በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መስከረም ፳፰/28 ዕረፍታ ለቅድስት ሶስና
ኢያቄም ዝበሃል ኣብ ባቢሎን ዝቕመጥ ሰብኣይ ነበረ። ሶስና እትበሃል ጓል ኬልቅዩ ድማ ተማርዓወ ።ንሳ ኣዝያ ጽብቕትን ንእግዚአብሔር እትፈርሕን ሰበይቲ ነበረት። ወለዳ ጻድቃን ነበሩ ፡ንጓሎም ድማ ሕጊ ሙሴ ምሂሮምዋ ነበሩ። ሰብኣያ ኢያቄም ካኣ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።ኣብ ጥቓ ገዝኡ ድማ ገፊሕ እና ኣታኽልቲ ነበሮ።ኣይሁድ ድማ ካብ ኩሎም ዝኸብር ንሱ ስለ ዝነበረ ናብኡ ይመጹ ነበሩ።በታ ዓመት እቲኣ ካብቶም ሕዝቢ ክልተ ሽማግለ ደያኑ ክኾኑ ተሸሙ ።ንሳቶም ድማ ከምቲ እግዚአብሔር ብዛዕብኦም “‘ካብ ባቢሎን ዓመጽ ክወጽእ እዩ፡ንህዝቢ ዘመሓድሩ ደያኑ ፍትሒ ምሃብ ኣይክኽእሉን ኢዮም” ዝበሎ ዓመጸኛታት ነበሩ።እቶም ብሕጊ ፍትሒ ንምርካብ ጥርዓን ዘለዎም ድማ ናብኦም ይመጹ ነበሩ (መጽ.ሶስና ፩፡፩-፮/1፡1-6)።
ሶስና ማለት ለዋህ ርግቢት ማለት ኢዩ። ንሳ ሕጊ እግዚአብሔር ዝተማህረት ብመልክዓ ካኣ ኣዝያ ጽብቕቲ ነበረት። ንሳ ንኣምላኽ እትፈርሕ ንሰብኣያ እተኽብር ትሕትን ምእዝዝትን ሰበይቲ ነበረት። ካብ ጸግሪ ርእሳ ክሳዕ ጽፍሪ እግራ ብዘይ ምቁራጽ ሰብነታ ብምልኡ ብነዊሕን ወለል ዝብል ክዳን ገይራ እትሽፍን ዝነበረት ሰበይቲ ኢያ።ሰብኣያ ዝያዳ ኩላቶም ኣይሁድ ዝኸበረ ሰብ ብምባሩ እቶም ዝተሸሙ ደያኑ ኣብ ቤቱ ኮይኖም ንዝመጾም ሰብ ይዳንይዎን ዘረብኡ ይሰምዕዎን ነበሩ።ከምዚ ኢሎም ከለዉ ከምቲ ኣብ
መጽሓፍ ሶስና ተመዝጊቡ ዘሎ “ኣእምሮኦም ስለ ዝተደፍነ ፡ቅኑዕ ፍርዲ ከምዘሎ ረስዑ፡ኣዒንቶም ስለ ዝጸልመተ ፡ ንእግዚአብሔር ከም ዝግባእ ዘንግዑ።” ከም ዝበለ ንሳቶም ዝተዋህቦም ሓላፍነት ዝዘንግዑ ንነገራት ካኣ ብዓኒ ቅንዕና ዘይጥምቱ ሰባት ኮኖም ተረኽቡ።በታ ኩሉ ግዜ ኣብ ቤት ምስተኣከቡ ዝርእይዋ ዝነበሩ ሶስና ‘ውን ብመልክዓ ልቦም ክፋእ ክሓስ ጀመረ፡”ክልቲኦም ድማ ብፍትወት ሶስና ነደዱ ፡ብዛዕባ ዝነበሮም ስቓይ ግና ነንሓድሕዶም ኣይተገላለጹን ። ከመይ
ንሓድሕዶም ንኣኣ ንምርካብ ዘለዎም ድልየት ንምግላጽ ተሓፋፊሮም ነበሩ። ስለዚ ድማ ንዓኣ ንምርካብ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ተሃንጥዮም ይሕልውዋ ነበሩ” መጽ.ሶስና፩፡፱-፲/1፡9-10)።
