ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን
ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ሊቃውንቲ ኣይሁድን ዓበይቲ ዓድን ድሕሪ እቲ ምስ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ናይ ገንዘብ ውዕል ምግባሮምን ምምኻሮምን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌቴ ሴማኒ ምስ ሓዋርያት ከሎ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ሓዝዎ።እንሆ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱስ ጴጥሮስ (ዮሓ18፡10) ኢዱ ዘርጊሑ ሰይፉ መልሐ ነቲ ጊልያ ሊቀ ካህናት ከኣ የማነይቲ እዝኑ ቆሮጾ።
ስለምንታይ ድኣ ክሳዱ ዘይቆሮጾ እንተ ተባህለ ፡ክሳዱ ቆሪጽዎ ኔይሩ እንተ ዝኸውን ምሞተ ኔይሩ ።ኣይሁድ ከኣ ስለ ዝቐተሉልና ቀቲልናዮ ከይብሉ እሞ ናይ ክርስቶስ ሞት ከኣ ምፍዳይ ሕነ ምእንቲ ከይቁጸር እዩ። እዝኒ ምቑራጽከ ምፍዳይ ሕነ ዶ ኣይከውንን እንተ በልና ኣብ ሉቃስ ወንጌል ከም ዘሕወዮ ገሊጹ ኣሎ(ሉቃ22፡50-52። ከምኡ’ውን ኣብ ኦሪት ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን ምእንቲ ክፍጸም እዩ።።
ትንቢት- “ነቲ ነቢይ ዘይትሰምዕ ዘበለት እዝኒ ትቆረጽ” ዝበሎ እዩ።(ዘዳ18፡19)
ምሳሌ-እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካ ሽዱሽተ ዓመት ይገዝኣካ ኣብታ ሻብዓይቲ ዓመት ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጽእ። እቲ ጉዙእ ጎይታን ሰበይተይን ደቀይን ይፈቱ እዩ ሓራ ኣይወጽእን እንተበለ ግና ሽዑ እቲ ጎይትኡ ናብ ቅድሚ ፈራዲ የቕርቦ።ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ እዝኑ ይሰቑሮ ንሕልፈት ከኣ ይግዝኦ ይብል።(ዘጽ 21፡1-6)።ክርስቶስ ድማ ብሻድሻይ ሽሕ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ክወጾም እንተ መጸ “ብዘይካ ቄሳር ንጉስ የብልናን” ምባሎም እዩ (ዮሓ19፡15)
የማነይቲ እዝኑ ምቑራጹኸ ስለምንታይ እዩ፧ እንተ በልና ካብ ቤተ ይሁዳ ዝተወልደ የማነይቲ ኣካሉ ተቀቢኡ ንጉሰ ነገስት ‘ኣከሉ ተቐቢኡ ሊቀ ካህናት ይባሃል ነብረ።(ዘጸ30፡30)።ስለዚ መንግስትን ክህነትን ካብኣቶም ከም ዘልግስ ንምግላጽ የማነይቲ እዝኑ ቆሮጾ፡፡
ጎይታ ኣብ እና ቀያፋ ሊቀ ካህናት
(ማቴ26፡57-68,ሉቃ22፡54-55፡63-71 , ዮሓ18፡13-14፡19-24)
እቶም ሒዞም ዘምጽእዎ ናብቲ መማህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪበምሉ ዝነበሩ ናብ እንዳ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ወሰዶ። ሊቀ ካህናትን ብምልኦም እቶም ዋዕላን ካኣ ንኢየሱስ መታን ክቐትሉ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ ።ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ኣቕረቡ እንተኾነ ግን ሓንቲ እኳ ኣይረኸብሉን።ኩላቶም በብኣፎም ክኸስዎ ንሱስ ገለ እኳ ኣይተዛረበን ። እዚ ዝገበረ ኣቦ ትዕግስቲ ዝኾነ ኣምላኽ ትዕግስቲ መታን ክምህረና እዩ።በዚ ኩሉ ዝደንጸዎ ሊቀ ካህናት ተንሲኡ፡ “ነዚ ኣብ ልዕሌኻ ዝምስክርዎ ዘለዉ ገለ ዶ ኣይትምልሰሉምን ኢኻ በሎ።” ሕጂ እውን ስቕ በል፡ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት “ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ እንተዄንካስ ክትነግረኒ በቲ ሕያው ኣምላኽ የምሕለካ ኣለኹ”” በሎ።(ማቴ26፡63)።
እሞ ኸ! ኣብ ሕቶ ኣምላኽነቱ ከምቲ ነቲም ናይ ሓሶት ምስክርነቶም ምላሽ ከይሃበ ስቕ ዶ ኢሉ ይኸውን፧
ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ምስ ተሓተተስ ብቕጽበት እዩ ዝመለሰ ” ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሔር ተቐሚጡ ብደመና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ክትርእይዎ ኢኹም ይብለኩም ኣሎኹ “በሎ።(ማቴ26፡64,ማቴ24፡30, ራእ1፡17)
ነቲ ዝሓተቶ ሕቶ ምላሽ ዝረኸበ ቀያፋ ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ “ክዳኑ እና ቀደደ እንሆ ይጻርፍ ኣሎ ፡ጸርፉ’ውን ትሰምዑ ኣለኹም ደጊም ድኣ እንታይ ምስክር የድልየና ፡እንታይ ይመስለኩም፧ በለ።ንሳቶም ካኣ ሞት ይግብኦ ኢሎም መለሱ ።
ሕጊ ኦሪት ሊቀ ካህናት ብምኽንያት ሓዘን ክዳኑ እንተ ቐደደ ፡ገጹ እንተ መለጠ (ነጸየ) ይሰዓር እያ ትብል።(ዘሌ21፡10)፡ስለዚ እዚ ሊቀ ካህናት እዚ ክዳኑ ዝቐደደ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊኡ ሊቀ ካህናት ከም ዝተሸመ ን፡ ናይ ብሉይ ኪዳን ስልጣን ከም ዝተሳዕረን ንምግላጽ ዝገበሮ እዩ።
ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ መጽሓፉ ” እከይ ዘይገበረ ሓሶት ካኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ክንሱስ ምስ ሓጥኣን ከም ዝመውት ገበሩ “(ኢሳ53፡9) ዝበሎ ቃል መታን ክፍጸም ፡በደል ዘይተረኽቦ ክንሱ “ሞት ይግብኦ” ዝብል ሓባራዊ ውሳኔ ወሰኑ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በልሉ ገሊኦም ድማ ርእሱ ብዘንጊ ወቕዕዎ።ገጹ ብሻሽ ሸፊኖም ካኣ ኦ! መሲሕ መን እዩ ገጽካ ዝጸፍዓካ ፧ርእስኻ ብዘንጊ ዝወቕዓካ ኸ፧ እስከ ተነበየልና እና በሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። እዚ ብቅዱስ ልቢ ኣምላክ ዳዊትን ነቢይ ኢሳይያስን ዝተነገረ ትንቢት መታን ክፍጸም እዩ። “ገጸይ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን ” ኩሉ እቲ ርእሲ ሕሙም ኩሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ ።”(ኢሳ50፡6)ከምኡ እውን ኣጋንንቲ ንኣዳም ገጸ ልቦንኡ እና ጸፍዑ ርእሰ ልቦንኡ እና ወቕዑ ናብ ገሃንም ኣውሪዶሞ ስለ ዝነበሩ ንዕኡ ካሕሳ ምእንቲ ክኸውን እዩ።
ክሕደት ጴጥሮስ (ማቴ 26፡69-75)
