Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

6/፮ ጥሪ በዓለ ግዝረት/BEOALE GZRET

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!    

              6/፮ ጥሪ በዓለ ግዝረት

     gzretግዝረት ማለት ምግዛር (ካብ ዕልቦ ነጻ ምዃን) ማለት እዩ። ሓደ ካብቶም ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን  እተኽብሮም 9 ንኣሽቱ በዓላት ጎይታ ድማ እዩ። ግዝረት ዝተጀመረ ብኣቦና ኣብርሃም እዩ (ዘፍ 17፡9-17)። ግዝረት እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስ ኣቦና አብርሃም ናይ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ምልክት ነበረ። ግዝረት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ጥምቀት ምሳሌ ኮይኑ ከኣ መፍለዪ ኣብ ሞንጎ ብእግዚአብሔር ዝኣመኑን ዘይኣመኑን ሕዝብታት ኮይኑ የገልግል ነበረ። ግዝረት ሕዝብን አሕዛብን ዝፈላለዩሉ ስርዓተ ሕጊ ከም ዝነበረ፤ ጥምቀት ከኣ ኣብ ሞንጎ እስራኤል ዘስጋን እስራኤል ዘነፍስን ዝፈልዪ ምስጢር ኮነ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወለደ ከምቲ “ኢመጻእኩ እስአሮሙ ለኦሪት ወለነቢያት ዘእንበሊዳእሙ ከመ እፈጽሞሙ” ዝበለ (ማቴ 5፡17) ኣብ ምስተወለደ ኣብ ሻሙናይ መዓልቱ ኣብ ቤተ ግዝረት ኣትዩ፡ ሕገ ግዝረት ፈጺመ (ወፈጸመ ሕገ ኦሪት በከመ ይቤ ሐዋርያ ጳውሎስ ልሳነ ዕፍረት እስመ ክርስቶስ ተወክፈ ግዝረተ በሥጋሁ ከመ ይፈጽም ስርዓተ አበው) ከም ዝብል። ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ልደቱ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ቀረበ ንጻድቅ ዮሴፍ ‘ወደይ ከምቲ ሕገ ሙሴ ምእንቲ ክግዘርን ስሙ’ውን ኢየሱስ ኢልና ክንሰምዮ ኬድካ ገዛሪ ጸውዕ” በለቶ። ጻድቕ ዮሴፍ’ውን ዝተባህሎ ገበረ። እቲ ገዛሪ ድማ ከም ካልእ ሕፃን መሲልዎ ከይንቀሳቐስ እሞ ከየቝስሎ ጽቡቕ ጌሮም ክሕዝዎ ኣተሓሳሰቦም። ጐይታ ግና ነቲ ገዛሪ ዕፁብ ነገር ተዛረቦ፣ “እስኪ ደም ከይፈሰሰኒ ብኸመይ ገይርካ ከም እትገዝረኒ ጥበብካን ኃይልኻን ግብርኻን ክርኢ እፈቱ” ብምባል ደሙ ኣብ ቀራንዮ መድኃኒተ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ዕለተ ዓርቢ ምስ ተሰቕለ ጥራይ ዝፈስስ ምዃኑ ምስ ተዛረቦ እቲ ገዛሪ ሰንበደ። ነዚ ዕፁብ ነገር ካብቲ ዘይተጸበዮ ሕፃን ምስ ሰመዐ ኣምላኽነቱ ተረዲኡ። ተንሢኡ ኣብ ትሕቲ እግሩ ሰገደ፤ ኣምላኽ ንዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል’ውን “ብርክት አንቲ እምአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ” ብምባል ወደሳ። እዚ ናይ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ በላ። ንጎይታ ከኣ “ሥረይ ሊተ እግዚኦ እስመ ኢይክል እትናገር ምስሌከ” (ይቕረ በለኒ ምሳኺ ክዛረብ ኣይከኣለንን እዩ) ብምባል ድማ ደጊሙ ሰገደሉ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ኣዴና