Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ቀዳማይ ክፋል)/ Metmqe Melekot Qdus Yohans (part one)

                                                   መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ቀዳማይ ክፋል)

                                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

                                           ቅዱስ ዮሐንስ

 seeeeeeeeeeeeeeeeee0001ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዘመነ ብሉይ፥ ምእታው ዘመነ ሓዲስ ብቅድስናኦም ካብ ዝተፈልጡን እግዚአብሔር ኣብ ማኅጸን ኣዴኦም ከሎ ካብ ዝኃረዮምን ብፍሉይ ዝጥቀስ እግዚአብሔር ነቲ ዓቢ ዕላምኡ ዝመደቦ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ ካህን እዩ።

 ነቢያት ዝትነበዩሉ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘቛጸሮ ዘመን ድኅነት ምስ ቀረበ መገዲ ክጽረግ ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ ቅዱስ ሰብ ዮሐንስ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ናይ ነቢያት መፈጸምታ ናይ ሓዋርያት መጀመርታ፡ ናይዘመነብሉይፈጻሚናይዘመነሓዲስተላሚ እዩ።

                ልደቱ

   ልደት ናይዚ እግዚአብሔር ንፍሉይ ስርሑ ዝመደቦ ቅዱስ ሰብ ካብ ቅዱሳን ስድራ ማለት ካብ ካህን ዘካርያስን ካብ ኣዲኡ ኤልሳቤጥን ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ከም እኒ ኢሳይያስ ብዝኣመሰሉ ዓበይቲ ነቢያት ትንቢት ዝተነግረሉ፡ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ድማ ብብስራት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብዝቐውም መጋቤ ሐዲስ ቅዱስ ገብርኤል ዝተጸንሰን ዝተወልደን እዩ። እቲ ዕለት ድማ 30 ሰነ (ሽዱሽተ ወርሒ ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) እዩ ነይሩ። ካብ ነገደ ሌዊ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ምስ ጐይታ ብስጋ’ውን ዝምድና ኣለዎ። ኣዴኡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ሓትኖ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እዚ ቅዱስ ሰብ ገና ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ከሎ ነቲ ንድኅነት ዓለም ክብል ንዝመጸን ንዝተጸንሰን ጐይትኡን ፈጣሪኡን ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም እንከሎ ዝሰገደሉን ዝተሰራሰረሉን እዩ። ገና ኣብ 6ይ ወርሑ መልክዕ እምበር ምሉእ ልቦና ሰብ ከየጥረየ ከሎ ብምምጻእ ጐይትኡ ተሓጐሰ። ንድንቂ ስራሕ እግዚአብሔር ‘ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ የልቦን’ ኢልካ ካብ ምግላጽ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ክንብል ይከኣለና፧ እዚ ሓጐስ እዚ፡ ሓጐስ ኵሉ ወዲ ሰብ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ከሎ ንጐይትኡ ናይ ባህርይ ስግደተ ኣምልኾ ምቕራቡ፡ ንጐይታ ኣብ ማሕጸና ክትጸውርን ክትወልድን ንዝተኃርየት ቅድስተ ቅዱሳን ኸኣ ናይ ጸጋ ስግደት ምስጋዱ ኣየገርምን፧! ንሕና ኸኣ ምሉእ ልቦና ኣሎና እንብል ከ ከመይ ኣሎና፧ ኣቦ ዮሓንስ ካህን ዘካርያስ ብዛዕባ እዚ ንፍሉይ ተልእኾ እግዚአብሔር ዝጽነስን ዝውልደን እዚ ሕጻን’ዚ ምስ ተበሰረ ቐልጢፉ ብዘይምእማኑ መልኣኽ ዓባስ ከም ዝኸውን ገበሮ። ኣብ ግዜ ልደቱ ኸኣ ኣፉ ኸፈተሉ። ‘ኣብ ምጽናሱ ኣፍ ኣቦኡ ዝተዓጽወ ኣብ ምውላዱ ድማ ኣፍ ኣቦኡ ዝተኸፈተ እዚ ቖልዓ እዚ እንታይ  ክኸውን እዩ’ ኢሎም ኣዝማዶምን ጐራባብቶምን ዘዛረበ እዚ ቆልዓ ሓጐስን ተድላን ስድርኡ ጥራይ ዘይኮነስ ሓጐስ ኵሉ ወዲ ሰብ እዩ። ስም’ውን ብመልኣኽ ዝተዋህቦ ዓቢ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ። ዮሐንስ ማለት ሓጐስ ፍስሓ  ማለት እዩ። በቲ ብግብሩን ተልእኾኡን ኸኣ ብዙሕ ቅጽል ኣስማት ዘለዎ ክቡር ኣቦ እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኸኣ ካህን፡ ነቢይ፡ ሐዋርያ፡ መጥምቀ መለኮት፡ ሰማዕት፡መምህርወመገሥጽ ኢላ ትጽውዖ።

