Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት  ሰሎሜ

  selomieሰሎሜ ማለት ሰላማዊት ማለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ሰሎሜ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጓል  ሓተንኣ እያ። ንሳ ጓል ማጣት፡ጓል ለዌ፡ ጓል ሚልኪ፡ ጓል ካህን ኣሮን  እያ።  ማጣት ሰለስተ  ደቂ ኣንስትዮ  ነበርኦ። እታ ቦኽሪ ማርያም፡  እታ ካልኣይቲ ሶፍያ፡  እታ ሳልሰይቲ ድማ ሃና ትበሃል።  እታ ማርያም እትባሃል ከኣ ንሰሎሜ  ወለደት፡  ሶፊያ ድማ ንኤልሳቤጥ ወለደት፡ ሃና ከኣ ንጎይታናንን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወለደት። ቅድስት ሰሎሜ ኣዴና ቅድስት  ድንግል ማርያም ንጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወለደት ከምተን ናይ ካልኣት ደቀኣንስትዮ ኣወላልዳ መሲልዋ ተጠራጢራ ነበረት እሞ እንዳተጠራጠረት ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተንከፈታ እሞ ኢዳ ተቓጸለት። ሽዑ “ኣደ ጎይታ እመቤተይ ማርያም ብሓቂ ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባኤ ዝተቆጽረሉ  መድሓኒ ከም ዝወለድኪ ይኣምን በጃኪ ምሓርኒ” ብምባል ለመንታ። ኣዴን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ  “ንዓይ ዝገበርክኒ የብልክን ነቲ ዘይምርመር ግብሩ፡ ክምርምር ኢልኪ ስለዝሓሰብኪ እዩ እዚ ረኺብኪ ስለዚ ንዕኡ ይቕረ ግበረለይ በልዮ” በለታ። ንሳ ድማ እንዳበኸየት ንጎይታ ዳህሰሰቶ እሞ ሓወየት። ሰለሜ ድማ ንጎይታ ኣመስገነት።

 እቲ ጨካን ሄሮድስ ንጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐትሎ ምስበለ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓትሉ ግዜ ፡ ሰሎሜ ምስ ኣረጋዊ የሴፍ ኮይና ናይ ስደቶም ተካፋሊት ብምዃን ኣብ መንገዶም ተገልግሎም ነበረት። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ንመቓብር ከፊቱ ኣብ ዝተንስኣሉ እዋን’ውን ካብተን ንመቓብር ጎይታ ክርእያ ኣንጊሀን ዝኸዳ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ እያ። ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተቐበሉሉ እዋን’ውን ምስተን 36 ቅዱሳት ኣንስቲ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢላ ወንጌል ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰቢኻ ንብዙሓት ኣእመነት። በዚ ምኽናያት ከኣ ካብ ኣይሁድ ብዙሕ ሽግርን መከራን ተቐቢላ ኣዕረፈት።  

   በረኸታን ኣማላድነታን ምስኩልና  ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

                         ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                         ወለወላዲቱ ድንግል

                           ወለመስቀሉ ክቡር

                                ኣሜን!         

Sorry, comments are closed for this post.