Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

27/፳፯ መጋቢት ስቕለት

                27/፳፯ መጋቢት ስቕለት

  me  ስጋኡ ናብ ሕብስቲ ደሙ ድማ ናብ ወይኒ ባሪኹን ለዊጡን ንደቂ መዛሙርቱ ክህቦም ከሎ ኣክሮስና ሰበይቲ ስምኦን ለምጻም ደርሆ ሰሪሓ መግቢ ኣቕረበትሉ። ጎይታ ዝተዛረቦ ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ሕብስቲ ቆሪሱ ብጸብሒ ጠሚዑ ንይሁዳ ሃቦ፡ ሰይጣን ምስታ ሕብስቲ ተወሃሂዱ ልቢ ይሁዳ ብቕንኣት ከም ዝነድድ ገበሮ። ስጋኡን ደሙን ምቕባል ንሰይጣን የርሕቕ እምበር ከመይ ኢሉ ሰይጣን ተዋሃሂዱ ክንብል ንኽእል ኢና። ሰብ ከይነጽሀ ከይተነስሐ ስግኡን ደሙን ዝቕበል ልክዕ ከም ይሁዳ ፍርዱ ኣብ ነፍሱ እያ። “ከይተገብኦ እንጌራ ጎይታ ዝበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዝሰቲ ኣብ ናይ ጎይታ ስጋን ደሙን እዩ ዝዕግብ” (1ይ ቆሮ 11፡27)። ንይሁዳ ኪድ ዝሓሰብካዮ ግበር በሎ። ወጺኡ ምስ ከደ ጎይታ ነቲ ደርሆ ብቓሉ ተዛሪቡ ብኢዱ ዳህሲሱ ህያው ገበሮ “ንይሁዳ ተኸታቲልካ ኣብ ዝኣተዋ ኣቲኻ ዝገበሮ ተዓዚብካ ዝተዛረቦ ሰሚዕካ ንደቂ መዛሙርተይ ንገሮም” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ደርሆ ከኣ በሪሩ ብምኻድ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ምስ ሰበይቱ ደቂሱ እንከሎ ንጎይታ ብገንዘብ ኣሕሊፉ ከም ዝህቦ ክመክር ከሎ ሰምዖ፡ ብምቕጻል ምስ ኣይሁድ “ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም ንስኹምከ እንታይ ትህቡኒ፧” ክብሎም ከሎ፡ ንሳቶም ድማ 30 ቅርሺ ክህብዎ ከልዉ፡ ስዒሙ ከምዘረክቦም ክመክር ከሎ ርእዩን ሰሚዑን ናብ ገዛ ተመልሰ። ኣብ ገዛ ድማ ኣምሪሩ ክበኪ ጀመረ። ጎይታ ከኣ “ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ንገረና” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ደርሆ ድማ “ይሁዳ ኣሕሊፉ ክህበካ ብ30 ቅርሺ ተሰማሚዑ ኣሎ፡ ኣይሁድ ድማ ክሕዙኻ ኩናት፡ ገመድ፡ ሒዞም ይመጹ ኣለዉ” ኢሉ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ነገሮ። ጎይታ ድማ ነቲ ደርሆ “ብኽንፍኻ በሪርካ ናብ ሰማየ ሰማያት ዕረግ ኣብኡ ድማ ንኣሽሓት ዓመታት ንበር” በሎ፡ ንሱ ከኣ ሽዑ ንሽዑ በሪሩ ተሰወረ።

     ይሁዳ ድማ ዝተነበየሉ ትንቢት ፈጸመ፡ እቲ ትንቢት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ነቢይ እምባቆም ክምህር እናኸደ እንከሎ ኣቦ ይሁዳ ምስ ካልኦት ኣቦታት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እቶም ካልኦት ተንሲኦም ናይ ክብሪ ሰላምታ ክህብዎ ከለዉ ኣቦ ይሁዳ ግን ኣይተንስአን። ከም እንደገና ነቢይ እምባቆም ክምህር ውዒሉ ክምለስ እንከሎ እቶም ኣቦታት ኣብኣ ጸንሑዎ ከምቀደሞም ውን ተንሲኦም ሰላም በልዎ። ኣቦ ይሁዳ ከኣ ተንሲኡ ሰላም ከይብሎ ኩርዓት ሒዝዎ፡ ስቕ ኢሉ ኮፍ ከይብል ከኣ ሓፊሩ ብነጸላኡ ተሸፊኑ ኣሕለፎ። ሽዑ ነቢይ እምባቆም “እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተቐመጠ! ካብዚ ሰብ እዚ ዝውለድ ንኣዲኡ ዘውስብ፡ ንኣብኡ ዝቐትል ንመምህሩ ከኣ ዝሸይጥ ክኸውን እዩ” ክብል ተነበየ።

