Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

8 ይ ዓመት ምምስራት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ኣብ እስራኤል ከምፍቓድ ኣምላክ ብጽቡቕ ተዛዚሙ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል፡ ትማሊ ሰንበት ዕለት 31ጥሪ 2016 ናይቲ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍታ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም 21ጥሪ (ኣስተርእዮ) ከምኡ’ውን መበል 8ይ ዓመት ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን 20/21 ጥሪ 2008 ግእዝ 29/30 ጥሪ 2016ዓ/ም/ፈ ክካየድ ዝቐነየ ጽንብል ክብረበዓል ናይ መዛዘሚ ጉባኤ ተኻይዱ።
እቲ ኣስታት 300 ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሊቃውንቲ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን መዘምራንን ዝተስተፍዎ ናይ መዛዘሚ ዓመታዊ በዓል ጉባኤ፡ ሰዓት 6፡00ድሕሪ ቀትሪ ብጸሎት ጀሚሩ፡ ቀጺሉ’ውን ነቲ ዝነበረ ሃዋህው ዓመታዊ ክብረ በዓል ዝገልጽን፡ ኩሉ ግዜ እግዚኣብሔር ተወኪልካ ትሰርሖ መንፈሳዊ ስራሕ ኩሉ ግዜ ዕዉት ምዃኑን፡ ኣምላኽ ምሳኻ እንተደኣኮይኑ ናይ ዲያብሎስ ተቓውሞ ከሰንፈካ ከምዘይክእልን ኣብ “ሮሜ 8፡31” ዘሎ ህያው ቃል ኣምላኽ ኣርእስቲ ብምግባር ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ።
ድሕሪ ስብከተ ወንጌል ድማ ብሊቃውንቲ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ካህናት ምኽርን ማዕዳን ተዋሂቡ። ኣቦታት ካህናት ኣብቲ ዝሃብዎ ቃለ ማዕዳ፡ ኩሉ ኣገልጋሊ ቤተክርስቲያን፡ ብፈተነ ዲያብሎስ ከይተሰናኸለ፡ መጀምርታ ኣብ ህይወቱ ኣብ ጾምን ጸሎትን ብምንቃሕ ግቡእ መንፈሳዊ ዕብየት ክገብርን ቀጺሉ ድማ ነቶም ብፈተነ ዲያብሎስ ተታሊሎም ካብ ቤት ኣምላኽ ዝርሕቁ ሰባት ኣርኣያ ብምዃን ናብ ቤት ኣምላኽ ክንመርሖምን፡ ስለ ዕብየት ቅድስት ቤተክርስቲያን ድማ ንኹላትና ዝምልከት ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ኩላትና ጉቡእናን ሓላፍነትናን ምዃኑ ተረዲእና ብሕብረትን ብትግሃትን ስለ ቅድስት ቤተክርስቲያን ክንጽልን ክንዓዪ ከምዘለና ተላብዮም።
ድሕሪ ቃለ ማዕዳ ናይ ኣቦታት ድማ ክፍሊ ስነጥበብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም፡ ንኹሉ ናይ ዓለም ነገር ንድሕሪት ገዲፍና ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክንጽጋዕን፡ ኣብ እግዚኣብሔር ክንውከልን ከም ዘለና እትገልጽ መንፈሳዊት ግጥሚ ኣቕሪቦም።
ቀጺሎም ድማ ሊቃውንቲ ኣቦታት ካህናትን የሕዋት ዲያቆናትን መዝሙር ወረብ ኣቕሪቦም።
ድሕሪ መዝሙር ድማ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ፡ ናይ ድራር መደብ ድሕሪ ምግባር ፡ ኩሉ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብሓጎስን ደስታን ናይ ምስጋና መዛሙር ብምዝማር ንእግዚኣብሔር ብምምስጋንን ንዓመታ ልዑል እግዚኣብሔር ብሰላምን ብፍቕርን ከጽንሓና ብምምብጻዕ መደብ ብጸሎት ተዛዚሙ።
ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ስለቲ ኩሉ ዝገበረልና ምስ ኩሎም ቅዱሳኑ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን ኣሜን!!       
ይትባረኽ ኣብላከ ኣበዊነ!!!


 DSC_3046 DSC_3045 DSC_3012 DSC_3005 DSC_2995 DSC_2987 DSC_2976 DSC_3091 DSC_2958 DSC_2949 DSC_2924 DSC_2379 DSC_2371 DSC_3080 DSC_2930 DSC_2943 DSC_2979 DSC_3064 DSC_2359 DSC_2979 DSC_3064 DSC_3341 DSC_3312 DSC_3285 DSC_3279 DSC_3216 DSC_3191 DSC_3173 DSC_2139 DSC_2131 DSC_2985 DSC_2095 DSC_2155 DSC_3343DSC_2987 DSC_2995 DSC_3005 DSC_3012 DSC_3045 DSC_3046

Sorry, comments are closed for this post.