Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

Category Archives: ቅዱሳን

ስለምንታይ ቅዱሳት ኣሳእል ንጥቀም፧

ሕቶ፡ “እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓካ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እየ።” ዘጽ 20፡4-6 ከም ዝብለና በንጻሩ ግን ኦርቶዶክሳውያን ስእልን ምስልን እትጥቀሙ? ስለምንታይ? መልሲ፦ ስእሊ ማለት መልክዕ፡ንድፊ፡ቀለማዊ ቅርጺ፡ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ኢዩ። ስእሊ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብኣህዛብ ንኣምልኾ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ… Continue Reading

ሓጺር ታሪኽ ገድሊ ናይ ገዳም ሰማዕት ደምበላስ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!! ሓጺር ታሪኽ ገድሊ ናይ ገዳም ሰማዕት ደምበላስ      ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብጥንታውነቶምን ታሪኾምን ቅድስናኦምን ዝፍለጡ ብዙኃት ገዳማት ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ገዳም ሰማዕት ደምበላስ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ  እቲ ገዳም ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ንብዙሓት ዓይነት ሕማማት ዝፍውስ ጸበል ጥራይ ዝርከቦ ቅዱስ ቦታ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።    እዚ ገዳም… Continue Reading

ባእታ ማርያም

ባእታ ማርያም ባእታ ማርያም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ዝኣተወትሉ ዕለት እዩ። “ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርኣዪ እውን እዝንኺ ከኣ ጽለዊ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ ንጉስ(ክርስቶስ)ንውህበትኪ ፈትዩ ኢዩ እሞ”(መዝ፵፭፡፲/45፡10)ብምባል ነቢይ ዳዊት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ ቃል ትንቢት መሰረት ኣብ ሰለስተ ዓመታ ካብ ቤተሰባ ዝትፈልየት  ወላዲት ኣምላኽ ናይ ቤተ መቕደስ ናብርኣ ካብ… Continue Reading

ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኃ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኃ   ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ቅዱሳን ወለዶም ካህን ቶማስ ስምዖንን ሰሎሜ ሕይወትብነን 29 ነሐሴ ብ1274 ዓ.ም ወምበርታ ፍሉይ ስሙ ደበሽን እንዳ ማርያም ተወልዱ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ወለዲ ተኣዘዝቲ እግዚኣብሔር ኣኽበርቲ ቅዱሳን ስለዝነበሩ ወርኂ ወርኂ ዝክር ቅዱስ ሰማዕት መርቆሬዎስ(ፒሉፓዴር) ይገብሩ ብምንባሮም ኣብ ዕለተ በዓሎም ብዝተገብረሎም ተኣምር… Continue Reading

ባእታ ማርያም

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ባእታ ማርያም      ባእታ ማርያም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ዝኣተወትሉ ዕለት እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር መንቅብ ዘይነበሮም ኢያቄምን ሃናን ንብዙሕ ዓመታት ብዘይውላድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዕለት ሓደ ጉንቦት ትሕቲ ፈጣሪ ልዕሊ ፍጡራን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወለደት። ብመብጽዓ ዝተወልደት ስለ ዝኾነት ምስ ስድራቤታ… Continue Reading

፫/3 መስከረም ዕረፍቱ ለአቡነ አንበስ

                                          ፫/3 መስከረም ዕረፍቱ ለአቡነ አንበስ                በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ።        ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብዙኅ መንፈሳዊ ገድሊ ዝፈጸሙ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ኣቡነ ኣንበስ እዮም።  ኣቡነ ኣንበስ ኣቦኦም ዜነብ ኣዲኦም ከኣ ዜነባዊት… Continue Reading

24 ነሐሰ ዓመታዊ በዓል ቅድስት ክርስቶስ ሠምራ

                       በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን፡                          24 ነሐሰ ዓመታዊ በዓል ቅድስት  ክርስቶስ ሠምራ ክርስቶስ ሠምራ ኣብ ሽዋ  ቡልጋ ፍሉይ ስሙ ጌየ ኣብ ዝተባህለት ዝተወልደት ኮይና፡ ኣቦኣ ደረሳኒ ኣዲኣ ድማ ዕሌኒ ይበሃሉ። ክልቲኦም ፍርሓት እግዚኣብሔር ዝነበሮም ቅኑዓት ሰባት ነበሩ፡እዞም ስድራ ብእግዚኣብሔር ዝተመርጸት ክብርቲ ኣዝያ ኣስተውዓሊት ዝኮነት ቆልዓ ንኣዴና ክርስትስ ሠምራ ወለዱ ብመልክዓን ብጠባያን… Continue Reading

2/፪ ነሓሰ ዕረፍቲ ቅድስት ኣትናስያ

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 2/፪ ነሓሰን  ዕረፍቲ ቅድስት ኣትናስያ           እዚ  ዕለት እዚ ቅድስት ኣትናስያ ዝዓረፈት ሉ ዕለት እዩ።  እዛ ቅድስቲ እዚኣ እዚኣ ወለዳ ካብ ሰብ ሃገረ መኑፍ ኮይኖም ኣዝዮም ሃብታማት ነበሩ፣ ወለዳ ምስ ሞቱ ሠናይ ሓሳብ ሓሰበት፣ ንሱ ከኣ ቤታ መሕደሪ መነኮሳትን ኣናግድን ንኽትገብሮ እዩ፣ ከምቲ ዝሓሰበቶ ከኣ ገበረት።… Continue Reading

12/፲፪ ግንቦት ዮሓንስ ኣፈወርቅ (344-404 ዓ/ም)

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 12/፲፪ ግንቦት ዮሓንስ ኣፈወርቅ (344-404 ዓ/ም)    ዮሓንስ ማለት ሓጎስ ርህራሄ ማለት እዩ። ሃገሩ ኣንጾኪያ እዩ። ኣቦኡ ኣስፋኒዶስ (ስፋንዩ) ኣዲኡ ኣትናሲያ ይበሃሉ። ኣቴና ከይዱ ጥበብ ተማሂሩ ብድሕሪኡ ድማ ጥበብ መንፈሳዊ ክመሃር ቅዱስ ባስልዮስ ዝነበረሉ ገዳም ኣተወ። ዕማኾ ስገም ምስ ሓሰሩ ብምምጋብ ዓቢ ትግሃትን ብዙሕ ትሩፋትን ይሰርሕ ነይሩ። ኣብቲ… Continue Reading

13/፲፫ መጋቢት ሰማእት 40 ሓራ

እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣባላት ሰራዊት ሃገረ ቢስጢንያ ዝነበሩ እዮም። መስፍን ናይ ብስጢንያ ምስ ሞተ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ንእልፍያኖስ ንጉስ ናይ ብስጥንያስ ጌሩ ሽሞ። እልፍያኖስ ክሽየም ከሎ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሕ እየ ንክርስቲያን ድማ ክሕግዝ እየ ኢሉ እዩ ተሸይሙ። ድሓር ግን ብወርቅን ብብሩርን ዝተቐርጸ ምስሊ ብምቋም “ሃይማኖትኩም ለውጡ ንጣዖታት ስገዱ ክብል” ጀመረ። ብዙሓት ድማ ፈሪሆም ሃይማኖቶም ሓዲጎም ንጣዖታት… Continue Reading