Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

14 ሓምለ (ሰማዕት ቅዱስ አብሮኮንዮስ )

✞ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
14 ሓምለ

• ሰማዕት ቅዱስ አብሮኮንዮስ
ቅዱስ አብሮኮንዮስ ካብ ኣቡኡ ክርስቶፎሮስ ኣዲኡ ቴዎዶስያ ኣብ ኢየሩሳለም ተወልደ ኣቡኡ ክርስትያን ኮይኑ ኣዲኡ ግና ኣምላኺት ጣኦት ነበረት ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሐ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብኡ ኣዲኡ ናይ እስክንድርያ ገዛኢ ንክኾነላ ንንጉስ ድዮቅልጥያኖስ ንክትዛረቦ ገጸ በረኸት ሒዛ ናብ ኣንጾክያ ከደት ንሱ ውን ከምዝደለየቶ ክገብረላ ተሰማሚዑ ናይ እስክንድርያ ገዛኢ ገይሩ ኣብኡ ዘለዉ ክርስትያን ንክቐትሎም ኣዚዙ ሰደዶ ።
አብሮኮንዮስ ነዚ ትእዛዝ ተቐቢሉ እናከደ ኣብ መንገዲ ከምቲ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሳውል ኣብ መገዲ ደማስቖ ተገሊጹ ዘጠንቀቖ ግ.ሐ 9፡4 ካብ ሰማያት ነዚ ትእዛዝ ድዮቅልጥያኖስ እንተፈጺምካ ብክፉእ ኣማውታ ክትመውት ኢኻ ዝብል ድምጺ ሰምዐ ብፍርሓት ክኣ ጎይታ ገዛእ ርእስኻ ክትግለጸለይ ይልምነካ ኣለኹ ኢሉ ጸለየሞ ብርሃን መስቀል ተራእዮ ዝተዛረቦ ካኣ ክርስቶስ ምኻኑ ገለጸሉ አብሮኮንዮስ እዚ ምስ ሰምዐ ተመሊሱ ከምቲ ዝተራእዮ መስቀል ኣስሪሑ ናብ እስክንድርያ ክኸይድ ኣብ መንገዲ ሸፋቱ ረኸብዎ ይኹን እንበር እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ሓይሊ ፡ ብሓይለ መስቀሉ ካብኣቶም በርቲዑ ስዒሩ ብሰላም ኣተወ ።
ድሕሪ ግዜ ኣምላኺት ጣኦት ዝነበረት ኣዲኡ ንጣኦታት መስዋእቲ ከቕርብ ሓበረቶሞ ንሱ ግን ብዘይካ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተዘይኮይኑ ናብ ካልእ መስዋእቲ ከምዘይስውእ ነገራ ንሳውን ነዚ ምስ ሰምዐት ንድዮቅልጥያኖስ ሓበረቶ ንሱ ውን ብኣገልጋሊኡ ናይ ቂሳርያ ገዛኢ ዝነበረ ከሳቕዮ ኣዘዘ ።
እቲ ናይ ቂሳርያ ገዛኢ ካኣ ብዙሕ መከራ ኣውረደሉ ቅዱስ አብሮኮንዮስ ግና መከራ ከይፈርሐ ኣብ እምነቱ ጸንዐ።
ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅዱሳን መልኣኽቱ ተገሊጹ በቲ መሎኮታዊ ኣእዳዉ ዳህሲሱ ካብ ኩሉ ቁስሉ ፈወሶ ። በቲ ዝተራእየ ትኣምር ካኣ ብዙሓት ብኣምላኽ አብሮኮንዮስ ንኣምን ኢሎም ኣመኑ በዚ ዝተቖጥዐ ንጉስ ን ክልተ መካንንቲ 12 ኣንስትን ኣዲኡን ብሰማእትነት ኣሕለፎም ንቅዱስ አብሮኮንዮስ ዳግማይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ ኣሳቐዮ ናብ ጣኦታት ክሰግድ ውን ገደዶ ቅዱስ አብሮኮንዮስ ግን ጣኦታት ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ኣዒንቲ ከለዎም ዘይርእዩ ኣእዛን ከለዎም ዘይሰምዑ ኢዮም ብምባል ኣብ እምነቱ ጸንዐ እዚ ብምባሉ ውን ደጊሙ ብዙሕ ዘስካሕክሕ መከራ ኣውረደሉ ብሴፍ ጎኑ ክወግኦ ዝሓሰበ ወትሃደር ብታእምራት ኢዱ ደሪቓ ወዲቑ ሞተ ።
እቲ ዘሳቕዮ ዝነበረ ንጉስ ብዙሕ ተኣምራት እናርኣየ ልቡ ተደፊኑ ከስተውዕል ኣይክኣለን ደጊሙ ኣብ እቶን ሓዊ ኣእተዎ ካብቲ እሳት ሓዊ ውን እግዚኣብሄር ኣድሓኖ ።
ቅዱስ አብሮኮንዮስ ኩሉ መከራ ኣሕሊፉ ኣብ መወዳእታ በዚ ዕለት እዚ ክሳዱ ብሴፍ ተሰይፉ ሰማእትነት ተቐበለ ።
በረኸትን ረድኤትን ናይ ሰማእት ቅዱስ አብሮኮንዮስ ፡ከምኡ ‘ውን ናይ ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜንንን ! ! !

Sorry, comments are closed for this post.