“ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዓጽብ ለኩሉ”
ጥር ፳፩/21 “ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል”
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እግዚአብሔር አምላክና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብሕይወት ስለዘጽንሓና ፡ናብዚ ቅዱስን ክቡርን በዓል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስለዘብጽሓናን ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ አሜን።

እንተኾነ መንነታ፡ እንታይነታ ዘይፈለጡ ፡ከምተን ደቆምን ድሕሪኣን ቅድሚኣን ኣብ ዘመናን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ እብራውያን ዝመሰሎም ጸሓፍትን ሊቃውንት አይሁድ ካብ ቤት መቅደስ ኣውጽእዋ፡ቅዱስ ዮሴፍ አረጋዊ ከኣ ክድግፋ፡ክሕልዋ ፡ክረድኣ፡ብሕድሪ ተቐበላ።ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዕድሜኣ ድማ መለኮታዊ ቃል ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ወለደት -አምላክ ሰብ ኮነ ሰብ ከኣ አምላክ ኮነ-“ንጽህናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልአክ ናባኺ ለኣኸ ከምዚ ድማ በለኪ”ጸጋ ዝመኣልኪ ደስ ይበልኪ ክትጥንሲ ወዲ ከኣ ክትወልዲ ኢኺ .”ከምዝበለ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ፡ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ብአምላክ ተላኢኹ ከበስራ ብትሕትና መጸ፡ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብንጽህና ጠኒሳ ብንጽህና ወለደቶ፡“ድንግል ንፈጣሪኣ ወሊዳቶ”ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ሃይማኖት አበው ድርሰቱ።
ንአምላክና ኢየሱስ ክርስቶስ ጠኒሳ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ፡ካብ ዝውለድ ክሳዕ ስቅለቱ ሠላሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ፡ድሕሪ ስቅለቱ ድማ ብሓደራ ቅዱስ ዮሐንስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፡ጠቕላላ ሱሳን ኣርባዕተን(64) ዓመት ነበረት።
ኣብ መበል ሱሳን ኣርባዕተን ዕድሜኣ እምበኣር ብዕስራን ሓደን ጥሪ(21) እግዚአብሔር
አምላክ ንቅድስቲ ነፍሳ ካብ ክብርቲ ሥጋኣ ፈለየ።እልፊ ኣእላፋት መላእክቲ እናዓጀቡ ብመዝሙርን ብስብሐታትን ናብ ፍቑር ወዳ ነታ ቅድስት ነፍሳ ኣዕረግዋ።
በዚ ሰዓት እዚ እቶም ክፋእ ካብ ምሕሳብ ዘየዕርፉ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ናይ አይሁድ ተንኮል ኣለሙ።ኣቐዲሞም ካብ ቤተ መቅደሶም ብኽፍኣት ልቢ ኣውጸእዋ ፡ጸኒሖም ከኣ “ወዳ ካብ መቓብር ከይተንሥኤ ደቂ መዛሙርቱ ተንሢኡ ኢሎም ብዙሕ ሰብ ኣስሒቶም ሕጂ እውን እዚኣ ከም ወዳ ተንሢኣ ኢሎም ሰብ ከየዳናግሩ እሞ ካብ ቀደማዩ ዳሕራዩ ከይከፍኣናን ንኸይገደናን ፡ስለዚ ሒዝና ብሓዊ ንሥጋኣ ነቃጽሎ “ብምባል ተማኸሩ።ከም ቃሎም ከኣ ሓደ ታውፋንያስ ዝተባህለ ሓያልን ጉልቡትን ሰብኣይ ነበረ እሞ ንሱ ናብቲ ሐዋርያት ንሬሳ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ተሰኪሞምሉ ዝነበሩ ዓራት ቀሪቡ ብሓይሊ ጉልበት ፈንጺጉ መታን ከሕድጎም ኣእዳዉ ሰደደ። እንተኾነ ግን እግዚአብሔር ኣምላክ ሰይፊ ዝሓዘ መልአክ ሰዲዱ ክልቲኤን ኣእዳዉ ቆረጾ።
