Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጾመ ሓዋርያት

ጾመ ሓዋርያት

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

apostlesaቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ስለ ዘብጽሓና፡ኣብ ዘመን ህይወትና ስለ ዝሓለወና፡ መሓሪ ምኻ`ኑ መታን ከፍልጥ ኣብ ጸጽባሕ  ዝናብ ምሕረቱ እና ኣዝነበ  ብሰላም፡ብጥዕና ክንነብር ስለ ዝፈቐደልንና ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ስግደትን  ንዕኡ ይኹን።ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ምኽንያት ድሕነትና፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺባ ሞጎስ ተዓዲላ እያ እሞ፡ናይ ጸጋ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓያ።ኩሎም ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ፡ከከም ማዕርጎም፡ እግዚኣብሔር ከም ዘኽበሮምን ጸጋ ከም ዝዓደሎምን፡ ሎሚ እውን ብድኹማት ባሮት ናይ ልዑል ባህርይ ኣምላኽና እግዚኣብሔር  ናይ ጸጋ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮም። ኣሜን።

ዘለናዮ ወርሓት ኩላትና ከም እንፈልጦ ፡ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ነቶም ኣብ ማሰርትን ግዝኣትን ዲያብሎስ ዝነበርና ደቂ ኣዳም ፡ብናጽነት ክንነብር ኣብታ ቅድስት ሃገር ኢየሩሳሌም ክንህሉ ብፍቓዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ወሲዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ዓለም ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ኣደባባያት ቀራንዮ ዕራቖትና ክሽፍን ጥራሕ ዕራቖቱ ተሰቒሉ፡ ብሞቱ ንሞትና ደምሲሱ፡ ብትንሳኤኡ ተስፋ ትንሳኤ ሂቡና ኣብ መጨረሽታ ከኣ  ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ከምዝገለጾ ብዕልልታ ብደሃይ መለኸት ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ (መዝ47፡5-6) እዋን ኢና ዘሎና።

በዚ ግዜ እዚ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ውዕለት እና ዘከርና እንሕጎሰሉ፡ ስለ ዘይውዳእ ውህበቱ ንዕኡ እነመስግነሉ  ክኸውን ከሎ ከምኡ እውን ንቅዱሳን ሓዋርያት በቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተነግረ ሓያል ቃል “ ከምቲ ክዓርግ ከሎ እትርእይዎ ዘለኹም ክምለስ ከሎ ከኣ ክትርእይዎ ኢኹም” (ግ፣ሃዋ2፡9-11)፡ ዝተባህለ ቃል ዘኪርና፡ ብግርማ መሎኮቱ ብክበበ ትስብእቱ ኣብ ዝመጻሉ ሰዓት ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ክንጸንሕ ከም ዝግባእ ፡ብዓይኒ ልቦና እንሓስበሉ ግዜ እዩ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ብዝግባእ ተማሂሮም ኣብታ ጽንሑ ዝተበሃልዋ ቦታ ጸኒሖም እዩም። ኣብ መጨረሽታ ከኣ እቲ ሓደ ዝኾነ መንፈስ ቅድስ ብዙሕ ውህበትን ጸጋን ዓዲልዎም እዩ።ሓደ ካብቲ ውህበታት  ካብ ትውሊዲ ዓዶምን ሃገሮምን ወጻኢ ፡ዘይዓበይሉን ዘይተማሃርዎን  ቋንቋታት ክዛረቡ ምኽኣሎም እዩ። በዚ ጥራሕ እውን ኣይተወሰኑን ፡ክሳዕ ሞት ጸኒዖም ክነብሩን ሂወቶም ስለ እዛ ቅድስት ሃይማኖት ክሓልፉን ኣብቂዕዎም እዩ። እዚ ዝኾነ ኣብታ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ ዝብል ትእዛዝ ተቐቢሎም ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓልዎ እዩ (ሉቃ24፡49)። ሎሚእውን ንሕና ኣብ መሰረት ሃዋርያት ተሰሪትና፡ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንተድኣ ኬድና ትማሊ ንቕዱሳን ቤተ ሰብ ኣምላኽ (120) ጸጋን ሃብትን ዝዓደሎም መንፈስ ቅዱስ  ግናኸ ከም’ቶም 120 ቤተ ሰብ ኣምላኽ ጸኒዕና እንተተረኺብና እዩ።