ኣቐዲሙ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያት “”ነቲ ጓሳ ክቐትሎ እየ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ፋሕ ክብላ እየን ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ኣሎ እሞ በዛ ለይቲ እዚኣ ኩሉኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም ምስ ተንሳእኩ ግና ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ በሎም ።(ማቴ26፡31-35)
እቲ “ኩላቶም እኳ እንተኸሓዱኻ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ ” ኢሉ ዝመለሰ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዕለተ ዓርቢ ግና ንሰለስተ ግዜ ንክርስቶስ ወደ መዝሙሩ ኢኻ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ኣይፈልጦን እና በሉ ክኽሕድን ንርእሱ ክረግምን እዩ ተራእዩ።
እወ! እቲ ኣብ ቂሳርያ ኣብ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ ቅድሚ ኩሎም ሃዋርያት ተንሲኡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” (ማቴ16፡16) ኢሉ ብዓውታ ምስጢረ ተዋህዶ ዝገለጸ፡ እቲ ዝሓቶ ዝነበረ ክርስቶስ ንሱ ወለደ ኣብ ወልደ ማርያም ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ ዝመስከረ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ናይ ፈተና ግዜ ፡”ምስኡ ኔርካ፡ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ዘረባኻ እውን የፍልጠካ ኣሎ” ምስ ተባህለ ግን ኣይኮንኩን ፡ኣይፈልጦን ዝብል ምላሽ እዩ ሂቡ።
እንተኾነ እዚ ምስ በለ ደርሆ ነቆወ እሞ ኣቐዲሙ ኢየሱስ ክርስቶስ ” በዛ ለይቲ ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ሳዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ ።” ዝበሎ ኣምላኻዊ ቃል ናብ እዝኑ መጸ ናብ ውሽጢ ልቡ ካኣ ኣተወ ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ግዳም ወጺኡ ኣምሪሩ በኸየ።(ማቴ26፡75)።
ይሁዳ ከም ዝተጣዕሰ
እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ዓድን ንጎይታ ሞት ይግብኦ ኢሎም ክፈርድዎ ምስ ሰምዔ ተጣዕሰ።ኦሪት ንጻድቕ ሰብ ኣይትቐተል እናበለት ፡ንጹህ ሰብ ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ ጻድቕ ሰብ ዘቕተልኩ ኣነ በዲለ እየ ኢሉ ነቲ ካብ ሊቀ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝወሰዶ ሰላሳ ቅርሺ ብሩር ናብኣቶም መለሶ ።ንሳቶም ግና ንሕና ምሳኻ እንታይ ኣሎና፡ ንስኻኸ ምሳና እንታይ ኣሎካ ፡ኪድ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ።
ይሁዳ እዚ ዝገበረ ማለት ንጎይታ ብገንዘብ ከም ዝተሓዝ ዝገበረ ፡ንሱ ብተኣምራቱ ክድሕን እዩ ፡ኣነ ድማ ገንዘበይ ይወስድ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ እዩ።ኣጽኒዖም ከም ዝሓዝዎ ምስ ረኣየ ግና ገንዘብኩም ሃየ ውሰዱ ንዕኡ ፍትሕዎ ክብል ተዛረቦም።ንሳቶም ካኣ ንዓኻ ዝበልካና ሂብናካ ኢና፡ንስኻ’ውን ንዓና ዝደለናዮ ሂብካና ኢኻ ፡ሕጂ ኪድ ባዕልኻ ትፈልጥ ኢሎም መለስሉ።እዚ ምስ በልዎ ነቲ ገንዘብ ኣብ ቤት መቐደስ ደርብይዎ ወጸ ተሓኒቑ እውን ሞተ።እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ነቲ ገንዘብ ወሲዶም ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ ኣብ መቀበሊ ሞባእ(ምጽዋት) ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ በሉ።ተማኺሮም ካኣ ብእኡ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን ግራት ሰራሒ መሬት ዓደጉሉ።
እቲ ነቢይ ኤርምያስ ፡ “ነቲ ደቂ እስራኤል ዘኽበርዎ “ዘተከሃልዎ” ይብል ደቂ እስራኤል ዋግኡ ዝገምገምሉ ፡ዋጋ እቲ ክቡር ሰላሳ ቅርሺ ወሰዱ።ከምቲ እግዚኣብሔር ክዛረብ ዝኣዘዘኒ’ውን ንግራት ሰራሒ መሬት ሃብዎ ” ኢሉ ዝተዛረቦ ቃል ሽዑ ተፈጸመ፥፡(ዘካ11፡12-13, ሰቆ፣ኤር7፡2)
ጎይታ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ
ሊቃውንትን ጸሓፍትን ናይ ኣይሁድ እንሆ ብዙሕ ግዜ ጡፍ እና በሉ እና ጸፍዑ ክሳዕ እቲ ገዛኢ ናይ ኢዮሩሳሌም ዝነበረ ጲላጦስ ዘብጽሕዎ ኣብ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ኣሰርዎ ።ብድሕሪ’ዚ ናብ ጲላጦስ ኣምጽእዎ። እዚ ካኣ ኣጋንንቲ ንመኮንን ናይ ገሃንም ከም ዝሃብዎ ንሳቶም እውን ናብ ጲላጦስ ኣሕሊፎም ሃብዎ።ንሱ ብዙሕ ሳዕ ገሪፉ ገበን ስለዘይረኸበሉ ነቶም ህዝቢ ጸዊዑ ካኣ ኣነ ብዙሕ ሳዕ ገሪፈዮ እየ ዋላ ሓንቲ ገበን ስለ ዘይረኸብክሉ ካኣ ገሪፈ ገሪፈ ክሰዶ እየ እንተ ኾነ ኣብ ዓመት ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣለኩም እሞ ንመን ክፈትሓልኩም ንባርባን ዶ ወይስ ነዚ ከሲስኩም ኣምጺእኩሞ ዘለኹም ፧ ክብል ሓተቶም።ንሳቶም ግና ነቲ ብሽፍትነት ተኣሲሩ ዝነበረ ባርባን ፈትሓልና በሉ ፡ንክርስቶስ ግና ስቐሎ! ስቐሎ! እና በሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደሩ። እቲ ኣብ ግዜ በዓል ፋሲካ ሓደ እሱር ምፍታሕ እንሆ ልማድ ጌሮሞ ነበሩ እዚ ካኣ ኣብ ግብጺ ብስቓይ ምንባሮም ከም ማእሰረቲ ፡ካብ ግብጺ ካብ ባርነት ምውጽኦም ካኣ ከም ምፍታሕ ስለ ዝቖጽርዎ ብበዓል ፋሲካ ንመዘከርታ ሓደ ሓደ እሱር ይፈትሑ ነበሩ።(ዘጽ20፡1-2)።እዚ ዓይነት ልማድ ስለ ዝነበሮም ካኣ ነቲ ሂወቱ ምሉእ ብሽፍትነት ዝሓለፈ ባርባን ክፍትሓሎም ነቲ ህዝቢ ኣነዓዕብዎ። ከምዚ ኢሉ ከሎ እምበኣር ጲላጦስ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ከሎ ሰበይቱ ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብዛዕብኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ ፡ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ሓንቲ ከይትብድል ኢላ ለኣኸትሉ።
ሰበይቲ ጲላጦስ ኣብሮቕላ ትበሃል፡ብሕልሚ ብዛዕብኡ ዝረኣየቶ እንታይ እዩ፧ እንተ በልና ፡ንዕኡ ገበል ክውሕጦ፡ንዓኣ ድማ ብሓለንጊ ሓዊ ክገርፍዋ ብሕልሚ ስለዝረኣየት ፡በዚ ምኽንያት ለኣኸትሉ።ከምኡ’ውን ዶርታን ማክራን ዝበሃላ ካብ ዝውለዳ ጀሚረን ተዛሪበን ዘይፈልጣ ክልተ ኣዋልድ ነበርኦም ።ነዚ ንጹህ ደም ዘፍስስ ዘሎ በዓል ቤትኪ ወይልኡ ስለ ዝበልኣ ሰንቢዳ ለኣኸትሉ።(ተኣምረ ኢየሱስ)።ብድሕሪዚ ጲላጦስ ማይ ጌይሩ ኣእዳዉ ተሓጽበ ካብ ደም እዚ ሰብ እዚ ካኣ ንጹሕ እየ እና በለ ካኣ ተዛረበ ንሳቶም ግና ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን ኢሎም መለሱ።
