Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

10/፲ ለካቲት ዕረፍቱ ለሓዋርያ ያዕቆብ ወልደእልፍዮስ/the death of James the son of Alphaeus

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

           10/፲ ለካቲት ዕረፍቱ ለሓዋርያ ያዕቆብ ወልደእልፍዮስ

  
5308094_f520 ያዕቆብ
ማለት ኣኅዜ ሠኮና ኣዕቅጺ( ኣሰናኻሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ኮይኑ ሃገር ሰብከቱ ኢየሩሳሌም እዩ። ንሱ ሓደ ካብ 12 ሓዋርያት እዩ። ሓዋርያ ያዕቆብ ስብከት ወንጌል ክጅምር ከሎ ኣብ ማእከል ኢየሩሳሌም ኣብ ምኩራብ ኣይሁድ ኣትዩ ሰገጥ ከይበለ ድማ ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነትን ብመልክዕና ሰብ ንፍጠር ካብ ዝበሉ ኣካላት ስላሴ ሓደ ከምዝኾነን ንሱ ናብ ማህጸን ድንግል ማርያም 9 ወርሕን 5 መዓልትን ከምዝተጾረን ድንግል ማርያም ዝወለደቶ ኣምላኽ ምዃኑን ነቶም ኣኽረርቲ ኣይሁድ ከይፈርሀ ቃል ቅዱስ ወንጌል ንባቡን ትርጉሙን ግልጺ ገይሩ መሃሮም። ምስዚ ኣተሓሒዙ  ከኣ ናይ ክርስቶስ ካብ ልደቱ ክሳዕ ዳግማይ ምጸኣቱ ጽቡቕ ገይሩ ምስኣረድኦም ኣብ ኢድ ጸላእቱ ዝወድቀላ ሰዓት ኣኸለት። ዲያብሎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ጽን ኢሎም ንትምህርቱ ክሰምዑ ዝጸንሑ ኣይሁድ መንፈስ ጽልኢ ኣለዓዓለሎም እሞ  ነቲ ሽዑ ንጉስ ዝነበረ ቀላውዴዎስ ዝበሃል ” ሓደ ዘይንፈልጦ ሰብ ኣብ ኣውራጃናን ወረዳናን እናተዘዋወረ፡ ኣነ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ። ንምድራዊ ንጉስኩም ኣይትገዝኡ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ንጉስኩም” እናበለ ንሃገርና ከጥፍእን ንህዝብና ከጋግን ኮነ ኢሉ ዝመጸ ሰብ ኣሎ ኢሎም ናብ ንጉስ ኣመልከቱ።

 ንጉስ ቀላውዴዎስ ድማ  “እህህህህህ… ወይዚ ደፋር  ሎምስ ከኣ ንንግስነተይ ዝፈታተን ተንሲኡ በሉ ገጹ ከይረኣኽዎ ከለኹ ብዳርባ እምኒ  ጨፍጪፍኩም ቅተልዎ” በሎም። ከሰስቱ ድማ ብዘይ ገለ ኮለል እቲ ዝደለይዎ ስለዝሰመረሎም ንንጉስ እና ኣመስገኑ ንቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ብዳርባ እምኒ ቀተልዎ።

ብድሕሪ እዚ እቶም ከሰስቱ “እንቛዕ ድኣ ነዚ ቀተልናዮ እምበር ሕጂስ ሞት ከም ኣዳም” ኢሎም ፋሕ ምስበሉ፡ እቶም ምእመናን መጺኦም ኣዚዮም እናሓዘኑ ብኽብሪ ኣብ ቀጽሪ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም ቀበርዎ።

በረኸቱን ረድኤቱን ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

 ኣሜን!   

Sorry, comments are closed for this post.