Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳/20ሰነ ቅዳሴ ቤታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም/qdase bieta le maryam

                    በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

                  ፳/20ሰነ ቅዳሴ ቤታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም

emebetachin-qdst-dngl-maryam ኣዴና ቅድስት ድንግል  ማርያም (ወላዲት ኣምላክ)፡ድሕሪ ምዕራጋ፡ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ብርሃንዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ  ጳውሎስን ሓዋርያ በርናባስን በዚ ግዜ ኣብ ፊልጵስዮስ ከይዶም  ናይ ክርስቶስ ወንጌል መሃሩ።ብትምህርቶምብዙሓት ሰባት ኣእሚኖም ጥምቀተ ክርስትና ኣጠመቕዎም። ኣቐዲሞም እቶም ህዝቢ ካብ ስርዓተኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝተፈልዩን ናይ እግዚኣብሔር  ነገር ገለ ዘይፈልጡን፡ ኣብ ቤት ጣዖታት እናኸዱ ግን ነቲ ዘይርኢ፡ ዘይሰምዕ፡ ብኢዶም ዝተሰርሐ ምስሊ ይሰግዱን የምልኹን ነበሩ።

እዞም ናይ ክርስቶስ ኣምበሳድራት ዝኾኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ዝኸድሉ ግዜ ግና ካብ ኣምልኾ ጣዖታት ክወጹን ነቲ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘመሓድርን ትንፋስ ሰዂዑ ሕያዋን ዝገበረና ኣምላኽና እግዚኣብሔር ክፈልጡን ንዕኡ ክግዝኡን ከምልኹን መንፈስ ቕዱስ ብዝሃቦም ጸጋ መሃርዎም። ደጊሞም ናብ ናብራ ጣዖት ከይምለሱ ከኣ  ኣጠንቀቕዎም።እቶም ህዝቢ ግና  ኣብ ዓዶም ብዘይካ ቤተ ጣዖታት ካልእ ኣምላኾተ እግዚኣብሔር ዝፍጸመሉ ስለዝይነበሮም  “ናብ ቤት ጣዖታት ኣይትኺዱ ኢልኩምና እንተኾነ ንኣምላኽ እነገልግለሉ ናይ ጸሎት ስፍራ ስለ ዘይብልና መጸለዪ ቦታ ሃቡና፡ግበሩልና” በልዎም። ኣብቲ ሃገር ዝተሰርሐ   ቤተ መቕደስ ብዘይምንባሩ መንፈሳዊ ኣገግልግሎት፡ስርዓተ ኣምልኾ ንኽፍጽሙ ኣዝዮም ተሸጊሮም ነበሩ።

kida1ቅዱሳን ሓዋርያት ጳውሎስን በርናባስን ከኣ እቲ ዝበልዎም ኩሉ ናብ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ሃዋርያ ዮሓንስን ለኣኽሎም፡ንሳቶም ከኣ “ኣልቦ ዘትገብሩ ወኢምንተኒ ዘእንበለ ትእዛዙ ወምክሩ ለእግዚእነ ኢየሱስ  ክርስቶስ/ብዘይ ፍቓድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገር የልቦን። ነቶም ህዝቢ ሱባኤ ክኣትዉ ንገርዎም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓዱ እንተኾይኑ፡ቤቱ ክስራሕ እንተፈቒዱ ጸሎትና ክሰምዓና ባዕሉ ከካኣ ምላሽ ክህብ እዩ እሞ ስለዚ ንስኹም ጸልዩ ንሕና ከኣ ክንጽሊ ኢና” ክብሉ መለስሎም። ሱባኤኦም ምስ ወድኡ በዚ ዕለት እዚ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሎም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዝነበሩ  ቅዱሳን ሓዋርያት ብዓምዲ ደመና ጽዒኑ ኣብ ፊልጲስዮስ ናብታ ቅዱስ ጳውሎስን በርናባስን ዝነበርዋ ቦታ ኣምጺኡ ኣብኣ ኣኻኸቦም። ቅዱስ ዮሓንስ “ኦ ጎይታይ ንምንታይ ድኣ ኣኻኺብካና!” ክብል ሓተቶ።ጎይታና ከምዚ ክብል መለሰሉ “ብስም ወላዲተይ ካብ ጫፍ ዓለም ክሳዕ ጫፍ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ክትሃንጹ ፍቓደይ እዩ’ሞ  ህንጻ  ቤተ ክርስቲያን ከርእይርኩም ስርዓት ክምህረኩም እየ” ብምባል ተዛረቦ ።