ታሪክ
ኣብ ከተማ ቀታሊኡ ዘይተፈልጠ ሰብ ሞይቱ እንተ ተረኺቡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ኣርሒ ሓሪዶም ደማ ኣብ ሸሓኒ ተቐቢሎም ኣብ መንጽሮም የቐምጥዎ እሞ ንሕና ነዚ ሰብ እዚ ኣይቀተንዮን ቀታሊኡ እውን ኣይረእናን እና በሉ ኣእዳዎም ብማይ ይሕጸቡ ነበሩ።ኣብ ጥቓ እቲ ቀታሊ ክበጽሕ ከሎ እቲ ማይ ደም ይኸውን ነበረ።(ዘዳ21፡19)
ሽዑ ንባርባን ፈትሓሎም ንክርስቶስ ግና ገሪፉ ክሰቕልዎ (ብኣቆጻጽራ ናይ ቤተክርስቲያና ብሳልሰይቲ ሰዓት) ኣሕሊፉ ሃቦም።(ማቴ27፡24-27)።ብሕጊ ኣይሁድ ክስቀል ዝተፈርደ ሰብ ኣይግረፍን እዩ።እንተኾነ ኣይሁድ ግና ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ድርብ ግፍዒ ንፍጻም ገሪፎም ሰቒሎም ቀተልዎ።
ኣኽሊል እሾኽ ብላግጺ ደፍእሉ
ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእትዮም ክዳናኡ ገፊፎም ካኣ ቐይሕ ባርኖስ ከደንዎ ።ካብ እሾኽ ተቲዕም ካኣ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ደፍእሉ።ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ካኣ ኣብ ቅድሚኡ እና ተንበርከኹ ፥”ሰላም ንዓኻ ኦ ንጉስ ኣይሁድ !” እና በሉ ኣላገጽሉ ።ጡፍ ድማ በልሉ። ነቲ ዘንጊ ኣሕዲጎም ካኣ ርእሱ ወቕዕዎ። ምስ ኣላገጽሉ ካኣ ነቲ ቀይሕ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳውንቱ ከደንዎ ፡ክሰቕልዎ እውን ወሰድዎ።(ማቴ27፡27-31)
ክዳኑ ምግፋፎም ኣዳም ዝነበሮ ክብሪ ከም ዝተገፈ ዝገልጽ እዩ።ቀይሕ ባርኖስ ምኽዳኖም ካኣ ፡
- ደምካ ከምዚ ክፈስስ እዩ
- ደምና ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ብጥጦስ ከም ዝፈስስ ክትገብር ኢኻ ዘብሎም እዩ።
ንጉስ ኣይሁድ ስለ ዝበልዎ ንላግጺ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል እሾኽ ተቲዖም ገበርሉ። ንጉስ ኣይሁድ ስለ ዝበልዎ ንኸላግጹ በትሪ መንግስቲ ንኽብሉ ኣብ ኢዱ ዘንጊሓጺን ኣትሓዝዎ።
ክዳውንቱ ከደንዎ ክብል ከሎ ካኣ ክብሪ ኣዳም ክም ዝምለስ ዝገልጽ እዩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ከም ዝተሰቕለ
( ማቴ27፡32-44,ማር15፡21-32,ዮሓ 19፡17-27)
መስቀል ኣሰኪሞም ናብቲ ዝስቀለሉ ቦታ ናብ ቀራንዮ ክኸይድ ከሎ ፡ ስምዖን ዝስሙ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ ንመስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ክጸውር ግዲ በልዎ።እዚ ሰብ እዚ ካብ ነገር ፈሪሑ ተሓቢኡ ምስ ወዓለ ፡ሕጂስ ተፈጺሙ እዩ ዝኸውን ኢሉ ካብ በረኻ ክኣቱ ከሎ ፡ንስኻ እውን ናቱ ወገን ኢኻ ኢሎም ነቲ ጉንዲ መስቀል ኣሰክምዎ።ምስጢሩ ግና በረኸት መስቀል ( መከራ ) ከም ዝተሳተፈ ዝገልጽ እዩ። ጎልጎታ ትርጉም ስሙ ሓም ሓም ርእሲ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ስፍራ ምስ በጽሑ ፡ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ወይኒ ክሰቲ ሓብዎ ።ንሱ ካኣ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ ።ድሕሪ እዚ ሰቐልውዎ።ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐሉ፡ንቐምሸይ እውን እጫ ኣውደቕሉ ዝብል ቃል ጽሑ ምእንቲ ክፍጸም ካኣ ነቲ ክዳውንቲ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ(መዝ22፡18)
ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ እዚ ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ ዝብል ናይ ክሱ ጽሑፍ ኣንበሩ።ሽዑ ክልተ ጋሓሉት ድማ ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ምስኡ ሰቐሉ።ንጉስ ስለ ዝበልዎ፡ንላግጺ ብየማነ ጸጋም ከም ዓጀብቲ ጌይሮም ክልተ ሽፍታ ምስኡ ሰቐሉ ፡ከምኡ’ውን ኢሳይያስ “ምስ በደለኛታት ተቖጽረ” ኢሉ ዝተነበዮ ትንቢት መታን ክፍጸም እዩ።(ኢሳ53፡12)።ነዚ ድማ ዮሓንስ ወልደ ነጎድጋድ ኣብ ቅዳሴኡ “ ከመ ይደምረነ ምስለ ነፍሰ ጻድቃን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።ምስጢሩ ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ንዓና ንሓጥኣን ብጸጋም ፡ንጸጋም ድማ ብየማን ክትቕውም ኢኻ ዘብሎም እዩ።ኩሎም እቲ ብእኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ፡እቶም ኣብኡ ዝነበሩን ፡እቲ ብጸጋሙ ዝተሰቕለ ሽፍታን የላግጽሉን ይጸርፍዎን ነበሩ።
ጎይታና ኢየሱስ ከም ዝሞተ
(ማቴ27፡45-56, ማር 15፡33-41, ሉቃ 23፡44-49, ዮሓ19፡28-30)
እንሆ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳዕ ታሽዓይቲ ሰዓት ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ ።
ብታሽዓይቲ ሰዓት ኣቢሉ ጎይታ ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ እና በለ ጨርሐ፡እዚ ካኣ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምታይ ሓደግካኒ ማለት እዩ።ከምዚ ኢሉ ዝጸለየ ካኣ ኣብ ክንዲ እቶም ንመከራ ዝተወፈዩ ደቂ ኣዳም ኮይኑ እዩ።ገልኦም ካብቶም ኣብኡ ቆይሞም ዝነበሩ ስባት ፡ነዚ ምስ ሰምዑ እዚስ ንኤልያስ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ በሉ።ሽዑ ሓደ ካብኣቶም ጎዩ ሰፍነግ ወሲዱ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ ኣብ ኣፏቕሪቡ ኣስተዮ።
ገሊኦም ሕደጉ ኤልያስ መጺኡ ዘድሕኖ እንተኾይኑስ ክንርኢ ኢና በሉ።ከምብሓድሽ ፡ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብኻ የማዕቁባ ኣለኹ ኢሉ ብዓቢይ ድምጺ ጨርሐ (ሉቃ23፡46) ፡ሽዑ ብገዛእ ስልጣኑ ቅድስት ነፍሱ ካብ ቅዱስ ስጋኡ ፈለየ (ዮሓ10፡17-18)።እንሆ ካኣ መጋረጃ ቤተ መቅደስ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።ካብ ማሕበር መላእክቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቲ ሰቐልቲ ክቐዝፍ ሰይፉ መሊሑ ወጸ።ምሕረት ክርስቶስ ምስ ከልከለቶ ግና ፡እቲ መልኣኽ ብሰይፉ ንመጋረጃ ቤተ መቅደስ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተርተሮ ።(ኣትናቴዎስ ሃይማኖት ኣበው26፡14)።