እምበኣር ቅዱሳን ሓዋርያትን ምስኦም ሓቢሮም ዝነበሩ  72 ኣርድእቲ፡ 36 ቅዱሳን ኣንስቲ ብሓድነት፡ ብሃይማኖት ፡ብሕብረት ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣደነታ፡ ቅድስንኣ ንጽሕንኣን ኣሚኖም፡ ኣብታ ጽንሑ ዝተባህልዋ ቤት ስለ ዝተረኸቡ  ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ዝተዋህቦም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሰርሕሉ ፡በቲ ዝተገልጽሎም ቋንቋታት ዓለም ብምልእታ ክምህሩ፡ንዘይኣመኑ ናብ እምነት፡ ንዝኣመኑ ከኣ ብግብርን ብሃይማኖትን ጸኒዖም ክርከቡ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ እንተ ኔሩ ናይ ሓባር ጸም ምጻም እዩ።

እዚ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ  ዝጅምር ጾም እምበኣር ቅዱሳን ስድራቤት እግዚኣብሔር ናብ ስብከተ ወንጌል ቅድሚ ምኻዶም፡ ዝጾምዎ ጾም  እዩ፡ እዚ ከኣ መንፈሳውን ስጋውን ዕዮና ብጸም፡ብጸሎት ክንፍልሞ ከም ዘሎና   ዝገልጸልና እዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ስለ ጾም ብዙሕ ግዜ ትምህርን ተስተምህርን እያ። ከመይ ጾም መጀመርታ ናይ ተግባር ጸድቂ ስለ ዝኾነ።ንሰይጣንን ሰራዊቱን  እነሸንፈሉ፡ንኣምላኽና  ንእግዚኣብሔር እነስምረሉ  ሓደ ካብቶም ናይ ጽድቂ ኣጻዋራት እዩ።

ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኮነ ኣብ ዘመነ ብሉይ ጾም ዝተኣዘዘን  ክንትግብሮ ዝግብኣናን እዩ።(ኢሳ58፡5-8,ኣስ4፡16,ዘደ9፡9,ማቴ5፡6,ግ፣ሃዋ 13፡3)።

ብዓይነት እንተድኣ ርኢናዮ ከኣ ናይ ግልን(መዝ35፡13,ዳኒ10፡2፣ማቴ4፡1,ማቴ6፡16, ) ናይ ኣዋጅን (1ቆሮ14፡40,ኢዩ2፡14,ትንቢት ዮናስ ካብ ምዕራፍ ሓደ  ክሳዕ ምዕራፍ ሰለስተ ተመልከት) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ጾመ ሓዋርያት እምበኣር  ካብቶም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ኣማኒ ክጸውም ከም ዘለዎ  ሓባራዊ መልእኽቲ ተመሓላልፍ።በዚ ከኣ ቅዱሳን ሓዋርያት ዕዮኦም ክጅምሩ ዝጸምዎ ጸም፡ ሎሚ እውን ንሕና ስለ በደልና ስለ ሓጢኣትና እና ሓሰብና፡ ንእግዚኣብሔር  እንልምነሉ ካብ ዓለምን ፍትወታን እንወጸሉ ጾም እዩ።

እታ ምስ ተግባራት ሰይጣን ማለት ሓጢኣት ክትመሓዞ እትደሊ ስጋና ኣድኪምና፡ንነፍስና ኣብ ልዕሊ ስጋና ኣግዚእና ክንከይድ ዝግብኣና እዋን እዩ እሞ እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልና።ኣሜን።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ክንረክብ ፡ጽባሕ  ነታ ብተስፋ እንጽበያ ዘሎና ሰማያዊት ኢየሩሳሌም  ምእንቲ ክንወርስ ኣብ ጾም ዘሎና ተበግሶ ኣዝዩ ክዓቢ ይግባእ። ከምቲ ገለ ሰባት ኣርዑት ክርስትና ስለ ዝኸበዶም ንጾም ዝቃወሙ ክንከውን ኣይግባእን እዩ። ብዙሓት ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ብጾም ሓይሊ ረኺቦም ዓወት ተጋ`ናጺፎም እዮም። ህዝቢ ነኔዌ ብነቢይ ዮናስ ዝተኣወጀሎም ናይ ኣዋጅ ጾም ብምቕባሎም፡ ተቐቢሎም ከኣ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ ሞት መቕዘፍቲ ድሒኖም እዮም።(ትንቢይ ዮንስ 1—-3)፡ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት  ካብቲ ዝፈጸሞ በደል ነጻ ክወጽእ ዝኸኣለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ርእሱ ኣትሒቱ ብጾም ንሰብነቱ ኣድኪሙ ንእግዚኣብሔር ስለ ዝጸውዐ እዩ (መዝ135፡13,2ሳሙ12፡16-17)።

