በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!
ስያመን ትርጉምን ጳጉሜን 3ይ ክፋል
ጳጒሜን ኣብ ባህልና
3/፫ ጳጒሜን በዓሉ ለቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክ
ቅዱሳን መላእኸቲ ብቅዱስ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ ንብዙሕ ዝዓይነቱ ኣገልግሎት ዝለኣኹ ፍጥረታት እዮም። ልቢ ኣምላኸ ቅዱስ ዳዊት “መልኣኸ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም”(መዝ 34፡7) ከም ዝበለ ኩሉ ጊዜ እግዚኣብሔር ከም ዝፈቐደሎምን ስልጣን ከም ዝሃቦምን መጠን ንምሕጋዝና ንምድጋፍና ንምጽንናዕና ብትግሃት ዝዓዩ እዮም። ብኣንጻሩ እውን ነቶም ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ንኣምላኽ ምእዛዝ ንዝኣብዩ ሰባት ዝቐጽዑ ሓያላን ምዃኖም ምግንዛብ ይግብኣና።
ቅዱሳን መላእኽቲ ብተፈጥረኦም ረቀቕቲ መናፍስቲ ስለ ዝኾኑ ስጋን ዓጽምን የብሎምን። ሓንሳብ ምስ ተፈጥሩ ኣይውሰኹን ኣይጎድሉን፡ ኣይዋሰቡን፡ ኣይፈርዩን፡ ኣይሓሙን፣ ኣይሞቱን፡ ኣይደኸሙን፡ ኣይጠምዩን፡ ኣይጸምኡን። እዚ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዘረድኣና መሰረት’ዩ። ሰዱቓውያን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ብዛዕባ እታ ሸውዓተ ኣሕዋት ዘእተወት፣ ኩሎም ምስ ሞቱ ከኣ ንሳ ኣብ መጨረሽታ ዝሞተት ሰበይቲ፣ ኣብ መጨረሽታ ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ምውታን ናይ መን ሰበይቲ ከትከውን ኢያ ኢሎም ኣብ ዝሓተትዎ ጊዜ ከምዚ እናበለ መለሰሎም “ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኢዮም እምበር ፣ ኣይምርዓዉን” (ማቴ
22፡23-30) እዚ ከኣ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ሰብ ናይ መውስቦ ስርዓት ከም
ዘይብሎም ዘብርህ እዩ (ሉቃስ 24፡39, ዕብ 1፡14)።
ስለዚ ቅዱሳን መላእኽቲ ኩሉ ጊዜ ብዘይ ድኻም ብዘይ ምስልካይ ንዝፈጠሮም ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመስግኑ ንዓና ንደቂ ኣዳም ኣብ ህይወትና ዓቢ ተራ ዘለዎምን እዮም።ብዛዕባ እቲ ዓቢ ድሕነት ናይ ኣምላኽና ናይ እግዚኣብሔር ዘበሰሩ(ሉቃ 1፡ 26) ሓጎስ ምድሓኑ ዝኣወጁ ብድሕነትና ባህ ኢልዎም ንቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመስገኑ(ሉቃ 2፡8-15)፡ነቲ መስፍን ሰላም ዝተባህለ ከርስቶስ ኣምላኸና ምኽንያት መሰደዲኡን ዝስደደሉ ቦታን ካብ ስደት ዝምለሰሉ ዘመነን ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ከቡርን ዓብን ዕለተ ትንሳኤ ብደስታን ብሓጎስን ከብሪ ኣምላኽ ዝገለጹን ተስፋ ትንሳኤ ዘበሰሩ(ማቴ 28፡1-10) ኣብ መወዳእታ’ውን ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ማእከል ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ
ሰማይ ብኸብሪ ኣብ ዝዓረገሉ ጊዜ ዳግማይ ምጽኣት ከርስቶስ ዝመስከሩን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዘጸናንዑን ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም (ግ.ሓዋ 1፡9- 11)::
እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ከርስቲያን ቅዱስ እግዚኣብሔር ስለ ዘኸበሮም፡ንዓና ንደቂ ኣዳም ኣብ ብዙሕ ናይ ህይወትና መድረኻት ሓገዝትናን ረዳእትናን ስለ ዝኾኑን ብስሞም ቤተ ክርስቲያን፡ ማይ ጸሎት ትሃንጽ ኩሉ ጊዜ ከኣ በዓላቶም እና ኣኽበረት ነዚ ጸጋን ቅድስናን ንዝዓደሎም ኣምላኸ ናይ ኣምልኾ ምስጋናን ስግደትን ንቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ናይ ጸጋ ምስጋናን ስግደትን ተቕርብ።
ካብ እዞም ብቑጽሮም ብዙሓት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእከት ሓደ እምበኣር ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሩፋኤል እዩ። ሩፋኤል ማለት ፈታሔ ማህጸን፡ከሙኡ’ውን ዕረፍቲ ኣምላኽ ማለት እዩ።
ቅዱስ ሩፋኤል ካብ ሊቃነ መላእከት ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ “አንሰ ስምየ ሩፋኤል ሣልሳይ እምሊቃነ መላእከት ወሚካኤል ሊቀ መላእከት ቀዳማይ ርእሰ ኩሎሙ መላእክት ወስሙ መስተሣህል፡ ወገብርኤልኒ ካዕበ ውእቱ ሊቀ መላእክት ዳግማይ ወትርጓሜ ስሙ ኣምላከ ወሰብእ፡ ዘተፈነወ ኃበ እግዝእተ ኩሉ ፍጥረት ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላከ ከመ ይዜንዋ ልደቶ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት እምኔሃ” ከም ዝበለ (ስንክሳር ጳጒሜን ፫)።
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና በዚ ዕለት እዚ ተስካረ በዓሉ ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ዝኽበረሉ ስለ ብዙሕ ነገራት እዩ። ንሱ ከኣ “ኣነ ውእቱ ሩፋኤል ዘሤመኒ እግዚኣብሔር ላዕለ ፳ወ፬(24) ሠራዊተ መላእክት ከመ ንሰብሖ ለእግዚኣብሔር ኣብ ወወልድ መስተሣህል ወለመንፈስ ቅዱስ ናዛዚ”ከም ዝብል(ስንክሳር ጳጒሜን ፫፥ ዝተሸመሉ ዕለት ፡ ንጦቢት ካብ ዑረት ዓይኒ ንሳራ ፈዊሱ ናብ ወዱ ጦብያ ከም ትምርዖ ዝገበረሉ ከኸውን ከሎ ከምኡ ከኣ ቅዳሴ ቤቱ ዝተፈጸመሉ ዕለት እዩ።
ስሜቱ
ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ናይ ቤተ ከርስቲያን ቅዱሳን መጻሕፍትን ድርሳናትን ከም ዝገልጽዎ በዚ ዕለት’ዚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ቅዱሳን መላእክት ሓለቓ ገይሩ ዝሸሞ ዕለት እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ብናይ ሊቃነ መላእከት መዓርግ ንቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ተኸቲሉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።
ቅዳሴ ቤቱ
ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎፍሎስ ኣብ ዝነበርሉ ዘመነ ብዙሕ ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ። ካብተን ኣብ ዘመኖም ዝተሓንጻ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእከት ኣብ ልዕሊ ዓሳ ነባሪ ዝተሓንጸት ነበረት። በዚ ዕለት እዚ ከኣ ቅዳሴ ተገብረ። እንተኾነ እቲ ናይ ጥንቲ ገበል ማለት ዲያብሎስ ንክርስቲያን ካብ ምስዳድ ስለ ዘይዓርፍ ነታ ኣብ ልዕሊ ዓቢይ ዓሳ ተሰሪሓ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኣናወጸ ካብ ብዝሒ ምንዋጽ ናይቲ ዓሳ ዝተላዕለ ካኣ እታ ቤተ ክርስቲያን ከትፈርስ ደለየት። እንተኾነ እቲ ሓያል፡ ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ብቕጽበት መጺኡ“ብቓል እግዚኣብሔር ኣብ ዘለኻዮ ቁም ካብኡ ከይትንቀሳቕስ” ኢሉ ብኲናት ገይሩ ወግኦ። እቲ ኣብቲ ዓሳ ሓዲሩ ከናውጻ ዝጸንሐ ስይጣን ከኣ በቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ተገሲጹ ወጸ እታ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ሃድአት።
ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ጦብያን ዝፈጸሞ ተራዳእነት
እንሆ ጦቢት ዝበሃል ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብመገዲ እግዚኣብሔር ዝምራሕ ምጽዋትን ዕሽርን ዘፍቅር ንድኻታትን ንጽጉማትን ዝሕግዝ ሰብ ነበረ። ንሱ ኣብ ዘመነ ንእስነቱ ብሰላምን ብቕድስናን ኣብ ሃገሩ እና ነበረ ከሎ ሓደ ጊዜ ብዘመነ መንግስቲ ሻልማንኤሰር ተማሪኹ ናብ ኣሶር/ነነዌ ከደ። እንተኾነ ኣብ ዓዲ ስደት’ውን ንሱስ ከምቲ ኣብ ሃገሩ ዝፍጽሞ ዝነበረ ስርዓት ኣምልኾ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለን። ኩሎም ዓሌቱን ወገናቱን ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝነብርዎ ዝነበሩ ኣነባብራ፡ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ብልዒ ክነብሩን ክበልዑን ከለዉ ንሱ ግና ሰለስተ መንእስያት ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ከምኡ ከኣ ብጥበቡ ፍሉጥ ዝነበረ ዳንኤል ዝገበርዎ ካብ መግቦም ምብላዕ ኣበየ። እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ሞጎስ ከም ዝረክብን ኣዝዩ ልዕል ከም ዝብልን ገበሮ። በዚ ከኣ እቲ ንጉስ ንኹሉ ዘድልዮ ዘበለ ንኽግዝኣሉን ክልኣኾን ኣብ ልዕሊ