ሰብ ንሰይጣን ኣብ ልቡ ቦታ እንተድኣ ሂብዎ ኣብ መጨረሽታ ብሓሳባት ሰይጣን ክኸይድ ናይ ሂወቱ ኣላዪ መድረኽ ካኣ ሰይጣን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ።እዞም ክልተ ደያኑ ኣብቤታ ሶስና ዘምጽኦም ዝነበረ ንሰባት ፍትሒ ንምውጻእ ኢዩ ።እነተኾነ ኣብ ጉዳዮም ኣይጸንዑን፡እኳ ድኣ ኣብ ልዕሊ እታ ብሓዳርን ብቃል ኪዳን ተማእዚዛ እትኸይድ፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እርኑብ ኣካይዳ ዝነበራ ሶስና ክፉእ ነገርክሓስቡን ናብ ትግባሬኡ ክጓየየኡን ተራእዩ።
ሶስና ኣብ ልዕሊኣ ዝሕሰብ ዘሎ ነገርን ተዳልዩላዝነበረመጻወድያን ኣይትፈልጥን ነበረት።ንሳ ወለዳ ሕጊ ኣምላኽ ምሂሮም ስለ ዘዕበይዋ ፡ሓሳባን ናብርኣን ዝነበረ በቲ ዝተማህረቶ መንፈሳዊ መገዲ ከይዳ ንኣምላኽ ንምሕጓስን ካብ ርኽሰት ኩሉ ተፈሊኻ ምንባር እዩ ነይሩ።ምስ ዕላማኣዘይከዱ ነቲ እትነብሮ ዝነበረት ጽቡቕ ጎደና ዝቋወሙ ሰባት ግና ኣብጸጽባሕ ኣብ ቤታ ይእከቡ ነበሩ።
ሓደ ግዜ ሶስና ምስ ክልተ ኣግራዳ ናብቲ እና ኣታኽልቲ ክትዛወር ኢላ ከደት።እንሆ ካኣ ኣዝዩ ሙቐት ስለ ዝነበረ ኣብቲ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣትያ ሰብነታ ክትሕጸብ ደለየት እሞ ነተን ክልተ ኣግራዳ ናብ ቤት ከይደን ዘይትን ቅብእን ከምጽኣላ ለኣኸተን።ንኹሉ እቲ ማዓጹ ካኣ ዓጽየንኦ ከዳ።እንሆ እቶም ልቦም ብተንኮል ዝመልአክልተ ደያኑ ግና ተሓቢኦም ይዕዘብዋነበሩ።ልክዕ እተን ኣግራዳምስ ከዳ ክልቲኦም ጎዮም ናብ’ቲ ዝነበረቶ ቦታ ኣተዉ እንሆ “ንኅና ብፍቕርኺ ተታሒዝና ኣሎና፡ስለዚ ሕራይ በልና ምሳና ካኣ ደቅሲ ።እንተ ኣበኺ ግና ንሕና ሓደ ጎበዝ ምሳኺ ደቂሱ ምሳኺ ከም ዝጸንሐ በዚ ምኽንያት እዚ ንኣግራድኪ ከም ዝሰደድክየን ክንምስክር ኢና”” በልዋ።እታ ቅድስት ሰበይቲ ኣብ ዓቢ ዝኾነ ፈተና ኣተወት። ንርኽሰት ጸሊኣ ብሕጊ ቃል ኪዳን እትነብር፡ንሕጊ ሙሴ ካብ ህጻንነታ ሳላ ወለዳ ዝተማህረት፡ ሰባት ብመልክዓ መታን ኣብ ሓጥያት ከይወድቁ መላእ ሰብነታተሸፊና እትኸይድ -ሶስና እዚ ዓቢ ናይ ሂወት ፈተና ኣጋጣማ፡ካብ ዓሚቕ ሓዘን ዝተላዕለ ካኣ በኸየት ፡በለት ካኣ “ኣነ ብኽልተ ሸነኽ እጭነቕ ኣለኹ፡ከመይ ነዚ ነገር’ዚ እንተገበርክዎ ንዓይ ሞት ኢዩ፡ እንተኣበኽኹም ድማ ካብ ኢድኩም ክመሉቕ ኣይክእልን ኢየ።ግና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሓጥያት ካብ ዝገብር ኣብ ኢድኩም ምውዳቕ መሪጸ ኣለኹ”በለቶም።
