Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳፩/21 ጥሪ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል (ኣስተርእዮ ማርያም)

           በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣስተርእዮ ማርያም

ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኩሉ

      maንኣምላኽ ዝወለደት ክብርትን ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ዓለም ከይተፈጥረ ኣቐዲማ ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንድኅነት ደቂ ሰባት መሠረተ ሕይወት ክትከውን ዝመደባን ዝኃረያን ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ክገብሮ ንዝሓሰቦን ዝመደቦን ነገራት ሰብ ክርድኦን ክፈልጦን ብዝግባእ መጠን እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ነቢያት፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጽሒፎምን ብብዙኅ ምሳሌን ትንቢትን ገሊጾሞ ነይሮም። ነቢያት ንዝደኸሙሉ ዓውዲ ግራት፡ ሓዋርያት ኣብ ዝኣከቡሉ ድማ ብስብከቶምን ብጽሑፋቶምን ነቲ ብነቢያት ዝተነገረ ኵሉ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም ኣለዉ። ቀዳሞት ይኹኑ ዳኅረዎት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያና’ውን ነዚ እሙን ቃል በብዝተፈላለየ ርቀት ብዘለዎ ኣገባብ እናመሥጠሩ ኣምሊኦምን ኣስፊሖምን ገሊጾም ኣለዉ።

ኣምላኽ ስሌና ክብል ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ብፍጹም ትሕትና ብተዋሕዶ ሰብ ምዃኑ ኣብ ነስተንትነሉ እዋን፡ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ክትጸውር ንዝተኃርየት ኣደ ምዝካር ግድነት ይኸውን። ኣምላኽ ሰብ ኮነ ንዝብል ዓሚቕ ምሥጢረ ሃይማኖት ክንዛረብ ከሎና ብኸመይን ካብ መንን ዝብል ሕቶ ክስዕብ ድማ ግድነት እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ነቢያት ሓዋርያት ኣብ ዘዘመኖም፦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሰብ ከም ዝኸውንን ከምዝኾነን ጥራይ ኣይኮነን ዝገልጹ ዝነበሩ እንታይ ደኣ ብኸመይን ካብ መንን ምዃኑ ኣተሓሒዞም እዮም መሲሎምን ኣመሥጢሮምን ገሊጾሞም ኢዮም። እዚ ድማ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክንገር ዝጸንሐ፡ ንኵሉ ደቂ ሰባት ሓጐስ ፍስሓ ዝኸውን ንሰማዒ’ውን ባህ ዘብል ዕፁብ ነገር እዩ። 

     ክብርን ገድልን ቅዱሳን ብዝግባእ ምፍላጥ ክብሪ ጐይታ ዝያዳ ክንፈልጥ ዝሕግዘናን በረኸት ዘለዎን ምዃኑ ዘይስተውዕሉ ሰባት ንኽብርን ዝኽርን ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝግበሩ ነገራት ከስተናዕቕዎ ይረኣዩ እዮም። ንኸምዚኦም ዝኣመስሉ ሰባት ድማ ንወላዲት ኣምላኽ ከምቲ ዝግባእ ዘይምዝካርን ዘይምኽባርን ዕሽነት ምዃኑ ኣግሂድና ንነግሮም፤ ናብ ልቦም ክምለሱ ድማ ንጽልየሎም። መሠረትና’ውን ነቢያትን ሓዋርያትን ከምዝኾኑ ነፍልጦም።