ምድሪ ኣንቀጥቀጠት – መርገመ ስጋ ጠፍኤ
ከውሒ ተጨደ(ኣኻውሕ ተጨዱ)—- መርገመ ነፍስ ጠፍኤ
መቓብራት ተኸፍቱ——-ሙስና መቓብር ተፍኤ ማለት በስቢስካ ፈሪስካ ምንባር ተረፈ
ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳት ሬሳታት ድማ ካብ ሞት ተንስኡ። ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ምዉታት ፡ምሸት ዓርቢ ከም ዝተንስኡ ተገሊጹ ኣሎ።(1ቖሮ15፡6)።ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ ካብ መቓብራት ወጺኦም ናብታ ቅድስት ከተማ ኣተዉ ንቡዙሓት እውን ተራእይዎም።
እዞም ዝተንስኡ ሰባት ሰለስተ መዓልቲ ኣበይ ጸኒሖም ፧ ሰለስተ መዓልቲ ኣበይ ጸኒሖም እንተ በልና ኣብ ደብረ ዘይቲ ። እቶም ዓርቢ ምሸት ካብ መቓብር ብስጋ ዝተንስኡ ጻድቃን ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ጸኒሖም ፡ድሕሪ ትንሳኤ ናብ ከተማ ኢዮሩሳሌም ከም ዝኣተዉ ፡እቶም ዓርቢ ምሸት ካብ ሲኦል ዝወጹ ነፍሳት ድማ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጎረ ገነት ጸኒሖም ፡ድሕሪ ትንሳኤ ሰኑይ (ማእዶት)፡ናብ ገነት ከም ዝኣተዉ ይንገር።(ተኣምረ ኢየሱስ)።እዚ ድማ ምስቲ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዝመሳሰል እዩ።(ዘሁ 33፡3)
እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንጎይታ ኢየሱስ ክሕልዉን ምስኡ ዝነበሩ ካኣ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገርን ርእዮም እዚስ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ እና በሉ ኣዝዮም ፈርሑ።ኣብኡ ካኣ ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ዝኾነ ነገር ብርሑቕ ይዕዘባ ነበራ።ካብኣተን ‘ውን ማርያም መግደላዊት፡ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሳን ኣደ ደቂ ዘብዲዎስን ነበራ።
መራሕቲ ኣይሁድ ግና ምሸት ዓርቢ ስለ ዝኾነ እቲ ሬሳታት ኣብ መስቀል ኣይግባእን በሉ።ምኽንያቱ ድማ ዓመታዊ በዓል ሰንበት (ቀዳም) ስለ ዝነበረ ንኽብሪ ሰንበት እዩ፤ማሓኹልቶም ሰይሮም ከውርድዎም ካኣ ንጲላጦስ ለመንዎ።ሽዑ እቶም ወተሃደራት መጺኦም መሓኹልቲ እቲ ቀዳማይን ናይቲ እቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ካልኣይን ሰበሩ።፡ጎይታ ግና ሞይቱ ስለ ዝነበረ ኣይሰበርዎን።እንሆ እቲ ብቅዱስ ዳዊት “ንኹሉ ኣዕጽምተይ ክቖጽሮ ይኽእል እየ”(መዝ22፡17) ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢትን “ዓጽሙ ኣይትስበሩ” (ዘጽ12፡46) ዝበሎ ቃልን ንምፍጻም ድማ ኣዕጽምቱስ ኣይሰበሩን።ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ካኣ ኣሎዶ ሞይቱ ኢሉ የማናይ ጎድኑ ብዂናት ወግኦ።ብኡ ብኡ ካኣ ከም ፊደል “ለ” መሲሉ ማይን ደምን ወጸ(ወሓዘ)።እዚ ዝኾነ ካኣ “እንሆ እቶም ዝወግእዎ ክርእይዎ እዮም” ዝብል ትንቢታዊ ቃል ስለ ዝነበረ እዩ።(ዘካ12፡10)።ብዂናት ዝወግኦ ሓደ ዶ ኣይኮነን ስለምንታይ ድኣ ወግእዎ ተባህለ እንተ በልና ናይ ኩላቶም ፍቓድን ድልየትን ስለ ዝነበረ እዩ።ከምኡ እውን ነቶም ኣእጋሩን ኣእዳዉን ዝሸንከርዎ ቆጺሩ ወግእዎ ኢሉ ብዙሕ ተዛረበ።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተቐብረ
(ማቴ 27፡57-66, ማር15፡42-47 ፣ሉቃ23፡50-56 ፣ዮሓ19፡38-42)
ምስ መስየ ግና ዮሴፍ ዝተባህለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ ፡ንሱ ካኣ ናይ ጎይታ ወደ መዝሙር ነበረ ።ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ ናይ ጎይታ ለመነ ፡ከይዱ ካኣ ኣብቲ ብጽሩይ በፍታ ገኒዙ ኣብቲ ኣብ ከውሒ ዘውቆሮ ናይ ባዕሉ ሓዲሽ መቓብ’ውን ኣንበሮ ሓደ ዓቢይ እምኒ ኣንከራርዩ ድማ ዓጽይዎ ከደ።
ሓዲሽ መቓብር ምባሉ ፡ጎይታ ሓዲሽ ስርዓት ይሰርዓልኩም ኣለኹ ማለት እዩ።ከምኡ ካኣ ከም ኤልሳዕ ዝበለ ገባሬ ተኣምር ነቢይ ኣብ ዝተቐብረሉ መቓብር ስለ ዝተቐብረ ኣተንሲእዎ መታን ከይበሃል እዩ ሓዲሽ መቓብር ዝበለ።(2ነገ 13፡20)
ካብዚ ቀጺልና “ጽርሃ ጽዮን” መጽሔትና ዝወጸ ብዛዕባ 14 ምዕራፋት ጉዕዞ ናይ መስቀል ክነቕርበልኩም ኢና ።
ክበልዑ ከለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ።ኣመስጊኑ ቆሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዚ ስጋይ ኢዩ እንኩ ብልዑ” እናበለ ሃቦም።ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንድሕነት ሓጥያት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ’ሞ ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ”እናበለ ሃቦም። መዝሙር ምስጋና ምስዘመሩ ከኣ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። ድሕሪ’ዚ ኢየሱስ ምሰኣቶም ጌተሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታ ከደ።ንደቀ መዛሙርቱ ድማ “ናብቲ ከይደ ክሳዕ ዝጽሊ ኣብዚ ተቐመጡ”በሎም። ሓዲግዎም ከምብሓድሽ ከይዱ’ውን ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቃል ሳልሳይ ግዜ ጸለየ።ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕጂ’ውን ጌና ደቂስኩምን ኣዕሪፍኩምን ኣሎኹም፣እምበኣር እቲ ንወዲ ሰብ ናብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ዝህቡሉ እዋን በጺሑ ኢዩ።ተንስኡ ንኺድ እቲ ኣሕሊፉ ዝህበኒ እነሆ ቀሪቡ ኣሎ”በሎም።