እወ!!! ዓይና እና ርኣያ ኣእምሩኣ እና ሰርሐ፡ሕልናኣ ነቲ “ኣይትዘሙ” ዝብል ሕጊ ሙሴ እና ኣዘኻኸራ ከሎ ፡ምስ እዞም ንፍትወቶም ክብሉ ዝቖሙ ክልተ ደያኑ ርኽሰት ክትፍጸም ኣይመረጸትን።እኳ ድኣ ኣብ ሓሳባቶም ፡ኣብ ክፉእ ትምኒቶም ካብ ምሕባር ልባ ዘንቀሎ ብልሳና ድማ ” እዚ ነገር እዚ ንዓይ ሞት ኢዩ” ክትብል ብትብዓት መለሰት።እዚ ምስ በለት ብዓውታ ኣእወየት ፡ወዮም ክልተ ደያኑ ካኣ ኣንጻራ ኣእወዩ።ኣብ ኣታኽልቲ ስፍራ ናይ ኦያቄም ኣዉያት ዝሰምዑ ኣገልገልቲ ብጉያ ናብቲ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣተዉ እንተኾነ ግና እቶም ክልተ ደያኑ እቲ ንሶስና ዝበልዋ ቃል ስለ ዝተዛረብዎም፡ኣብ ሶስና ድማ ከምኡ ተራእዩን ተሰሚዑን ስለ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ሓፈሩ።
ንጽባሒቱ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ ንሶስና ብዳርባ እምኒ ምእንቲ ክትቅተል ካብ ቤት ኣቡኣ ከም እትጽዋዕ ገበሩ። ንሳ ምስ ደቃን ምስ ስድራቤታን መጸት።ንሳ ኣዝያ ጸጋ ዝመልኣን ጽቡቕ ዝመልክዓን ነበረት እሞ ፡እቶም ዝሓሰብዎ ናይ ምንዝርና ርኽሰት ዘይፈጸሙ ክልተ ደያኑ ጸግሪ ርእሳ ክትቀልዖ ኣዘዝዋ።እዚ ዝበሉ እንሆ ቅድሚ ምቕታላ ንመልክዓ ርእዮም መታን ክጸግቡ ነበረ። እዚ ብምግባሮም ግና ስድራቤታን ኣዝማዳን እቶም ዝረኣይዋ ኩላቶምን በኸዩ።
ብድሕሪ’ዚ እቶም ደያኑ ኣብ ማእከል እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ደው ኢሎም “ንሕና ንበይንና ኣብቲ እና ኣታኽልቲ ወይኒ እና ተዛወርና ከለና እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ክልተ ኣግራዳ ናብቲ እና ኣታኽልቲ ኣተወት፡ነቲ ማዕጾ እና ኣታኽልቲ ወይኒ ዓጸወቶ፡ነተን ኣግራዳ ድማ ሰጎጎተን ።ብድሕሪ እዚ ሓደ ጎበዝ ካብቲ ተኃቢእሉ ዝነበረ ወጸ፡መጺኡ ድማ ምስኣ ደቀሰ።ንሕና ኣብ ጫፍ እና ኣታኽልቲ ነበርና ፡ነዚ ክፍኣት እዚ ምስ ረኣና ድማ ናብኣቶም ጎየና ።ብሓንሳእ ደቂሶም ከለዉ ረኣናዮም ፡ነቲ ሰብኣይ ክንሕዞ ኣይከኣልናን ከመይ ንሱ ካባና ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ሓየለና፡ነቲ ማዕጾ እና ኣታኽልቲ ወይኒ ከፊቱ ድማ ጥሒሱ ወጸ።ስለዚ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ሓዝናያ እሞ እቲ ጎበዝ መን ከም ዝነበረ ሓተትናያ ንሳ ግና ክትነግረና ኣይደለየትን።ነዚ ነገር እዚ ንሕና ምስክር ኢና “በሉ።ንሳቶም ሽመግለታት ህዝብን ደያኑን ብምንባሮም ኩሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ኣመኖም ፡”ሶስና ትሙት” ኢሎም ከኣ ፈረዱ (መጽ.ሶስ፩፡፴፮-፵፩/1፡36-41)።
