በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!
ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም (ምኩራብ)
በዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ስለ ዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ዝፈወሶም ሕሙማን፡ ዝገሰጸም ኣጋንንትን ብሓፈሻ ዝንገረሉ ቅንያት እዩ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ እቲ ናይ መጨረሽታ ምኽንያት መምጺኡ ዝኾነ ተበጃውነት ምፍጻሙ፡ ብብዙሕ መገድታት ብቓልን ብግብርን ንብዙሓት ሰባት ብትምህርቱ ኣጸናኒዑ ብዙሕ ናይ ድሕነት፡ ናይ ብስራት፡ ናይ ተስፋ ቃላት ምሂሩ እዩ። ብዙሓት እውን ካብቲ ዝነበሮም ግጉይ ኣካይዳ ምንዝርና፡ ኣምልኾ ጣዖት፡ ስስዕቲ ወዘተ ተገላጊሎም ብትምህርቱ ቅኑዕ ናብራ ክመርሑ ኣኽኢልዎም እዩ። እቶም ኣንጻር ትምህርቱ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጸሓፍትን ሊቃውንትን ኣይሁድ ከይተረፉ ካብ ትምህርቱ ብዝተላዕለ ኣዝዮም የድንቕዎ ነበሩ (ሉቃ 2፡47)። ነዚ ኩሉ ዘደንቕ ትምህርቱ ምስ ረኣዩ እዮም ከኣ ካብ ቅንኣት ተላዒሎም ብዙሕ ሳዕን ኣብ ብዙሕ ግዜን ክቐትልዎ ዝሓስቡ ዝነበሩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ቀደም ዘመን “ኣብ ማእከልኩም መታን ክነብር መቕደስ ግበሩለይ”(ዘጸ 25፡8) ኢሉ ዝኣዘዘ ኣምላኽ፡ ንሱ እቲ ሰራዒ ሕጊ ምዃኑ ከፍልጥ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እንዳ ኣተወ፡ ይምህርን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ። ቅድሚ ስቕለቱ ዝነበረ ሰሙን ኣብ ቤት መቕደስ ካብ መንፈሳዊ ስራሕ ወጻኢ ናይ ንግድን ሸቐጥን ተግባራቶም ዘሰላስሉ ዝነበሩ ሰባት እውን ብጩግራፍ ኣውጺእዎም እዩ(ዮሓ 2፡13-25)። እዚ ከኣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንጸሎትን ንምህልላን እምበር ካብኡ ወጻኢ ካልእ ተግባር ዘይፍጸመሉ ምዃኑ ዘግሃደሉ እዋን እዩ ነይሩ። ቅድም ኣቢሉ ብኣምላኻዊ ቃሉ ንጥበብኛ ሰሎሞን ስለ ቤት መቕደስ ኣብ ዝተዛረበሉ ግዜ፡ ነታ ዝሰርሓ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣብኣ ንዝጽለ ጸሎትን ንዝልመን ልማኖን ክሰምዕን መልሲ ክህብን ምዃኑ ቃል ኣትይሉ እዩ(1ነገ 8፡22-መፈ, 1ነገ 9፡1-9)። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እቲ ትማሊ ንእስራኤላውያን እዚ ቃል ዝኣተወ ኣምላኽ ሎሚ እውን ዘይቅየር፡ ንሓሳባቱ ዘይልውጥ ብዝሃቦ ተስፋ ከኣ ዘይጥዓስ ምዃኑ ኣሚንና ኣብታ ብስሙ ዝተሰምየት ቅድስት ቤት መቕደስ ተረኺብና ንኣምላኽ ነመስገን፡ ጸሎት ንገብር፡ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ከኣ ንፍጽም። ዝሓለፉ ኣቦታት ብዝመሃሩና፡ ሐዋርያት ብዝሰበኹልና እምበር ንሕና ዘምጻእናዮ ሓድሽ ኣይኮነን። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ራእይ መጽሓፉ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ “ተንስእ እሞ ነቲ መቕደስ ኣምላኽን ነቲ መሰውእን ዓቅኖ ነቶም ኣብኣ ዝሰግዱ ዘለዉ እውን ፍቐዶም”(ራእ 11፣1)። ስለዚ እምበኣር ኣብታ መሰረትን ዓንድን ዝኾነት ቤት መቕደስ ናይቲ ልዑል ኣምላኽና እግዚኣብሔር ተሰሪትና ክነብር ይግባኣና። ካብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ወጻኢ ሕይወት የለን። ሕጊ ኣምላኽ ዝፍጸመሉ ኣብታ ኣፍ ደገ ሰማያት ዝኾነት ቤት ኣምላኽ እዩ።