ኣቐዲሙ እውን ኣምላኻና እግዚኣብሔር  ንኣዳም ምስፈጠሮ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ  ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ዕጸ በለስ ከይትበልዕ ዝብል እዩ (ዘፍ3፡16-17)።  ኣዳም  ናይ ጾም ትእዛዝ ኣኽቢሩ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብህድኣት ይመላለስ ኔይሩ።ነቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ምስ ጠሓሰ ግና ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ኣዝዩ ሰንበደ፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምቛም ሰኣነ፡ ውሉድ ድምጺ ወላዲኡ ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ከም ዝሕጎስ  ኣቦና ኣዳምን ግን “ድምጽኻ ሰሚዔ ፈራሕኩ ጥራየይ እየ እሞ ተሓባእኩ” ክሳዕ ምባል በጽሐ(ዘፍ3፡10)።

ጾም እምበኣር ብጸጋ ተሸፊንካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብህድኣት ከም እትመላለስ ፡ንሰይጣን ክትስዕር ሓይሊ ዘልብስ እዩ። ክንጸሞም ዝግብኣና መግብታትን ክንጸሞ ዘሎና መዓልታትን ገዲፍና ከምቲ ኣቦና ኣዳም ቃል ሰበይቱ፡ ሄዋን ድማ ቃል ዲያብሎስ ሰሚዖም ዝወጹ፡ ዝተባህሎም ናይ ጸም ስርዓትን ዝገድፉ እሞ ጥራሕ ሕፍረቶም ዝኾኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝፈርሑን ዘንቀጥቀጡን፡ ሎሚ እውን ንሕና ኣብ ቅድሚ እቲ ዘፍርሕ ግርማኡ ኣብ እንቖመሉ ግዜ ከም ኣዳም ኮይና ከይንርከብ ክንጥንቀቕ ይግባኣና እዩ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣርኣያ ንምዃን ቅድሚ  ስብከቱ 40 መዓልትን 40 ለይቲን ጾይሙ ፡ሰይጣን ብጾም ከም ዝሰዓር ኣርእዩና እዩ(ማቴ4፡1-12)። ስለ ኣጻውማ ዝምልከት ምሂሩ፡ኣብ ምወዳኣታ ከኣ  ክንጸውም ከም ዘሎና ትእዛዝ ኣመሓላሊፉልና እዩ ከይዱ (ማቴ4፡1-4,ማቴ5፡6, ማቴ 6፡16፣ማቴ17፡21)።

ነዚ ስለ ዝፈለጡ እዮም ከኣ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ስብከት ናይ ወንጌል ቅድሚ ምጅማሮም  ዝኣዘዞም ቃላት ንምፍጻም ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅድስ ጀሚሮም ዝጸሙ። እዚ ጾም እዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝጅምር ጾም እዩ።በዓል መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰንበት ኣይወጽእን፡ ጾም ሓዋርያት ከኣ ካብ ሰኑይ ኣይውጽእን እዩ። ስለዚ መጀምርታ ናይ ጾም እዚ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሰኑይ ክኸወን ከሎ መጨረሽትኡ ከኣ ቅዱስ  ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስ ዝዓረፍሉ ዕለት ማለት ብሓምሽተ ሓምለ ይውዕል። እንተኾነ ግን መወዳእትኡን መጀመርትኡን ድኣ ይፈለጥ እምበር ንውሓት መዓልታቱ ግን ይፈላለ እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋን ልዕሊ ወርሒ ክኸውን ከሎ ኣብ ገለ ድማ ክሳዕ ፍርቂ ወርሒ ዝኾነሉ ግዜያት ኣሎ።

ስለዚ እምበኣር ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ከም ኣቦታትና ኣምላኽና እግዚኣብሔር ንዝኣዘዘና ናይ ጾም ወርሓት  ቤተ ክርስቲያና  ብዝመርሐትና መሰረት ፡ናይዚ ጾም እዚ ተሳተፍቲ ክንከውን ቅዱስ እግዚኣብሔር  ብጸጋኡ ፡ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ብጸለቶም ምስና ይኹኑ።ኣሜን!

ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና ኣሜን። ኣሜን!

 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

Share this:

Leave a reply