ታውፋንያስ ኣእወየ፡ኣምሪሩ ከኣ በኸየ-ከመይ ካብ ድንግል ማርያም ምርሓቕ፡ፀረ ድንግል ማርያም ምኻድ የብኪ ኢዩ ኣብ መወዳእታ እውን ኣብ ገሃንም ከም ትውርወር ይገብር።እንተኾነ ታውፋንያስ ከምቲ መጀመርታ ዝጎየዮ ኣይገበረን እንተኾነ በኸየ ድኣ።ድንግል ማርያም ለዋህ ፡ናይ ፍቅሪ ኣደ፡ርኅርኅተ ሕሊና ስለዝኾነት ደንገጸትሉ ናብ ወዳ ለሚና ከኣ ኣእዳዉ ናብ ንቡር ከምዝምለሳ ገበረት።ናይ አምልኮ ክብሪ ንወዳ ናይ ጸጋ ክብሪ ንዓኣ ይኹን አሜን።ድንግል ማርያም ክብራ ኣጸቢቑ ተጋህደ ፡ተአምራታ ኣብ ኩሉ ተሰምዔ።እዚ ተአምር ሰሪሓ እውን አምላክና እግዚአብሔር ስቕ ኣይበላን ንዓኣን ነቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙሩ ዮሐንስን ካብ ማእከል ሐዋርያት ኣልዒሉ ናብ ገነት ወሰዶም ፡ንሬሳ ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ኣብ እግሪ ዕፀ ሕይወት ኣብ ገነት ኣቕመጦ ፡ከምዚ ኢላ ከኣ ካብዚ ዕለት እዚ ጥሪ 21(ሰንበት) ክሳዕ ነሐሴ14(ሰንበት )ጸንሔት።እግዚአብሔር አምላክ ሐዋርያት ሱባኤ ድሕሪ ምእታዎም ብ14 ነሐሴ ሓዲሽን ውዑይን ሬሳ ገይሩ ኣምጻሎም ንሳቶም ከኣ ኣብ ጌተሴማኒ ቀበርዋ።ኣብ መበል ሣልስታ ሠሉስ 16 ነሐሴ ከኣ ከም ወዳ ብሥልጣን ወዳን ፈጣሪኣን ዓረገት።
እዚ ዕለት እዚ ከምቲ ዝተገልጸ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ኮይኑ ክብራን ተአምራታን ዝተጋህደሉ መዓልቲ ኢዩ።
አስተርእዮ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ብዓቢኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ካብ ዕለተ ልደት ናይ ጎይታናን አምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ታሕሳስ 29)ጀሚሩ ክሳዕ ዐቢይ ጾም ዝኣትወሉ ዘሎ መዓልታት አስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ።አምላክና ሰብ ዝኾነሉ ፡ዘይርኤ ዝተራእየሉ ፡ አምላክ ሰብ ዝኾነሉ-ዝተጋህደሉ ብልደቱ ኢዩ፡ቀጺሉ እውን ምሥጢረ ሥላሴ ዝተጋህደሉ ብጥምቀቱ ኢዩ።እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ቤተ ክርስቲያና ነዚ ወርኃት እዚ አስተርእዮ ኢላ ትጽውዖ።ኣብዚ ወርኃት እዚ ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉን ብእግዚአብሔር ዝተዋህባ ክብሪ፡ጸጋ ዝተጋህደሉ ፡ተአምራታ ብጋህዲ ዝተራእየሉ ክብራን ልዕልናኣን ዝተመርስከረሉ ኢዩ፡ስለዝኾነ ከኣ “አስተርእዮ ማርያም “ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ከመይ አስተርእዮ ማለት ምግላጽ ወይ ድማ ምግሃድ ስለዝኾነ።
ጸሎታን በረከታን ምስ ኩላትና ይኹን ።
ንዓመታ ብሃይማኖትን ብምግባርን ኣጽኒዑ ነዚ ቅዱስ ዕለት ንምብዓልን በረከታ ንምስታፍን የብቅዓና አሜን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።