በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።
ስያመን ትርጉምን ጳጉሜን
2ይ ክፋል
ጳጒሜን ኣብ ባህልና
ጳጒሜን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ትርጓሜን መልእኽትን ብውሑድ መጠን ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዩ። ዘመነ ተኸቲሉ ምስቲ ሓረስታይ ሕዝብናን ምስ መሬትን ዘመናትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ጥንታዊ ኣነባብራናን ከኣ ንጳጒሜን ናቱ ዝኾነ ባህላዊ ገጻት ኣልቢስዎ ይርከብ ኣሎ፡፡ ባህልና ቅዱስ እዩ ክንብሎ ከሎና’ውን መሰረቱ ቅዱስ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ። እቲ ብቃልን ብጽሑፍን እንፈልጦ ትእዛዛትን ፈቓድ እግዚአብሔር ኣብቲ ባህልና ብግብሪ ሰሪጹ ተዘሪኡ በቚሉ ተኮስኲሱ ፈርዩ ዝርከብን ዝረኣይን ስለዝኾነ እዩ።
ጳጒሜን ከኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ሕብረተ ሰብውን ዝልለየሉን ዝፍጸመሉን ናቱ ዝኾነ መግለጺ ኣለዎ። ገለ ካብኣቶም ኣሕጽር ኣቢልና ክንገልጾም ኢና።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ወርሓት ጳጒሜን መሰጋገሪ ናብ ሓድሽ ዓመት ከም ምዃና ብመንጽር ዘመነ’ውን ክረአ ከሎ ጠባያት ንፋሳት ዝቐያየረሉ መሳጋገሪ ኮይና ትጥቐስ እያ። እዚ ከኣ ሓረስታይ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ካብቲ ኵሉ ዝሃልኮን መከራ ዝጸግበሉን ጭቃን ጨፈቃን፡ ጥምየትን ዝናብን፡ ቁርን ኣሳሕይታን ከምኡውን ናይ ማሕረስን ዘርእን ምጕልጓልን ወዘተ ሰጊሩን ተገላጊሉን ናብቲ ሰማያት እናጸረዩ ዝኸዱሉ ብርሃን ዝበርሃሉ፡ ኣእካል ናብ ፍረን ሸዊትን ዝበጽሓሉ ተስፋ ምድሪ ዝልምልመሉ ብሓፈሻ ናብ ወርሓት ራሕስን ጽጋብን ንምስግጋር ዝቐራረበሉ ወርሓት እዩ፡፡
ወርሒ ነሓሰ ሓሊፉ፡ እቲ ጻምኡ ክረክብ ፍሬኡ ክበልዕ ብተስፋ ዝጽበ ሓረስታይ ጸየቕቲ ኣዋርሕ ተባሂለን ዝጽወዓ መዓልታት ጳጉሜን ምስ ኣትወ ዝተፈላለየ ጥንቃቐን ኮለላን እናካየደ ይጸንሕ። ኣብ ዕለታት ጳጒሜን ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ሃገርና ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ዝናም ዳርጋ ወዲኡ እዩ፥ በረኻ ለሚዑ፥ ዚዕምብበሉ ጊዜ፥ ዘራእቲ ዝፈርየሉ እዋን ኢዩ። ብበረኻ ክትሓልፍ እንከሎኻ ወሓይዝ ኪዛርዩ፥ ናይቲ ኣብ ገምገም መገዲ እናጐላዕለዐ ዚበቁለ ሓዲሽ ሳዕሪ ሽታ ተፈለዮ ኣይመጸካን፡፡ እዚ እዋን እዚ ኣእካል ጨልጊዑ ከስውተሉ ዝቐረበ መዓልታትት ኮይኑ እቲ ሸኻን ጐቦታትን ብልሙዕ ሳዕርን ለምለም ኣግራብን ዝተኸድነሉ ንጥዕና ዝሰማማዕ ጥዑም ንፋሳት ዝነፍሰሉ እዩ። እቲ ተሓሪሱ ተዘሪኡ ዝበቖለን ክስውት ዝቐረበን ልሙዕ ኣእካል ንኣግራብን ከኣ ንፋስ ነነው ነነው ከብሎ ከሎ ንሕልናኻ ዝህቦ ዕግበት ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥሮ ፍስሓ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ።
