Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

መልሲ ንሕቶታትኩም

             በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

           መልሲ ንሕቶታትኩም

ሕቶ፡  ሰላም ኣምላክ ንዓኩም ይኩን  ኣሕዋት። ኣነ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ይደሊ እየ ግን ከኣ ተመሊሰ ሓጢኣት ከይሰርሕ ስለ ዝሰግእሲ ክሳብ ሕጂ ኣይቆረብኩን እሞ እንታይ ምኽሪ ትህቡኒ፧

melsi nhtotatkum

መልሲ፥ ሓጢኣት ከይሰርሕ ኢላካ ምሕሳብ ቅድሚ ኩሉ ካብቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ክፉእ ሓሳብ እዩ ዝብገስ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን   እዩ ዝፍተን” ከም ዝብል (ያዕ 1፡14)። ኣብ ኣምላኽ ዘሎኻ ጥርጥር ናይ እምነት ድማ የርኢ። እዚ ድማ ነቲ ኣቦ ሓጢኣት ዝኾነ ዲያብሎስ (ዮሓ 8፡21) ዝዓበየ ቦታ ሂብካ ነቲ ክትፈርሆ ዝግበኣካን ኣብ ድኻምካ ኮነ ኣብ ውድቀትካ ክድግፈካ ዝኽእል እግዚኣብሔር ድማ ከም ሓደ ንእሽቶይ ነገር ጌርካ ምውሳድ እዩ (ምሳሌ 1፡7 ፣ መዝ 94፡18)

  ስለዚ ቀዳምነት እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሰይጣንን ስልጣን ከምዝሃበካ ምሉእ እምነት ይሃልኻ (ሉቃ 10፡19, ማር 16፡16-18)። እዚ ምስትኣምን ምሉእ ብምሉእ  ብሓይሊ ኣምላኽ ንሓጢኣት ክትስዕር ኢኻ።

ካልኣይ ዋላውን ከም ሰብ ጌጋታት  እንተ ኣጋጢሙካ ምስጢረ ቁርባን  ዝድገም ምስጢር ናይ ቤተክርስቲያን ምዃኑ ምፍላጥን ምርዳእን የድሊ። ብንስሓ ኣቢልካ  እትምለሶ ህይወት እዩ።  እዚ ፈሊጥካ ኣብ ህይወትካ ቀዋሚ መገዲ ክህልወካ ይግባእ። 

ንሓጢኣት ክትስዕር ድማ እዚ ዝስዕብ ከተማልእ የድሊ፥

  1. ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምስትንታንን (መዝ 119፡11)

  2. ብጽሎት ምስ ኣምላክ ዘውትር ምዝርራብ

  3. ስጋን ደምን ጎይታ ምምጋብ ( ዮሓ 6፡56)

  4. ኣብ ቤት ኣምላክ ተሰሪትካ ምንባር (1ጢሞ 3፡15)

  5. ህይወት ቅዱሳን ኣብ ህይወትካ ቦታ ሂብካ ምዕያይን ካብ ህይወቶም ምምሃርን (ዕብ 13፡7)።

  6. ሓጢኣት ሞት ከምዘስዕበልካ ፈሊጥካ ካብኡ ምእላይ ( ሲራ 21፡1)።

  እግዚኣብሔር ንኹላትና ፍርሒ ኣወጊዱ ብንጽህና ስጋኡን ደሙን ክንቅበል ዝበቓዕና ክገብረና ናቱ ሰናይ ፍቓድ ይግበረልና ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Leave a reply