                ኣተዓብብይኡ

 yahaብኵሉ ናብርኡ ብቅድስና ዝተመልአ ቅዱስ ዮሐንስ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ፤ ንብዙሓት’ውን ካብ መገዲ ጸጋም ናብ መገዲ የማን፤ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ከም ዝምልስ፤ ንሕዝበ እግዚአብሔር ከዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ክኸይድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ብመልኣኽ ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ።

 ኣተዓባብይኡውን ብብሕትውና ኣብ በረኻ እዩ ነይሩ። ክዳኑ ጸጒሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቚኡ ድማ ፈልቊ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ጽጌናይን ከም ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ንፍሉይ መደብ እግዚአብሔር ጥራይ ዝተወልደ ቅዱስ ሰብ ብምንባሩ ናብርኡ ዅሉ ካብ ዓለምን ፈቓዳን ፍጹም ዝረሓቐ ናዝራዊ ነበረ።ስለዝኾነ’ውን ወዲ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ሄሮድስ ንጐይታ ረኸብኩ ክብል ትሕቲ ክልተ ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ኣኪቡ ኣብ ዘቕተለሉ እዋን፡ ኣቡኡ ጻድቅ ካህን ዘካርያስ ኣብ ቤተ መቅደስ ሓቢእዎ። እቶም ንዮሐንስ ክቐትሉ ተሓቢሮም ዝመጹ ወተሃደራት ኸኣ ንዘካርያስ ኣብ ቤተ መቅደስ ብግፍዒ ቀተልዎ። ንዮሓንስ ግና ከይረኽብዎ መልኣኽ እግዚአብሔር ወሲዱ ኣብ በረኻ ኣስፈሮ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ኣዴኡ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ይቕመጡ ነበሩ። ድኅሪ 7 ዓመት ግና ኣዲኡ ምስ እንሰሳ ዘገዳምን ኣራዊትን መላእኽትን ሓዲጋቶ ዓረፈት፡ መላእኽቲ’ውን ቀበርዋ። እቶም እንስሳት’ውን መመጺኦም በብእብረ ይምግብዎ ነበሩ።

ብድኅሪኡ ከም ባሕታዊ ኮይኑ 30 ዓመት ክሳብ ዝመልእ ኣብ በረኻ ተቐመጠ። እቲ እግዚአብሔር አምላኽ ዝመደቦ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ ናብ ሕዝበ እስራኤል ክወጽእን ነቲ ቃል ንስሓ ከስምዕን ጀመረ። ካብ 5500 ዓመታት ጀሚሩ ኣዳምን ደቁን ብዓቢ ተስፋ ዝተጸበይዋ፡ አበው ነቢያት ዘማዕደውዋ ቃል ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ንመጀመርታ ጊዜ ካብ ኣፍ እዚ ቅዱስ ኣቦ ተሰምዐት፦ “ነስሑ ወእመኑ እስመ ቀርበት መንግሥተ ሰማያት” (“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ”)።  እዚ ቃል’ዚ እቲ ዘመን ጸልማት ክሓልፍን ዘመን ብርሃን ምቕራቡን ዘበስርን፡ ነቲ ኣማናዊ ብርሃን ንጉሥ ክርስቶስ ድማ ተዳልዮም ንኽቕበሉ ዝጽዋዕ ነበረ። ጐይታ’ውን ትምህርቱ ክጅምር ከሎ ቀቅድሚኡ ንዝተነግረ ስብከተ ዮሓንስ ኣምሊኡን ኣስፊሑን ብዛዕባ መንግስተ ሰማያተ ተዛረበ።