ሽዑ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ  ወሰዶም ፡ተረሓሒቖም ዝነበሩ ሰለስተኣእማን(ደንጎላ)ነበሩ፡ብተኣምራት ኣቀራሪቡ ቁሞቱን ጎድኑን ዓቂኑ ሃቦም  “ወኣዕባንኒ  ይለመልሙ በእዴሆሙ” ይብል፡እሳት  ከም ዘውዓዮ ስምዒ  ኣብ ኣእዳዎም  እና ለምለመ (እና ተሰሓበ)ቁመቱ 24 ጎድኑን 12 እመት ገይሮም  ሰርሕዎ። “ወይእዜኒ ኣንትሙኒ ከመዝ ግበሩ/እምበኣር ንስኻትኩም’ውን ከምዚ ጌይርኩም ስርሑ” ኢልዎም ከደ። ንሳቶም ከኣ እቲ ዝቐረበሎም ኣእማን ብተኣምራት ናብ ዝደለይዎ ከም ዝረሰነ ስምዒ እና ጠዋወዩ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ፡

ንጽባሒቱ ቅዳሴ ሰሪዑ ቅድስት ድንግል ማርያም  መንበር፥ ቅዱስ ጴጥሮስ ተራዳኢ ካህን፡ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰራዒ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ኣቑሮቦም።በዚ ነገር እዚ ሰማያውያን መላእኽትን ምድራውያን ሰባትን  ብሓድነት ኣመስገኑ። እዚ ታሪኽ እዚ ዝተፈጸመ ብ53 ዓመተ ምሕረት እዩ።

         ዋዜማ

ሐነጽዋ ወሳረርዋ ለቤተክርስቲያን

ከመ ትኩን ኣርኣያ ዘበሰማያት

ወከመ ትኩን ምስትስራይ ሓጢኣት

ዳዊትኒ ይቤ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም

      ምልጣን

ወከመ ትኩን ምስትስራይ ሓጢኣት

ዳዊትኒ ይቤ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም(2)

   በሓሙስቱ

እንተተሃንጸት በስሙ ወተቀደሰት በደሙ

እንተተሃንጸት በስሙ

   እግዚኣብሔር ነግሰ

ኣምሃነጻ እግዚኣብሔር ለጽዮን

ወይቀድሳ ለኢዮሩሳሌም

ኢየሱስ ክርስቶስ ምስለ መላእክቲሁ ዖደ

በደሙ ቀደሳ በዕጸ መስቀሉ ዓተባ

    ይትባረክ

ተለዓለ ቃሎሙ  ለእለ ይሴቡሑኪ ኢይትዓጾ ኣናቅጽኪ

ተንስኢ ጽዮን ልበሲ ሓይለኪ ወምዕዮሙ ለጸላእትኪ

     ሰላም

ሃነጽዋ ለቤተክርስትያን ወሳረርዋ በመንፈስ ቅዱስ

ከመ ትኩን ኣርኣያ ዘበሰማያት

ከመ ታድህነነ እምእቶነ እሳት

ትሃበነ ፍስሐ ጽድቅ

ወሰላም በዲበ ሰላም

ዘይክል ኩሎ ወኣልቦ ዘይሰኣኖ

              በረከትን ኣማላድነትን ናይ እመ ኣምላክ ኣይፈለየና ኣሜን!

                                    ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

                                 ወለወላዲቱ ድንግል

                                  ወለመስቀሉ ክቡር

                                    ኣሜን!

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.