Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፳/20 ሰነ ዕረፍቱ ለኤልሳዕ ነቢይ/20th June the Death of St.Elisha

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!

     ፳/20 ሰነ ዕረፍቱ ለኤልሳዕ ነቢይ

   220px-Elisha-Eliseus ኤልሳዕ ማለት ሓላዊ ሃገር ማለት እዩ ትውልዱ ካብ ነገደ ይሳኮር ኮይኑ ኣብኡ ሻፋጥ ይብሃል (1ነገ 19፡16)።ነቢይ ኤልሳዕ  ዓሰርተ ክልተ ጽምዲ ብዕራይ ገይሩ  እና ሓረሰ ከሎ ብነቢይ ኤልያስ ገይሩ ቅዱስ እግዚኣብሔር ምስ ጸውዖ ነቶም 12 ጽምዲ ኣብዑር ገዲፉ ደድሕሪ ኤልያስ ሰዒቡ ንኣምላኽና ንእግዚብሔር ዘስመረ ሰብ እዩ(1ነገ 19፡19-21)።

ንብዙሕ ግዜ ንነቢይ ኤልያስ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መጨረሽታ ነቢይ ኤልያስ  ካብኡ ዝፍለየሉ ግዜን ሰዓትን ምስ በጽሐ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ዕጽፍን ድርብን ኮይኑ ክወርድ ለመነ። እቲ ካብ ሰማያት ሓዊ ዘውረደ፡ ንሰማይ ሰለስተ ዓመትን መንፍቕን ዝናብ ከይከውን ዝዓጸወ፡ ንምዉት ዘተንስአ፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል ዝነበረ ነቢይ ኤልያስ ንባሕሪ  ዮርዳኖስ በቲ ለቢስዎ ዝነበረ ካባ ገይሩ ከፊሉ ተሳገሩ (2ነገ 2፡8)።ነዚ ኩሉ ነቢይ ኤልሳዕ ብዓይኑ ይርኢ ነበረ። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ነቢይ ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ እና ረኣዮ ናብ ሰማይ ተወስደ። ነዚ ዝረኣየ ኤልሳዕ እቲ ዘፍቅሮ ኣብኡ ካብኡ ስለ ዝተወስደ ብዓው ዝበለ ድምጺ ኣዝዩ ጨደረ። ግናኸ “ክዓርግ ከለኹ እንተሪኢኻኒ ክኾነልካ እዩ” ዝብል ቃል ነቢይ ኤልሳዕ ዘኪሩ ግና ብሓጎስ ድኣ ተመልሰ።

ነቢይ ኤልያስ ብናቱ ካባ ባሕሪ ዮርዳኖስ ከም ዝኸፈል፡ነቢይ ኤልሳዕ እውን በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ካባ ጌይሩ ንባሕሪ ዮርዳኖስ ከፊሉ ናብ ሃገሩ ተመልሰ(2ነገ 2፡11-14)

ኣብ ኤልያስ ዝነበረ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ነቢይ ኤልሳዕ ስለ ዝሓደረ ብዙሕ ድንቂ ዝኾኑ ስርሓት ብሂወቱን ብሞቱን ሰርሐ። ንብዙሓት ናይቲ ዘመን እቲ ሰባት ከኣ ብስጋን ብነፍስን እና ጓሰየ ዓቢይ ኣገልጉሎት ፈጺሙ እዩ።

ነቲ ዘፍቅሮ ነቢይ ኤልያስ ኣፋንዩ ክምለስ ከሎ ዝጸረፍዎን ዘላገጽሉን ልሳኑ ከፊቱ ረገሞም ካብ ዱር 2 ድቢ ወጺኦም ከኣ ሰባበርዎም (2ነገ2፡23-25)

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብጸጋ ኣምላኽ ስጋዊ ናብራ  ገዲፉ  ኣሰር ነቢይ ኤልያስ ዝሰዓበ ነቢይ ኤልሳዕ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር  ኣብ ልዕሊኡ መንፈሱን ረዲኤቱን ኣውሪዱ ዓበይቲ ተኣምራት ክገብር ኣብቂዕዎ እዩ። ካብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ተኣምራት ናይ ነቢይ ኤልሳዕ ገለ ካብኡ ብከፊል ክንርኢ፡

ብካባ ኤልያስ ባሕሪ ዮርዳኖስ ከፊሉ ተሳጊሩ (2ነገ2፡13-14)ጥንሲ ዝሰድድ፡ ዘይጥዑም ዝነብረ ማይ ናይ ኢያሪኮ ኣዝዩ ጥዑምን ጥዕና ዝህብን ገበሮ  (2ነገ 4፡19-22)

ሰብኣያ  ብሂወቱ ከሎ ዝተዓደዮ ዕዳ ከይከፈሎ ብምማቱ ሰበይቱ ብባዓል ዕዳ ተተሒዛ ክልተ ደቃ ንባርነት ክሽየጡ ኣብ ዝበጽሓትሉ ግዜ ነተን ዝነበርኣ ሒደት ዘይቲ ብጸሎቱ ኣበርኪቱ ዕዳኣ ከፊላ፡ ደቃ ካብ ባርነት ከም ዝተርፉ ገይራ፡ህይወታ ብዘይ ሽግርን ጸገምን ክትመርሕ ኣኽኢልዋ እዩ(2 ነገ 4፡1-7)