                ጸራጊ መንገዲ  

    10447599_677351278984890_1032117993916124529_nመጥምቐ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ኣቐዲሙ ብነቢያት ከም ዝተነግረሉ ጸራጊ መገዲ ንድኅነት ወዲ ሰብ ናይ ዝመጸአ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ በረኻ ኣዳልዉ፡  ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚአብሔር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሔር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሓቢሩ ኺርእዮ እዩ።” ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ኣዋጅ ነጋሪ ምዃኑ ዝተነግረሉ ቅዱስ ዮሐንስ እዩ። ነዚ’ውን ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ተሓባቢሮም መስኪሮሙሉ እዮም። ኣርጊጾም ክዛረቡ ከለዉ ድማ “እቲ ብነቢዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።” ኢሎም ብዛዕባ ዮሓንስ ዝተነገረ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

 ንጉስ ናብቲ ሓደ ዓዲ ቅድሚ ምምጽኡ ጎቦን ኩርባን ፈሪሱ፡ ጉድጓድ ዘበለ መሊኡ፡ እሾኽ ተመንቍሱ ኣእማን ተፈንቂሉ ንፈረስን ንሰረገላን ከምዝምቹ ኮይኑ ክጸንሕ ከምዘለዎ፡ ንጉሠ ሰማይ ወምድር፡ ንጉስ ስጋ ወነፍስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ እዩ እሞ መኅደሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ሰብነትኩም ካብ ኃጢኣት ካብ ጣኦት ፍለይዎ፡ ኣንጽሕዎ፡ ኣርሕቕዎ። ልቦናኹም ንመኅደሪ እግዚአብሔር ከምዝኸውን ገይርኩም ኣዳልውዎ እናበለ ይምህር ነበረ። ነቶም ክንዲ ጎቦ ብትዕቢትን ልዕልና ልቦናን በሪኾም ዝነበሩ ትሕት ክብሉ፡ ነቶም ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዝነበሩ ኸኣ ብዘጸናንዕ ቃል ተስፋ ነቲ ዝጐድጐደ ሕይወቶም ይመልኦ ነበረ። ብመሠረት ትምህርቱ ኸኣ ሰባት ነቲ ዝብሎ ሰሚዖም ይፍጽምዎ ነበሩ። ምኽንያቱ እቲ ሰረገላ ንጉሥ መገዱ ቀኒዑ እንተዘይረኺብዎ፡ መእተውውን ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ባዕሉ ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ዝዅሕክሕ ዘሎ። ስለዚ እዩ ድማ ሓዋርያት ልብና እምበር ክዳና ምቕዳድ ፋይዳ ከምዘይብሉ ዝነገሩና።

 እቲ ብነቢያት ዝተነግረሉ ጸራጊን ኣቕናዒን መገዲ ንሱ ቅዱስ ዮሓንስ ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ መስኪሩሉ እዩ። “እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ ‘እንሆ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ’ ..” ብምባል እቲ ትንቢት ኣብኡ ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡሉ ነይሩ። ባዕሉ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት’ውን ብዛዕባ መንነቱ ብኣይሁድ ዝተላእኹ ካህናትን ሌዋውያንን መላሊሶም ምስ ሓተትዎ “ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሔር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ” በሎም ይብል ወንጌላዊ ዮሓንስ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ከምቲ ዝተነግረሉ ኸኣ መገዲ ጐይታ ጸሪጉ፡ ልኡኹ ምስ ፈጸመን ምፍጻሙ ኸኣ ብግብሪ ጐይታ ምስ ኣረጋገጸን “ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ፤ ንሱ ክዓቢ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ” በለ።

