Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

13/፲፫ መጋቢት ሰማእት 40 ሓራ

tes እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣባላት ሰራዊት ሃገረ ቢስጢንያ ዝነበሩ እዮም። መስፍን ናይ ብስጢንያ ምስ ሞተ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ንእልፍያኖስ ንጉስ ናይ ብስጥንያስ ጌሩ ሽሞ። እልፍያኖስ ክሽየም ከሎ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሕ እየ ንክርስቲያን ድማ ክሕግዝ እየ ኢሉ እዩ ተሸይሙ። ድሓር ግን ብወርቅን ብብሩርን ዝተቐርጸ ምስሊ ብምቋም “ሃይማኖትኩም ለውጡ ንጣዖታት ስገዱ ክብል” ጀመረ። ብዙሓት ድማ ፈሪሆም ሃይማኖቶም ሓዲጎም ንጣዖታት ሰገዱ። እዞም ኣርብዓ ሰባት ግን “ሃይማኖትና ኣይንገድፍን ንጣዖታት ኣይንሰግድን” በሉ። ስጋኦም ክሳብ ዝበታተኽ ብምግራፍ ኣብ ዝሑልን ዓሚቕን ማይ ደርበዮም። ሰላሳን ትሽዓተን መዓልቲ ምስ ገበሩ ሓደ ካብኦም ሽግር ከቢድኒ መዓልቲ በዚሕኒ ብምባል ካብቲ ዝነበርዎ ወጸ። ንጽባሒቱ ኣርብዓ ኣኽሊላት ካብ ሰማይ ተንጠልጢለን ወረዳ እቶም ሰላሳን ትሽዓተን ድማ ኣኣኽሊሎም ተቐበሉ ሓንቲ ግን ተረፈት፡ ነዚ ዝረኣየ ሓደ ዘይኣማኒ በቲ ዝረኣዮ ኣሚኑ ዘሊሉ ናብቲ ዓሚቕ ማይ  ኣተወ፡ ነታ ዝተረፈት ኣኽሊል ድማ ተቐበላ። እልፍያኖስ ንወተሃደራቱ ልኢኹ ንኽቐትልዎም ኣዘዘ ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን ኩሎም ዓሪፎም ጸንሑዎም። እዚ ዝተፈጸመ ብ 4ይ ክ.ዘ እዩ።             

Sorry, comments are closed for this post.