Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳፫/23 ሚያዚያ ዕረፍቱ ለቅዱስ ጊዮርጊስ/ April 23, The Death Of Saint George

በስመ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ አሜን። 

     ፳፫/23 ሚያዚያ ዕረፍቱ ለቅዱስ ጊዮርጊስ

      ጊዮርጊስስስስ ጊዮርጊስ ማለት ብሩህ ኮኾብ ፡ ሓረገ ወይኒ፡ ጸሓይ ማለት እዩ። ሃገሩ ኣብ ልዳ (ሉድ) ኣብ ጥቃ ከተማ ቴልኣቪቭ እትርከብ ከተማ እያ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቦኡ ዘሮንቶስ  ኣዲኡ ድማ  ኣቅሌስያ (ቴዎብስታ) ይበሃሉ። ወለዱ ብሃይማኖቶም ኣዝዮም ዝጸንዑ ምስጉናት ሰባት ነበሩ። ብዙሕ ሃብቲ ውን ነበሮም። ኣቦኡ ዘሮንቶስ ናይታ ዝቕመጠላ ግዝኣት (ኣውራጃ) ገዛኢ ኮይኑ ተሾመ። እታ ናይ ኣቡኡ ግዝኣት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ብሕግን ስርዓት ዝካየደላ ትንበር ደኣ እምበር እቶም ላዕለዎት ነገስትታት ግና ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝመላለሱሉ ዘመን ነበረ። ወለዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብስጋ ይኹን ብመንፈስ ብጥንቃቐን ብክንክንን እዮም ንቅዱስ ጊዮርጊስ የዕብዮሞ። ኣብ መበል 7ይ ዓመቱ ድማ መንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ጥበብ ክመሃር ኣብ ቤት ትምህርቲ የእትዮሞ። ብኸምኡ ድማ ንክልቲኡ ኣዛሚዱ ይዓቢ ነበረ። ዘረንጦስ ሃገረ ልዳ ገዛኢን ልዕል ዝበለ ወተሃደራዊ ስልጣንን ነበሮ። ገና ቅዱስ ጊዮርጊስ ንእሽቶ እንከሎ ድማ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልየ።  ንሱ ምስሞተ ብድህሪኡ ሓድሽ ገዛኢ  ነገሰ፡ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ስለዝፈተዎ ድማ ንኣዲኡ ኣፍቒዱ  እናመሃሮ ኣዕበዮን ኣሰልጠኖን። 

