ሓፈሻዊ ክብረ በዓላት መስከረም ፳፱/29 ዕረፍታ ለቅድስት ኣርሴማ Church EditorOctober 8, 2021 at 5:04 pm1849 Views054321 0 (0 votes) መስከረም ፳፱/29 ዕረፍታ ለቅድስት ኣርሴማ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ቅድስት ኣርሴማ ካብ ኣቡኣ ቴዎድሮስ ካብ ኣዴኣ አትኖስያን ዝተባህሉ ክልተ ክቡራንን ናይ ኣምላኽ ስድራቤትን ዝተወልደት ቅድስት ኣደ ኢያ። ኣቦኣ ቴዎድሮስ ካብ ሌዋውያን ካህነት ፡ ካብ ኃያላት ነገስታት ወገን ክኸውን ከሎ ኣዲኣ ካኣ ናይ ሃይማኖት ቅንኣት ካብ ዘለዎም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ጳጳሳት ካብ ዝርከብዎም ካብ ካህናት ወገን ኢያ። ቴዎድሮስን አትኖስያን ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ፡ጻድቃን ነበሩ። ብጾምን ብጸሎትን ፡ብልመናን ብስግደትን ዝተግሁ ብምግባረ ጽድቂ ዝተሸለሙ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ነበሩ። ኩሉ ግዜ ብጸሎት፡ ብቁርባን ብዘይ ምቁራጽ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ዝግስግሱ ፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካኣ ከም መላእኽቲ ንእግዚአብሔር ብምስጋና ነቒሖም የገልግሉ ነበሩ እንተኾነ ግን ውላድ ኣይነበሮምን። ክሳዕ ዘመን እርግንኦም ካኣ ብዘይ ውላድ ጸንሑ። እንተኾነ ከም ሃና ኣደ ሳሙኤል ፡ከም ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሓንስ መጥምቕ እግዚአብሔር ጸሎት አትኖስያ ሰሚዑ ኣብ እርግንኣ ውላድ ረኸበት። ነታ ዝወለድዋ ውላድ ከኣ ብመገዲ ቤተ ክርስቲያን ብስርዓትን ኣዕበይዋ። ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ምስ ስድራቤታ ተቐመጠት ድሕሪኡ ግና ናብቲ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሰምየ ቤተ ክርስቲያን ንእግዚአብሔር ክተገልግል ወፈይዋ። ክሳዕ ጓል ፲፭/15 ዓመት እትኸውን ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን እና ኣገልገለት ተቐመጠት። በዚ ጊዜ ወለዳ ናብ ሓደ ካብ ቤተ ክህነት ዝኾነ መንእሰይ ከመርዕውዋ ብመርዓኣ ከኣ ደስ ክብሎም ደለዩ። ቅድስት ኣርሴማ ግና ንሳ ንክርስቶስ ኣምላኽና ብድንግልናን ብንጽህናን ክተገልግል መደብን ድልየትን ስለ ዝነበራ ነቲ ናይ ወለዳ ናይ መርዓ ሓሳብ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን። በዚ ምኽንያት ካኣ ካብ ቤታ ወጺኣ ናብቲ ብድንግልናን ብንጽሕናን ሕይወተን ምሉእ ንክርስቶስ ዘገልግላ ዝነበራ ደናግል መነኮሳያት ከደት። ብሕብረት ድማ መንፈሳዊ ሕይወታ ምስኣተን ጀመረት። ቅድስት ኣርሴማ ጓል ፲፭/15 ምስ ኣኽለት ፡በቲ ዘመን እቲ ናይ ሮማ ገዛኢ ዝነበረ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ልቡ ብሓሳብ ሰይጣን ተመሊኡ ንብዙሓት ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ብዙሕ መከራን ሽግርን የውርደሎም ነበረ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰይጣን ኣብ ልቢ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ኣትዩ ንሓሳቡ ኣላዓዒሉ ጽብቕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መላእ ሃገር ደልዩ ክምርዖ ከም ዘለዎ ኣበገሶ። በዚ ሓሳብ እዚ ተበጊሱ ካኣ ንልኡኻቱ ናብ መላእ እታ ሃገር ከይዶም ጽብቕቲ ዝበልዋ ጓል ኣንስተይቲ ስእላ ስኢሎም ከምጽእዋ ፡ኣብ መወዳእታ ካኣ ናይ ንጉስ ሰበይቲ ዲዮቅልጥያኖስ ክትከውን ምዃና ነጊሩ፡ ትእዛዝ ሂቡ ኣፋነዎም። ልኡኻት ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ናብ ብዙሕ ቦታታት እና ተዛወሩ ከለዉ ናብቲ ቅድስት ኣርሴማ ዝነበረቶ ቦታ በጽሑ፡ ብመልክዓ ካኣ ኣዝዮም ተገረመ ዝብልዎ’ውን ጠፍኦም። ምኽንያቱ ቅድስት ኣርሴማ ኣዝያ ምልክዕትን ጽብቕን ነበረት። ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን ንዓኣ እትመስል ኮነ ካብ እትበልጽ ሰበይቲ ኣይነበረትን ካብኣ እትበልጽ ብመልክዓ ፍልይቲ ንኣመናዊ ጸሓይ ዝወለደት ቅድስት ድንግል ማርያም ጥራሕ ኢያ። ነዚ ዘደንቕ መልኽዕን ናይ ኣምላኽ ጸጋን ስለ ዝወነነት ኢዮም ካኣ ልኡኻት ንጉስ ኣዝዮም ብጽባቔኣ ዝተደንቑ። እንሆ ካኣ ስእላ ስኢሎም ናብ ንጉስ ወሰዱ። መልክዓ ዝረኣየ ንጉስ ኣዝዩ ደስ በሎ ፡ብመልክዓ ስለ ዝተሓጎሰ ካኣ ንኹሎም ዓበይትን ሽማሙንት ናብ ቤቱ ክመጹ ነቲ ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዘካይዶ መርዓ ተደልዮም ክጸንሑን ኣብ ሓጎሱ ክሑጎሱ ከም ዘለዎምን መልእኽቲ ኣሕለፈ። እንተኾነ እተን ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዝነበራ ደናግል ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ዝሰርሖ ተግባራት ምስ ሰምዓን ምስ ረኣያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣዝየን ዓው ብዝበለ ድምጺ በኸያ፡ ኣልቀሳ ፡እግዚኣብሔር ብድንግልና ክዕቅበን ፡ብቕድስና ከገልግልኦ ሓይሊ ክህበን ኣጸቢቐን ጸላያ። ከምዚ ኢለን ካኣ ነቲ ዝነበርኦ ገደም ገዲፈን ናብ’ቲ ናይ ንጉስ ድርጣድስ ግዝኣት ዝነበረት ኣርማንያ ተባሂላ ናብ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገር በጽሓ ። ናብዚ ቦታ እዚ ዝኸዱ ፸፭/75 ካብ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ፡ደናግል ድማ ፴፱/39 ነበራ። ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ብመሰረት ልኡዃቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ ንቅድስት ኣርሴማ ክደሊ ኣብ ዝተብገሰሉ ግዜ ኣብቲ ዝነበረቶ ቦታ ክረኽባ ኣይከኣለን። ጌና ናብ ቤቱን ናብቲ ዝነብሮ ቦታን ከየምጽኣ ከሎ ብጽባቔኣ ልቡ ዝተሓጎሰ ፡ስለ እቲ ዝግበር መርዓ ኣቐዲሙ ንኣገልገልቱን ሽማሙንቱን ዝሓበረ ንጉስ ሓሳባት ልቡ ክሰምረሉ ኣይከኣለን ፡ንቅድስት ኣርሴማ ደልዩ ክረኽባ ኣይከኣለን። ኣብቲ ዝነበረቶ ገዳም ልኡኻት ሰዲዱ ብፍጹም ቀበጸ፡ ድሕሪ ግዜ ግና ኣርማንያ ከም ዘላ ፈለጠ። ንቅድስት ኣርሴማ ሒዙ ናብኡ ንኽመለሰሉ ናብ ንጉስ ድርጣድስ መልእኽቲ ሰደደ። በዚ ግዜ እዚ ንጉስ ድርጣድስ ንጸሓይ ዝሰግድ ፡ጸሓይን ወርሕን የምልኽ ነበረ።ከምኡ’ን ብኢድ ሰብ ካብ እምኒን ዕንጸይትን ዝተቐርጹ ጣዖታት ኣምላኽ ኢሉ የምልእኾምን ይሰግደሎምን ነበረ። ንኹሎም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ሰባት ካኣ ኣስሓቶም። ካብ ሶርያ(ደማስቆ) ጀሚሩ ክሳዕ ቂሳርያን ኢፍራጢስን ገዛኢ ገይሩ ዝሸሞ ጤሌሜዎስ ዝስሙ ሰብ ነበረ ። ንሱ ትእዛዝ ንጉስ ንምፍጻም ፡ንክርስቲያን ኩሎም ብግዴታ ጣዖት ከም ዘምልኹን ንኣምላኽ ከም ዝኽሕዱን ዝገብር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ነቶም ንጣዖት ኣይንሰግድን ዝበሉ ሰባት ካኣ ኣብ ፈቐዶ ቤተ ማሰርቲ ይእሰሩን ብሞት ይቕጽዑን ነበሩ። በዚ ግዜ እዚ ኢያ ካኣ ቅድስት ኣርሴማ ከቢድ ናይ ሂወት ፈተና ዝገጠማ። ንሳ ጌና ካብ ሃገራን ዓዳን ቅድሚ ምውጽኣ ኣትሒዛ ኣብ ክርቶስ ዝነበራ እምነት መወዳድርቲ ኣይነበሮን። በዚ እምነት እዚ ካኣ ጸኒዓ ትነብር ነበረት። ናይቲ ዘመን እቲ ንጉስ ዝነበረ ድርጣድስ ነቶም ዘምልኾም ዝነበረ ጣዖታት ዘይሰገደ ዘበለ ሰብ ብሞት ይቐጽዕ ነበረ። ቅድስት ኣርሴማ’ውን ንክርስቶስ ገዲፋ ንኣማልኽቱ ክትግዛእ ግዲ ተባህለት። ንሳ ግና ክሳዳ ንስሕለት ሴፍ እምንቲ ኮይና ተረኽበት። እቶም ክሳዳ ክስይፉ ዝመጹ ልኡኻት ንጉስ ብጽባቔኣን ብጸጋኣን ኣዝዮም ይስንብዱን ንምቕታላ ምድፋር ክሳዕ ዝስእኑን ኮኑ። ንሳ ግና ብሰማእትነት ክትሓልፍ ፍጹም ዝኾነ ድልየት ስለ ዝነበራ ፡ እግዚኣብሔር ብሰማእትነት ከዕርፋ ናይ ወትሩ ጸሎታ ነበረ። እቶም ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ሰባት ብሰማእትን ክሓልፉ ከለዉ ኣዝዩ ደስ ይብላ ነበረ። ብኸምዚ ካኣ እቶም ክሳዳ ክስይፉ ዝተላእኩ ግናኸ ብዝተዋሃባ ጸጋ ምድፋር ዝሰኣንዋ ወተሃደራት “ኣጆኹም ዝተኣዘዝኩሞ ግበሩ” እናበለት ተተባብዖም ነበረት። ንሳቶም ግና ምድፋር ሰኣንዋ። ኣብ መወዳእታ ግና ክብርቲ ክሳዳ ብስሕለት ሴፍ ብኢደ እዞም ዘይኣመንቲ ተሰየፈት። በዛ ቅድስት ዕለት ደስ እና በላ ክሳዳ ኣድኒና ኣሜን ኢላ ንሞት ተቐበለት። ምስኣ ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ፳፯/27 ሰማዕታት ብስሕለት ሴፍ ስለ ስም ክርስቶስ ብኽብሪ ሰማእትነት ተቐበሉ። ጸሎትን ረዲኤትን ናይ ኩሎም ናይዚ ዕለት እዚ ሰማዕታት ምስ ኩላትና ይኹን። አሜን፡ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን። Leave a comment