     ኣቦ ይሁዳ ገዛ ኣትዩ ንሰበይቱ ኩሉ ከይሓበአ እቲ ዝፈጸሞ ነገራት ነገራ። ንሳድማ “ጽቡቕ ኣይገበርካን ዓቢ ሰብ ክሓልፍ እንከሎ ከመይ ኢልካ ኮፍ ትብል፡ ሓፍ ኢልካ ከተኽብሮ እዩ ዝግባእ” ክትብል ገሰጸቶ። ሽዑ “እቲ ነቢይ ዝበለና ነገር ኣባና ምእንቲ ከይፍጸም ርክብ ነቋርጽ” ኢሎም ተማኸሩ። ኣምላኽ ዝበሎ ስለዘይተርፍ ግን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ስጋዊ ድልየት  ስለ ዝሓየሎም ብስጋ ተፋለጡ እሞ ይሁዳ ተጠንሰ። ምስ ተወልደ ነቲ ህጻን ኣብ ሳንዱቕ ዓሺጎም ኣብ ባሕሪ ኣእተውዎ። ስምኦን ኣስቆርታዊ ከኣ ረኺቡ ኣዕበዮ። ይሁዳ ምስ ዓበየ እቶም ዘዕበይዎ ሃገር ንዓዲ ኣብኡ ክዘምቱ ወፈሩ ንሱ ድማ ምስኦም ወፈረ፡ ንኣቦኡ ከኣ ቀተሎ ንእዲኡ’ውን ማረኻ እሞ ሰበይቱ ገበራ። ሓደ መዓልቲ ምስታ ኣዲኡን ሰበይቱን ዝኾነት ሰበይቲ ከዕልሉ ከለዉ “ወዲ መን ኢኻ፧ ኣዝማድካኸ ብዓል መን እዮም፧” ኢላ ሓተተቶ። ንሱ ድማ “ኣብ ባሕሪ ኢኻ ተረኺብካ እዮም ዝብሉኒ”ኢሉ ኩሉ ታሪኽ ህይወቱ ኣዕለላ። እታ ሰበይቲ በቲ ዕላል ኣዝያ ሰንበደት “እቲ ቐቲልካ ንብረቱ ዝዘርፍካዮ ኣቦኻ እዩ። ኣነ ድማ ኣዴኻ እየ”ኢላ ከኣ ነገረቶ። “ካብዚ ኩሉ ሓጢኣት ዘንጽሃና መምህር ኣሎ እሞ ናብኡ ንኺድ” ኢላ ከኣ ሒዛቶ ናብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከደት። ጎይታ ድማ ንሓጢኣቶም ይቕረ ብምባል ንይሁዳ ካብ 12 ሓዋርያት ነዲኡ ድማ ካብ 36 ቅዱሳት ኣንስት ገይሩ መረጾም። ትንቢት ስለዘይተርፍ ግን ይሁዳ ብፍቕሪ ገንዘብ ተታሊሉ ብሰላሳ (30) ቅርሺ ንጎይታ ሸጦ።

      ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዙ ናብ ደብረዘይቲ ደየበ “ሎሚ ኩሉኹም ክትክሕዱኒ ኢኹም” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ኩሎም እንተከሓዱኻ ኣነ ግን ኣይክሕደካን’የ” ክብል መለሰሉ። ጎይታ ድማ “ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ግዜ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ። ምስ ተንሳእኩ ናብ ገሊላ ቀዲመኩም ክሓልፍ እየ ኽኣ በሎም።

    ናብ ጌተሰማኒ ንጴጥሮስ፡ ያዕቆብን ዮሓንስን ወሲዱ ካብኦም ርሕቕ ኢሉ ክጽሊ ጀመረ። “ነዚ ጽዋዕ እዝስ ፍቓድካ እንተኾይኑ ካባይ ኣርሕቆ ግናኸ ከም ፍቓድካ ደኣእምበር ከም ፍቓደይ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። ስጋ ከም ዝተወሃሃደ ንኽገልጽ እዩ ድኹም መሲሉ ዝጸለየ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ እንተተመልሰ ደቂሶም ጸንሕዎ፡ “ንሓደ ሰዓት ምጽላይ ስኢንኩም፧” እናበለ ኣተንስኦም “ኣብ ፈተና ምእንቲ ከይትኣትዉስ ጸልዩ” ድማ በሎም። ካልኣይ ግዜ ድማ ደቂሶም ጸንሕዎ፡ ኣበራቢሩ ከኣ “ጸልዩ” ኢልዎም ከደ። ሳልሳይ ግዜ እንተተመልሶም ደቂሶም ጸንሕዎ “እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ እሞ ተንስኡ” ብምባል ከኣ ኣተንኦም። ይሁዳ ምስቶም ኲናትን ገመድን ዝሓዙ ሰራዊት መጸ፡ ጎይታ ከኣ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧”ኢሉ ነቶም ሰራዊትን ህዝብን ሓተቶም። ንሳቶም ድማ  “ንኢየሱስ ናዝራዊ” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ከኣ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሎም። ይሁዳ ድማ “ሰላም ንዓኻ ይኹን መምህረይ” እናበለ ሰዓሞ። ጎይታ ድማ “ብምስዓም ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። እቶም ህዝቢ ከኣ ንጎይታ “ክሕዝዎ እናጎየዩ መጽኡ”። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ሰይፉ መዚዙ ንማልኮስ የማነይቲ እዝኑ ቆረጾ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን “እቶም ሰይፊ ዝመዙ ብሰይፊ ክጠፍኡ እዮም ስለዚ ሰይፍኻ ኣብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ፡ ንማልኮስ ከኣ እዝኑ ዳህሲሱ ከም ዝሓዊ ገበሮ።

    እቶም ኣይሁድ ድማ ንጎይታ ኣሲሮም ከም በጊዕ እናጎተቱ ናብ ሓና ወሰድዎ። ጳዉሎስ (ሳውል) ሓደ ካብቶም በቲ ግዜ እቲ ንጎይታ ዝገርፍዎን ዘሳቕይዎን ዝነበሩ ሰባት እዩ ነይሩ። ንጎይታ ከኣ ኣፍልቡ ይረግሖ ነበረ። ጎይታ ድማ “ከም በጊዕ ኣብ ኢድካ ከለኹ ስለምንታይ ትሃርመኒ ኣለኻ፧ ዳሕራይ ግን በዚ ትገብሮ ዘለኻ ክትጠዓስ ኢኻ፡ ንዝበተንካየን መጓሰ’ውን ክትእክበን ኢኻ” በሎ። ሓና ነዚ ሰሚዑ “እንታይ እናበልካ ኢኻ ትምህሮ ዘለኻ” ክብል ሓተቶ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ “ኣነ ብጋህዲ እምበር ብስዉር ኣይተዛረብኩን፡ ነዞም ዝሰምዑ ዘለዉ ሕተቶም” በሎ። ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓደ መጺኡ ከኣ “ነዚ ሊቀ ካህናት ከመይ ኢልካ ደፊርካ ትምልሰሉ” ብምባል ንጎይታ ገጹ ጸፍዖ። ጎይታ ከኣ “ኣነ ሓሶት ኣይተዛረብኩን፡ ስለምንታይ ሓቂ ስለ ዝተዛረብኩ ከምዚ ገይርካ ትሃርመኒ” በሎ። ሽዑ ናብ ቀያፋ ወሰድዎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብርሑቕ ኮይኑ ይከታተሎ ነበረ እሞ መጺኡ ኣብቲ ቐጽሪ ሊቃነ ካህናት ኮፍ በለ። ሓላዊት ናይቲ ማዕጾ በለሲዳ “ንስኻ ገሊላዊ ካብቶም ደቂ መዛሙርቱ ሓደ እንዲኻ” ክትብል ሓተተቶ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዝዩ ሰንበደ’ሞ “ነዚ ሰብ እዚ ፈጺመ ኣይፈልጦን እየ” ክብል ከኣ መለሰላ። ንካልኣይ ግዜ ከኣ ሰብ “ምስኡ ኣብ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣይረኣኹኻን፧” ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ “ኣይረኣኻንን” ኢሉ ከሓደ። ሳልሳይ ግዜ ሓንቲ መጺኣ “ንስኻ ካብቶም ደቂ መዛሙርቱ ከም ዝኾንካ ቃልካ የፍልጠካ ኣሎ” በለቶ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ መሊሱ “ኣነ ነዚ ሰብ እዚ ፈጺመ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ መለሰላ። ሽዑ ደርሆ ሰለስተ ግዜ ነቀወ፡ እቲ ጎይታ ዝበሎ ከም ዝተፈጸመ ዘኪሩ ከኣ ኣምሪሩ ክበኪ ጀመረ።

   ምስ ነግሀ  ኣይሁድ ንጎይታ ፈሪዶም ንኽሰቕልዎ ናብ ጲላጦስ ኣምጽእዎ። ይሁዳ ምስ ረኣዮ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ ኦሪት ዘከረ “ንጹህ ሰብ ኣሕሊፈ ብምሃበይ ጽቡቕ ኣይገበርኩን” ብምባል ከኣ “ገንዘብኩም እንኩም፡ ነዚ ኣሲርኩሞ ዘለኹም ፍትሕዎ ክብል ንሊቀነ ካህናት” ሓተቶም።  ንሳቶን ከኣ “ዝሓተትካና ሂብናካ፡ ዝደለናዮ ድማ ረኺብና ኣሎና” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ይሁዳ ነቲ ገንዘብ ኣብ እግሮም ደርብዩ  ንክሕነቕ ናብ ሓደ ገረብ ደየበ። እታ ገረብ ግን ንድሕሪት ተመልሰት። ንሱ ውን ናብ ካልእ ገረብ ብምኻድ ገመዱ ሰቂሉ ጠልጠል በለ፡ እታ ገረብ ድማ “ምሓረኒ እንተኢልካዮ ክምሕረካ እዩ ከም ጴጥሮስ ተነሳሕ” ክትብል ከም ሰብ ተዛረበቶ። ንዓኣ ገዲፉ ከኣ ናብ ካልእ ገረብ ከደ። ኣብኣ ከኣ ገመድ ሰቐለ  እቲ ገመድ ከኣ ተበትከ እሞ ካብ ላዕሊ ወደቐ። ምሉእ ኣምዑቱ ተዝልዚሉ ብምውጻእ ከኣ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ሞተ።