ገና ኣብ ንእስነቱ እቲ ዘደሊ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መበቆል ዓዱ ድኅሪ ምቕሳሙን፡ ንኡድ ዝኾነ ክእለትን ሞያን ድሕሪ ምጽንብራቑን ድማ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ተወዘዐ። እቲ ገዛኢ ሃገር ድማ ንቕሓቱን ሞይኡን ርእዩ ክሽየምን ክሽለምን ወተሃደራቱ ኣሰንዩ ናብ ንጉስ ለኣኾ። ንጉስ ድማ ታሪኽ ሕይወትን ኣቃውማን ክእለትን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ኣዛዚ ክኸውንን፡ ብዘይካ ኣቡኡ ዝገደፈሉ ሃብቲ በብወርሑ ብርክት ዝበለ ወርቅንን ብሩርን ደሞዝ ክወሰድ ኣዚዙን ሸሊሙን ብኽብሪ ናብ ሃገሩ መለሶ። እቲ ዘዕበዮ መስፍን ሃገር ድማ ተሓጒሱ ናብቲ ዝተባህለ መደብ ስራሕን ሓላፍነትን ኣዋፈሮ። ነታ እንኮ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኮኖ ድማ ኣሕጸዮ። ይኹን እምበር እቲ መስፍን ሃገር ድንገት ስለዝሓመመመን ክመውትውን ስለዝቐረበ ንኵሉ ሃብቱ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ከውርስዎን ንጓሉ ከመርዕውዎን ተላበወ። ድኅሪ ለበውኡውን ከይጸንሐ ሞተ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ቅዱስ ጊዮርጊስ ንእሽቶ ነበረ። ብደረጃ እቲ ሃጸይነት ከኣ ኣብ ሞንጎ ነገስታት ሮማን (ጋሪስን ጋላስን) ንጉስ ፋርስ ዲድያኖስ ውግእ ተኻይዱ ዲድያኖስ ስለዝሰዓረ ኣብ ብዙሕ ግዝኣታት ግፍዒን ናይ ጭኮና ተግባራትን ይፍጽም ጀመረ። ከም ናቡከደነጾር ድማ ኣጵሎስ ዝበሃል ጣዖት ኣቝሙ ይሰግድን የስግድን ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ኣገልግሎት ሃገሩ እንከሎ እቶም ገዛእቲ ነገስታት ሮም ተሳዒሮም፡ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ዲድያኖስ፡ ብእግዚአብሔር ዘይኣምንን መመለኺ ጣዖትን ስለዝነበረ ብክርስቶስ ንዝኣምኑ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መከራ የሳቕዮም ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ነቲ ዝነበረ ኵነታትን ምዕባለታትን ብዕቱብ ይከታተሎን ይምርምሮን ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ስለቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ስለ ሃገሩ ብዝረኣዮ ዝነበረ ጅግንነትን ዝፍጸሞም ቅያታትን ኣብ ቅድሚ ኣረማዊን ጨካንን ንጉስ ቀሪቡ ሽልማትን ክብርን ካብ ምርካብ ድማ ምስቶም ስለ እምነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ክርስቲያናት መከራ ክጸግብ መረጸ። በዚ መሰረት ድማ ንዝተሓጸያ ጓል መስፍን ከይተመርዓወ ብድንግልንኡን ንጽሕንኡን፤ ንብረቱን ሃብቱን ንኣዲኡን ኣሓቱን ከፋፊሉ ከምኡውን ንድኻታት መጽዊቱ፤ ንሰራዊቱ ተፋንዩ ጻዕዳ ፈረሱ ተወጢሑ ንክርስቶስ ትውክልቱ ገይሩ ነቲ ከሓዲ ንጉስ ብቃል ወንጌል ክቃወም ተበገሰ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ መንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ “ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ” (2 ጢሞ 2፥3) ኢሉ ከም ዝመዓዶ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ’ውን ካብ ንጉስ ልዳ፡ ወተሃደር ክርስቶስ ብምዃን ኣብ ምድረ ልዳን ፋርስን ንዝነበሩ ኵሎም መምህር ወንጌል ኮነ። ቀዳምይ ዝገበሮ ነገር ድማ ናብ ቤይሩት ከይዱ ነቲ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር ገዲፉ ኣብ ድራጎን ዝበሃል ገበል ዘምልኽ ዝነበረ ሕዝቢ ናብ ክርስቶስ ምምላስ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ታራኣ በጺሑ በቲ ገበል ክትብላዕ ተወፍያ ተቐሪባ ንዝነበረት ጓል እቲ መስፍን ናይቲ ከባቢ (ቢሩታይት) ነቲ ገበል (ድራጎን) ብሓይሊ እግዚአብሔር ቀቲሉ ንዓዓ ኣድሒኑ ነቲ ሕዝቢ ኣእሚኑ ናብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከም ዝምለስ ገበሮ። ኣብኡ’ውን ነቲ ሕዝቢ ዝኸውን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስሪሑ። በዚ ከየብቀዐ በብከባቢኡ እናተዛወረ ቃል ወንጌል ክዘርእ ጀመረ። ብዙሓት’ውን ትምህርተ ወንጌል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰሚዖም ናብ ኣግዚኣብሔር ተመልሱ። እዚ ዜና ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ንጉስ ምስ በጸሐ ንጉስ ባህ ኣይበሎን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ክስገደሉ ዝግባእ ሓደ ፈጣሪ እምበር ሰብ ንዘቖሞ ጣዖት ምስጋድ ኣይግባእን እናበለ ብትብዓት ምስክርነቱ ቀጸለ። እቲ ንጉስ ዋላ ብጅግንነትን ወተሃደራዊ ሞያን ጊዮርጊስ ይሕጐስ እኳ እንተነበረ ሰባት ብትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተሳሒቦም ካብ ምምላኽ ጣዖታት ምስሓቦምን ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ምጽንዖምን ከቖጥዖ ጀሚሩ። ሰይጣናዊ ቅንኣት ስለዝሓደሮ ድማ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ካብዚ ተግባራቱ ክቑጠብ ብመጀመርታ ብጥበብ ገይሩ ክጥብሮ ፈተነ። ሓደ ካብ ፈተንኡ ሰር ኃጢኣትን ውድቀት ብዙኃትን ኮይኑ ንዝርከብ ገንዘብ ማለት ወርቅን ብሩርን ኣብዚኁ ከምዝህቦ ዝተመባጽዓሉ እዩ። ንጉስ ዲድያኖስ በዚ ከይተወሰነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ትምህርተ ወንጌል እንተደኣ ገዲፉን ኣብ ኣምልኾት ጣዖት ኣሚኑን ኣብ ልዕሊ ሹመት ሹመት ከምዝውስኾን ክሳብ ፍርቂ መንግስቱ እኳ ከምዝውፍየሉን ቃል ኣተወሉ። ጊዮርጊስ መንእሰይ እዩ እሞ ገንዘብን ሽመትን የታልልኦ ይኾና ዝብል ግምት እኳ እንተነበሮ፤ እቲ ፈተንኡ ነቲ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንዝነደደ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከሰንፎ ኣይከኣለን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓርበኛ ወንጌል ብምንባሩ ንጥበራን መብጽዓታትን ንጉስ ዘይረብሕን ዘይጠቅምን ብምባል ብኣሉታ መለሰሉ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነቲ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕዝቡ ንዝፍጽሞ ግፍዕን ስራሕ ጭካነን ብምቅዋም፡ ነቲ ንጉስ “ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ ቅኑዕ ፍርዲ ፍረድ ፍትሒ ድማ ግበር” እናበለ ብስም ክርስቶስ ነቲ ንጉስ ለመኖ። ንጉስ ግና ተደፈርኩ ብምባል ተቖትዐ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ደጊሙ ነቲ ሓቂ ካብ ምዝራብ ከምዘይምለስ፤ ነቲ ጣዖት ከምዘይሰግድን ኣምላኹ ክርስቶስ ኃይልን ጽንዓትን ከምዝህቦ ብምትእምማን ነቲ ንጉስ ብድፍረት መለሰሉ። ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊኦ ዝተፈላለየ ስግርን መከራን ኣውረድሉ። ይኹን እምበር ኣቲ ኩሉ መከራን ንቅዱስ ጊዮርጊስ ካብቲ ቅኑዕ መገዱ ከጓናድቦ ኣይከኣለን ኣኳ ደኣ ኣብ ሃይማኖቱ ኣጸቢቑ ከም ዝጸንዕ ገበሮ። 

     ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተቐበሎም መከራ ብዓይነት ይኹን ብብዝኂ ተገሊጾም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብኣቶም ነቶም ውሑዳት ንምጥቓስ ዝኣክል ብሰንሰለት ተሞቝሑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ እንጨይቲ ተሰቕለ፤ ተገርፈ፤ ተሳቐየ፤ ናብ ሰማይ ከም ኵዕሶ ተቐልዐ፤ ብቍርበት ጠቕሊሎም ኣሰርዎን ገረፍዎን፤ መዓናጡ ዝበታትኽ ብርቱዕ ስሚ ኣስተይዎ፤ ኣብ ልዕሊ መሳምር ብእግሩ ከምዝኸይድ ገበርዎ፤ ኣካላቱ ኣብ ክልተ ክምተርን ክቃጸልን፡ ሓምዅሽቲ ምስ ኮነ ኣብ ደብረ ይድራስ ከምዝዝረው ገበርዎ፤ ብሰበይቲ ፈተንዎ፤ ኣብ ሓዊ ደርበይዎ፤ ብመንኰርኰር ጠሓንዎ፡ ብኲናት ወግእዎ፡ ብማሳ ጨፍለቕዎ፤ ኣሎ ዝበሃል መከራ ኣውረድሉ። ይኹን እምበር ንኹሉ ኣብ ኣምላኹ ተኣሚኑ ሰዓሮ። ብኸምዚ መገዲ ድማ ንሸውዓተ ዓመታት ተጋደለ። ተጋድልኡ ርእዮም ድማ ብዙሓት ናብ ኣግዚኣብሄር ተመሊሶምን ተተሚቖምን እዮም።

ኣብ ግዜ ተጋድልኡ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ 3 ጊዜ ሞይቱ ጎይታ ከኣ 3 ግዜ ካብ ሞት ኣተንሲእዎ እዩ። ኣካሉ ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቲ ድኅሪ ምዃኑን (፲፰/18 ጥሪ) ኣብ ደብረ ይድራስ ብነፋስ ድኅሪ ምዝራዉን ምብታኑን እንደገና ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቖጽሊ ጊዮርጊስ ጊዮርጊስ እናበለ ተረኺቡ እዩ። ነቲ ንጉስ’ውን ኣርዒዱ እዩ። ኣብ ዝተኣስረሉ ቤት ድንቂ ሰማያዊ ብርሃን ኣብሪሁ ፡ ተኣሲሩሉ ዝነበረሉ ዝነቐጸ ዓንዲ ኣለምሊሙ እዩ። ዝረገጾ መሬት ማይ ፈልፊሉ፡ ኣእዛኑን ኣፉን እግሩን ድውይ (ስንኩል) ንዝነበረ ኣሕውዩ ፡ምዉት ኣተንሲኡ ፡ ካልእ ብዙሕ ድንቂ ተኣምራትን ገይሩ እዩ።

