Skip to content
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
ሲኖዶስ እንታይ ማለት እዩ፧
ሲኖዶስ ናይ ቃሉ ትርጉም ግሪኽ ኮይኑ ጉባኤ ጳጳሳት ማለት እዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ አበው ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዶግማ ቀኖናን ሥርዓትን ትውፊትን ከምኡውን ምሕዳራ ዝማኸርሉ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ዓቢይ ጉባኤ ማለት እዩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ማለት ፓትርያርክ፡ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት፡ ኤጲስ ቆጶሳት ዝገብርዎ ዓቢይ ጉባኤ እዩ።
ብርግጽ ብሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ። ኣብ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝዓቢ ካልእ ምድራዊ ኣካል ፈጺሙ የልቦን፡ ክህሉ’ውን ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ ከኣ ብፓትርያርክ ዝምራሕ ጉባኤ ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ ሓጋጌ ሕግ ዝኾነ በይናዊ ኣካል ከኣ ንሱ ጥራይ እዩ። ፓትርያርክ ተጸዋዕነቱ ንቅዱስ ሲኖዱስ እዩ። እምበር ልዕሊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣይኮነን። ሓደ ፓትርያርክ ብቅዱስ ሲኖዶስ ምስተቐብአ (ላዕለዋይ ሽመት ምስተቐበል) “ብፁዕ ወቅዱስ ኣባ እገሌ” ተባሂሉ ይጽዋ። እታ “ብፀዕ” እትብል ንኹሎም ብፁዓን ጳጳሳት መጸዊዒኦም እያ። ብፁዕ ዝብሃል ዝነበረ ፓትርያርክ ምስ ኮነ “ቅዱስ” ዝብል ቅጽል ይውሰኾ (ብፁዕ ወቅዱስ ) ይብሃል ማለት እዩ። ነታ “ቅዱስ” እትብል ካብቲ “ቅዱስ ሲኖዶስ” ዝብል ዝወሰዳ ተወሳኺት መዓርግ እያ።
ምኽንያቱ ንቅዱስ ሲኖዶስ ስለ ዝመርሕ ። ስለዚ ብዘይ ፓትርያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣይብሃልን እዩ ዝብል መሠረታዊ ስሕተት ትምህርቲ እዩ። እዚ ናይ ተሓድሶ መደናሪ ትምህርቲ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ንፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ዝብል ስም ዝህቦ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ። ብናይ ኩለን ኣኃት ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ (ኣባል) እዩ እምበር ልዕሊኡ ኣይኮነን።
#ቀንዲ ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ##
ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀንዲ ዕላማ ሓድነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሕላው እዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምልክት (ኣርማ) ናይ ሓድነታ እዩ። ኣብ ገጊዚኡ ንዝመጻ ክሥተታት ዶግማዊ ፡ ቀኖናዊ ሥርዓታን ትውፊታን ከምኡውን ምሕደራ ንኸይፈርስ ምሕላው እዩ። በዚ መሠረት ኣብ እምነታ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝልዓል መብርሂ ምሃብ፡ ሓደስቲ ኣስተምህሮታት ምስ ዝመጹ ድማ ብዶግማዊ መገዲ ምርቃቕን ምቕናዕን፡ ናይ ጾምን ጸሎትን ሥርዓት ምሥራዕ ንሕዝቢ ዝጓስዩ ኣበው ጳጳሳት፡ መምሃራን ፡ ካህናት ምምዳብ ቀንዲ ሥራሕ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ።
ከምቲ እንፈልጦ ክርስትና ብማኅበር ዝንበር፡ ብማኅበር ናብ ሰማያት ዝግበር ጉዕዞ ሕይወት እዩ። ስለዚ እዚ ማኅበረ ምእመናን እዚ ብዝኾነ ምኽንያት ንኸይብተን እቲ ቀንዲ መርኣያ ናይ ሓድነት ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ እንተዘይ ሃልዩ ኅበረት ክህሉ ኣይካልን እዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይርእሲ ኣካላት ክሓብሩ ስለዘይክእሉ። ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ ርእሲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ።
ስለዚ ምእመናን ኩሉ ጊዜ ኪሰምዕዎ ዝግባእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ካብዚ ናይ ሓድነታ መገለጺ ዝኾነ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝመጽእ ድምጺ ጥራይ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ክርስቲያን ኩሉ ጊዜ ብኣነባብርኡ ነቶም ቅዱስ ሲኖዶስ ዝድንግጎም ድንጋጌታ (ውሳኔታትን ሕግታትን) ተገዛኢ፡ ተኣዛዚ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኣይተሰመማምዓንን እዚ ኮርኲሕኒ ኢሉ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ነዚ ጥሒስካ ምኻድ ካብ ናይ ሕይወት መገዲ ዝፈሊ ኣካይዳ እዩ። ካብታ ናይ ሕይወት መርከብ ዝኾነ ኅብረት ቤተ ክርስቲያን ዘወፀ ድማ ሕይወት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ።
ብፁዕ አቡነ ባሲልዮስ 6ይ ርእሰ አበው (ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ) እግዚአብሔር ንሃገርናን ንሕዝብናን ንዓለም ዝበርኹ ይግበረልና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ሉዕል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!
Leave a comment