ቅድስት ድንግል ገና ከይጸነሰት ከላ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ፡ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ ኢልዋ ነበረ’ሞ ቃል መልአኽ ዘይሕሶ ስለ ዝኾነ፡ ስሙ “ኢየሱስ” ተባህለ፤ ኢየሱስ ማለት መድኃኒት ማለት እዩ። “ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ”(ሉቃ 2፥21)። እዚ ማለት ግና ከምቲ ስርዓት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ናብ ቤት ግዝረት ክገዝርዎ ወሰድዎ እምበር ብኢድ ሰብሲ ኣይተገዝረን። እቲ ገዛሪ ኪገዝረሉ መላጸታት ሒዙ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ስቕለቱ ደሙ ስለ ዘይፈስስ፡ ብተኣምራት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ግዙር ኮይኑ ተረኽበ። እቲ ክግዘረሉ ተቐሪቡ ዝነበረ መላጸ’ውን ከም ኣብ ሓዊ ዝቐረበ ጠስሚ መኺኹ ማይ ኮይኑ ተረፈ (እስመ ተመስውይ መላፂያቲሁ ወኮኑ ማይ)። እቲ ገዛሪ ነዚ ድንቂ ነገር ምስረኣየ  ትሕት ኢሉ ሰገደ። “አማን አንተ ውእቱ ወልደ እግዚአብሔር ወንጉሠ እስራኤል” ብምባል ድማ ኣምላኽነቱ መስከረ። እቲ ግዝረቱ’ውን ዕጹብ ድንቂ እዩ። ከምቲ ካብ ማኅጸነ ድንግል ዝተወልደሉ ድንቂ ልደት፤ ግዝረት ጐይታ’ውን ብደቂ ሰባት ዝምርመር ኣይኮነን። እዚ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ዝፈጸሞ እዩ። ንሱ ስለዝተገዝረ ድማ እቶም ደለዪቲ ምኽኒት ኣይሁድ ምኽንያት ኣይረኸቡሉን፡ ነቲ ስርዓተ አበው ስለዝፈጸመ(ወኮነት ግዝረቱ ለእግዚእነ ዘኢትትዓወቅ በከመ ምሥጢረ ልደቱ እማኅፀነ ድንግል ማርያም ወኢያማሰነ ድንግልናሃ ወከማሁ በአቱ ኀበ ሐዋርያት እንዘ ዕፁው ኆኅት። ወከማሁ ግዝረቱኒ እንዘ ኢይትበተክ ምንተኒ እምነ ሥጋሁ ከመ ይክሥት በዘፈቀደ ክሂሎቶ እምኪነ ጥበቡ ንስቲተ ወዘንተኒ ዘገብረ ከመ ይፈጽም ሕገ ዘሠርዐ ለሊሁ እምቀዳሚ)። ሕጊ ክፍጽም እምበር ክስዕር ዘይመጸ ጐይታ ድማ፡ ንዓና ንሰብ ሓዲስ ኪዳን ኣብ ክንዲ ግዝረት ጥምቀት ሰርዓልና። ከምቲ ግዝረት ኣብ ዘመነ ብሉይ ብእግዚአብሔር ናይ ዝኣመኑ ሕዝቢ መፍለዪ ዝገበሮ፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ጥምቀት ሰባት ካብ እግዚአብሔር ውልድነት ዝርኸቡሉን፤ ናይ ብእግዚአብሔር ምእማኖም መፈለዪ ገበሮ። ኣማናዊ ግዝረት፡ ጥምቀት ኮነ። ግዝረት ነቲ ዕልቦ ስጋ ካብ ኣካላትና ከምዘርሕቕ፤ ጥምቀት ድማ መደምሰሰን መስተስርዪን ኃጢኣት ኮነ (ቈላ 2፡10-12, ሮሜ 6፡3-5)። እምበኣርከስ ኣቐዲሙ ሕጊ ሠሪዑ ነቶም ፈተውቱ ከምዝሃበ: ደጊሙ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝሠርዖ ሕጊ ፈጸሞ። ንዓና ድማ ምልክት ዘይኮነ ድኅነት ዘውህብ ሓድሽ ሕጊ ሰርዓልና።

        ቅዱስ እግዚብኣብሔር ናብዚ ክቡር ዕለት ስለዘብጽሓና ይኽበር ይመስገን።

                   ስብሃል ለእግዚኣብሔር

                  ወለወላዲቱ ድንግል

                   ወለመስቀሉ ክቡር

                   ኣሜን!

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.