መንፈስዊ ጉዕዞ ናብ ምዉት ባሕሪ 09/10/2021

መንፈስዊ ጉዕዞ ናብ ምዉት ባሕሪ 09/10/2021

 

መንፈስዊ ጉዕዞ ናብ ምዉት ባሕሪ 09/10/2021
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላ ኣሜን!
ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ኣብ ቅድስ ሃገረ እስራኤል ናብ ምዉት ባሕር መነፈሳዊ ጉዕዞ ኣካይዳ።
እቲ ትማሊ ቀዳም ዕለት 09/10/2021 ዝተኻየደ መንፈሳዊ ጉዕዞ ፡ ናብቲ ቀደም ዘመን ዓብይቲ ከተማታት ዝነበራ ሰዶምን ጎመራን ዝርከብኣን ዓባይቲ ከተማታት ዝነበራ ብሰንኪ ሓጢኣተን ግን እግዚአብሔር ብሓውንን ዲንን ጌይሩ ዘጥፍአን ሕጂ ምዉት ባሕሪ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ ቦታ እዩ ኔሩ (ዘፍ ምዕራፍ 18 ን 19 ንመልከት) ።
ኣብቲ ቦታ ኩሉ ሰብ ምስ ተሓጽበ ናይ ምሳሕ መደብ ተኻይዱ። ድሕሪ ናይ ምሳሕ መደብ መጽሓፍ ቅዱስ መሰርት ብምግባር ነቲ ቦታ ዝገልጽ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።
ምውት ባሕሪ ብምብራቅ ምስ ሃገረ ዮርዳኖስ ብምብራቕ ካኣ ምስ እስራኤልን ምምሕዳር ፍልስጤም ይዳወብ ። ዕምቆቱ 306 ሜትሮ ኮይኑ ብጨዋምነቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ ። ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ከኣ 427 ሜትሮ ትሒቱ ይርከብ ።
እዚ ባሕሪ ኣዝዩ ጨዋሚ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ዝኾነ ሕይወታውያን ኣይርከብዎን እዮም ። ስለ ዝኽዕነ ድማ እዩ ምውት ባሕሪ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኸኣለ .

እግዚአብሔር አምላኽና ካብ መዓት ሰዶምን ጎመራን ይሰውረና።
ኣሜን አሜን አሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment