Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

“መጻሕፍቲ ኮነ ሕጊ ኣምላኽ ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም” (ማቴ 22፡29)

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

መጻሕፍቲ ኮነ ሕጊ ኣምላኽ ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም” (ማቴ 2229) 

  ቡኡኡኡኡጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ኣብ ዝነበረለን ዓመታት ክሳዕ ዕለተ ዕርገቱ ዝነበረ ዘመን ብጠቕላላ ብቑጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዓይነቱ ትእምርትን ተኣምራትን ፈጺሙ ኢዩ። በቲ ዝረኣይዎ ኣዝዩ ድንቂ ዝኾነ ስራሕ ኣምላኽ ልቦም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኣግዚኦም ብመንገዱ ዝተጓዕዙ ብዙሓት ኢዮም። መቐረት ፍቕሩ ዝጠዓሙ ነገረ ድሕነቱ ዘስተብሃሉ ድማ ክሳዕ ፍጻሜ ዘመኖም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም፡ ንብዙሓት እውን ኣብ እምነት ኣምጺኦም ኢዮም። ብኣንጻሩ ግና ንትምህርተ ክርስቶስ ብኽፍኣት ዝጠመቱ፡ ክብሪ ርእሶም ጥራሕ ዘገድሶም ዝነበሩ ብዙሓት ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ግና ካብ በረኸቱ ተፈልዮም ካብ ፍቕሩ ኮብሊሎም ኣብ ምፍታኑ ዘመኖም ኣብቂዑ ኢዩ። ገለ ካብቲ ብዙሕ ንሳቶም ነቲ ዘይምርመር ሓያል፡ ብርቱዕን ጥበበኛን ዝኾነ ስጉው ቃል(ኢየሱስ ክርስቶስ) ክፍትንዎ ኢሎም ዘቕረብዎ ሕቶን ዝተመለሰሎም ሕይወት ዝህብ መልስን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና።

ቅዱሳን ወንጌላውያን ኣብ ጽሑፎም ከም ዘስፈርዎ፡ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ትንሳኤ ምዉታን የልቦን እንዳ በሉ ዝኣምኑን ዝምህሩን ሰዱቃውያን፡ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ገንጺሎም ኣብ ክንዲ ምንባብ፡ ንዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትን ትምህርቶም ኣብ ክንዲ ምስትብሃል፡ ኣብ ልዕሊ ትንሳኤ ምዉታን ዘለዎም ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነት ምሓዞም ጥራሕ ከይኣክል፡ ብኽፍኣት ዝተባዕጠ ሕቶ ብምሓዝ ክፍትንዎ ናብኡ መጹ።

“መምህር ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ንሓዉ ድማ ውሉድ የቑመሉ ኢሉ ኣሎ። እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓቢይ ሰበይቲ ኣእትዩ ከይወለደ ሞተ። እታ ሰበይቱ ድማ ንሓው ሓደጋ። ከምኡ ድማ እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም። ድሕሪ ኩሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። ኩሎም ኣእትዮማ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብግዜ ትንሳኤ ምዉታን ካብ ሸውዓቲኦም ሰበይቲ መኖም  ክትከውን ኢያ፧ሰዱቃውያን ትንሳኤ ምዉታን የልቦን ዝብሉ ኢዮም። ፈሪሳውያን ግና ትንሳኤ ምዉታን ኣሎ ይብሉ ነበሩ(ማቴ፳፪፡፳፫/22፡23, ግ.ሓዋ፳፪፡፰-፱/22፡8-9)። እንተኾነ እዚ ዓይነት እምነት እንዳ ሃለዎም ድኣ ስለምንታይ ብዛዕባ እታ በብግዚኦም ሸውዓተ ኣሕዋት ዘእተውዋ ሰበይቲ ክሓቱ ተራእዩ እንተተባህለ ነዚ ኣቐዲሞም ዘልዓልዎ ሕቶ ኣብ ዝሓትሉ ግዜ “ሰበይቲ ኩሎም ክትከውን ኢያ እንተበልዎም፡ እምበኣር እታ ሓዳስ ዓለም ናይ ዝሙት ዓለም ኢያ ይብልዎም። ሰበይቲ እቲ ቀዳማይ ትኸውን እንተ በልዎም ከኣ፡ እምበኣር እታ ሓዳስ ዓለም ናይ ኣድልዎ ዓለም ኢያ ይብልዎም” ከምኡ ኮይኑ ስለ ዝመሰሎም ከኣ ናብ መድሃኒዓለም ክርስቶስ ሕትኦም ሒዞም ቀረቡ። ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምዚ እንዳ በለ መለሰሎም “ስሕትክሙ በኢያእምሮ መጻሕፍት ወኢኃይለ እግዚኣብሔር አመሰ የሐይዉ ምዉታን ኢያወስቡ ወኢይትዋሰቡ አላ ከመ መላእክት፦ መጻሕፍቲ ኮነ ሓይሊ ኣምላኽ ብዘይምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም። ኣብ ግዜ ትንሳኤስ፡ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኢዮም እምበር ኣይምርዓዉ ኣየመረዓዉ”(ማቴ፳፪፡፳፱/22፡29)። ትንሳኤ ምዉታን ከም ዘሎ ዝነግሩ መጻሕፍትን ሓይሊ ኣምላኽ ማለት አለማትነቱ ከሃልነቱ ንዘየሎ ናብ ህላዌ ዝጽውዕ፡ ንዝሞተ ዘተንስእ(ሮሜ፬፡፲፯/4፡17) ምዃኑ ብዘይምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም” በሎም። ቀጺሉ ድማ “ምዉታት ከም ዝትንስኡ ግና እቲ ካብ እግዚኣብሔር ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሓቅ፡ ኣምላኽ ያዕቆብ ኢየ ዝተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን” ክብል ኣስዒቡ ስለ ናይ ትንሳኤ ምዉታን ነገር ገለጸሎም። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሓቅ፡ ኣምላኽ ያዕቆብ ኢየ ማለቱ ብኣካለ ነፍስ ሕያዋን ስለ ዝኾኑ፡ ብመዓልቲ ትንሳኤ ዘተንስኦም ስለ ዝኾነ ኢዩ። ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን ማለቱ ድማ፦