La_tomba_di_San_Giorgio_(Lod,_Israele)_02St_Georges_Church_Lyddaቅዱስ ጊዮርጊስ ንኩሉ ተጋድልኡ ፈጸሙ ቅድሚ ምዕራፉ 70 ነገሥታት ንንጉሥ ዱድያኖስ ክሳዱ ሰይፍካ ኣጥፍኣዮ ኢሎም ምኽሪ ሃብዎ እሞ ክስይፍዎ ምስበሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ንኽስየፈላ ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኮይኑ ናብ ፈጣሪኡ  “ኦ ኣምላኸይ ክርስቶስ ንነቢይ ኤልያስ ጸለቱ ከም ዝሰማዕካ፡ ነዚ ከሓዲ ንጉስን ነቶም ምስኡ ዝተኣከቡ ነገስታትን ጣዖቱ ኣጵሎስን ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኣ ክትበልዖም ጸለቶይ ስማዕ” በለ። ከምቲ ዝለመኖ ድማ 70 ነገሥታት ብሓዊ ተበልዑ። ብድህሪ እዚ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይኣኽለካ ስለ ዝበሎ ብ፳፫/23 ሚያዚያ ብኢድ እቶም ኣሕዛብ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ብሰማእትነት ዓረፈ። ክሳዱ ምስተሰየፈ ደምን ጸባን ማይን ተሓዋዊሶም ካብ ክሳዱ ፈሰሱ። ስለዚ እዩ ድማ “ቅዱስ ጊዮርጊስ ሶበ ተከለለ ደም ወማይ ወሐሊብ እምነ ክሳዱ ፈልፈለ” ተባሂሉ እተጻሕፈሉ። ገድሉ ፈጺሙ ምስ ዓረፈ ኣግዚኣብሔር ድማ ክንዲ ኣተን ዝተጋደለለን ዓመታት 7 ኣኽሊላት ሃቦ።  መቓብር ቅዱስ ጊዮርጊስ  ኣብ ከተማ ሎድ (ልዳ) ይርከብ  ኣብቲ ቦታ ውን ቤተክርስቲያን ተሰሪሑሉ ኣሎ።

ቅዱስ ጊዮርጊስ ቅድሚ ምስያፉ፡ እግዚኣብሔር “ስምካ ጸዊዑ ዝተማሕጸነ፡ ዝኽርካ ዝገበረ፤ ብስምካ ቤተ ክርስቲያን ዝሃነጸ፡ ብስምካ ንድኻታት ዘብልዐን ዘስተየን ዝከደንን ምሕረት ክገብረሉእየ” ዝብል ቃል ኪዳን ሂብዎ እዩ።

   ስለዚ ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኩሉ ናይ ዓለም ነገር ሃብቲ ገዲፉ ምእንቲ ክርስቶስ ኢሉ መከራ ተቐቢሉ ዓስቢ ኣብ ሃይማኖቱ ዘለዎ ጽንዓት ኣክሊል ዓወት ከምዝተቐበለ ንሕናውን ኣክሊል ዓውት ክንጭብት ኣንተዳኣ ኮይና ሰናይ ገድሊ ብምግዳል ኣብ ሃይማኖትና ጽኑዓት ክንከውን ይግበኣና። ሎሚ ውን ኣንተኾነ ኣሰር ቅዱስ ጊዮርጊስ ብምስዓብ ኣብሃይማኖቶም ጸኒዖም መከራ እዛ ዓለም እዚኣ ዕጅብ ከይበሎም ሰማእትነት ዝቕበሉ ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን። እቶም ኣብ ዝሃለፈ ሳምንቲታት  ኣብ ሃገረ ሊብያ ብዕለት ፲፩/11 ሚያዝያ 2007 ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ክሳዶም ንኻራ ዝሃቡ 30 ኣሕዋት ከም ኣብነት ክንጠቕስ ንኽእል ኢና። ንቅዱስ ጊዮርጊስ ተከቲሎም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንዝዓረፉ ኣሕዋትና መንግስተ ሰማያት የዋርሰላና።

 በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!  

Leave a reply