ጌና እዚ ክዛረብ ከሎ እነሆ ይሁዳ ሓደ ካብቶም 12 መጸ።በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “እዚ ኩሉ ዝኾነ ግና መጻሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ክፍጸሙ ኢዩ” በሎም።ሽዑ ደቀ መዛምርቱ ኩሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ናብ መምሃራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ናብ እንዳ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ።ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። “ኦ መሲሕ መን ኢዩ ዝወቕዓካ እስከ ተነበየልና” እናበሉ ኸኣ ይደፍእዎ ነበሩ።(ማቴ26፣1-68)
ፍኖተ መስቀል
ምስ ወገሐ (ብዕለተ ዓርቢ)ኩሎም ሊቀ ካህናትን ሽማግለታትን ህዝብን ንኢየሱስ ክቕትልዎ ተማኸሩ።ኣሲሮም ወሰድዎ’ሞ ንጲላጦስ ነቲ ገዛኢ ኣሕሊፎም ሃብዎ።ማቴ፦27፣1-2 ካብ ጲላጦስ ኣደባባይ (ሊቶስጥራ) ክሳዕ ጎልጎታ(ቀራንዮ) ዘሎ መንገዲ፣ናይ መከራ(ስቓይ) መንገዲ (ፍኖተ-መስቀል) ይበሃል።እዚ መንገዲ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም፣ኣብ ውሽጢ ጥንታዊት ከተማ(OLD CITY) ካብ ዝርከባ ኣርባዕተ ክፋላት(quarter) (ናይ ኣርመን፣ናይ ሞስሊም፣ናይ ክርስቲያን፣ናይ ኣይሁድ ክፋላት) ኣብ ናይ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ሞስሊምን ክፋል ዝርከብ ኮይኑ ፣ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ደቂ ሰባት ነቲ ዝሃበና ተስፋ ምእንቲ ክፍጸም፣መስቀል ተሰኪሙ እንዳ ወደቐን እንዳ ተንሰአን ዝኸደሉ መንገድን ተሰቒሉ ሞይቱ ዝተቐብረሉን ዝተንሰኣሉን ቅዱስ ቦታን ኢዩ።
ብቋንቋ እንግሊዝ way of the cross (way of sorrow),ብላቲን(ሮማን) via crucis(via dolorosa),ብእብራይስጥ ሃየሱር ይበሃል።ትርጉሙ ብኹሉ ቋንቋታት ሓደ ኮይኑ መንገዲ መከራ(ስቓይ) ፍኖተ መስቀል ማለት ኢዩ።
ብዕለተ ዓርቢ ስቕለት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በጻሕቲ ካብ ኣደባባይ ጲላጦስ(ሊቶስጥራ)መስቀል ተሸኪሞም ነቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረዶ ከቢድ መከራን ስቓይን እንዳ ዘከሩ፣ነቲ ካብ 15-20 ደቓይቕ ኣቢሉ ዝወስድ መንገዲ ብምኽንያት ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓት ጎልጎታ ይበጽሑ። እዚ ናይ መከራ መንገዲ (ፍኖተ መስቀል)ርሕቀቱ 1.5 ኪ.ሜ ክኸውን ከሎ 14 ምዕራፋት ድማ ኣጠቓሊሉ ይርከብ።
14(ዓሰርተ ኣርባዕተ) ምዕራፋተ መስቀል(the station of the cross)
– ብዕለተ ዓርቢ ክርስቶስ መስቀል ተሰኪሙ ኣብ መንገዲ ዝተፈጸሙ(ዝተገብሩ)ነገራትእዮም።
– ካብ ምዕራፍ 1-9 ዘሎ ምዕራፋት ኣብ መንገዲመከራ(way of sorrow) ዝርከብ ኮይኑ ኣብ መንደቕ ዝተለጠፈ ጸሊም ከቢብሓጺን ነቲ ምዕራፋት መለለዪ በብምዕራፉ ከከም ደረጅኡ ብላቲን ዝተጻሕፈ ቁጽርን፣ኣብ እግሪ’ቲ ቁጽሪ ምዕራፋት ኣብ መሬት ብፍሉይ ዝተሰርሐ ፍርቂ ክቢ ቅርጺ ኣለዎ።እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ምዕራፋት ድማ ኣብ ውሽጢ ጎልጎታ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ መቓብር (the church of holy sepulcher) ይርከብ።
– ካብ ምዕራፍ 1-6 ኣብ ናይ ሞስሊም ክፋል፣ካብ 7-14 ምዕራፍ ድማ ኣብ ናይ ክርስቲያን ክፋል ይርከብ።
– እዘን 14 ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊታውን ክኾና ከለዋ፣ምዕራፍ 3,4,6,7,9 ትውፊታዊ እተን ዝተረፋ 9 ትሸዓተ ምዕራፋት ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኢየን።
ወንጌላውያን ከም ዝጸሓፍዎ (ዮሃ 19፣20 ማቴ 28፣11 ዕብ 13፣12) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ቦታ ካብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ምዃኑ ይነግር።ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ጥንታዊ ከተማ ኢየሩሳሌም(old city)ይርከብ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ቀጽሪ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ድሕሪ ዕርገት ናይ ጎይታ ፈሪሱ ዳግማይ ክህነጽ ከሎ ካብቲ ዝነበረ ኣስፊሖም ብምስራሕ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸውን ተጌሩ ኢዩ።
ዝርዝር ናይ 14 (ዓሰርተ ኣርባዕተ) ምዕራፋት መስቀል
1ይ ምዕራፍ፦
ጲላጦስ ብእብራይስጥ ገበታ ዝበሃል ጸፍጻፍ፣ኣብ መንበረ ፍርዲ ተቐሚጡ፣ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣እነሆ ንጉስኩም ኢሉ ንኣይሁድ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ኣብዚ ቦታ ኢዩ።ሎሚ እዚ ቦታ ካብተን ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ዝርከባ 8 (ሸሞንተ)ኣፍደጌታት(ኣፍደገ፣ጽዮን፣ሃድሽ፣ደማስቆስ፣ጃፋ፣ሄሮድስ፣ወርቃዊ፣ዳንግ፣ኣናብስ) ካብ ኣፍደገ ኣናብስ(lion gate) 300ሜ ርሕቀት ንምዕራብ፣ጠቢብ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ሰሪሕሉ ካብ ዝነበረ ቦታ(ኣብዚ ሕጂ ግና መስጊድ ተሰሪሕሉ ኣሎ)ብሰሜናዊ ሸነኽ ዝርከብ ኮይኑ፣ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣልዑምሪያ ዝበሃል ናይ ኣዕራብ ቤት ትምህርቲ ተሰሪሕሉ ኣሎ።ኣብ 326-327 ዓ.ም ንግስቲ ኢለኒ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ጐይታ ብዕለት ዓርቢ ዝኸደለን 28 ደርብታት(ኣስካላ) ናብ ሮም ወሲዳ ቤተክርስቲያን ሰሪሓ ብኽብሪ ኣቐሚጣቶ ኢያ።እዚ ደርቢ ብጣልያን scala santa ብእንግሊዥ ድማ the holy stair way (stair case)ይበሃል።
2ይ ምዕራፍ፦
ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ፊትንፊት ዝርከብ ኮይኑ ጲላጦስ ንጐይታ ንሞት ኣሕሊፉ ንኣይሁድ ምስ ሃቦም እቶም ወተሃደራት ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ማለት ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣእትዮም ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ኣኪቦም ቀይሕ ክዳን ከዲኖም፣ኣኽሊል እሾኽ ተቲዖም ኣብ ርእሱ ዝደፍኡሉን ጎይታ ንቑሩብ ግዜ ዝተኣሰረሉን ቦታ ኢዩ።ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ቦታ ብፍራንሲስካውያንን ብግሪኻውያንን ዋንነት ተታሒዙ ይርከብ።