እንስሳታት ዘቤት ብኹሉ ማለት ብሳዕሪ ብማይ ጽጉባት ስለዝኾና በሊዐንን ሰትየንን በብናተን ሓጐሰን ዝገልጽ ድምጺ ክድሃያ ምስማዕ ነቲ ዋንአን ሓረስታይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ባህ ዘብል እዩ። ለምዒ ስለ ዝበልዓ ዒባአን ለምዒ እዩ። ፍረ ምድሪ ኣብዚ ቅነ እዚ ጌና ናብ ኣፍ ስለዘይበጽሕ ሓረስታይ ዕለት ድራሩ ኣብ ኣሕምልቲ እዩ ዝምርኮስ፡ በቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምሉእ ተስፋ ንኣምላኹ እናመስገነን እናተማኅፀነን ዓቕሊ ይገብር። እተን ኣሓ ጽጉባት ስለዝኾና ጸባ ከም ምስታይካ እዩ። ልኻይን ጠስሚውን ከምኡ።
ጓሶት ከኣ ጥሪቶም እናጓሰዩ ሽግ ንቅዱስ ዮሓንስን መስቀለን ዝኸውን ይኣራርዩ፡ ይሰብሩ፡ የዳልዉ። ብቅጫን ጸባን ኣዝማደ ጸባን ተቋስዩ ዝተመልአ ከብዲ ድማ ብተሓጓስ ጥሪቶም እናኸብኮቡ ካብ ዝወፈሩሉ ከምለሱ ከለዉ ብድምፂ ጭጒራፍ ምምጽኦም የበስሩ። ብሓፈሻ እቲ ኣብዚ እዋን ጳጒሜን ዘሎ ኩነታት እምብዛ ብዙኅን ደስ ዘብልን እዩ ኢልካ ምጥቕላሉ ይሓይሽ።
ጳጒሜንን ወራዙን (ኣጕባዝ ጕራዙን)
ቅድሚ ኣዕዋፍ ጩቕ ምባለን ንማይ ምጥዓመንን፡ ማይ ጳጒሜን ከሕጸባ ኣዋልድን መርዑን ዓዲ እኽሊ ከይጠዓማ ጌና መሬት ብጸልማቱ ከሎ ኣንጊሀን ካብ ሀህድሞአን፦
“ኣደየ ኣብርህለይ ከወርዶ ማየ
ይብርሃኺ ጓለይ ውረድዮ ማየ”
ክርዳድ ዘይብሉ ዝኣረኸዎ
ሳዓ ዘይብሉ ዝመመኸዎ”!!!
ብዝብል ባህላዊ ዜማ እና ተቐባበላ ካብ በቤተን ተፋንየን ይወጸ። እዚ ከኣ ብኣደ እና ተመሰለት ዝዝመረላ ዘሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እዚ ከኣ እተን ኣዋልድ ኣደይ ኣብርህለይ’ ብምባል ናታ ኣማላድነት ተራዳእነት እየን ብዜማ ዝሓታ። እዚ ከኣ ናብቲ ማይ (ማየ ሕይወት) ወሪድና ነፍስና ክንሕጸብ (ካብ ሓጢኣት ክንነጽሕ) ብርሃን ወድኺ ኣብርህልና እናበላ እየን ብምሳሌ ዝልምና። እዚ ከኣ ብተምሳል ናይ ግዳም ንጽሕና ናይ ነፍስ ንጽሕና ከረኸባ እየን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ዝሓታ። ኣብቲ ዝቕጽል ዜማ’ውን ከምቲ ክርዳድ ካብ
ስርናይ ንፈልዮ፡ ነቲ ደቂቕ ካብቲ ፍሩይ እንፈልዮ ንዓና’ውን ካብ ሓጢኣትን ክፉእ ስራሕን ኣርሕቕና እናበላ እየን ዝልምና ፡፡
“ጳጒመንየ ኣብ ማይ ጳጒመን ትሕጸባዶ ኣብ ማየ ጳጒመን”!!!