ሎሚ ዓለምና ንቤት ኣምላኽ ገዲፋ ትኹብልለሉ ኣብ ዘላ ግዜ ንሕና ከመይ ዝበልና ሰባት ኮይና ክንጸንሕን ክንህሉን ከም ዝግብኣና ሎሚ ክንሓስበሉን ክነብረሉን ዝግብኣና እዋንን ግዜን እዩ። ስለ ሕይወት ወዓል ሕደር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብርሃን ዓለም፣ ምሩጽ ኣቕሓ ዝተሰምየ ናይ ደማስቆ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ብኣርብዓን ብሰማንያን መዓልትና ብጥምቀት ኣቢልና ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነት ሰብነትና ክነርክሳ፣ ካብ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ፡ ማሕደር ርኹሳት ኣጋንንቲ ክንገብራ ከምዘይብልና ገሊጹልና ኣሎ፣ “እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እሞኸ ድኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ክገብሮ ዶ ይግባእ እዩ፧ ያእ ኣይፈኣለይን” እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም” ከም ዝብለና ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ ምስኣ ሓደ ኣካል ከምዝኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጎይታ ሓደ ዝኸውን ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ ሰብ ዝገብሮ ሓጢኣት ኩሉ ካብ ሰብነቱ ወጻኢ እዩ ዝገብር፡ ዝምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዝሓጥእ። ሰብነትኩም ቤት መቕደስ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልኩምዎ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣይኮንኩምን፡ ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም ስለዚ ንኣምላኽ ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ”(1ቆሮ 6፡15-20)። ስለዚ እምበኣር ንሕና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ዕራቑ ተሰቒሉ፡ ስለ ድሕነትና ብዙሕ መከራ ተቐቢሉ ንዓና ንደቁ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍጹም ሰላም ከም እንረክብ ዝገበረና ስለ ዝኾና ጽባሕ ኣብታ እንጽበያ ዘሎና ዘለኣለማዊት ናይ ዕረፍቲ ስፍራ መታን ክንህሉ ሎሚ ኣብታ ብደሙ ዝተምስረተት ቅድስት ቤት ንሃሉ። ቅዱስ ዳዊት ከም ዝበሎ ኣብ ቤቱ ክንርከብ ኩሉ ግዜ ሃረርታን ፍጹም ፍቓድን ክህልወና ኣለዎ(መዝ 122፡1)። ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ምስ እንህሉ ኢና ከኣ ካብቲ ዘየዕርፍ ምንዋጽ ናይ ባሕሪ ኣብታ መርከብ ተዓቒብና እንሓልፎ እሞ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ናይ ቤት መቕደሱ ፍቕሪ ኣብ ልዕሌና ከዛይድ፡ ካብ ይመላለስ ነይረ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነይረ ካብ ምባል ይሰውረና፡ ክሳዕ ምጽኣቱ ኣብ ቤቱ የጽንሓና።ኣሜን!!!
መዝሙር ንባባት ምስባክ
ቦኣ ኢየሱስ ምኩራበ ኣይሁድ ቆላ 2፡17-መፈ መዝ 69፡9-10
ያዕ 2፡14-መፈ, ግ.ሓዋ10፡1-9
ዮሓ 2፡12-መፈ
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!