ElishaRaisingShunammitesSonእታ ኣዝያ ለባም ሹናማዊት ሰበይቲ ፡ምስ  ሰብኣያ ተማኺራ ኩሉ ግዜ እትምግቦ ዝነብረትን ነቲ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ   ናይ በይኑ ገዛ ሰሪሓ መዕረፊ ዘዳላወት፡ ናብ ኣምላኽ ለሚኑ ብዝነበሮ ጸጋ ኣምላኽ ውላድ ረኸበት ፡ እቲ ዝተወልደ ህጻን ግና ድሕሪ ግዜ ስለ ዝሞተ ነቢይ  ኤልሳዕ  ናብ ኣምላኽ ለሚኑ ካብ ሞት ኣተንስኦ(2ነገ 4፡8-37)።

ብህይወቱ ምዉት ዘተንስኤ ኤልሳዕ ምስ ሞተ እውን ብቅዱስ ዓጽሙ ንዝሞተ ሰብ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ(2ነገ 13፡14-21)።ዝቐትል መግቢ ብጸለቱ ፈዊሱ ሰባት ከም ዘበልዑ ገበረ (2ነገ 4፡38- መፈ)።

ናይ ሶርያ ሓለቓ ሰራዊት ብዝነበሮ ሕማም ናብ ኤልሳዕ መጺኡ ማይ ጸሎት ተኣዚዝዎ ሓውዩ እዩ። ካብቲ ነቢይ ኤልሳዕ ዝነበሮ ከኣ ክልተ ጽዕነት መሬት(ጸበል) ወሲዱ እዩ። ከመይ  ቅዱሳን ብኹሉ ንብረቶም ቅዱሳን ስለ ዝኾኑ። ነዚ ተረዲኡ እዩ ናይ ሶርያ ሓለቓ ሰራዊት ጸበል ክወስድ ዝኸኣለ(2ነገ 5፡1-መፈ)።ብተኣምራቱ ኣብ ማይ ዝኣተወ ምሳር ኣብ ልዕሊ ማይ ጸብለል ከም ዝብል ዝገበረ ዓቢ ኣቦ እዩ(2 ነገ 6፡1-7)።ኣብ ሃገሩ ተቐሚጡ ኣብ ሶርያ ኣብ ማእከል ቤተ መንግስቲ ዝግበር ዝነበር ዝርርብን ቅዲ ኩናት ብዛዕባ ምፍራስን ምውራርን እስራኤል ተገሊጽሉ ንእስራኤላውያን ዓወት የውህቦም ነበረ። እዚ ከም ዝኾነ ዝፈለጠ ናይ ሶርያ ንጉስ ሰራዊቱ ሰዲዱ ንነቢይ ኤልሳዕ ሒዞም ክቐትልዎ ኣብ ዝመጽሉ ግዜ ከኣ ጌና ከይተበገሱ ከለዉ  ፈሊጡ ብትብዓት ተጸበዮም። ንብዘሎ ዙርዩኡ ኣኽቢቦም  ጠጠው ኣብ ዝበልሉ ግዜ ድማ ኣገልጋሊኡ፡ገሓዚ ክጭነቕ ከሎ ነቢይ ኤልሳዕ ግና እሳታውያን መላእኽቲ ኣብ ዙርዩኡ ስለ ዝነበሩ  ዝተሰምዖ ነገር ኣይነበረን፡ ናብ  ኣምላኽ ለሚኑ ከኣ ንኹሎም እቶም ሰራዊት ኣዒንቶ ከም ዝዓውሩ ገበረ እሞ ኩላቶም ምርኣይ ሰኣኑ። ናብ መዕረፊ ወሲዱ  መግቢ ኣብሊዑ ማይ ኣስቲዩ ከኣ ብሰላም ናብ ሃገሮም ኣፋነዎም(2 ነገ6፡8-23)። ካብ እስራኤል ሓሊፉ ክሳዕ ሶርያ እና ኸደ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ መገዲ እግዚኣብሔር መሃረ ንዝግሰጽ ገሰጸ፡ ትብዓት ዘድልዮ፡ መድሃኒት፡ኮነ ሓገዝ ዘድልዩ ከኣ ብዝተዋህቦ ጸጋ ናብ ኣምላኽ እና ለመነ ይፍጽመሎም ነበረ። ናይ ዘመኑ ነገስታት ከኣ ኣብ ግዜ ሕማም፡ ሽግሮም ኮነ ራህውኦም ብዛዕባ እቲ ክኸውን ዘለዎ ነገር እንታይ ምኻኑ ክፈልጡ ብኣካልን ብመልእኽተኛን ይሓቱ ነይሮም እዮም።  ኣብ ግዜኡን ኣብ ሰዓቱን ከኣ ምላሽ ይዋሃቡን  እቲ ዝኾነ ከኣ ከምቲ ዝበሎ ይፍጸም ነበረ (2 ነገስት ካብ ምዕራፍ ሸውዓተ ንደሓር ዘሎ ተመልከት)።

ብሓፈሻ ስለ ናይ ቅዱሳን ነገር ተተንቲኑ ዝውዳእ  ኣይኮነን። ነቢይ ኤልሳዕ እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢን ክቡርን ዝነበረ ነቢይ እዩ። ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣምላኽ ከኣ ኣብ  ዘመኑ ንብዙሓት  ናብ መገዲ  የማን መሪሑ፡ብስጋን ብነፍስን ምስ ኣምላኽ ኣተዓሪቕዎም እዩ።ነቢይ ኤልሳዕ ን 50 ዓመታት ዝኣክል ንእግዚኣብሔር ብትግሃት ምስ ኣገልገለ ዓረፈ።

  ሎሚ እውን ንዓና  ምስ ኣምላኽ ከተዓርቐና፡ በረኸቱን ረዲኤቱን ኣብ ልዕሌና ክወርድ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።ኣሜን!

                         ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

                         ወለወላዲቱ ድንግል

                           ወለመስቀሉ ክቡር

                             ኣሜን።

 

Sorry, comments are closed for this post.