     ኣይሁድ ንጎይታ ሒዞም ኣብ ጲላጦስ ምስ በጽሑ ኣብ ዐውደ ምኩናን ሽዱሽተ ወተሃደራት ደው ኢሎም ነበሩ። ጎይታ ምልስ ኢሉ ምስ ረኣዮም ብሃንደበት ኩሎም ሰገዱሉ። ምስ ደቂ መዛሙርቱ ተሰማሚዖም ዝገበርዎ መሲልዎም ንሓደ ሰብ ዓሰርተ ሓያላት ሰባት ክሕዝዎም መደቡሎም። እዞም ዓሰርተ ሰባት ግን ከጽንዕዎም ኣይከኣሉን ሓሓሙሽተ ብምዉሳኽ ንሓደ ሰብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሕዝዎ ገበሩ እዚኦም’ውን ስለ ዘይከኣሉ ተተሓሒዞም ወደቑ። ጲላጦስ ነዚ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ፈርሀ። “ንስኻ ናይ በሓቂ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ” ኢሉ ሓተቶ። ጎይታ ድማ “ንስኻ ትብል ኣለኻ” ብምባል መለሰሉ። ኣይሁድ ድማ ንገዛእ ርእሱ ወዲ እግዝኣብሔር ይገብራ ንሕጊ ሙሴን ኦሪትን ይንዕቆ ንሰንበት ይስዕር፡ ንቄሳር ግብሪ ኣይትኽፈሉ ዝብል ከሓዲ ደኣ እምበር ንጉስ ኣይኮነን በሉ። ጲላጦስ ድማ “ናይዚ ዝኸሱኻ ዘለዉ ክሲ እንታይ እዩ መልስኻ፧” በሎ። ጎይታ ግን ኣይመለሰሉን። ንሱ ከኣ “ስለምንታይ ስቕ ትብል ክቐትለካ ወይ ክፈትሓካ ስልጣን ከምዘለኒ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” በሎ። ጎይታ ድማ “ካብ ሰማይ እንተዘይኮይኑ ክትቀትለንን ከተድሕነንን እንታይ ስልጣን ኣሎካ” በሎ። ሽዑ ጲላጦስ “ሓቲተን መርሚረን ዋላ ሓንቲ ኣይረኸብኩሉን ስለዚ ገሪፈን ቀጺዔን ክፈትሖ እየ” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ነገሮም።  እቶም ህዝቢ ድማ “ካብ ገሊላ ጀሚሩ መላእ ይሁዳ ዝህዉኻን ዘናዕባን ዘሎ ሰብ ከመይ ዘይትሰቅሎ” በልዎ። ጲላጦስ ከኣ “ገሊላዊ እንተኾይኑ ናብ ሄሮድስ ውሰድዎ” በሎም።

      ሄሮድስ ወሪኡ ይሰምዕ ስለዝነበረ ንኽሪኦ ድማ ባህጊ ሓዲርዎ ስለ ዝነበረ ብምምጽኡ ተሓጎሰ። ዘይምልስን ዘይዛረብን ኮይኑ ስለዝረኸቦ ከምቲ ዝሓሰቦ ኮይኑ ኣይረኸቦን፡ ገሪፉ ድማ ናብ ጲላጦስ መለሶ። ጲላጦስን ሄሮድስን ንብዙሕ ግዜ ተባኢሶም ይነብሩ ነበሩ። ብምኽንያት ጎይታ ግን ክዘራረቡ ጀመሩ። ጲላጦስ ንጎይታ ሓዚኑን ተኪዙን ምስ ረኣዮ ሄሮድስ ከም ዝገረፎ ተረዲኡ ብዙሕ ሓዘነ። ነቶም ህዝቢ ድማ “ሰለስተ ግዜ ኣምጺእኹምለይ ኣነ ግን ኣይኮነንዶ ንስቕለት’ሲ ከግርፎ ዝኽእል በደል’ውን ኣይረኸብኩሉን ኣብ ብዓል ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለዘሎ ገሪፈ ክፈትሖ እየ” በሎም። እቶም ህዝቢ ከኣ “ነዚ ስቐሎ ንበርባን ግን ፍትሓዮ” ክብሉ መለስሉ። ሰበይቲ ጲላጦስ ኣብሮስቅላ ንሰብኣያ “ጸማማት ዝነበሩ ደቕኻ መካራን ዳርታን ካብ ሕማሞም ድሒኖም ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ ዋላ’ውን ክፉእ እንተተዛረበካ ገለ እኳ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ” ዝብል መልእኽቲ ሰደደትሉ። “ኣይሁድ ድማ ብስራዩ እዩ ከምዚ ዝገበሮም ዘሎ” በሉ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ ተጻሒፉ ዝነበረ ደምሲሱ “ኣብ መንግስተ ሰማያት ዋጋኺ ክኸፍለኪ እየ ንደቅኺ ድማ ምስ ሰማዕታት ክቆጽሮም እየ” ኢሉ መለሰላ።