           ስብከተ ዮሓንስ

“መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ” ብምባል ዝጀመረ ስብከት ቅዱስ ዮሓንስ ንኵሉ ሕይወት እስራኤላውያን ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ። ከምቲ ብነቢያት ዝተነግረሉ ኸኣ ቃለ ዓዋዲ ኮይኑ ንልቢ እስራኤላውያን ከም መገዲ የቕንዖ ነበረ። “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዱ’ውን ኣቕንዑ” እናበለ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምጺ ኸኣ ናቱ ነበረ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ክፋል ትምህርቱ ኸኣ ንስሓ ነበረ። ንእግዚአብሔር ብምሉእ ኅሊናኡ ክስዕብ ዝደሊ መገዲ ልቡ ብንስሓ ከጽርይን ከስተኻኽልን ስለዘለዎ፤ ቅዱስ ዮሓንስ ንኵሉ ክፋል ሕብረተሰብ ናብ ንስሓ ይጽውዕ ነበረ። ብዘይ ንስሓ ንእግዚአብሔር ምርካብን ምርኣይን ስለዘይከኣል፤ እቲ ቀዳመይቲ መገዲ እግዚአብሔር ንስሓ እያ። ጐይታ’ውን ብዛዕባ ንስሓ መሃረ። ሓዋርያትውን ቀዳማይ ትምህርቶም ብዛዕባ ንስሓ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ነቶም ሕዝቢ ብሓጢኣቶም ክንስሑ፤ በደሎም ክናዘዙ ይጽውዖም ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝብሎ እናሰምዑ “እንታይ ንግበር” ኢሎም ምስ ሓተትዎ ክገብርዎ ዝግባእ ነገር ከከም ኣመጻጽኦምን በደሎምን እናነገረን ነቶም ዝተመልሱ ኸኣ ደጊም ከይብድሉ ክጥንቀቑ ይምዕዶም  ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ኸኣ ብዙኃን ናብኡ እናመጹ ይንስሑን፡ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ኸኣ ናይ ንስሓ ጥምቀት ይጥምቑን ነበሩ። ካብ ኢየሩሳሌምን ኵሉ ይሁዳን ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ዝመጹ ዝነበሩ ከኣ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ሰዱቃውያን፡ ተገውትን ቀረጽትን፡ ዓቀይቶትን ኃጥኣንን ንእኣቶም ዝኣመሰሉ ማኅበራት ኣይሁድ ነበሩ። ንኵሎም ግና ክንስሑን ልቦምን ግብሮምን ክምርምሩ የጠንቅቖም ነበረ። ነቶም ደጊኦም ኣጸቢቖም ፈላጣት ሕጊ ደቂ ኣብርሃም ኢና ኢሎም ንዝምክሑ ዝነበሩን ተሓቢኦም ንዝቐረብዎ “አቱም ውሉድ አትማን” ብምባል ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዐ እግዚአብሔር ክመልቝ ክነስሑን ንንስሓ ዝበቕዕ ፍረ ከፍርዩ ከምዘለዎምን እንተዘይተነሲሖም ግና ጥፍኣት ከምዝተቐረበሎም ይነግሮም ነበረ። “ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጒንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ቅዱስ ዮሓንስ ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ፤ ሃብታም ኢሉ ዘየኽብር ድኻ ኢሉ ዘይንዕቕ፡ መማለዲ ዘይቕበል ንኵሎም ከይሓፈረን ከይፈርሀን ስለቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ በደላትን ኃጢኣትን ይግስጾምን ይምዕዶምን ዝነበረ ሰባኬ ሓቅን ብርሃንን እዩ። ነቲ ሰበይቲ ሓዉ ከእቱ ዝደፈረ ሄሮዶስ እኳ ከይፈረሀ ካብዚ ግብሩ ክቑጠብ ብትብዓት ገሲጽዎ ነበረ። በዚ ምኽንያት ኸኣ ናብ ቤት ማሕቡስ ከምዝኣተወ ታሪኹ ይነግረና። በዚ ድማ ናይቶም ክልተ ገጽ ዘይብሎም ሓቀኛታት መምህራን ኣብነት ኮነ። ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ ዝሰዓቡ መምህራን ኣብ ኵሉ ዘመን ኣይርከቡን እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መምህራን ኣብ ዝርከቡሉ ዘመን ዘርከበ ወለዶ ንእግዚአብሔር ከመስግን ኣለዎ። ልዑል ፍልጠት ዘለዎም መምህራን በብዘመኑ ኣይሰኣኑን ይኾኑ፤ ኣብነቱ ዝሰዓቡ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ስለ ሓቂ ክሳብ ሞት ዝእመኑ ሓቀኛ መምህራን ምርካብ ግና ብፍላይ ኣብ ዘመንና እምብዛ ከቢድ እዩ። መምህራን ስለቲ ዝኣምንዎ ሓቀኛን ርቱዕን ሃይማኖት ተቢዖም ክምህሩ ቅዱስ ዮሓንስ ሕያው ኣብነቶም እዩ።  