እዚ ኩሉ ሸሞ፡ ከምዚ ኢሉ እና ነበረ ሓደ ጊዜ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ከሎ ውዑይ ሓርኢ ናይ ለዃዂቶ ኣብ ኣዒንቱ ኣተዎ ኣብ ብዙሕ ሕክምና ከይዱ ከኣ ክሓዊ ኣይከኣለን። በዚ ድማ ክልቲኤን ኣዒንቱ ብፍጹም ዓወራ ምርኣይ’ውን ሰኣነ። ብገዛእ ጉልበቱ ሰሪሑ ንስድራቤቱ ዝኣሊ ብምጽዋትን ብዕሽርን ንቤተ መቕደስ ዘገልግል፡ ንጥሙያትን ንሱኡናትን ዘብልዕን ዘስትን ዝነበረ ጦቢት ምውፋር ምእታው ስኢኑ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ምስ ዑረት ዓይኑን ምስቲ መሪር ቃንዛ ዓይንን ክቕመጥ ግዲ ኮኖ። ከምዚ ኢሉ ከኣ ንዓሰርተ ኣርባዕተ(14) ዓመት ቀጸለ። ምስናይ እዚ ግና ናብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ጸሎት ምብጻሕን ምልማንን ኣየቋረጸን፡፡
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሳራ እትብሃል ጓል ራጉኤል ንሳ ሸውዓተ ሰብኣይ ተመርዕያ ነበረት። እንተኾነ ኣስሞድዮስ ዝበሃል እኩይ ግና እቶም ዝተመርዓውዋ ሰብኡት ጌና ብስጋ ከይተራኸብዋ ከለዉ ይቐትሎም ነበረ። እዚ ከይኣክል ግና ንዝነበራ ሽግር ዝረኣየት ኣገልጋሊታ ኩሉ ጊዜ ተባጭወላን ትጸርፋን ነበረት። እዚ ኩሉ ሽግርን መከራን ዝወርዳ ዝነበረ ሳራ ግና ኩሉ ጸገማን ውርደታን ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ብጸሎት ተብጽሕ ነበረት።
ጦቢት ናብ ኣምላኽ ዝልምነሉ ዝነበረ ጊዜን/ሰዓትን ሳራ ናብ ኣምላኽ ዝጸለየትሉ ጊዜ ኣብ ሓደ ሰዓትን ጊዜን ነበረ። ጦቢት እንሆ ዓይኑ ብጥዕዩ ከሎ ምስ ጋባኤል ዝበሃል ሰብኣይ ገንዘብ ኣቐሚጡ ነበረ እሞ ሓደ እዋን ንወዱ ንጦብያ ጸዊዑ ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ገንዘብ ከምጽኦ ሓበሮ። እንተኾነ ጦቢት ገና ንእሽቶይ ስለ ዝነበረ ምስኡ ዘካይዶ ሰብ ደልዩ ክወስድ ምስ ተመልሱ ከኣ ዓስቢ ድኻሙ ክህቦን ምዃኑ ሓበሮ ።ከም ቃል ኣቦኡ ከኣ ኣብ ደጌ ወጺኡ ምስኡ ዘካይዶ ሰብ ደለየ። እንሆ ከኣ እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል መንእሰይ ሰብኣይ መሲሉ ተጓነፎ ፡ ተተሓሒዞም ከኣ ከዱ። ኣብ መገዲ እና ኸዱ ኣብ ገምገም ፈለግ ጤግሮስ በጽሑ እሞ ኣብኡ ኣዕረፉ፡ ሓደ ዓቢ ዓሳ ከኣ ንጦብያ ክበልዖ ኢሉ መጸ። መልኣኽ እግዚኣብሔር ሩፋኤል ከኣ ነቲ ዓሳ ሒዙ ኣብ ክልተ ከፊሉ ሓሞቱን ከብዱን ልቡን ወሲዱ ነቲ ካልእ ናውቲ ከብዱ ጓሓፎ። ጦብያ ክሳዕ ጉዕዝኦም ዝውዳእ ነቲ ዓሳ እና በልዐ ከደ። ጸኒሑ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ናብ ቤት ራጉኤል ከኸዱ ከም ዘለዎምን ንሳራ ክምርዓዋ ዝግብኦ ንሱ ምዃኑን ሓቢሩ ናብ ቤት ራጉኤል ኣተዉ። መንነቶም ገሊጾም ከኣ ንሳራ ናብ ጦብያ ኣመርዓውዋ። እዚ ክኸውን ከሎ “ከምቶም ዝሞቱ ሸውዓተ ሰብኡት እዚ’ውን ክመውት እዩ” ኢሎም ስድራቤታ ኣዝዮም ተሻቐሉ፡፡ እንተኾነ እቲ ሓያል መልኣኽ ነቲ ካብ ገምገም ፈለግ ዝሓዝዎ ዓሳ ክትዕጠኖ ከም ዘለዋ ሓበራ ጸሎት ገይሮም ከኣ ደቀሱ። እቲ ንብዙሕ ጊዜ ዘሽግራ ዝነበረ ጋኔን ከኣ ብቕጽበት ወጺኡ ካብቲ ከባቢ ርሓቐ። በዚ ዝኾነ ኩላቶም ኣዝዩ ደስ በሎም፡፡
ቅዱስ ሩፋኤል ናብቲ ኣቐዲሙ ዘበገሶም ጉዳይ ማለት ምምጻእ ገንዘብ ካብ ጋባኤል
ምስ ከልተ ገላዉ ከደ። ኣብቲ ቤት ኣትዩ ኩሉ እቲ ጦቢት ዝበሎምን ጦብያ ወዲ ጦቢት ከም ዝተመርዓወን ነጊሩ እቲ ዘሎ ገንዘብ ሒዙ ናብ ጦብያ ተመልሰ። እንሆ ከኣ ንሳራ ጓል ራጉኤል ሰበይቱ ሒዙ ናብ ኣቦኡ ጦቢት ተመልሰ። እቲ ዝኾነ ነገር ሰሚዑ ጦቢት ኣዝዩ ንኣምላኽ ኣመስገነ። በቲ ኣቐዲሞም ኣብ ገምገም ፈለግ ዝረኸብዎ ሓሞት ናይቲ ዓሳ ገይሩ ከኣ ኣዒንቱ ደረዘሉ እሞ ካብ ዓይኑ ቅራፍ ዝመስል ወጸ ብኡብኡ ከኣ ኣዒንቱ ተኸፍታሉ እሞ ረኣየ።
እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ እዩ እምበኣር እቲ ሓያል መልኣኽ መንነቱ ክገልጸሎም ዝጀመረ። በለ ከኣ “ንእግዚኣብሔር ወድስዎ በቲ ዝገበረልኩም ኩሉ ከኣ ኣመስግንዎ። ንእግዚኣብሔር በቲ ዝገበረልኩም ኩሉ ሰናይ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ፍጥረታት እናኣመስገንኩምን ብመዝሙር እናዘመርኩምን ሞሳ ምለስሉ። እወ ንምምስጋኑ ኣይትተሃከዩ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ በቲ ዝገበረልኩም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ኣኽብርዎ፡ ተግባራቱ’ውን ኣዘንትዉ። ንንጉስ ምስጢር ክትሕልወሉ ጽቡቕ እዩ። እግዚኣብሔር ዝገበሮ ግን ኩሎም መታን ከኽብርዎን ከመስግንዎን ኣብ ኩሉ ከእወጅን ብኹሉ ክፍለጥን እዩ ዝግባእ። ጽቡቕ ግበሩ እሞ ክፉእ ኣይከበጽሓኩምን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልከኹም ንንጉስ ምስጢሩ ክትሕልወሉ ጽቡቕ እዩ። እግዚኣብሔር ዝገብሮ ግና ንኹሉ ክንገር እዩ ዝግባእ። ሕጂ ከኣ ሓንቲ ከይሓባእኩ ነቲ ሓቂ ብምልኡ ክነግረኩም እየ። ጦቢት ንስኻን ሳራን ምስ ጸለኹም ንጸሎትኩም ናብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ዘቕረብክዎ ኣነ እየ። ምዉታት ኣብ እትቐብረሉ ጊዜ’ውን ኩሉ ጊዜ ከምኡ ይገብር ነበርኩ። በታ ምሳሕ ከይበላዕካ ምዉት ከትቀብር ካብ መኣዲ ዝተንሳእካላ መዓልቲ ከኣ እግዚኣብሔር ክፍትነካ ለኣኸኒ። ከምኡ’ውን ንዓኻ ከሕውየካ፡ንሳራ ሰበይቲ ወድኻ ድማ ካብ ዝነበራ ማእሰርቲ ክፈትሓ ለኣኸኒ። ኣነ ካብቲ ጸሎት ቅዱሳን ዘዕርጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ደው ዝብሉን ሸውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ እየ። ኣብ ምድሪ ከሳዕ ዘለኹም ንኣምላኽ ወድስዎ ከምኡ’ውን ኣመስግንዎ።