   ጲላጦስ ነዚ ርእዩን ተዓዚቡን ክፈትሖ ደለየ እቶም ህዝቢ ግን “ነዚ እንተፈቲሕካዮ ዓርኪ ንጉስ ኣይኮንካን ስቐሎ ስቐሎ” ኢሎም ጨጀደሩ። ኢዱ ብማይ ተሓጺቡ ካብ ደም ናይዚ ሰብ እዚ ነጻ ኢየ በሎም። ኣይሁድ ድማ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን በልዎ። እዚ ንኽፍለጥ ኣይሁዳዊ ክውለድ  እንከሎ ብኢዱ ደም ዓሚኹ ከም ዝውለድ ይንገር። ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጲላጦስ ተቐቢሎም ኣብ ጉንዲ ኣሲሮም ኦሪት ኣርብዓ ኩርማጅ ክግረፍ ትፈርድ እያ’ሞ ንግረፎ ተበሃሃሉ። ሰላሳን ትሽዓተን ምስ በጽሑ ይጠፍኦም ስለ ዝነበረ ተመሊሶም ድማ ይሃርምዎ ሰላሳን ትሽዓተን ምስ በጽሑ እንደገና ይጠፍኦም ከምዚ እናገበሩ ኣርባዕተ ወተሃደራት 6666 ገሪፎም ስጋኡ ተመታቲሩ ዓጽሙ ክሳብ ዝርኤ ቀጥቀጥዎ።

       ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ ደፊኦም (ከም ዘውዲ ቆጺሮም) ንጉስ እናበሉ ይሃርምዎ ነበሩ ርእሱ ድማ ኣብ ሰብዓን ሰለስተን ተፈግአ። እቲ መስቀል ድማ ካብ ካልእ ኣርባዕተ የዕጻው፡ ማለት ዕጸ ኣውሊዕ፡ ዕጸ ወይኒን ዕጸ ዘይትን፣ ካብ ካልእ ኣርባዕተ የዕጻው በለስ ብሓደ ብምግባር ቁመቱ ሸውዓተ እመትን ስድርን ስፍሓቱ ድማ ሰለስተ እመትን ስድርን ብምግባር ሰርሕዎ። እቲ ዕጸ በለስ ሓደ ንስሪ ንንጉስ ሰሎሞን ምእዛዝ ምስ ኣበዩ ነቲ ዉላዱ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ዓጺዎ ኸሎ እቲ ንስሪ ድማ ነታ ዕጸ በለስ ካብ ገነት ብምምጻእ ኣብታ ዉላዱ ተዓጺዩላ ዝነብረ ደርበያ፡ እሞ ሰበረቶ፡ ነቲ ዉሉዱ ድማ ሒዝዎ ከደ። እታ ዕጸ ድማ ኣብ ናይ ኣትክልቲ ቦታ ተትኽለት። ቤተ መቕደስ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሸውዓተ ሚእቲ ኣጋንንቲ ንንጉስ ሰሎሞን ይእዘዝዎ ነበሩ፡ ነታ ገረብ ክቆርጹዋ ኢሎም ምስ ከዱ ከም ሓዊ ተንድዶም ነይራ። ንጉስ ድማ ኣብ ኩሉ ቦታ ምስምማዕ ስለ ዝኣበየቶ ኣብ ገለ ትነውሖ ኣብ ገለ ድማ ትሓጽሮ ስለ ዝነበረት ከይቆረጻ ኣብ ደምቢኡ ተደርብያ ትነብር ነበረት። ንግስቲ ኢትዮጵያ ሳባ (ማክዳ) ጥበብ ንኽትርኢ ኢላ ምስ ከደት ገበል ከተቕትል ከላ ዝነጠራ ደም ኣብ እግራ ነጢርዋ እግራ ከም ሸኾና ጤል ኮይና ነበረት ነታ ገረብ ምስ ተሳገረታ እቲ ሽኮና ጤል ዝመስል ዝነበረ እግራ ተቐሪፉ ወደቐላ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ንጉስ ሰሎሞን ንግስቲ ማክዳን ሓሓደ ወርቂ  ኣብ ቤተ መዛግብት (ገንዘብ ዝቕመጦ) ከቐምጡ ጀመሩ። ብድሕሪኡ ዝነገሱ ዕስራን ሸሞንተን ነገስታት ተኣምር ናይቲ ዕጸ (ገረብ) እናርኣዩ ሓሓደ ወርቂ የቐምጡ ነበሩ፡ እቲ ሰላሳ ቅርሺ ንይሁዳ ሂቦም ነቲ ዕጸ ድማ ንመስቀል ገበርዎ።

      ሰዓት ዓሰርተ ክልተ ምስ ኮነ ቀይሕ ካባ ኣልቢሶም ብየማኑን ጸጋሙን ብድሕሪኡን ቅድሚኡን ኮይኖም እናደፍኡ እናወደቐ መስቀል ኣስኪሞም ኣብ ማእከለ ምድሪ (ቀራንዮ) ሰቐልዎ። ጎይታ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለሉ ምኽንያት ትንቢትን ምሳሌን ስለ ዝነበረ እዩ።

