ይረኣዮም ነበረ። ሕብስት ናብ ፍጹም ስጋ መለኮት ወይኒ’ውን ናብ ፍጹም ደም ወልደ እግዚአብሔር ክልወጥ ይርእዩ ነበረ። ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን ብኣምሳለ በጊዕ ብኣምሳለ ሕጻን ይረኣዮም ነበረ። ብጀካ እተን ክልተ መዓልትታት (ሰናብቲ) ኵሉ ጊዜ ይጾሙ ነበሩ። ኣብተን ክልተ መዓልትታት እንተኾነውን ብኢዶ ዓቂኖም ንእሽቶይ ብመጠን ይበልዑ ነበሩ። ማይ’ውን ብመጠን ዘየርውይ ገይሮም ይሰትዩ ነበሩ። ከም ዓንዲ ተተኺሎም ይጽልዩ፡ ስግደት ከም መላእኽቲ ክቑጸር ብዘይከኣል ይሰግዱ፡ ረሃጽ ከም ፈልፋሊ ማይ ይውሕዝ ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ክዳኖም’ውን ብሓጺን ዝተሰርሐ ዝባላዕ ጨጓር ማቕ  ይኽደኑ እሞ ኣይድቅሱን ነበሩ። ብደበና ተጻዒኖም ክሳብ 7ይ ሰማይ ይበጽሑ (ጽርሐ አርያም) እሞ ኣብ ቅድሚ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከኣ ይሰግዱ፡ ምስቶም 24 ካህናተ ሰማይ ኮይኖም ሓቢሮም ዕጠንት ሒዞም ክሳብ ምዕጣን በቒዖም ነይሮም።

    ይትባረክ ኣምላክ ኣበዊነ!!!

                                   ናብ 2ይ ክፋል ይቕጽል…….

Sorry, comments are closed for this post.