ፍራንሲስካውያን ኣብ ዝሓዝዎ ቦታ ፊት ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ ውሽጢ ሓደ ካንሸሎ ዝርከብ ብየማናይ ሸነኽ መእተዊ ናይ ካንሸሎ flagellation(ናይግርፋት) ብጸጋማይ ድማ condemination(ናይ ፍርዲ) ዝበሃል ክልተ ቤተክርቲያን ተሃኒጹ ኣሎ።
ናይ ግርፋት ቤተክርስቲያን (Church offlagellation)
ኣብ 12 ክፍለ ዘመን መስቀላውያን ቤተክርስቲያን ዋላኳ እንተነበሩ፣እቶም ድሒሮም ዝመጹ ገዛእቲ ኣፍሪሶሞ ኢዮም።እዚ ሎሚ እንርእዮ ቤተክርስቲያን ሰሪሖምሉ። ኣብ 1838ዓ.ም ፍራንሲስካውያን ነዚ ቦታ ድሕሪ ምርካቦም ዝተሃንጸ ክኸውን ከሎ፣ብ1984 ድማ ተሓዲሱ ኢዩ።ኣብ ውሽጢ እዚ ቤተክርስቲያን፣ታሪኽ ናይቲ ቦታ ዝገልጽ ጎይታ ተኣሲሩ (ኣብ ፊት መእተዊ)ብጸጋም ናይቲ መእተዊ ባርባን ክፍታሕ ከሎ፣ብየማናይ ድማ ጲላጦስ የእዳዉ እናተሓጽበ ከሎ ብዓቢ ሕብራዊ መስቲያት ዝተሳእለ ስእሊ ኣሎ።ኣብጥቓ እዚ ቤተክርስቲያን ቤተ መዘክር ይርከብ።
ናይ ፍርዲ ቤተክርስቲያን (The church of condemination)
ብ1903-1904ዓ.ም ኣብቲ 13 ክ/ዘመን ቤተክርስቲያን ተሃኒጹ ዝፈረሰሉ ቦታ፣ዝተሃንጸ ቤተክርስቲያን ኢዩ።ኣብ ውሽጡ ድማ፣ጎይታ ኢዱ ተኣሲሩ ኣብ ርእሱ ድማ እሾኽ ኣክሊል ጌሮምሉ ከለዉ፣መስቀል ከሰክምዎ ከለዉን፣ መስቀል ተሰኪሙ ከሎ ዝተጸርበ ሓወልትን ኣሎ።ኣብመእተዊ ናይቲ ቤተክርስቲያን ዝተቐርጸ ኣቀማምጣ ናይ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳለም ንረክብ።ንምልክት ምዕራፋት ብሮማውያን ቁጽሪ ዝተጻሕፈ ቁጽሪ 2(ምዕራፍ 2)ተጠቂዑ ዘሎ ኣብ ነጸላ መንደቕ ናይዚ ቤተክርስቲያን ኢዩ።ካብ ናይ ፍራንሲስካን ቤተክርስቲያን ወጺና ናብ 3ይ ምዕራፍ ክንከይድ ከለና “እኅትጽዮን” (the sister of sion)ዝተባህለ ናይ ግሪኽ ካቶሊኽ ቤተክርስቲያን ኣሎ።ኣብዚ ውሽጢ ቤተክርስቲያን
ሀ) ናይ ሮማ ወተሃደራት ዝጻወትሉ ዝነበሩ ከም ዳማ ዓይነት መሳሊ እምኒ ኣሎ።
ለ)ዝተፈላለዩ ናይ ጥንቲ ቅርስታት ኣብ ቬትሮ ኣትዮም ንምርኢት ዝቐረቡን
ሐ)ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ኣኻውሕ ዝዓቖረ ፈልፋሊ ማይ ኣሎ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣእእጋሩ ኣብ ክልተ ዝነኾላ ኣእማን ኣእትዮም ዝኣሰሩሉ ቦታ ኣሎ።እዚ ቦታ ካብ እኅት ጽዮን ወጺና እንረኽቦ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶስ ቤተክርስቲያን ኢዩ።
3ይ ምዕራፍ፦
ኣብ ልዕሊ መእተዊ ናይዚ ቤተክርስቲያን፣ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ክወድቕ ከሎ ዝተሳእለ ስእሊ ኣለዎ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምስ ኣሰከምዎ ንመጀመርያ ግዜ መስቀል ተሰኪሙ ዝወደቐሉ ቦታ ኢዩ።እዚ ቤተክርስቲያን ብናይ ኣርሜንያ ካቶሊክ ዝውነን ኮይኑ ኣብ 1947-1948 ናይ ፖላንድ ወተሃደራት ዝሃነጽዎ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣተና ጎይታ ዓቢ መስቀል ተሰኪሙ ክወድቕ ከሎ መላእኽቲ ብተርታ ተሰሪዖም ብምግራም ገሊኦም ርእሶም ገሊኦም ኣፎም ሒዞም ንጎይታ እንዳ ጠመትዎ ዝተሳእለ ስእሊ ኣሎ።ብጸጋማይ ወገን ናይዚ ስእሊ ንታሕቲ ምስ ወረድና ኣብ ዕሙቕ ዝበለ መሬት ብዙሕ ጥንታዊ ቅርስታት ኣሎ።
4ይ ምዕራፍ፦
እዚ ምዕራፍ እዚ ብዋንነት ናይ ኣርሜንያ ካቶሊክ ዝተታሕዘ ኮይኑ፣ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ካብታ ዝወደቐላ 3ይቲ ምዕራፍ ተንሲኡ ቁሩብ ምስ ከደ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተራኸበሉ ቅዱስ ስፍራ ኢዩ።ኣብቲ ቦታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ምስ ተራኸበት ብዙሕ ሓዘንን መሪር ብኽያትን በኽያ ኢያ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ቤተ ክርስቲያን ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክራኸብ ከሎ ዝተቐርጸ ሓወልቲን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እግሪ ርጋጽ ኣሰር ይርከብ።
5ይምዕራፍ፦
ንሓደ ሓላፊ መንገዲ ስምኦን ቀሬናዊ ካብ ወፍሪ ክኣቱ ከሎ ጎይታ ተሰኪምዎ ንዝነበረ መስቀል ክጸረሉ ዘገደድዎ ቦታ ኢዩ (ማር፦15፣21)።ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ራብዓይ ምዕራፍ ናብ ቤተመቕደስ ናይ ሰሎሞን ካብ ዝወስድ መንገዲ ኣብ መጀመርያ የማናይ ኣንጎሎ(ኩርናዕ) ዝርከብ ቦታ ኮይኑ፣ፍራንሲስካውያን ብሽም ስምኦን ቀሬናዊ ቤተክርስቲያን ኣስሪሖምሉ ኣለዉ።ኣብ ኣፍደገ ናይዚ ቤተክርስቲያን ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ምስ ደኸመ ዝተደገፎ ዝጎድጎደ እምኒ ኣሎ።
6ይ ምዕራፍ ፦
ኣብ ጎደና 5ይ ምዕራፍ ,ካብ 5ይ ምዕራፍ ልዕል ኢልካ ዝርከብ ኮይኑ ጎይታ ገጹ ብደምን ብርሃጽን መሊኡ ከሎ ቨሮኒካ ( ብግእዝ አብሮቅላ ) ዝተባህለት ብዝሓዘቶ ጨርቂ ገጹ ምስ ደረዝትሉ ኣብ’ቲ ጨርቂ ምስሊ ናይ ጎይታ ተሪፉ እዩ። ኣብ’ዚ ቦታ ናይ ግሪክ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖሙሉ ኣለዉ። ቨራ(vera) ብላቲን ሓቂ ክኸውን ከሎ ኢኮን( icon) ማለት ድማ ምስሊ ማለት እዩ ። ስለዚ ቬሮኒካ ማሌት ሓቐኛ ምስሊ ማለት እዩ።
7ይ ምዕራፍ ፦
ጎይታ ኣብ ዝተሰቕለሉ ዘመን ምዕራባዊ ኣፍደገ ናይ ጥንታዊት ከተማ ዝነበረ ፣ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ጥንታዊት ከተማ ኣብ መወዳእታ ናይ ሞስሊም ክፋልን ኣብ መጀመርያ ናይ ክርስቲያን ክፋል ዘሎ ካብ 6ይ ምዕራፍ ንላዕሊ ፣ናብ ጽርሃ ጽዮን ናብ ዝወስድ መንገዲ ይርከብ። ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክብደት ናይ’ቲ ዝተሰከሞ መስቀል፣ ዝተላዕለ ንመበል 2ይ ግዜ ዝወደቐሉ ቦታ እዩ። ናይ ሮማን ካቶሊክ ኣብ’ዚ ቦታ ቤተክርስቲያን ኣስሪሖም ኣለዉ።
8ይ ምዕራፍ