ቀዳማይ፦እዛ ዓለም እዚኣ ሎሚ ብሸውዓተ ዕለታት ኢያ ትምገብ(ትመሓደር) ዘላ፡ ንዳሕራይከ ከመይ ኢዩ፧ እንተበልና፡ ዳሕራይስ መዓልትን ለይትን፡ ክረምትን ሓጋይን፡ ብርሃንን ጸልማትን የለን፡ ከም መላእኽቲ ኮንካ ምንባር ኢዩ በሎም።

ካልኣይ፦ሎሚ ኣብዚ ዓለም ስጋን ነፍስን እንዳ ተሰሓሓባ ይነብራ ኣለዋ። ዳሕራይከ ከመይ ኢዩ፧ እንተበልና ዳሕራይሲ ምስሕሓብ የለን። እታ እትመጽእ ዓለም ዓለመ ነፍሲ ኢያ።

ሳልሳይ፦ ሎሚ ኣብዚ ዓለም ስጋዊ ምምሕዳር ካብ ንጉስ ክሳዕ ኳደረ፡ ኣብ መንፈሳዊ ምምሕዳር ድማ ካብ ሊቀ ጳጳስ ክሳዕ ዓጻዌ ኆኅት ብዘሎ ማዕርጋት ይመሓደር ኣሎ። ዳሕራይከ እንተበልና ዳሕራይስ ገዛእን ተገዛእን የልቦን። “ሄኖክ ነቲ ንኣባጊዕ ዝተዋህበ ሰይፊ (ስልጣን) ክሳዕ ዘቐምጥዎ ረኣኹ። ናብ ቤቱ መለስዎ”፡ ከም ዝበሎ ንሱ ጎይታ ባዕሉ ጥራይ ኢዩ (ሄኖ፴፬፡፳፫/34፡23)

ንትምህርቱ ዝሰምዑ ዝነበሩ ህዝቢ ከኣ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ። ክርስቶስ ኣምላኽና ክብሪ ንዕኡ ይኹን ብኣምላኻዊ ቃሉ ጽምኣት ብዙሓት ሰባት ኣርውዩ ኢዩ። ንምፍታኑ እምበር ንቓሉ ሰሚዖም ድሕነት ንምርካብ፡ ሰላምን ዕረፍትን ንምጉንጻፍ ዘይተበገሱ ሰባት ግና ብሰንኪ ንቓሉ ዘይምስምዖምን ኣብ ቃሉ ዘይምጽንዖምን ንሕይወቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ሕይወት ካልኦት ሰባት’ውን ኣጥፊኦም ኢዩም። ኣብ ጌጋ ሓሳብን መንገድን ስለ ዝነብሩ ዝነበሩ ምስትውዓል እውን ካብኣቶም ስለ ዝረሓቐት ንድሕነት ኩሉ ዓለም፡ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ ዝተገልጸ ኣምላኽ መን ምኳኑ ኣይፈለጡን፡ ናይ ኣምላኽነቱ ሓይሊ፡ ናይ ፍርዱ ስልጣን ኣየስተውዓሉን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ መገዶም ጥፍኣት ኮነ።

ሎሚኸ፧

ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዘመንን ግዜ’ውን እንተኾነ ዓለም ከምቲ ክትፈልጦ ዘለዋ ንክርስቶስ ክትፈልጦ ኣይከኣለትን። ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓትን ብራዕድን ኣይቆመትን። እኳ ድኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጻር ትእዛዛቱን ስርዓቱን ትኸይድ ኣላ። ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ናይቲ ናይ ጥንቲ  ጸላኢና ዝኾነ ዲያብሎስ ዝተቖሮኑ ሰባት ናይቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስጢር ካብ ዘይምርዳእ፡ ናይ ክርስቶስ መንነት ካብ ዘይምፍላጥ ዝተላዕለ ንኣምላኽነቱ ዘንጊዖም “ተራ ሰብ፡ ፍጡር፡ መልኣኽ(ሎቱ ስብሓት). . . . . . ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። እቶም ዝኣመናዮ እውን እንተኾነ ኣብ ቀራንዮ ዝተገበረልና ውዕለት ዘንጊዕና ዘመና ምሉእ ኣብ ሓጢኣት ንነብር ኣለና።