እናተበሃህላ ከኣ ኣብ ምጽውዋዕን ምትእኽኻብን፡ ከበሮ እና ወቕዓን ድሙቕ ጣቕዒት እናጣቕዓን እናተዋዘያ ናብ ርባ ይወርዳ። ኣብኡ ምስ በጽሓ ከኣ ብሓንሳእ ኮይነን ብነጸልአን ተጋሪደን ተሓጺበንን ተገጫጪበንን ምስቶም ኣጕባዝ እናተዋዘያ ባህላዊ ጸዋታ እናተጻወታ ጌና መሬት ኣጸቢቑ ከይበርሀን ከይወገሐን ከሎ ናብ ዓዲ ይምለሳ። ከምኡ ኸኣ ኣብ ምምላሰን፦
“ኣደየ ኣብ ርህለይ ክወርዶ ማየ
ውረድዮ እዛ ጓለይ ጥዕና ኣለዎ እዚ ማየ፡
ተሓጺብክንዶ ማይ ጳጒሜን ተሓጺ ብክንዶ፧
ተሓጺብና እወ ጥዕና ኣለዎ”
እናበላ ብምጽዋት ናብ ዓዲ ይኣትዋ፡፡
ንቅዱስ ዮሓንስ ብኽብሪ ንምቕባል ከኣ ኵሉ በብናቱ ምድላዋቱ የጻፍፍ። ሕሩድ ብወገን ሰብኡት፡ መግብን ቀመማቱን ምስ ስዋ ብወገን ኣንስቲ፡ ክዳንን ቍኖን መመላኽዒን ሽልማትን ብወገን ኣዋልድ ወዘተ ፍሉይ ምድላዋት እዩ ዝግበር። ብፍላይ ብወገን ሓደስቲ መርዑ ኣዝዩ ፍሉይ ምድላዋት እዩ ዝግበር።
ብሓፈሻ እዋን ጳጒሜን ብዙሕ ትምህርትን መልእኽትን ከምኡውን ምስቲ ጥንታዊ ኣነባብራና ከኣ ጥቡቕ ምትእስሳርን ዝምድናን ዘለዎ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ፡፡ ንስሓ ዝእወጀሉ፡ ብንስሓ ጽርየትን ተሓድሶ ህይወት ዝርከበሉ፡ ምጽኣት ክርስቶስ ዝስበኸሉ፡ ብስጋዊ ተምሳል ናብ ሓድሽ ዘመነ መንፈሳዊ ምስግጋርና ብሓድሽ ህይወት ዝዳለዉሉ እዩ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።
2/፪ ጳጉሜን ዕረፍቲ ቲቶ
ቲቶ ማለት ሠርቅ ማለት እዩ። ሃገሩ ድማ ቀርጤስ እዩ፡፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ኣረማውያን ዘይኣመንቲ ነበሩ፡፡ ንሱ ግን ርህሩህ፡ ንዝተሸገሩ ዝረድእ ሕያዋይ ነበረ። ቲቶ ሓደ ለይቲ ደቂሱ ከሎ ራእይ ረኣየ። ንሱ ድማ “ሱር ዘይብሉ ገረብን ዓንዲ ዘይብሉ ኣዳራሽን ከጸንዕ ይኸእል ድዩ፧ ከይኣመንካን ከይተጠመቐካን ምግባር ንበይና ኣይተድሕነካን እያ” ዝብል ራእይ ርኣየ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ እናተመላለሰ የሰግሮ ነበረ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቀርጤስ ወሪዱ ከስተምህር ከሎ፡ ዕዉር ከርኢ ምዉት ክትንስእ ከሎ ምስ ረኣዮ ተኸተሎ ። ክሳዕ ፍጹምነት ከም ዝበጽሕ ምስ ረኣዮ ከይተገዝረ ከኣ ይኸተሎ ነበረ። ኣብ ፍጹምነት ምስ በጽሐ ኤጲስቆጶስ ኮይኑ ናብ ቀርጤስ ከደ። ኣብ ናቆጽል ዝተባህለ ቦታ ከሎ “ከምዚ ግበር፡ ከምዚ ኣይትግበር” ዝብል ጽሑፍ ካብ ጳውሎስ ብኢድ ኣርጣማ ተቐበለ። ንሱ ድማ ወንጌል ናብ ዘይበጽሐ ከብጽሕ ንህዝቢ ካብ ኣረማውነት ናብ መገዲ ህይወት ከመልስ ይምህር፡ መጻሕፍቲ ኣንቢቦም ከምሃርዎም፡ ቀዲሶም ዘቐርብዎም ካህናትን ዲያቆናትን ሸይምሎም በዚ ዕለት እዚ ዓረፈ።
ይቕጽል………….
Leave a comment


