Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

33 በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም!!!

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

33 በዓላት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም

    ፍስሃ ኮነ ሕቶ፥   እተን ሠላሳን ሠለስተን በዓላት ኣዴና ቅድስት ማርያም እንተተብርሁልና።

በልሲ፥ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዓመት ዘለዋ ኩለን በዓላት ብድምር 33 እየን። ተኣምረ ማርያም ከም ዝሕብሮ  ዕለት ፳፩(21) ወርሓዊ በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ኣብ ዓመት ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ኣለዋ። በብወርሑ ዕለት ፳፩(21) በዓለ ማርያም ይኽበር። ኣብዘን ፲፪(12) ወርሒ ፲፪(12) ወርሓዊ በዓላት ኣለዋ።

፯(7) ነሓሰ ዝተጸንሰትሉ

፲፮(16) ነሓሰ ፍልሰታ /ፍልሰተ ሥጋሃ። እዚ ካብ ፲፮-፳፩(16-21) ከም ትንሳኤ ወዳ የክብርዎ ኢሉ ይእዝዝ። (5 መዓልቲ)

፲(10) መስከረም በኣተ ሥዕላ

፮(6) ሕዳር ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ

፳፩(21) ሕዳር ዘካርያስ ዝተተኽለ ብርሃን ዝረኣየሉ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር እዩ)

፫(3) ታሕሣሥ ናብ ቤት መቕደስ ዝኣተወትሉ

፳፩(21)ን ፳፪(22) ታሕሣሥ ደቅስዮስ ኤጲስ ቆጶስ በዓል ዝገበረሉ ( 1 መዓልቲ)

፳፰(28) በዓለ ጌና

፳፱(29) ታሕሣሥ ንጎይታ ዝወለድትሉ

፳፩(21) ጥሪ ዕረፍታ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)

፲፮(16) የካቲት ቃልኪዳን ዝተቐበለትሉ

፳፱(29) መጋቢት ንጎይታ ዝፀነሰትሉ

፩(1) ግንቦት ልደታ

፳፩(21) ግንቦት ደብረ ምጥማቅ (ካብ ፳፩-፳፭(21-25) ግንቦት) (4 መዓልቲ)

፰(8) ሰነ ወዳ ንድዉያት ፈውሲ ዝኸውን ካብ ከውሒ ማይ ዘፈልፈለሉ

፳(20) ሰነ ህንጸተ ቤታ

፳፩(21) ቅዳሴ ቤታ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)

በረከትን ረድኤትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም የካፍለና ኣሜን!!!!

 ስብሓት ለእግዚኣብሔር 

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Sorry, comments are closed for this post.