ሰዱቃውያን ዘይምፍላጦም ከይኣክል ንክርስቶስ ክፍትንዎ ኢዮም ተረኺቦም። ብዝተዋህቦም  ምላሽ እውን ኣፎም ድኣ ሓዙ እምበር ክምለሱስ ኣይተራእዩን። እቲ ካብ ገጽ ኣምላኽ  ዘርሕቖም ክፉእ ተግባራቶም’ውን ኣይሓደግዎን። ዘለናዮ ዘመን’ውን ኣብ ክሕደት ዝነብሩ ሰባት ኮነ እቶም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንነብር፡ ብ፵/፹(40/80) መዓልቲ ዝተጠምቕና እውን እንተኾነ ኣብ ርኽሰት፡ ኣብ ክፍኣት፡ ጽባሕ ናብ ገሃንም እሳት ዘደርብየና ተግባራት እንዳ ገበርና ምንባርና ነገረ ድሕነቱ፡ ምሕረቱን ልውሃቱን ብምዝንጋዕና፡ ናይቲ ቅዱስ  ቃል ሓይሊ፡ ብሓይሊ ኣምላኽነቱ ብቕጽበት ተንሲእና ከም መጠን ግብርና ከም እንፍረድ ብዘይምስትውዓልና ሕይወትና ክዕረ ኣይተኻእለን።  ዘይውዳእ ምሕረቱ በቲ ሓደ ድማ ኣምላኻዊ ፍርዱ ዘስተውዓሉ፡ ብዓይኒ መንፈስ ዝምርምሩ ሰባት ግና ካብ ኩሉ ክሕደትን ናይዚ ዓለም ርኽሰትን ተሓልዮም ነታ ዓባይን እተፍርሕን መዓልቲ ጎይታ ይጽበዩ ኣለዉ።

ንዓና’ውን ነቶም ድኹማት ብሰናይ ግብሪ ተኸሊልና፡ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ፡ ነቶም ካብ እምነት ዝዘነበሉ ድማ ናብታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ክምለሱ ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ኣሜን!!!

 ትንሳኤ ከም ዘለና ኣስተውዒልና ብንጽሕና ክንሕሎ፡ ነቶም ናይቲ ቅዱስ ቃል ምስጢር ተሰዊርዎም ዘሎ ሰባት’ውን ኣምላኽ ከም ዝረድኣና መጠን ክነርድኦም፡ ኣብታ ብርሃናዊት መንግስቲ ብሰላም ክንነብር ብዘይ ተስፋ ምቑራጽ ጻዕርን ድኻምን ይሓትት ኢዩ። ሰዱቃውያን ናይ ትንሳኤ ምዉታን ምስጢር፡ ናይ ኣምላኽና ከሃልነት ከስተውዕሉ ዘይከኣሉ መጻሕፍቲ ኣብ ኢዶም ስለ ዘይነበሩ ኣይኮነን። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ዝገልጹ መጻሕፍትስ ኣብ ኣእዳዎም ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዙርይኦም ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ንምስትውዓል ልቦም ኣይከፈቱን ክምሃሩ እውን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እዚ ስለ ዝኾኑ ኢዮም ከኣ ብጌጋ ኣካይዳን ኣነባብራን ክጓዓዙ ዝተራእዩ።

ሎሚ’ውን ነዚ ዓቢ ምስጢር፡ ነገረ ትንሳኤ ምዉታን ክንፈልጥን ክነስትውዕልን ይግባኣና ኢዩ። ከመይ ናይ ትንሳኤ ምዉታን ነገር ብኣእምሮ ተረዲእና እንተዘይተጓዒዝና ካብ ርኽሰትን ክፍኣትን ክንሕሎ ኣይከኣልን ኢዩ። ብኣንጻሩ ተስፋና ሰማያዊ ምዃኑ ምስ እነስተውዕል ግና ብሰናይ ጎደና እንዳ  ተጓዓዝና ሕይወትና ንመዓልቲ ትንሳኤ ምዉታን ድልውቲ ኮይና ትጸንሕ፡ ከም ቃል ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ሰማይ ከም መላእኽቲ ኮይና ንነብር። ብሞቱ ንሞትና ዝደምሰሰ፡ ብትንሳኤኡ ተስፋ ትንሳኤ ዝሃበና ጎይታናን ኣምላኽናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኽበር ይመስገን። ኣሜን!!!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

  ካብ ብቤ/ት/ስ/ቅ/ሚካኤል ኣሽዱድ እስራኤል እትዳሎ መጽሔት ነገረ ቅዱሳን ቁ.2 ዝተወስደ

Leave a reply