እቲ ትንቢት፥ “ወገብረ መድሓኒተ በማዕከለ ምድር” ዝብል እዩ (መዝ 74፡12)። ምሳሊኡ ድማ፦ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን መና እናመገበ ማይ ካብ ከውሒ እናኣፈልፈለ ናብ ምድረ ተስፋ ክመርሖም እንከሎ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ኣጉረምረሙ። ኣብ በረኻታት ዩሳፋጥ ካብቲ ዝቐደመ ዝበለጸ መገቦም። እንተኾነ ግን እስራኤላውያን ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ሰናይ ነገር ረሲዖም ካብ ሕጉን ስርዓቱን ስለ ዝወጹ ብተመን ገይሩ ክውድኦም ጀመረ። ነቢይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሙሴ ድማ ስለ ህዝቡ ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ፡ እግዚኣብሔር ድማ “ኣስራዚ ተመን ሰሪሕካ ኣብ ባላ ስቐሎ ንዕኡ ርእዮም ድማ ይድሓኑ” ኢልዎ ነይሩ። ጎቦ ናይ ቀራንዮ፡ ባላ ናይ መስቀል፡  ኣስራዚ ናይ ጎይታ፡ ተመን ናይ ድያብሎስ፡ ቁስሊ ናይ ሓጢኣት፡ በረኻ ናይ ሲኦል፡ ርእዮም ዝኣመኑ ናይ ሓዋርያትን ምእመናን፡ ዘይድሓኑ ናይ ኣይሁድን መናፍቓንን ምሳሌ እዩ።

   ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ክሰቕልዎ ከለዉ፡ ክዳዉንቱ ቀዲዶም ተማቐልዎ። እታ ጎይታ ዝኽደና ዝነበረ ቀሚሹ ስፋይ ዝበሃል ዘይብላ፡ ሰብኣ ሰገል ህያብ ዘቕረብሉ፡ ብትኣምር ንሱ ከም ሰብ እናዓበየ እንከሎ ምስኡ እትዓቢ ዝነበረት ቀምሽ እያ። ነዚኣ ቀሚሽ እዚኣ ግን ቀዲዶ ክማቐልዋ ኣይደለዩን ሓደ ሰብ ዝወስዳ ዕጫ ደኣ ኣዉደቁላ። ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ 53፡12 ዝተነበዮ ትንቢት መታን ክፍጸም ከኣ ጥጦስ ብየማኑ ዳክራስ ድማ ብጸጋሙ ኮይኖም ኣብ መንጎ ክልተ ሽፋቱ ተሰቕለ። ጲላጦስ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ብእብራይስጥ፡ ብላቲንን ብሮማይስጥን ጻሓፈሉ።

   sqlet ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክስቀል እንከሎ ብጠቕላላ ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጸሙ። እዚኣቶም ድማ ሰለስተ ኣብ ሰማይ ኣርባዕተ ድማ ኣብ መሬት ዝተፈጸሙ እዮም። ዕርቃን ናይ ፈጣሪና ኣይንርእን ብምባል ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት፦ ጸሓይ ጸልሚታ፡ ወርሒ ደም ሰሪባ፡ ከዋኽብቲ ድማ ረጊፎም። ኣብ ምድሪ ዝተፈጸመ ከኣ፦ ኣኻውሕ ተጨዱ፡ መቓብራት ተኸፍቱ፡ ምዉታት ተንስኡ፡ መጋረጃ ቤት መቕደስ ድማ ኣብ ክልተ ተተርተረ። መከራኡን ቃንዝኡ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ሊቃውንቲ ንሕማማቱ ኣብ ዓሰርተ ሰለስተ (13) ይኸፍልዎ። ንሳቶም ድማ፥

1, ኣክሊለ ሶክ                         2, ተስኅቦ ብኃብል

 3, ተኮርዖተ ርእስ                     4, ተጸፍዖ መልታሕት

 5, ርግዘተ ጎቦ                         6, ተገርፎ ዝባን

  7, ተኣስሮ ድኅሪት                     8, ሰሪበ ሓሞት

  9, ሳዶር                               10, ኣላዶር

                             11, ዳናት                               12, ኣዴራ

                                                                   13, ሮዳስ

     ጎይታ ነዚ ኹሉ መከራን ሽግርን “በርቲዑኒ፡ መሪሩኒ” ከይ በለ ብትዕግስትን ብትሕትናን እዩ ተቐቢልዎ። “ኦ ትዕግስት ዘኢከሰተ ኣፍሁ በሕማሙ በቅድመ እለይረግዝዎ” ከም ዝብል (ቅዱሴ ማርያም ቁ. 126)። እዚ ክብሃል ከሎ ግን ዋላ ሓንቲ ቃል ኣይተዛረበን ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ናይ ፍርሃትን ናይ ትዕቢትን ቃል ኣይተዛረበን ማለት እዩ። ኣሰሩ ምእንቲ ክንስዕብ ኣብነት ክኾነና ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረቦ ቃላት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፥

1, “ኣምላክየ ኣምላክየ ነጽረኒ ወለምንት ኃደገኒ/ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓደግካኒ፧”

