ሓጺር ታሪኽ ገድሊ ናይ ገዳም ሰማዕት ደምበላስ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!
ገድሊ ናይ ገዳም ሰማዕት ደምበላስ
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብጥንታውነቶምን ታሪኾምን ቅድስናኦምን ዝፍለጡ ብዙኃት ገዳማት ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ገዳም ሰማዕት ደምበላስ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ገዳም ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ንብዙሓት ዓይነት ሕማማት ዝፍውስ ጸበል ጥራይ ዝርከቦ ቅዱስ ቦታ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።
እዚ ገዳም እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝዓነ
ዉ ገዳማት ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ላዕላይ ጋሻ ባርካ ኣብ ደምበላስ ዝበሃል ከባቢ ንኡስ ዞባ ሞልቂ ዝርከብ እዩ፣ እዚ ገዳም እዚ ክምስረት ከሎ እምበኣር ካብ ሃገር ሮማ ካብ ዝመጽኡ ቅዱሳን ኣቦታት ብ333 ዓ.ም እዩ ተመስሪቱ። እዞም ቅዱሳን ኣዚኣቶም ካብ ሮማ ናብ ሃገርና ዝምጽእሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ሃይማኖት እቲ ህዝቢ ብክርስትና ጸኒዑ ይቕመጥ ነበረ። እቲ መንግስቲ ከኣ ብክርስትና ሃይማኖት ቆይሙ ብሃጸይነት ይገዝእ ስለዝነበረ፡ ኣረማውያን ኩሉ ግዜ ብቅንኣት ነቲ ኣማኒ ህዝብን መንግስትን ክጻረሩ ጀመሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሮማውያን ብውግእ ተዓዊቶም ክገዝኡ ከለዉ እቲ መንግስቲ ኮነ እቲ ኣማኒ ህዝቢ ብሰላምን ህድኣትን ይነብሩ ነበሩ።
ይኹን እንበር እቶም ጸረ ክርስቶስ ዝኾኑ ኣረማውያን ስዒሮም ንሮማ ኣብዝሓዙላ እዋን ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ከጥፍእዎም ኣዝዩ ሓያል ዝኾነ ግፍዕን ቅትለትን ፈጸሙ። እቶም ኣመንቲ ድማ ስቓይን ቅትለትን ምስበዝሖም ምስ ንጉሶም ካብ ሮማ ምእንቲ ሃይማኖቶም ናብ ስደት ኣምርሑ። ብቀይሕ ባሕሪ ጌሮም ከኣ ናብ ሃገርና ኤርትራ ኣተዉ። መጀመርያ ከኣ ኣብ ከባቢ እንድርታ ዓዲ ዓቀይቲ ኣብ
እትበሃል ዓዲ ኣተዉ። ሽዑ እዋን ግዜ ክረምቲ ስለ ዝነበረ ኩሎም ኣብ ብዓትን ጎዳጉድን ክኸርሙ ከለዉ፡ እቲ ንጉሶም ግን ነቲ ኩሉ ዝናብን ቁርን ኣብ ዝናቡ እና ዘነበ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ደይቡ ከረመ።

ብድሕሪ እዚ መስቀል ምስ በረቐ ኩሎም ተኣኻኸቡ እሞ ተተሓሒዞም ኩሎም ብሓባር ናብ ውገን ደምቢያ መደባ ኣተዉ። ኣብዚ ድማ መንፈሳዊ ተልእኽኦም ንምፍጻም ኣምላኻዊ ተልእኾ እናተዋህቦም ተኸፋፊሎም ናብ ወገን ምዕራብ በጌ-ምድር ብምዝዋር ንኣንገሬብ ኣተዉ። ካብዚ ውን እና ተኸፋፊሉ በብቑሩብ ተጓዒዞም ናብዚ ገዳም ሰማዕት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ደምበላስ ኣተዉ ኣብዚ ድማ ንነዊሕ ተቐመጡ። ኣብዚ ገዳም እዚ ብውልቅን ብሕብረትን ጸሎት የብጽሑ መግቦም ድማ ብሞቕነን እናተመቓቐሉ ይነብሩ ነበሩ። እቲ ንመቑነን ዝጥቀሙሉ ዝነብሩ ጣሳታት ዉን ከም ቅርሲ ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ገዳም ይርከብ ኣሎ።
