Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳፪/ 22 ጥሪ ዕረፍቱ ለኣባ እንጦንስ ኣበ መነኮሳት/ Aba Antonios

               በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

              ፳፪/ 22 ጥሪ ዕረፍቱ ለኣባ እንጦንስ ኣበ መነኮሳት

    banner (1) ሃገሮም ኣብ ግብጺ ቅማን ዝተባህለ ቦታ ኮይኑ ካብ ኣዝዮም ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ ክርስቲያን እዮም ተወሊዶም። ስድርኦም ብሕጻንነቶም ከለዉ ንመምህር ስለዝሃብዎም እናተማህሩን እናኣገልገሉን እዮም ዓብዮም። ድሒሩ ግና ኣቡኦምን ኣዲኦምን ምስ ሞቱ ንሓብቶም ናብ መካነ ደናግል ኣእትዮም ሃብቶምን ንብረቶምን ሂቦምን መጽዊቶምን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ዘላ መቓብር ተቀመጡ። መዓልቲ ብኣገልግሎት፡ ለይቲ ድማ ብስግደትን ብጸሎትን ጸኒዖም ክነብሩ ከለዉ፡ ሰይጣን ክፉእ ካብ ምግባር ስለዘይዓርፍ በኣምሳለ ገብር ጸሊም መጺኡ ቀጥቂጡ ኣይምዉት ኣይጥዑይ ጌሩ ገዲፍዎም ከደ። ኣዝማዶም ክሓቱ ኢሎም ምስመጹ ወዲቆም፣ ተሰባቢሮም ምስረኸብዎም ኣዝዮም ደንገጹ ኣብ ዓራት ገይሮም ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎም። ድሒኖም ድማ ናብ በዓቶም ተመለሱ። ኣጋንንቲ ድማ ፈሪሑ ክኸይድ እዩ ብምባል ኣናብስን ኣናብርን ተመሲሎም እናመጹ ኣብ ቅድሚኦም ይበኣሱ ነበሩ። እንተኾነ ንሶም’ውን ኣጋንንቲ ምዃኖም ስለዝተረድኦም ስም እግዚኣብሔር ይጽውዑ ነበሩ፡ እቶም እኩያት ድማ በኒኖም ይጠፍኡ ነበሩ።

     ድሕሪ 20 ዓመት ደቅልጥያኖስ ሃይማኖትኩም ከሓዱ ንጣኦት ስገዱ እና በለ ንመእመናን ከሳድድን ክቐትልን ከሎ፡ “ምእመናን ኣሕዋተይ ከም ኣባጊዕ እናተሓረዱ ከለዉ ኣነ ኣብዚ ተሓቢአ እንተ ድኣ ተሪፈ ጽቡቅ ኣይኮነን” ብምባል ናብ ሓደ ዓላዊ መኮነን ከይዶም መስከሩ። እንተኾነ እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ስለ ዝሓለዎም ሓንቲ ነገር ከይገበሮም መዋእለ ስደት ምስ ተፈጸመ ናብ በዓቶም ተመለሱ።

     ኣዝማዶም እናመጹ ምስ ሃወኽዎም ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ከባቢ ሰለስተ ምዕራፍ ርሒቖም በዓቶም ሰሪሖም ተቐመጡ። ዲያብሎስ “ሕጂ ንዕኡ እንተድኣ ገዲፈዮ ንብዙሓት ብሕትውና ክምህሮም እዩ” ኢሉ ንኸውጽኦም የፈራርሖምን ይፈታተኖምን ነበረ። መልኣኽ በኣምሳለ መነኮስ ኣብ ደንደስ ርባ ተቐሚጡ ዘንቢል ክሰርሕ፡ ተንሲኡ ክጽልን ክሰግድን ተራእዮም። ሽዑ ሽዑ ድማ “ከመ ከመዝ ግብር” እቲ ፈተና ምእንቲ ከይብርትዓካ፡ ትህኪት ንኸይመጸካ ከምዚ ግበር ዝብል ድምጺ ካብ ላዕሊ ሰምዑ። ብድሕሪዚ ዘንቢልን ቆቢዕን እናሰርሑ ብስግደትን፡ ብጸሎትን ተወሲኖም ነበሩ። ብዙሓት ድማ ዜንኦም ሰሚዖም ኣሰሮም ተኸቲሎም ካብ ሰበይቲ ርሒቖም ንጽህናኦም ሓልዮም ብብሕትውናን ዝነብሩ ኮኑ። ሓደ መዓልቲ ደቀ መዛሙርቶም ካብ ኦሪት ዘለዋውያን ሕቶ ሓቲቶም ሓንቲ ቃል ምስ ጠፍኣቶም “እግዚኦ ፈኑ ሊተ ሙሴሃ ገብርከ ከመ ያለብወኒ ዛተ ቃለ“ኢሎም ናብ ጎይታ ምስ ኣመልከቱ ሙሴ በኣካለ ነፍስ መጺኡ ነገሮም። ግዜ ዕረፍቶም ምስ በጽሐ ተስፍኦም ተቐቢሎም ደቂ መዛሙርቶም ኣኪቦም “እምበኣር ካብ ሕጂ ንደሓር ብስጋ ኣይክትርእዩንን ኢኹም ብረዲኤት ግና ኣይፍለየኩምን እየ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣብያተ ክርስቲያናት ክቃጸላ እየን፡ ገዳማት’ውን ክውረራን ክዝመታን እየን፡ ምእመናን ክቕተሉ እዮም፡ መነኮሳት ክስደዱ እዮም “ወዘአዝለፈ ትዕግስቶ ውእቱ ይድህን“እቲ ነቲ መከራ ዝተዓገሰ ንሱ ግና ክድሕን እዩ። ድሓር ግና ኣብያተ ክርስቲያናት ክህነጻ እየን፣ ገዳማት ክጸንዓ እየን። ገዳማውያን ዋዒ ጸሓይን ቁሪ ለይትን ጸሊኦም ነቲ ስቓይ ጸሊኦም ቆቢዖም ደርቢዮም በዓቶም ገዲፎም ናብ ዓለም ክምለሱ እዮም። ወዘአዝለፈ ትዕግስቶ ውእቱ ይድህን”እቲ ዝተዓገሰ ግና ክድሕን እዩ፣ ኢሎም ክሳብ ምጽኣት ዝኸውን ነገርን ናይ መነኮሳት ክብርን ፣ሕስረትን ነገርዎም። ኣብ 120 ዕድሚኦም ድማ ስኖም ከይረጎፈ፡ ጉልቦቶም ከይደኸመ፡ ዓይኖም ከይፈዘዘ ብሰላም ዓረፉ።

 በረኸቶምን ኣማላድነቶምን  ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

    ስብሃት ለእግዚኣብሔር

    ወለወላዲቱ ድንግል

     ወለመስቀሉ ክቡር

     ኣሜን!

Sorry, comments are closed for this post.