እቶም ክልተ ደያኑ ሶስና ንሞት ከም እትፍረድ ገበሩ።ሶስና ግና ተስፋ እግዚአብሔር ነበረ።መሪር ንብዓት እና ነብዓት ካኣ ናብ እግዚአብሔር ኣምሪራ ትጽሊ ነበረት።ንውጽኣት ሓራ ዘውጽእ ቅዱስ እግዚአብሔር ካኣ ካብ ሽግራን ጸበብኣን ናጻ ክትወጽእን ብሂወት ክትተርፍን ገበረ።እዚዝገበረ ሶስና ናብቲ ክትቅተለሉ ዘለዋ ስፍራ እና ወሰድዋ ከለዉ ፡እግዚአብሔር ንዳኒኤል ካብ ማእከሎም ኣተንስኦ፡ “ኣነ ካብ ደም እዛ ሰብ እዚኣ ንጹሕ እየ” እና በለ ካኣ ብዓው ዝበለ ድምጺ ተዛረበ።ንቓሉ ዝሰምዑ እስራኤላውያን ካብ ጉዕዝዖም ንድሕሪት ተመልሱ ፡እግዚአብሔር ዝገለጸሉ እንታይ ከም ዝኾነ ካኣ ሓተትዎ።ብድሕር’ዚ ዳኒኤል ነቶም ክልተ ደያኑ በብይኖም ገይሩኣብ ማእከል እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ሓተቶም እንሆ ካኣ “ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ኦም ኢኻ ክልቲኦም ብሓደ ደቂሶም ዝረኣኻዮም” እና በለ በብሓደ ሓተቶም። እቲ ቀዳማይ “ኣብ ትሕቲ ኦም ብዕሪር” እቲ ካልኣይ ካኣ “ኣብ ትሕቲ ኩሉሳዕ ቆጻል ዝኾነት ሳግላ” ክብል መለሰ።በዚ ካኣ ንሶስና ብሓሶት ከም ዝኸሰስዋ ኩሉ ሰብ ፈለጠ። ሶስና ክትቕተል ዝተሓስበ እቶም ሰብ ክፍኣትን ርኽሰትን ዝኾኑ ክልተ ሰባት ተቐትሉ። ሶስና ኣብ ቅድሚ ሰብኣያን ኣብ ቅድሚ ህዝባን በቲ ወሃቢ ሞጎስ ዝኾነ እግዚአብሔር ጸጋን ሞጎስ ረኸበት።ነቢይ ዳኒኤል’ውን ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ዓቢ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ ተፈለጠ።እግዚአብሔር ስለ ዘይውዳእ ምሕረቱ ይኽበርን ይመስገንን።ኣሜን።
እዛ ብሃይማኖትን ብምግባርን ጸኒዓ ትነብር ዝነበረት ቅድስት ኣደ በዚ ዕለት እዚ ዓረፈት።
ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅድስት ሶስና ምስ ኩላትና ይኹን።
ስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን አሜን አሜን!!!
Leave a comment