2, “ኣባ ሰረይሎሙ ኃጢኣቶሙ እስመበዘኢያኣምሩ ይገብሩ/ኦ ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ይቕረ በለሎም”፡ መላእኽቲ ከም ቆጽሊ ረጊፎም ንጎይታ ዕርቃኑ ወጺኡ ኣካሉ ደም መሊኡ ምስ ረኣይዎ ፈርሑን ኣንቀጥቀጡን። ቅዱስ ሚካኤል ተገሪሙ ስቕ በለ፡ ቅዱስ ገብርኤል ድማ ተቆጢዑ ከጥፍኦም ሴፍ መዘዘ። ከይፈለጡ እዮም ዝገብርዎ ዘለዉ እሞ ሰይፍኻ ምለሳ በሎ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ያሬድ “ሚካኤል ኣርመመ ወገብርኤል ተደመ” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዱስ ገብርኤል ድማ ምሕረትን ርህራሄን ናይ ጎይታ፡ ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ሰይፊ ደርበያ እሞ መጋርጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ከፊላ ንመሬት ሰንጢቓ ኣተወት። ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ድማ ንታሕቲ እናኣተወት ክትነብር እያ። “ሶበ ከልዐቶ ምሕረቱ ለኣብ ወሒሩቱ ለወልድ ወትዕግስቱ ለመንፈስ ቅዱስ ዘበጦ ለመንጦለዕተ ምኩራብ ወረሰዮ ክልኤ ክፍል” ከም ዝበሎ ቅዱስ ኣባ ዘኣትና. ቁጽሪ.9።

3, “ነዋ ወልድኪ ወነያ እምከ/ እነሆ ወድኺ እነሃ ኣዴኻ” ዮሓ 19፡26  ጎይታ ኣብ መስቀል ክስቀል ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ነጊሪዋ እናወደቐትን እናተንስአትን ኣብ እግሪ መስቀል በጸሐት፦ መሪር ብኽያት ድማ ትበኪ ነበረት ነዚ ርእዩ ድማ ጎይታ ሓሞት ከስትዩንን ብኲናት ክወግኡንን ምስ ረኣኽዮም ድኣ ብሓዘን ክትሞቲ ኢኺ ኢሉ “ኣንቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ በላ ንዮሓንስ ከኣ እነሃ ኣዴኻ” ብምባል ሓደራ ሃቦ። እዚ ንግዚኡ እኳ ንዮሓንስ እንተተዋህበት ፍጻሜኡ ግን ንኹልና እዩ።

4, “ኤሎሄ ኤሎሄ ኤልማከ ለማ ሰበቅታኒ/ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ” ኤልማከ ክብል እንከሎ ኣይሁድ ኤልያስ ዝብል ዘሎ መሲልዎም፡ ኤልያስ መጺኡ እንተኣዲሒንዎ ክንርእዮ ኢና ኢሎም ሓሞት ኣስቲና ንቕተሎ ተባሃሃሉ። ዲያብሎስ ድማ “ኣምላኸይ ካብ በለስ ሰብ እዩ” ብምባል ነፍሱ ካብ ስጋኡ ክፈሊ ብድፍረት ቀረቦ። ጎይታ ድማ ብኣውታር ንፋስ ንዲያብሎስ ኣብ መስቀል ኣሰሮ። ዲያብሎስ ብኣውታር ንፋስ ኣብ መስቀል ምስ ተኣሰረ “መኑ ኣንተ ዝንቱ” ክብል እናኣንቀጥቀጠ ሓተቶ።

5, “ዮም ትሄሉ ምስ ሌየ ውስተ ገነት/ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ” እቲ ኣብ የማኑ ዝተሰቕለ ጥጦስ ነቲ ዝተፈጸመ ሸውዓተ ተኣምራት ርእዩ ኣምላኽነቱ ተረዲኡ “ኦ ጎይታይ ኣብ መንግስትኻን ኣብ ዳግማይ ምጽኣትካን ዘክረኒ” በሎ። ዳክሮስ ድማ “ንርእሱ ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ ከፊእዎ እናርኣኻዮስ ከድሕነካ ትልምኖ ኣለኻ” በሎ። ጥጦስ ግና ንሕና እንተተሰቐልናስ ብሓጢኣትናን ብግብርናን ኢና ንሱ ግን በጃ እዛ ዓለም እዩ ዝስቀል ዘሎ ስለዚስ ኣምላኽ’ዶ ኣይትፈርህን ብምባል ገሰጾ። ጎይታ ድማ ርእሱ ናብ ጥጦስ ኣቕንን ብምባል ናብ ግብጺ ክንወርድ ከለና ዝነገርኩኻ ኩሉ ተፈጸመ ብጀካ ሞት ዝተረፈ የለን ኪድ ናብ ገነት እቶ ብምባል ብደመ ማህተሙ ሃቲሙ ለኣኾ። ሓላዊ ናይ ገነት ሱራፊኤል ብማሕተም ናይ ጎይታ ዝተሓትመት ነፍሲ ርእዩ ፈርሀ ካብኡ ድማ ሃደመ፡ ንስኻ መን ኢኻ ናብይከ ትኸይድ ኣለኻ ክብል እናፈርሀ ሓተቶ። ኣምላኽ ሰብ ብምዃን ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብሞቱ ድማ ንዓለም ካብ ሓጢኣት ኣድሓና ንዓይ ድማ ብደመ ማሕተሙ ሓቲሙ ለኣኸኒ በሎ። ሱራፊኤል ድማ ንስኻ መን ኢኻ ኣዳም፡ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፣ ያዕቆብ ብምባል ሓተቶ። ኣነስ የእዳወይ ብደም ዝተሓጽባ (ዝጠልቀያ) ብሽፍትነት ዝነበር ዝነበርኩ ሽፍታ ተኣምራቱን ግብርታቱን ርእዩ ብኣምላኽነቱ ተኣሚነ፡ “ምስ ለመንኩዎ፡ ነዚ ክብሪ እዚ ድማ ኣብቂዕኒ” ክብል ጥጦስ መለሰሉ። ን5500 ዓመታት ብሓጢኣት ናይ ኣዳም ተዓጽያ ዝነበረት ገነት ብደመ ማሕተሙ ተሓቲሙ ጥጦስ ከፈታ።