ከምዚ ኢሎም እኳ እንተነብሩ እቶም ጸረ ክርስቶስ ዝኾኑ ኣረማውያን ንህዝበ ክርስቲያን ንምጥፋእ(ንምጽናት) ተወሊዶም ንኽስይፍዎም ዉን ደድሕሪኦም ተዳልዮም ሰዓቡ። እቶም ቅዱሳን ኣቦታት ዉን ክመጽዎም ክስይፍዎም ምኳኖም ብመንፈስ ቅዱስ ይግለጸሎምን ይፈልጡን ነበሩ። እቶም ኣረማውያን ኣብኦም ዝበጽሑለን ዕለታት ከይተረፈ መንፈስ ቅዱስ ይነግሮም ነበረ። ምስ ቀረብዎም ድማ ሓደ ካብኣቶም ናብ ዝባን ደብሪ እትበሃል ዓዲ ክነግረሎም ለኣኹ። ንሱ ድማ በጃኹም!! ኣነኸ! እቲ ብስም ክርስቶስ ክወስዶ ዝተመነኽዎ ሰማዕትነት መዓስ ክፍጸመለይ፧ ምሳኹም ክስየፍ’ሲ ሕደጉኒ በጃኹም ኢሉ ለመኖም። ንሳቶም ግን ፍቓድ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ንስኻ ዉን ሰማዕትነት እትቕበለሉ ኣብኡ እዩ ኢሎም ኣረድእዎ።
ንሱ ኸኣ ትእዛዝ ናይ ኣቦታቱን ኣሕዋቱን ብምኽባር ሕራይ ኢሉ ተቐቢሉ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓረዛ እትርከብ ዝባን ደብሪ ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ድማ ኣልኣሜዳ ዝበሃል ማለት እቲ መጀመርታ ዝተቐበሎም ንጉስ ኢትዮጵያ ረኸቦ፡ ሽዑ ነቶም ህዝቢ ዝባን ደብር ከምዚ ክብል ተዛረቦም፡ ኣብዚ ኣብ መንጽርና ዘሎ ቦታ ብጾተይ (ኣሕዋተይ) ሰማዕትነት ክርስቶስ ብኢድ ኣረማውያን ክስየፉ ስለ ዝኾኑ ኩነታቶም ንምፍላጥ ከምኡ ዉን ታሪኾም ንምጽሓፍ ተበገሱ በሎም። ንሳቶም ድማ ሕራይ በል ምርሓና ኣበይ እዩ ኢሎም ኣጨነቕሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣነ ኣብዚ ዘለኽዎ እዩ ዕረፍተይ ስለዚ ኣይከይድን እየ በሎም፡ እሞ ንሕና ደኣ ኣበይ ኢልና ክንከይድ መን ከርኤና በልዎ። ንሱ ድማ ደሞም ከም ትኪ ንሰማይ ከዓርግ ስለዝኾነ ነቲ ትኪ ተመልኪትኩም ኪዱ ምስ በሎም እቲ ትኪ ብቑጽሪ እቶም ሰማእታት ፸፯ (77) ከም ሰርቢ ዝናብ እናተራእዮም ጉዕዝኦም ቀጸሉ።
ብድሕሪ’ዚ እቲ ሓደ ሰማዕት ብቕጽበት በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ሓደ ኣሞራ ተመን ሒዙ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ርእሲኡ ስለዘውደቐሉ በቲ ተመን ተነኺሱ ኣብታ ቦታ ሰማዕትነቱ ፈጸመ። እቶም ሰብ ዝባን ደብር ግን ጉዕዞኦም ብምቕጻል ኣብቲ ገዳም ኣተዉ እሞ እቶም 77 ሰማዕታት ምእንቲ ስም ክርስቶስ ብኢድ ኣረማውያን ብ5 ግንቦት (ግእዝ) ተሰይፎም ረኸብዎም። ሽዑ እቲ ሬሳኦም እቶም ሕዝቢ እናረኣይዎም ከም ሓሰኻ እናተሓላለኸ ናብዚ ሕጂ ሕሙማት ዝፍወሱሉ ዘለዉ ጉድጎድ ከኣትዉ ረኣይዎም እምበር ኣይቀበርዎምን። ሽዑ እቶም ህዝቢ ነቲ ንብረቶምን ታሪኾምን ሒዞም ንዓዶም ተመለሱ።
ነቲ ኣብ ቦታኦም ብተመን ተነኺሱ ሰማዕትነት ዝተቐበለ ሰማዕት ክሳዕ ሎሚ ዓመት ዓመት እናኣቐደሱ የኽብርዎን የብዕልዎን ኣለዉ።
እቶም ኣረማውያን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ልክዕ 78 ሰዓብቲ ክርስቶስ መነኮሳት ከምዘለዉ ፈሊጦም ስለ ዝነበሩ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ንሓደ ክስይፍ ብምባል ብቑጽሪ እቶም መነኮሳት 78 ሰየፍቲ ለኣኹ። እንተኾነ ግን ካብቶም ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ናብ ዝባን ደብሪ ስለዝተላእኸ እቶም ዝተረፉ 77 ነበሩ። ካብቶም 78 ሰየፍቲ ሓደ ከኣ ዝስይፎ ስኢኑ ከይሰየፈ ተረፈ። ሰይፎም ክምለሱ ከለዉ ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ሓደሩ እቶም ዝሰየፉ 77 ኣረማውያን ብጸሎት እቶም ሰማዕታት ሞይቶም ክሓድሩ ከለዉ እቲ ዘይሰየፈ ኣረማዊ ግን ብህይወቱ ሓዲሩ ተረኽበ። ኣምውታ ናይቶም ኣረማውያን እንተትሓተ ድማ ነዚ መልሲ እዚ ክህብ ከኣለ።
በረከትን ረድኤትን ጸሎትን ናይዞም ቅዱሳን ሰማዕታት ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ኣሜን!!!
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!
ምንጪ፥ መጽሓፍ መልክዐ ሰማዕት ዘደምበላስ