ብላቲን 8 ካብ ዝተጻሕፎ ንታሕቲ ኣብ መንደቕ ዕሙቕ ዝበለ ቅርጺ መስቀል ኣለዎ። ኣብ’ዚ ቦታ ጎይታ “ ብዙሕ ህዝቢ እንዳሰዓቦ ኣዋልድ ድማ ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ ኢየሱስ ድማ ናብኣተን ግልጽ ኢሉ “ ኦ ኣዋልድ ኢዮሩሳሌም ምእንቲ ደቅኽንን ነፍስኽንን ደኣ ብኸያ እንበር ምእንታይሲ ኣይትብከያ ምኽንያቱ እተን መኻናትን ዘይወለደት ማህጸንን ዘየጥበዋ ኣጥባትን ብጹኣን እየን። ዝብሉለን መዓልቲ ክመጻ እየን። በቲ ግዜ እቲ እምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ ንኹርባታት’ውን ከዉልና ምባል ክጅምሩ እዮም። ኣብ ጥሉል ኦም ከም’ዚ ካብ ገበሩስ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ከመይ ክኽውን እዩ” ኢሉ ዝተዛረበሉ ቦታ እዩ።ሉቃ 23፦27-31
9ይ ምዕራፍ ፦
እዚ ኣብ ናይ ግብጻውያን ኮፕቲክ ቤተክርስቲያን መንደቕ ቁጽሪ 9 (1x) ዘሎ ፊት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ኮይኑ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ንመበል 3ይ ግዜ መስቀል ተሰኪሙ ዝወደቐሉ ቦታ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝመጹ በጻሕቲ ካብ ሊቶስጥራ መስቀል ተሰኪሞም ኣብ’ዚ ምዕራፍ ምስ በጽሑ ብኢትዮጵያውያን ቤተክርስቲያን ኣቢሎም መእተዊ ናይ ጎልጎታ ስለዝኾነ ኣብዚ ምዕራፍ ደው ኢሎም ናይ መዛዘሚ ጸሎት ይገብሩ ። ብናይ ሮማ ቁጽሪ 9 ኣብ ዝተለጠፈሉ መንደቕ ግብጻውያን ናይ ቅድስት ኢለኒ ቤተክርስቲያን ኣስሪሖሙሉ ኣለዉ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ዒላ ኣሎ። ነዚ ሓሊፍና ናይ መድሃኔኣለምን ናይ ቅዱስ ሚካኤልን ቤተክርስቲያን ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስ ወዳእና ኣብ ጎኑ እንረኽቦ ዓቢ ማዕጾ ዘለዎ መእተዊ ጎልጎታ ናይ ቅዱስ መቓብር ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ምዕራፍ 10 ፦
“ ንኽዳውንተይ ይማቐሉ ንቐሚሸይ ዕጫ የውድቑሉ ኣለዉ” (መዝ 22፣18) ኢሉ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ከም ዝተነበዮ ፣ክዓቢ ከሎ ምስኡ ትዓቢ ዝነበረት ተኣምራታዊት ክዳን ናይ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገፊፎም ዝወሰዱሉ ካብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ወጺና ብየማናይ መንደቕ ኣፍደገ ጎልጎታ ቅድሚ ምብጻሕና ኣብ ኣፍ ደጊኡ ኣስካላ ዘለዎ ቦታ ናይ’ዚ ምዕራፍ እዩ። ወነንቱ ድማ ናይ ፍራንካውያን እዮም።
ምዕራፍ 11፦
እዚ ብዛዕባ ጎይታ ኣብ (መዝ 22፣16) “ ወአሐዙኒ ማሕበሮሙ ለእኩያን ቀነውኒ እደውየ ወእገርየ” ዝብል ትንቢት ኣብ’ዚ ምዕራፍ ተፈጺሙ። እዚ ቦታ ትሕዝቶ ናይ ሮማውያን ኮይኑ ፣ኣብ ደርቢ ናይ የማናይ ሸነኽ መእተዊ ጎልጎታ ኣስካላ ምስ ደየብና ኣብ የማናይ ጸግዒ ይርከብ። ኣብ’ዚ ጸግዒ መንደቕ ልዕሊ መሰውኢ ናይ ሮማውያን ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ዝገልጽ ወተሃደራት ናይ ሮም መስቀል ኣብ እምኒ ኣተርኢሶም ንጎይታ ኣብ መስቀል ክሽንክርዎ ከለዉ ዝተሳእለ ስእሊ ኣሎ። ትሕቲ እዚ ስእሊ እቶም ወተሃደራት ናይ ሮም ንጎይታ ኣብ መስቀል ክሽንክርዎ ከለዉ ነቲ መስቀል ዘተርኣስሉ እምኒ ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ብኽብሪ ተቐሚጡ ይርከብ ።
ምዕራፍ 12 ፦
ካህን መልኬጼድቅ ንዓጽመ ኣዳም ዝሕልወሉ ዝነበረ ቦታ ኮይኑ ኣብ’ቲ ዓጽመ ኣዳም ዝነበረሉ ቦታ “ ወገብረ መድሐኒተ በማእከለ ምድር” ዝብል ትንቢት ንኽፍጸም ካብ’ቲ ባዕሉ ጎይታ ኣብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንኹሉ ክስሕቦ’የ ዝበሎ ጎይታ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሓያል ጥበቡ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ ኢሉ ንድያብሎስ ብንፋስ ኣውታር ብምእሳር ንኣዳም ዝሃቦ ተስፋ ንምፍጻም ተፈጸመ ኢሉ ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ነፍሳት ክገፍፍ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ ነፍሱ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስግኡ ዝተፈልየሉ ወይ ድማ ዝሞተሉን ንቅድስት ድንግል ማርያም ብኢድ የውሃንስ ካብ ጎይታ ዝተቐበልናሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ።
እዚ ምዕራፍ ምስ ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ( 11) ብጸጋማይ ሸነኽ ለጊቡ ዝርከብ ኮይኑ ምስሊ ስቕለት ናይ ጎይታ ኣብ ልዕሊኡ ብግሪኽ ብኣርመን ብዕብራይስጥ ቋንቋ ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉስ ኣይሁድ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፣ ቅድስት ድንግል ማርያምን የውሃንስ ኣብ ጎኒ መስቀል ደው ኢሎም ዝተሳእሉ ስእሊ ኣሎ። ኣብ’ዚ እግሪ መስቀል ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ዝርከብ ንእሽቶ ጉድጓድ ኣሎ ። ነጋድያን ናይ’ዚ ቦታ ናይ ጎይታ ደም ኣብ እግሪ መስቀል ይፈስስ ከም ነበረ እንክዝክሩ ኣእዳዎም ኣብ’ዚ ጉድጓድ ብምእታው ብእምነት ተኻፈልቲ በረኸት ናይ’ዚ ቦታ ይኾኑ።
ምዕራፍ 13 ፦
በቲ ቀንዲ መእተዊ ናይ ጎልጎታ ፊት ንፊት ከይተጠወና ኣብ ባይታ ( መሬት) እንረኽቦ ጸፊሕ ርቡዕ ኩርናዕ ኣብ ጨጫፍ ከቢብ ሓጺን ዘለዎ እምኒ ፣ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያን ኒቆዲሞስ ንጲላጦስ ለሚኖም ፍቓድ ብምርካብ ንጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኣውሪዶም ቅብኢ እናቀብኡ ‘’ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሓያል ቅዱስ ህያው ዘኢይመውት” እንዳበሉ ዝገነዝሉ ቦታ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ እምኒ ካብ ቀዳም ለይትን መዓልትን ብዘይምቁራጽ ዝበርሁ ሰሞንተ(8) ዝተንጠልጠሉ ቀንዴላት ኣለው። እዚ ምዕራፍ ብዋንነት ናይ ሮማውያን ዝተታሕዘ ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ዝርከብ መንደቕ ብዓቢዩ ንጎይታ ከመይ ኢሎም ካብ መስቀል ከም ዘውረድዎ ካም ዝገነዝዎ ናብ መቓብር ከም ዝወሰድዎን ዘረድእ ስእላዊ መግለጺ ኣሎ።
ምዕራፍ 14 ፦
ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ንጎይታ ገኒዞም ከም ልማድ እስራኤላውያን ስድርኡ(ቤተሰብ ቅድስት ድንግል ማርያም) ናብ ዝቕበረሉ ጌቴሴማኒ ዝበሃል ቦታ ወሲዶም ክቐብርዎ ግቡእ እኳ እንተኾነ ምድሪ ጸልሚቱ ዕለት ሰንበት ኣርኪቡ ስለ ዝነበረ ናብ ጌቴሴማኒ ወሲዶም ክቐብርዎ እኹል ግዜ ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኣብ ጎልጎታ ንዕኡን ንስድርኡን ኣዳልይዎ ናብ ዝነበረ ሓዲሽ መቓብር ፣ኣብ’ዚ ሕጂ ግሪኻውያን ቤተ መቕደስ ሰሪሖሙሉ ኣብ ዘለውሉ ቦታ ወሲዶም ንጎይታ ቀበርዎ ። ሓደ ዓቢ እምኒ ኣንከራርዮም ድማ ነቲ በቓብር ዓጽዮምዎ ከይዶም ።
ኣብ’ዚ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ክልተ ክፍልታት ኣለዎ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ጎይታ ዝተቐብረሉ ክኽወን ከሎ ቅድሚ ናብ’ዚ ውሽጢ ( ካልኣይ ክፍሊ) ምእታውና እንረኽቦ ፣ እቲ መልኣኽ ነቲ ብዓቢይ እምኒ ዝተዓጽወ መቓብር ገልቢጡ ብምኽፋት ኮፍ ዝበለሉ ፍንጫል እምኒ ኣሎ። ጎይታ ኣብ ዝተቐብረሉ ቦታ ዓመት ዓመት ቅድሚ ፋሲካ ዘሎ ቀዳም ( ቀዳም ስዑር) ብተኣምራት ዝበርህ መብራህቲ ኣሎ ፣ ካብ’ዚ ሓዊ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ሽምዖኦም ይውልዑ።
ናይ ቅዱስ መቓብር ቤተክርስቲያን (THE CHURCH OF HOLY SEPVICHRE)
ካብ ምዕራፍ 10 ክሳብ ምዕራፍ 14 ኣብ’ዚ ቤተክርስቲያን ተጠቓሊሉ ዝርከብ ኮይኑ ብተወሳኺ ኣብ -ውሽጡ ካልእ ታሪኻውያን ቅዱሳንን ቦታታት ኣሎ። ንኣብነት
- ናይ በዓል ዮሴፍ ኣርማትያስ ብእምኒ ዝተጸርበ ናይ መቓብር ቦታ ኣብ ውሽጢ በዓቲ መሳሊ ኣሎ። እዚ ቦታ ብድሕሪ ናይ’ቲ ጎይታ ዝተንስኣሉ ቤተክርስቲያን መእተዊ ወይ ድማ ፊት ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ትሕዝቶ ይርከብ።
- ብ326 ዓ.ም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እጸ መስቀል ብንግስቲ ኢለኒ ኣብ’ዚ ቦታ ተረኺቡ ። እዚ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ናብ ታሕቲ መሬት ብኣስካላ ምስ ወረድና ብኣርመናውያን ዝውነን ናይ ቅድስት ኢለኒ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰርሐሉ ኮይኑ ኣብ ልዕልኡ ናይ ኢትዮጵያውያን ቤተክርስቲያን ኣሎ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ናይ ቅድስት ኢለኒ ቤተክርስቲያን ዝተፈላለየ ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ዝገልጹ ኣሳእልን ፣ሓወልቲ ናይ ንግስት ኢለኒ መስቀል ሒዛ ኣሎ። ናይ ጎይታ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ብየማናይ ሸነኽ ናይ’ዚ ሓወልቲ ኢዩ።
- ካብ ምዕራፍ 13 ብጸጋማይ ሸነኽ ኣብ ትሕቲ ደርቢ ናይ ምዕራፍ 12 ጎይታ ክስቀል ከሎ ካብ ዝነበሩ 7 ተኣምራት ሓደ ብተኣምራት ዝነቅዕ እምኒ ኣብ መንደቕ ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ኣሎ። ካብ’ዚ ቦታ ነየማን ኣቢሉ ቅድሚ ናይ ጎይታ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ምብጻሕና ብቬትሮ ዝተኸለለ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነጽፈ እምነበረድ ዘለዎ እምኒ ኣሎ። ንጎይታ ቅድሚ ምስቃሎም ኣብ’ዚ እምኒ ኮፍ ኣቢሎም የላግጹሉን የሳቕይዎን ኔሮም ። ኣብ መንደቕ ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ዝገልጽ ቅዱስ ስእሊ ኣሎ።
- ማእከል ናይ ዓለም ምዃኑ ዝእመነሉ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ መቓብር ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝዓበየ ፣ ኣብ ማእከል ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግሪኻውያን ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ናይ ቅዱስ መቃብር ተጠቒሱ ዘሎ ቅዱሳን ቦታታት ኣብ ዙርያ እዚ ቤተ ክርስቲያን ይርከብ ።
ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ መቃብር ኣብ 135 ዓ.ም ብሮማውያን ዝተሰርሐ’ኳ እንተነበረ ብድሕሪ’ዚ ንግስት ኢለኒ ኣብ መወዳእታ 3ይ ክፍለ ዘመን እዚ ብጣዕሚ ዓቢይ ጌረ ኣህኒጻቶ ኔራ እያ። ኣብ 614 ዓ.ም እዚ ቤተ ክርስቲያን ተቓጺሉን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ናይ ጎይታ መስቀል ተማሪኹ ተወሲዱ ኔሩ፣ እንተኾነ ግና ኣብ 630 ዓ.ም እቲ ዝተማረኸ መስቀል ናይ ጎይታ ካብ ምርኮ ተመሊሱ ፣ እቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ልክዕ ንግስት ኢለኒ ኣህኒጻቶ ከምዝነበረ ተሃኒጹ እዩ።
እዚ ሎሚ ተሰሪሑ ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ንግስት ኢለኒ ኣህኒጻቶ ካብ ዝነበረ ዝንእስ ኮይኑ ብሰንኪ መግዛእትን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት ( ከም ምቅጻልን ምንቅጥቃጥ ምድርን) እንዳዓነወን እንዳተሓደሰን ፣ ኣብ ጥቅምቲ 18,1009 ዓ.ም ብፋቲሚድ ካሊፍ ( Fatimid kaliph) ድሕሪ ምፍራሱ ብመስቀላውያን ( crusader) ዝተሃንጸ እዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዝዓበየ ክፋል ናይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብግሪኽ ኦርቶዶክስ፣ ብሮማን፣ ብካቶሊክ፣ ብኣርመን ዝውነን ኮይኑ ብደገን ውሽጥን ድማ ሶርያ ፣ ግብጽን ኢትዮጵያን ንእሽቶ ቦታ ኣለዎም። ካብ 12 ክፍለ ዘመንን ጀሚሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተማሓላለፈ ማዕጾ ናይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ክኽፈቱን ክዓጽውን መፍትሕ ዝተረከቡ ስድራ ሙስሊም ኢዮም። እዚ ድማ ብሰንኪ እቶም ወነንቲ ናይዚ ቤተክርስቲያን ዘይምስምማዕ ዝተገብረ ኢዩ።
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
መወከሲ-ትርጓሜ ኣርባዕቱ ወንጌል ብግዕዝን ትግርኛን
-ኪዳነ ጽድቅ የቅዱስ ማቴዎስ ወንጌል ማብራሪያ
ብቀሲስ ደጀኔ ሺፈራው፡ዲንያቆን ታደሰ ወርቁ፣ዲንያቆን ብርሃኑ ኣድማስ
ጽርሃ ጽዮን መጽሔት (ት/ሰ/ማ/ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል)ጥሪ 2005/2013
Leave a comment