      እግዚኣብሔር ምስትውዓል ይሃበና እሞ ካብቲ ብዙኅ ሓንቲ ኣብነት ክንጠቅስ፦ ደቂ ኣዳም ኵሎም ብሰንኪ ኃጢኣት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ጽድቆም ከም ብላይ ጨርቂ ኮይኑ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ ፈጣሪ ዓለማት እግዚአብሔር ዓለም ክድኅነሉ ንዘዳለዎ መርከብ ክርሳዕ ዘይከኣል እዩ፡ ከመይ ገይርና’ኸ ክንርስዕ ንኽእል፧! ብሰንኪ ኃጢኣት ወዲ ሰብ፡ ጥፍኣት ዓለምን ምድኃን ኖኅን ኣብ ንዝክረሉ እዋን ወትሩ ኣብ ኣእምሮና እትሥዓል፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኖኅን ስድርኡን ካብቲ ማየ ኣይኅ ንክድኅኑ ኣቐዲሙ ከዳልዋ ንዝነገሮ መርከብ እያ። እሞ’ኸ ድኣ ንናይ ኖኅ መርከብ ወትሩ ካብ ዘከርና ነታ ዓለም ክድኅነላ ኣቐዲሙ ንዘዳለዋ ኣማናዊት ሓመረ ኖኅ ክንደይ ኣብሊጽና ዘይንዝክራ፧ ብካልእ ኣብነት ድማ ፍቕራ ክትገልጽን ምሕረቱ ደልያን፡ ጐይታ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን ከሎ ኣትያ ርእሱ ብኽቡር ቅዱስ ቅብኢ ቅድሚ ምማቱ ንዝቐብዓቶ ማርያም እንተ እፍረት ባዕሉ ጐይታ ብዘይሕሶ ቃሉ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ ፳፮፥፲፫) ብምባል ቃል ኣትዩላ እዩ፣ ጐይታ ብኸምዚ መገዲ ፍቕራ ንዝገለጸት ኣብ ምሉእ ዓለም ክትዝከር ቃል ካብ ዝኣተወላ፤ ሕመረትን ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን ንዝኾነ መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ ንዝወለደትልና ኣዲኡ ብኽብሪ ክንዝክራ ግቡእና እዩ። ዋላ ንእሽቶይ ትኹን ዝኾነ ሰብ ብቅንዕና ንዝገበረልና ሰናይ ነገር ብጽቡቕ ክንዝክሮን ከነመስግኖን ከምዝግባእ ዘይንስሕቶ ካብ ኮንና፡ ነቲ ብእመ ብርሃን ዝተገበረልና ዓቢይ መንፈሳዊን ሰማያዊን ነገር ድኣ ክንደይ ኣብሊጽና ዘይንዝክሮን ዘይነመስግነሉን። ድምፂ ኣዴና ምስ ተሰምዐ እኳ ንኸም ኤልሳቤጥ ዝኣመሰሉ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ባህ ኣቢልዎም እዩ፡ ንዮሓንስ እሞ ጌይና ኣብ ማኅጸን ኣዲኡ ከሎ ዘሰራሰሮ ድምፂ እዩ። ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝባረኾን ጸግኡ ዝዕደለላ ርትዕትን ቅድስትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ዘሎና ድማ ከም ኤልሳቤጥን ዮሓንስን ውዳሴኣን ቅዳሴኣን፤ ተኣምራን መዋዕል ሕይወታን ክንገረና ከሎ ደስ ክብለና ናይ ግድን እዩ። ናይ መን ድኣ ክንወርስ፧! ደረት ኣቦታትና ኣይነፍርስ።  “በመኑ በአምሳለ መኑ ናስተማስለኪ” ኢሎም መሲሎም ምጽጋቡ ንዝሰኣኑ ኣቦታት ኣብነቶም ወሲድና ንሕናውን ከምቲ ዝግባእ ነኽብራን ንዘክራን። 

ሎሚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንርእዮ  ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዜና ዕረፍታ ክኸውን እዩ፥

    m ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቦኣ ኢያቄምን ኣዲኣ ሃናን ድሕሪ ምውላዳ፡ ስድራቤታ  ኣብ ሰለስተ ዓመታ ናብ ቤት መቕደስ ኣእተውዋ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ገሊጽዎ ዘሎ ከኣ ሕብስቲ ሰማያዊ እናተመገበት፡ ጽዋዕ ሰማያዊ እናሰተየት፡ ብቕድስናን ብንጽህናን ዓበየት። ከም ኣዋልድ ዕብራውያን ክሳዳ ኣየግጀፈትን፡ ከምኣታተን’ውን መዳናገርቲ ኣወዳት ኣየጻወትዋን፡ ብኣንጻሩ ግን  ብዘይልማድ ኣንስቲ ብፍጹም ቅድስና ምስ ምሉእ ንጽህና  ንዓሰርተ ክልተ(12) ዓመት ኣብ ቤት መቕደስ ነበረት።

እንተኾነ መንነታ፡ እንታይነታ ዘይፈለጡ፡ ከምተን ደቆምን ድሕሪኣን ቅድሚኣን ኣብ ዘመና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዕብራውያን ዝመሰሎም፡ ጸሓፍትን ሊቃውንት ኣይሁድ “ቤት መቕደስና ከይተርክሰልና” ኢሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽእዋ። ቅዱስ ዮሴፍ ኣረጋዊ ከኣ ክድግፋ፡ ክሕልዋ፡ ክረድኣ፡ ብሕድሪ ተቐበላ። ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዕድሜኣ ድማ መለኮታዊ ቃል ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ወለደት። ኣምላኽ ሰብ ኮነ ሰብ ከኣ ኣምላኽ ኮነ-“ንጽህናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃንዊ መልኣኽ ናባኺ ለኣኸ  ከምዚ ድማ በለኪ” ጸጋ ዝመኣልኪ ደስ ይበልኪ ክትጠንሲ ወዲ ከኣ ክትወልዲ ኢኺ” ከም ዝበለ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብኣምላኽ ተላኢኹ ከበስራ ብትሕትና መጸ፡ ንሳ ምስጋና መላእኽት እንዳ ሰምዐት ዝዓበየት ስለ ዝኾነ ቅዱስ መልኣኽ ምምጽኡ ኣየሰንበዳን፡ እንተኾነ ኣብ ሕልንኣን ሓሳባን ዘይነበረ “ክትጠንሲ ወዲ ከኣ ክትወልዲ ኢኺ” ምስ በላ ንሳ ብፍጹም ሓሳብ ሰብኣይ ዘይብላ ምዃና ግልጺ  ገይራ ነገረቶ። ቅዱስ ገብርኤል’ውን ነዚ ኩሉ ተነጊርዎ ኢዩ ናይ ብስራት ቃል ሒዙ ዝመጸ። እቲ ኩሉ ዝኸውን ብፍቓድ ኣምላኽን ብስልጣን ኣምላኽን ምዃኑ ምስ ነገራ፡ንትእዛዝ ኣምላኽ እትሕሉ ቅድስትን ምእዝዝትን ብምዃና ኣሜን ኢላ ተቐበለት። እንሆ ከኣ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎን ዘይጸርዎን መለኮታዊ ቃል(ወልደ እግዚኣብሔር (ብድንግልና፡ ጠኒሳ  ብድንግልና  ወለደቶ፡ድንግል ንፈጣሪኣ ወሎዳቶከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ሃይማኖት ኣበው ድርስቱ።

ንወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ጠኒሳ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን፡ ካብ ዝውለድ ክሳዕ ስቕለቱ ሳላሳን ሰለስተን ዓመትን ሰለስተ ወርሕን፡ ድሕሪ ስቕለቱ ድማ ብሓደራ ቅዱስ ዮሓንስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፡ ጠቕላላ ሱሳን ኣርባዕተን(64)ዓመት ነበረት።

በዓለ ዕረፍታ

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገርም እዩ። “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፡ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኵሉ” ትርጉም “ሞትስ ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፡ ሞት ማርያም ግና ንኹሉ ዘደንቕ እዩ” (ነግሥ ዚቅ፡ ናይ ጥር ፳፩ አርኬ) ሞት ንኵሉ ወዲ ሰብ ዘይተርፎ እንተኾነ’ውን ሞተ ሥጋ ኣዲኡ ከትርፍ ዝከኣሎ፡ ኵሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጐይታ ክንሱ ዘይምትራፉ ናይ ፈጣሪ ፈታሒነቱ (ርቱዕ ፈራድነቱ) የርእይ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ያሬድ ኣዴና ኣደ ኣምላኽ ከንሳ ዕረፍታ ዕጹብ ምዃኑ ክነግር ኢሉ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃል ዝዘመረ።

        ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መበል ሱሳን ኣርባዕተን ዕድሜኣ ብዕለት ዕስራን ሓደን ጥሪ(21) እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅድስቲ ነፍሳ ካብ ክብርቲ ስጋኣ ፈለየ። እልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ እናዓጀቡ ብመዝሙርን ብስብሃታትን ናብ  ፍቑር ወዳ ነታ ቅድስት ነፍሳ  ኣዕረግዋ። እዚ በዓል ኣዴና ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘለዓለማዊ ህይወት ዝተሰጋገረትሉ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን መዘከርታ ዕረፍታ ዓመት መጸ ፳፩/21 ጥሪ ብኽብሪ ተብዕሎ እያ። እዚ በዓል ዕረፍቲ እዚ ካብተን ፴፫/33 በዓላት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓደ ኮይኑ ብድምቀት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣድባራትን ይኽበር። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ንዘለዎ ቦታን ክብርን ፍሉጥ ስለዝኾነ ዓሚቕ ምሥጢርን ምትሕሓዝን ድማ ስለዘለዎ ከነኽብሮ ግቡእና እዩ። ሃገርና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘይተፈለያ ሃገር ስለ ዝኾነት ኵል ጊዜ ኣብ ቅዳሴና፡ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ኣብ መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና፡ ኣብ ትውፊትናን ኣብ መዓልታዊ ናብርናን ነገረ ማርያም ንነግርን ንሰምዕን፡ ቅድስናኣን ክብራን ድማ ንገልጽ። 

ቤተ ክርስቲያን’ውን ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ንባባትን መዝሙራትን ኣሰንያ ንዕረፍታ ተብዕሎ። ብመጠን ናይቲ ኣብዚ ዓለም ዝነበረትሉ ፷፬/64 ዓመታት ድማ ዝተደርሱን ዝጽለዩ ጸሎታትን ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ድማ ኣቦታትና ብኸመይ ድንቂ ጥበብ ዕረፍታ ክንዝክሮ ከም ዝግባእና ዝሰርዑልና ስለዝኾነ ከነስተውዕሎ ይግባእ። 

