Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ኦ ወዲ ዳዊት መሓረና !!!

                          በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

                                                      ኦ ወዲ ዳዊት መሓረና !!!

        ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱሱ ክርስቶስ  ካብ ኢያሪኮ ክወጽእ ከሎ ብዙሕ ሕዝቢ ሰዓብዎ። እንሆ ድማ ክልተ ዕውራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፡ ጎይታ ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም “ኦ ወዲ ዳዊት መሓረና” እና በሉ ጨርሑ። እቶም ሕዝቢ ድማ (ኣብ ማእከል ሕዝቢ ዝነበሩ ፈሪሳውያን) ተኣምራት እንተደኣ ጌሩ ሰብ ክስሕብ፡ ወንጌልውን ክትሰፍሕ እያ፡ ስለዚ ኦሪት ክትጠፍእ እያ ኢሎም ስቕ ንኽብሉ ገንሕዎም። ንሳቶም ግና ብዓይኒ ጸወታ የለን ብምባል “ኦ ወዲ ዳዊት መሓረና” እና በሉ ኢየሱስ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ምዃኑ “መሓረና” እናበሉ ተማሕጸንዎ። በዚ ምስጢር’ዚ ድማ ምስጢረ ተዋህዶ መስኪሮም እዮም። ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ደው ኢሉ ጸውዖም እሞ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣዒንትና ክኽፈታ፡ ክንርኢ” በልዎ። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ራህራሃሎም እሞ ኣዒንቶም ተንከየ ብኡንብኡ ርኣዩ ሰዓብዎ ከኣ። ንግዜኡ ብእግሪ ሰዓብዎ ፍጻሜኡ ግና ብግብሪ መሰልዎ። ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኮይኖም ድማ ተቆጽሩ። ጎይታ ካብ ኢያሪኮ ወጺኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተጓዕዘ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ንደቂ ሰባት ኩሎም ዕረፍቲ ነፍሲ ንመሃብ እዩ።

   እዞም ዕዉራት እዚኣቶም ቀዳማይ ካብ ኢያሪኮ ናብ ኢየሩሳሌም  ብዝወስድ መገዲ ምጽንሖም፡ ካልኣይ ካብ ተግባረ ስጋ ዝዓቢ ተግባረ ነፍስ (ካብ ናይ ገንዘብ ብርሃን ካብቲ ግዝያዊ ዘይሓልፍ ብምቅዳሞም)፡ ሳልሳይ ድማ ስቕ በሉ ምስ ተባህሉ ስቕ ዘይምባሎም ማለት ምሕረት ክሳዕ ዝረኽቡ ምጭርሖም፡ ራብዓይ ድማ ኣብ ዝተጸውዕሉ ግዜ ብእምነት ምቅራቦም፡ ሓምሻይ ዝልምንዎ ምፍላጦም ካብ ጸልማት ወጺኦም ብብርሃን ክመላለሱ ክኢሎም እዮም። ኣብዚ ኢያሪኮ ናይ ዓለም፡ ኢየሩሳሌም ድማ ናይ ገነት፡ ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ እዩ። እቲ መገዲ ድማ ናይ ሃይማኖት ምሳሌ እዩ። ምኽንያቱ ሃይማኖት ካብ ዓለም ኣውጺኡ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም መንግስተ ሰማያት ዘብጽሕ መገዲ እዩ።እግዚኣብሔር ከምዚ እዩ ዝብል “ናብ ቀራና መገዲ ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡እቲ ጥንታዊ መገዲ እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኡኡ ተመላለሱ፡ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” ከም ዝብል (ኤር6፡16)። ዕረፍቲ ነፍሲ ዝርከብ ኣብ መንግስተ ሰማያት እዩ።

    ስለዚ ከምቶም እዞም ክልተ ዓይነ ስዉራን ናብታ ምሳሌ ናይ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ምድራዊት ኢየሩሳሌም እትወስድ መገዲ ጸኒሖም ዝተፈወሱ፡ ንሕናውን ብሓጢኣት ጸልሚቱ ዘሎ ሕይወትና ብብርሃን መታን ክመልእ ካብቲ ናይ ሓጢኣት መገዲ ወጺእና ናብ ሕይወት ዝወስድ መገዲ (ቤተክርስቲያን) ክንጸንሕ ይግበኣና።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብብርሃኑ ክንመላለስ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን ኣሜን!!!

 

Sorry, comments are closed for this post.