እንሆ ኣነ ናብቲ ዝለኣኸኒ ከዓርግ እየ። ነቲ ዝተገብረልኩም ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ጸሓፍዎ” ኢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።
እወ እዚ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ሳራን ዝገበሮ ድንቂ ተኣምር ብዓይኒ ልቦና ነስተውዕሎ። ትማሊ ንቕዱሳን መላኽቱ እና ለኣኸ ንብዙሓት ኣቦታትናን ኣዴታትን ኣብ ህይወቶም ዓቢይን ዘደንቕን ስራሕ ዝሰርሐ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ሎሚ’ውን ብቕንዕና ልብን ብንጽህናን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እንተተጓዒዝና ንጦቢት ስጋዊ ዓይኑ ከፊቱ ብብርሃን ከም ዝርኢ ዝገበሮ ንዓና እውን ዓይነ ልቦናን ተኸፊቱ ናብቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ብብርሃን ተመላሊስና ንዕኡ ከነስምር፡ ከምቲ ንሳራ ንዘመናት ዘሳቐያ ርኹስ መንፈስ ገሲጹ ዘውጽኣላ ሎሚ’ውን ሽሕ እኳ ናብ ዝተፈላለየ ርኽሰት ዝመርሑና ሰናይን ጽቡቕን ስራሕ ንኸይንሰርሕ ዓይነ ልቦናና
ዓጽዮም ብዘይፍረ ጽድቂ ቀንፈዘው ከም እንብል ዝገብሩና ርኹሳት መናፍስቲ እንተሃለዉ እንተኾነ ልብናን ሕልናናን ናብ ጸሎትን ረድኤትን ቅዱሳን መላእኽቲ እንተድኣ ኣቕኒዕናዮ፡ ንረድኤትናን ንሓገዝናን ወትሩ ድሉዋት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብእሳታዊ መስቀል ነቲ ዝጻብኣና ሰይጣን ክግስጹልናን ካብ ዙርያና ከርሕቑልናን እዮም፡፡
ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ ኣልባብ ዘተበህልከ
ከመ ይፈውስ ሕሙመ ወያጥዒ ቊስለ
ከመ ኣስምዖ ፍጡነ ለጦቢት ቃለ
ጽድቀ ዘይዴግኑ ይረከቡ ሣህለ
ወእለ ይኤብሱ ያመጽኡ በነፍሶሙ ኅጒለ።
ለ. በዓለ ካህን መልከ ጼዴቅ
መልከ ጼዴቅ ማለት ንጉስ ሰላም (ሳሌም)፡ ንጉስ ጽድቂ ማለት እዩ፡፡ ትውልዱ ድማ ካብ ነገደ ካም እዩ። ኣቦኡ ሳሌም ኣባሓጉኡ ሴዱ ይበሃሉ። መልከ ጼዴቅ ወዲ 15 ዓመት ምስኮነ፡ ኖህ ንሴም ወዱ “ካብ ዘርኢ ካም ሕያዋይን ቅኑዕን ተወሊዱ ኣሎ’ሞ ካብ ኣዝማዱ ፈሊኻ ነዚ ንዋያተ ቅዱሳንን ዓጽሚ ኣዳምን ንኸሕልዎ ሃቦ፡ ብንጽህናን ብቅድስናን ንኽነብር ስርዓት ስርዓሉ” በሎ። እቲ ንዋያተ ቅዱሳን ዝተባህለ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ሩፋኤልን ካብ ገነት ኣውጺኦም ንኣቦና ኣዳም ዝሃብዎ ድሓር ድማ ሰብኣ ሰገል ንጎይታ ዘቕረብሉ ገጸ በረከት ወርቂ፡ ዕጣን፡ ከርበ እዩ። ሴም ድማ ከምቲ ኣቦኡ ኖህ ዝበሎ ንመልከ ጼዴቖ ካብ ኣዝማዱ ፈልዩ “ምስ ጓል ኣይትቐረብ፡ ጸጉርኻ ኣይትላጺ፡ ጽፍርኻ ኣይትቑረጽ፡ ስጋ ኣይትብላዕ፡ ወይኒ ኣይትስተ፡ ብስርናይን ብወይንን ገይርካ መስዋዕት ኣቕርብ” ኢሉ ስርዓት ሰሪዑ ኣብ ኢየሩሳሌም (ማእከል ምድሪ) ንዋያትን ዓጽሚ ኣዳምን ከም ዝሕሉ ገበሮ።