ተኣምራት ኣብ ግዜ ዕረፍታ

    ኣብ ግዜ ዕረፍታ እቶም ክፋእ ካብ ምሕሳብ ዘየዕርፉ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ናይ ኣይሁድ ተንኮል ኣለሙ። ኣቐዲሞም ካብ ቤተመቅደሶም ብኽፍኣት  ልቢ ኣውጸእዋ፡ ጸኒሖም ከኣ “ወዳ ካብ መቓብር ከይተንስኤ ደቂ መዛሙርቱ ተንሲኡ ኢሎም ብዙሕ ሰብ ኣስሒቶም ሕጂ’ውን እዚኣ ከም ወዳ ተንሲኣ ኢሎም ሰብ ከየዳናግሩ እሞ ካብ ቀደማዩ ዳሕራዩ ከይከፍኣናን ከይገደናን ሒዝና ብሓዊ ንስጋኣ ነቃጽሎ” ኢሎም ተማኸሩ። ከም ቃሎም ከኣ ሓደ ታውፋንያ ዝተባህለ ሓያልን ጉልቡትን ሰብኣይ ነበረ እሞ ንሱ ናብቲ ሓዋርያት ንስጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተሰኪመምሉ  ዝነበሩ ዓራት ቀሪቡ ብሓይሊ ጉልበት ፈንጺጉ መታን ከሕድጎም ኣእዳዉ ሰደደ። እንተኾነ ግን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰይፊ ዝሓዘ መልኣኽ  ሰዲዱ ክልቲኤን ኣእዳዉ ቆረጾ። ታውፋንያ ኣእወየ፡ ኣምሪሩ ከኣ በኸየ- ከመይ ካብ ድንግል ማርያም ምርሓቕ፡ ጸረ ድንግል ማርያም ምዃን የብኪ እዩ፡ ኣብ መወዳኣታ’ውን ኣብ ጋሃንም ከም እትወርድ ይገብር እዩ። እንተኾነ ታውፈንያ ከምቲ መጀመርታ ዝጎየዮ ኣይገበረን በኸየ ድኣ። ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ለዋህ፡ ናይ ፍቅሪ ኣደ፡ ርህርህተ ሕልና ስለ ዝኾነት ደንገጸትሉ ናብ ወዳ ለሚና ከኣ ኣእዳዉ ናብ ንቡር ከም ዝምለሳ ገበረት። ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ተኣምራት ውን ኣብ ግዜ ዕረፍታ ተፈጸመ። በዚ ከኣ ክብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣጸቢቑ ተጋህደን ኣብ ኩሉ ተሰምዐን።

   እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዕለት 21 ጥሪ ምስ ዓረፈት፡ ሓዋርያት ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ።  ድሕሪ ሰለተ መዓልቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃናውያን መላእኽቱ ሰዲዱ ንስጋኣ ካብ መቓብር ናብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ህይወት ከም ዝቕመጥ ገበሮ። ብ16 ነሓሰ ድማ ካብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ናብ መንግስተ ሰማያት ኣዕረጋ። ንምሉእ ትሕዝቶ (ስንክሳር 21 ጥሪን 16 ነሓሰን) ተመልከት።  

ኣስተርእዮ ንምንታይ ተባህለ፧

   እዚ ዕለት እዚ ከምቲ ዝተገልጸ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት ኮይኑ ክብራን ብዙሕ ተኣምራታን ዝተጋህደሉ መዓልቲ እዩ። ኣስተርእዮ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዓቢኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ካብ ዕለተ ልደት ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ታሕሳስ 29) ጀሚሩ ክሳዕ ዓቢ ጾም ዝኣትወሉ ዘሎ መዓልታት ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነሉ፡ ዘይርአ ዝተራእየሉ፡ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ-ዝተጋህደሉ ብልደቱ እዩ፡ ቀጺሉ እውን ምስጢረ ስላሴ ዝተጋህደሉ ብጥምቀቱ እዩ። እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ቤተክርስቲያና ነዚ ወርሓት እዚ ኣስተራዮ ኢላ ትጽውዖ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉን ብእግዚኣብሔር ዝተዋህባ ክብሪ፡ ጸጋ ዝተጋህደሉ፡ ተኣምራታ ብጋህዲ ዝተራእየሉ ክብራን ልዕልንኣን ዝተመርስከረሉ እዩ፡ ስለዝኾነ ከኣ ኣስተርእዮ ማርያምተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ከመይ ኣስተርእዮ ማለት ምግላጽ ወይ ድማ ምግሃድ  ማለት ስለዝኾነ።

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኩላትና ይኹን ።

ንዓመታ ብሃይማኖትን ብምግባርን ኣጽኒዑ ነዚ ቅዱስ ዕለት ንምብዓልን በረኸታ ንምስታፍን የብቅዓና ኣሜን።

                 ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

                  ለወላዲቱ ድንግል

                  ወለመሰቀሉ ክቡር

                      ኣሜን።

Sorry, comments are closed for this post.