6, “ኣባ ኣማኃጽን ነፍስየ ውስተ እዴከ/ ኦ ኣቦይ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቑብ ኣለኹ”

7, “ተፈጸመ/ ኩሉ ተፈጺሙ”፥ ነቢያት ዝተነበይዎ ኣብ መጽሓፍ ዝጸሓፍዎ ኩሉ ተፈጺሙ ማለቱ እዩ። ነዘን ቃላት እዝኤን ተዛሪቡ ርእሱ ናብ የማን ብምውዳቕ ንቅድስት ነፍሱ ብገዛእ ስልጣኑ ካብ ስጋኡ ፈለያ።

     ኣብ ሲኦል ዝነበራ ነፍሳት ብኣካለ ነፍሲ ወሪዱ ዝተወግአ የማናይ ጎኑ ኣርእዩ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ፈትሖም። ዝተወግአ ጎኑ ድማ ጥምቀትን ቁርባንን ኮይኖም፡ ዲያብሎስ ኣብ እምነሩካቤ ዝጸሓፎ ናይ ዕዳ ጽሕፈት ደምሰሶ። ነፍሳት ድማ “ስብሓት ለእግዚኣብሔር ዘኣውረሰነ መንግስተ ሰማያዊተ’ እናበሉ ገነት ኣተዉ። “ወሐደገ ስጋሁ ስቁለ ዲበ ዕፀ መስቀል ወነፍሱሰ ወርደት ውስተ ሲኦል ወፈወሰት ነፍሳተ እለኂለዉ ህየ ወጼወወት ሲኦል ወኣግኣዘት ኩሉ ፍጥረታት” ከም ዝበሎ ቅዱስ ኣትናቴዎስ።

   ቅድስት ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ስጋኡ ምስ ተፈልየት ለንጊኖስ ዝተባህለ ወተሃደር ብኲናት የማናይቲ ጎኑ ወግኦ፡ ዉዑይ ደምን ማይን ድማ ፈሰሰ፡ ነቲ ደም መላእኽቲ ብጽዋዕ ተቐቢሎም ንምሉእ ዓለም ነጸግዎ። ለንጊኖስ ሓንቲ ዓይኑ ዕውርቲ ነበርት ካብቲ ደም ምስ ነጠረቶ ዓይኑ ተፈወሰ፡ ድሒሩ ድማ ትንሳኤ ናይ ጎይታ ስለ ዝረኣየ ኣመነ ብሰማዕትነት ድማ ሓለፈ።

     ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኮነ ዮሴፍ ዘኣርማትያስ (ብዓል ኣርማትያስ)ን ኒቆዲሞስን ካብ ጲላጦስ ፍቓድ ወሲዶም ስጋኡ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ጨና እናቐብኡ ብሓድሽ ዓለባ ገነዝዎ። ክገንዝዎ ከለዉ ድማ የዕንቱ ቋሕ ብምባል ቅዱስ እግዚኣብሔር፡ ቅዱስ ኃያል፡ ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት እናበልኩም ግነዙኒ በሎም። ከምኡ ድማ ገበሩ፡ ኣኽቢርኩምን ስዒምኩምን ከም ዝገነዝኩምኒ ኣነ ድማ ኣብ ሰማያዊት መንግስተይ ከኽብረኩም እየ ኢሉ ድማ ኣተስፈዎም። ናይ ኤልሳዕ ዓጽሚ ምዉታት የተንስእ ስለ ዝነበረ ኣብ ናይ ነቢያት መቓብር ስለ ዝተቐብረ እዩ ኣብ ሳልስቱ ዝተስአ መታን ከይበሃል ዮሴፍ ንዕኡ ኢሉ ዘዳለዎ ኣብ ሓድሽ መቓብር ቐበርዎ።

 ምእንቲ ኩሉ ዓለም ክብል መከራ መስቀል ዝተቀበለ ኣምላኽና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን! ኣሜን!!!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!!

 ምንጪ፦  መጽሓፍ መዝገበ ታሪኽ  2ይ ክፋል

Sorry, comments are closed for this post.