ሰሙነ ሕማማት  (ሓሙስ )

ሰሙነ ሕማማት  (ሓሙስ )

ኪርያላይሶን    ኪርያላይሶን    ኪርያላይሶን

ሰሙነ ሕማማት  (ሓሙስ )

      ኣብ ስነ-ፍጥረት ሓሙስ ስጋውያን ኣዕዋፍን እንስሳታትን ዝተፈጥሩላ ሓሙሸይቲ መዓልቲ እያ። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሃሂዱ ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ ድማ “እዚ ስጋይ እንኩ ብልዑ፡ እዚ  ድማ ደመይ  እዩ እንኩ ስተዩ” ኢሉ ስግኡ ፈቲቱ ደሙ  ኣፍሲሱ ዘለኣለማዊ መግቢ ህይወት ዝሃበና፡  ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓልና መዓልቲ እያ።  እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙሕ ፍጻመታት ዝተፈጸመላ መዓልቲ እያ ገለ ካብኡ ንምይቃስ፥

1) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንምግላጽን ንምርዳእን ከምኡ’ውን

ኣርኣያ ንምዃንን ክጽሊ ዝሓደረሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ ንደቂ መዛሙርቱ ክህበም ከሎ ጸለየ፡ ምእንቲ ደቂ መዛሙርቱ ጸለየ(ዮሓ17)፡   ስለዝኾነ እዛ  መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸሎት(ጸሎተ ሓሙስ)ተባሂላ ትጽዋዕ (ማቴ26፡36-46, ማር14፡32-42, ሉቃ22፡39-46, ዮሓ17፡1-መፈ)።

2)  ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ትሕትናን ፍቕርን ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ትጉሃትን ጽኑዓትን ክንከውን ከም ዘለና ንኽምህረና፡ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ ዝሓጸበሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሓጺብዎም ጥራይ ስቕ ኣይበለን፡ “ንስኻትኩም’ውን ከምዚ ኣነ ዝገበርክዎ ግበሩ” ኢሉ’ውን ኣዚዝዎም እዩ (ዮሓ13፡1)።  ነዚ መሰረት ብምግባር  ድማ ኣቦታትና ካህናት በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተረኽቡ  ምእመናን ብቖጽሊ ኣውሊዕ፡ ሳዕሪ፡ ወዘተ ገይሮም ተንበርኪኾም ኣእጋሮም  ብማይ ይሓጽቡ።

ብኻልእ ድማ እዚ መዓልቲ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሓዋርያት ምስጢረ ጥምቀት ዝፈጸመሉን፡ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉን ዕለት እዩ። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ሓሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እም ቅድመ ይንስኡ ስጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛህ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” ከም ዝበለ (ተስእሎተ ባስልዮስ)።

3) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስርዓተ ቁርባን ዝሰርዓሉ ዕለት እዩ።“ክበልዑኸለዉኢየሱስእንጌራኣልዐለ፡ባሪኹቘሩሱነቶምደቀመዛሙርቱ”እዚስጋይእዩውሰዱብልዑ”እናበለ ሃቦም።ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ” እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞካ ብዚዅልኹምስተዩ” (ማቴ 26፡26-28,ማር 14፡22-26, ሉቃ 22፡14-20, 1ቆሮ 11፡23-25 )እና በለሃቦም። በዚ ድማ ኩላትና ስጋኡን ደሙን ተቐቢልና ሕይወት ክንረክብ ዝሰርዓልና ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጢር እዩ።

4) ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ዘትሓዘሉ ዕለት እዩ(ማቴ26፡47-58, ማር 14፡43-52, ሉቃ22፡47-53, ዮሓ18፡3-12,)።

5) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መፋናዊ ነዊሕን ሰፊሕን ትምህርቲ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃረሉ መዓልቲ እዩ(ዮሃ14፡16)።

   እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ዘለዉ መዓልቲታት ፍልይ ብዝበለ፡ ቅዳሴ ዝቕደሰሉ ዕለት እዩ።ኣብዚ መዓልቲ፡ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮን ሳቶም’ውን ነንሕድሕዶም ከምኡ ክገብሩ ስለ ዝኣዘዘ፡ቅድስት ቤተክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ስርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ።

    ስለዚ ዕለት እዚ ኣዘወቲርና ክንጽልን ኣብ ነንሕድሕድና’ውን ፍቕርን ስኒትን ክህልወና፡ ከምኡ ውን ኩሉ እንገብሮ ነገር ብትግሃትን ብትሕትናን ክንገብሮ ከም ዝግብኣና ዘዘኻኽር ዕለት እዩ።

  ኩሉ ግዚ ኣብ ጸሎት ክንተግህ፡ ፍቕሪ፡ ስኒትን ትዕግስትን ክህልውናን፡ ደሙን ስጋኡን ተቐቢልና ምስኡ ክንነብርን ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ይኹነልና! ኣሜን!!

ስብሐት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

       ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

Leave a comment

Send a Comment