                   መጥምቀ መለኮት

baptismalዝኾነ ኣብ ምድሪ ዝተፈጥረ ሰብ ዘይተዓደሎ ፍሉይ ጸጋ ንቅዱስ ዮሓንስ ተዋሂብዎ እዩ። መሬታዊ ክነሱ ንኣምላኹ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ከጥምቕ ዝተኃርየ ኣቦ እዩ። ድኅሪ ጥምቀቱ ሰማያት ክኸፈቱ ምስጢረ ስላሴን ነገረ ተዋሕዶን ብጋህዲ ክርእይ ቅዱስ ዮሓንስ ካብቶም ቀዳሞት እዩ። በዚ መሰረት ኸኣ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት እናበልና ብፍሉይ ንጽውዖን ንውድሶን። ባዕሉ ጐይታ ናብኡ ከይዱ ከጥምቖ ምስ ነገሮ፡ እዚ ግብሪ ዘድንቕ ብምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ከመይ ገይሩ ይኸውን ብምባል ንጐይታ ሓቲትዎ ነበረ። “ኣነ ደኣ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ክትጥመቕ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ከምዝኣበዮን ጐይታ ከኣ “ኵሉ ጽድቂ ማለት ትንቢትን ነቢያትን ተሰብኦን ክንፍጽም ስለዝግብኣና እዚ ንኣና ተድላ ሓጐስ እዩ እሞ፣ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ” ኢልዎ ነበረ። እዚማለት ንአኻ መጥምቀ መለኮት ተባሂሉ ክብርኻ ኪንገረልካ እዩ። ንኣይ ድማ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ተጠሚቑ ተባሂሉ ትሕትናይ ኪንገረለይ እዩ። ጐይታ ንገዛእ ርእሱ ምስ ምእመናን ቈጺሩ እዚ ንኣና ሓጐስ እዩ ከምዝበሎ ንርዳእ። ብኻልኣይ ከኣ ንርእሱ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ቈጺሩ እዚ ንኣና ተድላ እዩ ማለት እግዚአብሔር ኣብ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብል፥ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ከሎ ሓድነትን ሰለስትነትን ስለዝግለጽ እዩ። ቅድሚ ምጥማቑ ግና ዮሐንስ ንጐይታ “ስም አብ አባኻ ህልዊ እዩ፤ ስም ወልድ ባዕልኻ ኢኻ፣ ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ አባኻ ህልዊ እዩ። ንኻልእሲ ብስምካ አጥምቕ፥ ንአኻ’ኸ ብስም መን ደኣ ከጥምቐካ እየ፧” ከምዘበሎን ጐይታ ድማ “ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሠሀለነ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ” እናበልካ ኣጥምቐኒ ኢሉ ከምዝኣዘዞን ብኸምኡ ድማ ከምዝጠምቖን ናይ ሓዋርያት መጽሓፍን መተርጉማነ መጻሕፍትን ብሰፊሑ ዝገልጽዎ እዩ (ሲኖዶስ ዘሐዋርያት)። በዚ መሰረት ብዘደንቕ ምስጢር ጐይታ ንኣና ኣብነት ክኸውን ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ። ንጐይታ ብምጥማቑ ኸኣ ክብሩ ዝተገልጸ ቅዱስ ዮሐንስ ብምዃኑ መጥምቀ መለኮት ንብሎ።

 ኣዴና እመ ብርሃን ወላዲተ አምላክ፡ ድኅሪ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ናብ ሓትንኣ ኤልሳቤጥ ከይዳ ምስ በጽሓታ፡ ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ ኢላ ብትሕትና ሰላም ዝበለታ፤ ዮሓንስ’ውን ጐይታ ክጥምቕ ናብኡ ምስ መጸ ተመሳሳሊ ቃል ተዛሪቡ ነይሩ። ትሕትና ከምዚ እዩ። ሰብ ናይ ዝቐደመ ኣቦታቱ ሰናይ ግብርን ይትበሃልን ከምኡውን ናብራ ቅድስና ሒዙ ክርከብን ብሓደ ስሙር ቃል ክዛረብን ከሎ ኣዝዩ ሰናይ ነገር እዩ። ዘመንና ግና ቃልን ናብራን ቅዱሳን ኣቦታቱ ክሰምሮ ዘይኮነስ ናቱ መገዲ ክፈጥር ይረአ። ናይ ኣቦታቱ ነገር ከስተናዕቕ፤ ክገድፍን ምርኣይ ፍጻሜኡ ጥፍኣት ምዃኑ ድማ ዘይተርፎ ይመስል።

Sorry, comments are closed for this post.