ኣብርሃም ንሓሙሽተ ነገስታት ሰዶም ሓጊዙ ንኣርባዕተ ነገስታት ኮሎዶጎመር ስዒሩ ክምለስ ከሎ ደስ ስለ ዝበሎ “ንወድኻ ስጋ ለቢሱ እትልእኸሉ ጊዜስ ብዘመነይ ድዩ፧” ኢሉ ናብ ጎይታ ጸለየ። ጎይታ ድማ ብዘመነካ ኣይትርእዮን ኢኻ ናቱ ምሳሌ
ግን ክትርኢ ኢኻ እሞ ንዮርዳኖስ ገጽካ ተሳገር በሎ። ምስ ከደ መልከ ጼዴቅ ንኣብርሃም መስዋዕት ሕብስትን ጽዋዕ በረኸትን ሒዙ ተቐበሎ። ኣብርሃም ደማ ካብ ገንዘቡ ዕሽር ሃቦ። ብድሕር’ዚ ንመልከ ጼዴቅ “ንጉስ ኩነና” ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ከኣ “ዝተወሃበከዎ ሓደራ ገዲፈ ኣብ ካልእ ከሽየም ኣይክእልን እየ ኢሉ መለሰሎም። ንዝተባእሱ ይዓርቕ ንዝማጎቱ ድማ ይሽምግል ስለ ዝነበረ ኣብ ኩሉ ድማ ብቅኑዕ እዩ፡ ዝፈርድ ነይሩ። በዚ ድማ ንጉስ ሳሌም ንጉስ ጽድቂ በልዎ። መልከ ጼዴቅ ዝተመርጸን ከህነት ዝተዋህበን ብእግዚኣብሔር እዩ። ናይ ህይወቱ መጀመርታን መፈጸምታን ኣይፍለጥን እዩ። ከም ካልኦት ነቢያትን ካህናትን፡ በዚ ዕለት እዚ ተወሊዱ በዚ ዕለት እዚ ድማ ሞይቱ ተባሂሉ ኣይተጻሕፈሉን። ክሳዕ ዕለተ ምጽኣት ድማ ህያው ኮይኑ ይነብር። ኣብ ጊዜ ምጽኣት ድማ ምስ በዓል ኤልያስ ከመጽእ’ዩ፡ ምስ መጸ ድማ ብሰማዕትነት ከመውት እዩ። መልከ ጼዴቅ ክህነቱ ዘለኣለማዊ እዩ (ዕብ.7፡1-13)።
5/፭ ጳጉሜን ዕረፍቱ ለነቢይ ኣሞጽ
ኣሞጽ ማለት ሰኸም ወይ ጾር ማለት እዩ። ኣሞጽ ትውልዱ ካብ ነገደ ስምዖን ኮይኑ ቁጽሩ ካብ 12 ደቂቀ ነቢያት እዩ። ንሱ ከብቲ እናሓለወ (እንዳ ኣራብሐ) ኣብ ቤቲቁሔ ይነብር ነበረ። ሰበይቱ ወዲ ከትወልድ ከላ ሃብተ ትንቢት ከም ዝወሃቦ ተረዲኡ ኢሳይያስ ኢሉ ሰመዮ። ኢሳይያስ ማለት ድማ መድሓኒት ማለት እዩ።
ንጉስ ዮርብዓም ወዲ ዮኣስ ንእግዚኣብሔር ዘይፈርህ ስለ ዝነበረ ብሴይፊ ከምዝመውት፡ እስራኤል ካብ ምርኮ ከም ዘይትድሕንን ተነበየ። ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ ዴማ ቤትኤል ቤት ንጉስን ቤት መቕደስን ስለ ዝኾነት ነዚ ትንቢትካ ኣብ ይሁዳ ኬድካ ተዛረብ በሎ። ኣሞጽ ድማ “ኣነስ ሓላዊ ከብቲ ድኣ እምበር ራእይ ዝርኢ፡ ትንቢት ዝዛረብ ኣይኮንኩን” ኢሉ ኣበዮ። ዝተነበዮ ድማ ኮነ። ንጉስ ዮርብዓም ብሰይፊ ሞተ እስራኤል ድማ ተማረኸት። መዋዕለ ትንቢቱ 50 ዓመት እዩ። ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ከባቢ 760 ዓ.ዓ እዩ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ሎኡል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ከቡዝ
ኣሜን!!!
Leave a comment



